"ናብ ስርዓት ኣልቦነት ዘሰጋግር ሓደጋ እዩ ኣንጸላሊዩና ዘሎ" ሳልሳይ ወያነ

ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን

ምንጪ ስእሊ, EBC

ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን ኢትዮጵያ፡ ኮሮናቫይረስ ኣብታ ሃገር ስግኣት ኮይኑ ክሳብ ዝቐጸለ፡ ኣብያተ ምኽሪ ፌዴራልን ክልላትን ስርሖም ክቕጽሉ ዝጠልብ ውሳነ ትማሊ ብዓብላሊ ድምጺ ከም ዘጽደቐ ይፍለጥ እዩ።

እንተኾነ፡ እቲ ውሳነ 'ኣግባብ ኣይኮነን' ዝብሉ ርእቶታት'ውን ይወሃቡ ኣለዉ።

ኣባል ቤት ምኽሪ ፌደሬሽንን ጸሓፊት ቀዋሚ ኮሚቴ ዲሞክራሲያዊ ሓድነትን ሕገ መንግስታዊ ኣስተምህሮን እቲ ፌደሬሽንን ወይዘሮ ፍረወይኒ ገብረእግዚኣብሄር፡ እቲ ትማሊ ብቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን ዝተመሓላለፈ ውሳነ፡ 'ሉእላዊ ስልጣን ብሄር ብሄረሰባት ዝጠሓሰ'ዩ' ክትብል ትቃወሞ።

ትማሊ ኣብ ዝተኻየደ ጉባኤ እቲ ቤት ምኽሪ ዝተሳተፉ ኣርባዕተ ወከልቲ ትግራይ፡ ነዚ መስርሕ ሕገ መንግስታዊ ትርጓመ ክቃወሙ ከለው፡ እቲ ውሳነ ኣግባብነት የብሉን ዝበልሉ ጭብጢታት ኣቐሚጦም ከም ዝተኻትዑ፡ ወይዘሮ ፍረወይኒ ገብረእግዚኣብሄር ንቢቢሲ ገሊጻ።

ካብቶም ጭብጥታት ሓደ፡ እቲ ሕገ መንግስታዊ ትርጓመ ክሕተተሉ ናብቲ ፌደሬሽን ዝተላእኸ ጉዳይ፡ ብመሰረት ዓንቀጽ 83ን 84ን እቲ ሕገ መንግስቲ ከማልኦም ዝግባእ ረቛሒታት ኣየማልአን ዝብል ከም ዝኾነ ትዛረብ።

ዓንቀጽ 83፡ "ሕገ መንግስታዊ ውጥጥ እንተጋጥም፡ ብቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን መዕለቢ ይረክብ" ይብል።

ኣብ ዓንቀጽ 84 ድማ፡ እቲ መርማሪ ጉባኤ፡ ነቲ ሕገ መንግስቲ ከመይ ይትርጉሞ ኣብ ዝብል፡ ብውሑድ ክልተ ተሟጎትቲ ኣካላት ክህልው፣ ሕገ መንግስታዊ ሕቶ ዘልዕል ውሳነ መጺኡ እንተኾይኑ ዝብሉ ምዃኖም ትጠቅስ።

ሕገ መንግስቲ ኢትዮጵያ
መግለጺ ስእሊ, ሕገ መንግስቲ ፌደራላዊት ዲሞክራሲያዊት ኢትዮጵያ መዓርነት ቋንቋ፣ ባህሊ፣ታሪክን ሃይማኖትን ብሄረሰባትን ህዝብታትን እታ ሃገር ይድንግግ።

ምስ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ተዛሚዱ 'ሃገራዊ መረጻ ይካየድ'ዶ ይናዋሕ' ዝብል ክትዕ ዝነበረ እንተኾነ'ኳ፡ ከም እምነት ወይዘሮ ፍረወይኒ ግን፡ ክልተ ኣካላት ብግልጺ ብዝኾነ ዓንቀጽ ትርጉም ተኻቲዖም ናብቲ ቤት ምኽሪ ኣይመጽኡን ዝብል እዩ።

ርግጽ፡ ብኸምዚ መገዲ ንዝለዓል ክትዕ፡ ቤት ምኽሪ ፌደሬሽን ኢትዮጵያ፡ ሕገ መንግስታዊ ትርጉም ናይ ምሃብ ስልጣን ከም ዘለዎ ኣብ ዓንቀጽ 62 ሕገ መንግስቲ ኢትዮጵያ ሰፊሩ ይርከብ።

