በዓል መዚ ብሮድካስት ኢትዮጵያ ነቲ ካብ ትግራይ ዝቐረበሉ ጥርዓን ከጻርይ ምጅማሩ ሓቢሩ

ምንጪ ስእሊ, DANIEL
እቲ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ካብ ቢሮ ርክብ ህዝብን መንግስትን ክልል ትግራይ ናብቲ በዓል መዚ ዝተጽሓፈ ደብዳበ፡ ዝተፈላለያ መራኸብቲ ሓፋሽ እታ ሃገር "ኣብ ትግራይ ጸጥታን ምርግጋእን ከም ዘየለ ዝገልጽ ስኑዕ ዜና ብምዝርጋሕ" ይኸሰን።
በዚ ምኽንያት፡ እቲ ቢሮ ናብ በዓል መዚ ብሮድካስት ኢትዮጵያ ደብዳበ ጽሒፉ።
እቲ ደብዳበ፡ "ኮነ ተባሂሉ ስኑዕ ዜና ዘርጊሐን ኣብ ዝበለን ዝተፈላለያ መራኸቢ ብዙሃን ፌደራልን ክልልን" ምጽራይ ተኻይዱ ሕጋዊ ስጉምቲ ንኽውሰድ ይሓትት።
ብ 16 ግንቦት 2012 ኣቆጻጽራ ኢትዮጵያ ኣብ ተመሳሳሊ ሰዓት ኣብ ኢቢሲ፣ ትካል ፕረስ ኢትዮጵያ፣ ፋና ብሮድካስቲንግ፣ ዋልታን መራኸቢ ብዙሃን ኣምሓራን "ብሄር ተኮር ስኑዕ ዜና" ፈኒወን ክብል'ውን ይኸስስ።
ኣብቲ እዋን፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባብታት ትግራይ ጸገም ጸጥታ ከም ዝተፈጠረ፤ ኣብ ሽረን ከባቢኣን ከምኡ'ውን ኣብ ወጀራትን ከባቢአን ሰላማዊ ሰልፍታት ከም ዝተኻየዱ፤ እዚ ጸገም ናብ ዝኸፍአ ደረጃ ቅድሚ ምብጽሑ ድማ መንግስቲ ፌደራል ሞንጎኛ ኮይኑ ንኽኣትው ነበርቲ ምሕታቶም ዝገልጽ ዜና ምዝርግሐን ናብ በዓል መዚ ብሮድካስት ኢትዮጵያ ዝተልኣኸ ደብዳበ የረድእ።
ኣብ በዓል መዚ ብሮድካስት ኢትዮጵያ ዳይሬክተር ጉዳያት ኮሚዩኒኬሸን ኣይተ ገብረጊወርጊስ ኣብርሃ፡ እቲ ደብዳበ ናብቲ በዓል መዚ ከም ዝበጽሐን ምጽራይ ከም ዝተጀመረን ሓቢሩና።

ምንጪ ስእሊ, Ethiopian Broadcasting Authority
"እቲ ደብዳበ ከም ዝበጽሓና ኣረጋጊጸለኹ። ከምዚ ዝበለ ጥርዓን ክቐርብ ከሎ ብናይዚ በዓል መዚ ክፍሊ ክትትል መራኸቢ ብዙሃንን ህንጸት ዓቕምን ስራሕቲ ምጽራይ ይካየድ'ዩ" ኢሉ።
"ብመሰረት እቲ ደብዳበ ኣድላዪ ምጽራይ ንኽኻየድ ካብ ላዕለዎት ሓለፍቲ ትካልና ትእዛዝ ከም ዝወረደ ይፈልጥ'የ። እዚ ጉዳይ ዝምልከቶ ክፍሊ ከኣ ነቲ ናይ ምጽራይ ስራሕቲ ጀሚሩ'ሎ" ክብል'ውን ወሲኹ ሓቢሩ።
እቲ ዝርከብ ውጽኢት'ውን ዝምልከቶ ኣካል ክፈልጦ ከምዝግበር ዝገለጸ እቲ ዳይሬክተር፡ እቲ ጉዳይ ክእረም ዘለዎ እንተኾይኑ ክእረም፤ ንረብሓ ህዝቢ ዝጻባእ ወይ ከኣ ምስ ዕላማን ተግባርን በዓል መዚ ብሮድካስት ዝጻረር እንተኾይኑ ድማ ስጉምቲ ከምዝውሰዶ ኣረዲኡ።
ቢሮ ርክብ ህዝብን መንግስትን ትግራይ፡ ቅድም ክብል'ውን ተመሳሰልቲ ቅሬታታት ኣቕሪቡ ካብቲ በዓል መዚ ምላሽ ከምዘይረኸ ኣብ ዝጸሓፎ ደብዳበ ብምግላጽ ነዓኣቶም ዘካተተ ግቡእ መልሲ ክወሃቦ ሓቲቱ'ሎ።

ምንጪ ስእሊ, Tigray Communication Affairs Bureau
ነዚ ዝምልከት ሕቶ ዘቕረብናሉ ኣይተ ገብረጅወርግስ ነዊሕ ግዜ ዝገበረ ስለዝኾነ መብርሂ ክህበሉ ኣይክእልን ኢሉ።
"ነዊሕ ግዜ ስለዝኾኖን እኹል ሓበሬታ ስዘለይብለይን ክዛረበሉ ኣይክእልን። ምስ ፈነወ ሚድያ ዝተሓሓዝ ጥርዓን እንተሃልዩ ግን፡ ትሕዝቶ እቲ ዝተመሓላለፈ መደብ፣ መዓዝን ኣበየናይ ሰዓትን ከምዝተመሓላለፈ፣ እንታይ ዓይነት ግድፈት ሕጊ ኣለዎ? ዝብሉ ብዘካተተ መገዲ ክቐርብ ኣለዎ። እቲ ናይ ቅድሚ ሕዚ ብዝብል ዝቐርብ ዘሎ ናይ ቅድሚ ክልተ ዓመት'ዩ" ኢሉ።
ንሱ ከምዝበሎ፡ ጥርዓን ክቐርብ እንተኾይኑ ብመሰረት ደንቢ ኣቀራርባ ቅሬታ በዓል መዚ ብሮድካስት፡ እቲ ፕሮግራም ካብ ዝሓለፍ ኣብ ውሽጢ ዝተወሰነ ገደብ ግዜ እንተቐሪቡ እዩ 'ውሳነ ተዋሂቡ'ዶ ኣይተወሃበን?' ዝብል ክረአ ዘለዎ።
"ሕዚ ግን ነዊሕ ዝገበረ ስለዝኾነ ብዛዕብኡ ንምዝራብ ቁሩብ ዝኸብድ'ዩ። ሽዑ መልሲ እንተዘይተዋሂብዎም ተኸታቲሎም 'መልሲ ኣይተወሃበናን' ምባል መሰሎም'ዩ። ሕዚ ድሕሪ ነዊሕ እዋን መልሲ ኣይረኸብናን ዝብል ክቐርብ ኣይክእልን" ክብል ንቢቢሲ ገሊጹ።
እቲ በዓል መዚ፡ ንዝቐረበሉ ቅሬታን ጥርዓንን ኣጻርዩ ንዝምለከቶ መልሲ ምሃብ ግዴትኡ'ዶ ኣይኮነን? ዝብል ሕቶ ዘቕረብናሉ እቲ ዳይሬክተር፡ ብእዋኑ መልሲ ምሃብ ብሕጊ ከምዝግደድ ኣመልኪቱ።
ወሲኹ ድማ ቢሮ ርክብ ህዝብን መንግስትን ክልል ትግራይ'ውን ነቲ ዘቕረቦ ጥርዓን ብእዋኑ ምላሽ ክሓትን ከምዝነበሮ ኣዘኻኺሩ።








![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