'ሉላዊ ስልጣን ብሄረሰባት ተጣሒሱ'

ኣብ መጣየሲ ኣዋጅ መጻረዪ ጉባኤ ሕገ መንግስቲ 789፡ ሕገ መንግስቲ ዝትርጎመሎም ሰለስተ ነጥቢታት ምህላዎም፡ ወይዘሮ ፍረወይኒ ትገልጽ።

"መንግስታዊ ኣካል፡ ንውሳነ ሕገ መንግስቲ ዝጻባእ'ዩ ዝብል መልዐሊ እንተሃሊዩዎ፣ ኣብቲ ጉዳይ ቤት ፍርዲ ክውስን እንተዘይክኢሉን ናይ ምምሕዳር ኣካል ዝውስኖ ነገር ሃልዩዎ ግን ድማ እቲ ፈጻሚ ስራሕ እዚ ሕጊ ይተርጎመለይ ዝብል ክሳብ ታሕቲ መሓውር ዘሎ እንተይሉ ክትርጎመሉ ዝክእል ዕድላት ኣሎ ተባሂሎም ተቒመጦም ኣለው" ኢላ።

ብተወሳኺ፡ እቲ ዝቐርብ ዘሎ ሓሳብ ንሕገ መንግስቲ ይጻባእ'ዩ ተባሂሉ ቐሪቡ፡ ቤት ፍርዲ ክውስኖ ዘይኽእል ነገር እንተኾይኑ፡ ኣብ ፌደራል ይኹን ኣብ ክልል ዘለው ኣብያተ ምኽሪ ብሓደ ሲሶ "እዚ ትርጉም ሕገ መንግስቲ የድልዮ እዩ" ዝብል ድምጺ እንተሂቦም ክትርጎም ዝኽእለሉ ዕድላት ከም ዘሎ ኣብሪሃ።

"ስለዚ፡ እቲ ክንትርጉም ዝቐረበልና ሕቶ ነዚኦም ዘማልአ ኣይኮነን" ትብል ወይዘሮ ፍረወይኒ ገብረእግዚኣብሄር።

ከም ኣገላልጻ ወይዘሮ ፍረወይኒ፡ ናይ ትርጉም ክፍተት ዝፈጠረ ዓንቀጽ ብግልጺ የለን ዝብል ሞገት እዩ።

ይኹን 'ምበር፡ እቲ ቤት ምኽሪ ፡ ነቲ ብቀዋሚ ኮሚተ 'ሕገ መንግስታዊ ትርጓመን ጉዳያት መንነትን' ዝቐረበሉ ብ114 ድጋፍን፣ ብኣርባዕተ ተቓውሞን ሓደ ድምጸ ተዓቅቦን ብድምጺ ብልጫ ኣጽዲቕዎ እዩ።

እቲ ቤት ምኽሪ ነዚ ውሳነ ዝሃበ ንኣየናይ ሕገ መንግስታዊ ዓንቀጽ ተርጒሙ ከም ዝኾነ ኣይተነጸረን።

ዘመን ስልጣን ክልቲኡ ቤት ምኽሪ ኢትዮጵያ ሓሙሽተ ዓመት ከም ዝኾነን፡ ኣብ ውሽጢ ሓሙሽተ ዓመት ድማ ሃገራዊ መረጻ ክካየድ ከም ዘለዎ፡ ኣብ ዓንቀጽ 54፣ 58 ከምኡ'ውን 60 እቲ ሕገ መንግስቲ ዝሰፈሩ ድንጋገታት የረድኡ።

ዓንቀጽ 9 ድማ፡ ዝኾነ ይኹን ኣካል፡ ካብ ሕገ መንግስቲ ወጻኢ ብዝኾነ መገዲ ኣብ ስልጣን ክጸንሕ ኣይኽእልን ይብል።

ብሔር፣ ብሔረሰባትን ህዝብታትን ኢትዮጵያ

ምንጪ ስእሊ, JOSE CENDON

ብመሰረት ሃገራዊ ቦርድ መረጻ፡ ኣብ እዋን ኮሮናቫይረስ መረጻ ከካይድ ኣይክእልን ዝብል ውሳንኡ ንባይቶ ተወከልቲ ህዝቢ ብዘፍለጦ'ዩ፡ እቲ ባይቶ ሕገ መንግስታዊ ትርጉም ክሕተት ናብ ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን ዝመርሖ።

ከምኡ እንተዘይከውን፡ እቲ ባይቶ ኣብ መጻኢ ወርሒ መስከረም እዩ ዕድመ ስልጣኑ ከብቅዕ ነይሩ።

ገዛኢ ሰልፊ ትግራይ ዝኾነ ህወሓት፡ ዘካትዕ ዓንቀጽ ኣብ ዘይብሉ እዋን፡ ሕገ መንግስታዊ ትርጉም ምእላሽ ኣግባብ ስለ ዘይኮነ፡ ኣብ ክሊ እቲ ለበዳ'ውን መረጻ ክካየድ ኣለዎ ዝብል መርገጺ ኣለዎ።

ካልኦት ተነሓናሕቲ ሰልፊታት ድማ፡ መረጻ ዝካየደሉ እዋን ተናዊሑ መሰጋጋሪ መንግስቲ ክጣየስ ይጠልቡ።

እዚ ከምዚ እናሃለወ፡ እቲ ፌዴሬሽን ብመሰረት ካብቲ መጻረዪ ጉባኤ ብዝቐረበሉ ናይ ውሳነ ሓሳብ፡ ነዚ ኣካታዓይ ጉዳይ ውሳነ ከዕርፈሉ እንከሎ፡ ኣብያተ ምኽሪ ፌዴራልን ክልላትን ኣብ ስርሖም ክቕጽሉ ኢሉ።

ወይዘሮ ፍረወይኒ ግን፡ "እቲ ፈጻሚ ስራሕ ንዓይ'ውን ስልጣን ዘመነይ ኣናውሑለይ፤ ንዓኹም'ውን ስልጣንኩም ኣናውሑ ምባሉ፡ ኣግባብነት ዘይብሉ፡ ብግልጺ ሕገ መንግስቲ ዝተጥሓሰሉ ውሳነ እዩ ተዋሂቡ ዘሎ" ክትብል ንውሳነ እቲ ፌደሬሽን ትቃወሞ።

ዓንቀጽ 83 ንኡስ ዓንቀጽ 2፡ ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን መርማሪ ጉባኤ ሕገ-መንግስቲ ኣብ ዘቕረበሉ ሕገ መንግስታዊ ዛዕባታት ኣብ ውሽጢ 30 መዓልቲ ውሳነ ከም ዝህብ ይገልጽ።

በዚ ውሳነ ዘይተስማመዐ ኣካል ናበይ ይግባይ ከም ዝብል ግን እቲ ሕገ መንግስቲ ኣይነጸረን።

እቲ ቤት ምኽሪ እዚ ውሳነ ቅድሚ ምውሳኑ ቅድሚ ክልተ መዓልቲ፡ ኣፈ ጉባኤ እቲ ፌደሬሽን ወይዘሮ ኬሪያ ኢብራሂም፡ "ጥሕሰት ሕገ መንግስቲ ይፍጸም ስለ ዘሎ፡ ነዚ ውሳነ ኣየወስንን" ብምባል ብፍቓዳ መዝነታ ምግዳፋ ዝዝከር እዩ።

ትግራይ፡ ኣብ ቤት ምኽሪ ፌደሬሽን ብሸሞንተ ኣባላት ክትውከል እንከላ፡ ኣብቲ ትማሊ ዝተኻየደ ጉባኤ ግን እቶም ኣርባዕተ ጥራሕ እዮም ተሳቲፎም።

ካብቶም ተወከልቲ ሓንቲ ወይዘሮ ፍረወይኒ፡ "እቲ ፌደሬሽን፡ ንባዕሉ ዘፍርሶን ዘጥፍኦን ውሳነ እዩ ወሲኑ። ንሕገ መንግስቲ ጠጠው ዝበለ ናይ ብሄር ብሄረሰባት ገዛ ስለ ዝኾነ ሕገ መንግስቲ ናይ ምትርጓም ስልጣን ተዋሂቡዎ ነይሩ። ሎሚ መዓልቲ ነዚ ዝዳፋእ ውሳነ እዩ ወሲኑ" እያ ትብል።

ናይቲ ቤት ምኽሪ ስልጣን ይዳፋእ እዩ ዝበለቶ፤ ካልእ ኣካታዓይ ኮሚሽን መንነትን ወሰንን ተጣይሹ ከም ዘሎ ድማ ሓቢራ።

ተቓወምቲ ውድባት'ከ እንታይ ይብሉ?

እዚ፡ እቲ ሃገራዊ መረጻ ክናዋሕ ዝገብር ውሳነ ኣብ ሞንጎ ተነሓናሕቲ ውድባትን ገዛኢ ሰልፊ ብልጽግናን ውጥጥ ፈጢሩ'ኳ እንተጸንሐ፡ መንግስቲ ዝወሰዶ ስጉምቲ ደጊፎም ቅዋም ዝሓዙ'ውን ነይሮም።

ምኽትል ኣቦ መንበር ብሄራዊ ምንቅስቓስ ኣምሓራ [ኣብን] ኣቶ ዮሱፍ ኢብራሂም፡ እቲ ሕዚ ዘሎ ሃገራዊ ጸገም ዝፍታሕ ፖለቲካ ውሳነ ብምሃብ ከም ዝኾነ ብምግላጽ፡ ነቲ ውሳነ ከም ዘኽብሩዎ ይዛረብ።

"ዘሊልና ናብ ናይ ምርጫ መስርሕ ቅድሚ ምእታውና፡ ሓድነትን ሉእላውነትን ሃገር ክሕሎ፣ ልዕልነት ሕግን ሰላምን ህዝቢ ክኽበርን ምግባር ኣድላዪ'ዩ ዝብል ወሲድና፡ እቲ ሕጂ ዘሎ መንግስቲ ኣብ ዘለሉ ክቕጽል ብምግባር፡ ዘላቒ መፍትሒ ንምምጻእ ዝሕግዝ ማዕቀፍ ክዳሎ ምግባር እዩ እቲ ዝሓሸ ኣማራጺ" ይብል።

ወሲኹ ድማ "ዝኾነ ይኹን ኣካል ዘይጓነየሉ ዘተ ህንጸት ዲሞክራሲያዊ ስርዓት ንክመጽእ'ውን ክንሰርሕ ኣለና" ዝብል መርገጺ ከም ዘለዎ ኣረዲኡ።

እዚ ውሳነ ልኡላዊ ስልጣን ክልላት ዝዳፋእ ከም ዝኾነ ዝገልጽ ሓላፊ ክፍሊ ሕግን ፌደሬሽንን ሳልሳይ ወያነ ትግራይ ተስፋኣለም በርሀ ብወገኑ፡ 'ሕጋዊ ኣይኮነን' ክብል ይነቕፎ።

"ክልላት ናይ በዓልተን ሕጊ ተርጓሚ ኣካል ኣለወን። ብዛዕባ ክልላዊ ጉዳያት ማለት መረጻ፣ ቤት ምኽሪ ክልል ይኹን ፈጻሚት ዝምልከት ናይ ባዓለን ሕገ-መንግስቲ ኣለወን። ስለዚ እቲ ናይ ፌደራል ቤት ምኽሪ ፌደሬሽን ነዚ ከይረኣየ እዩ ንናይ ክልላት'ውን ኣናዊሑ ዘሎ። እቲ ናይ ፌደራል ጥራይ እዩ ዝምልከቶ ነይሩ" ክብል ኣረዲኡ።

ነዚ ብምግባሩ መሰረታዊ ዝኾነ ስሕተት ፈጺሙ'ዩ ክብል ነቲ ቤት ምኽሪ ዝነቅፍ ተስፋኣለም፡ እቲ ውሳነ ድማ ሕገ መንግስታዊ ዘይኮነስ ፖለቲካዊ ከም ዝኾነ ሓቢሩ።

ኣብ ክልል ኦሮሚያ ካብ ዝንቀሳቐሱ ፖለቲካዊ ሓይልታት ሓደ ዝኾነ ኦሮሞ ብሄራዊ ኮንግረስ፡ ነታ ሃገር ዝመርሕ ዘሎ ገዛኢ ሰልፊ ብልጽግና ክሳብ ሕዚ ዘይመለሶም ዴሞክራሲያዊ ሕቶታት ስለ ዘለው፡ ብውሳነ እቲ ፌደሬሽን ጥራሕ ናይ ስልጣን ዘመኑ ከናውሕ ዘይኮነ፡ ፖለቲካዊ ውድባት ዝሳተፍሉ ድርድር እዩ ከካይድ ዝግባእ ይብል።

ኣቦ መንበር እቲ ውድብ ፕሮፌሰር መራራ ጉዲና፡ እቲ ጸገም ኣብ ፖለቲካ'ምበር ኣብ ሕገ መንግስቲ ከም ዘይኮነ ይዛረብ።

'መጻኢ ኢትዮጵያ' ዝብል 7 ገጽ ዘለዎ ጽሑፍ ናብ መንግስቲ ኢትዮጵያ ከምዘቕረቡ ዝዛረብ ፕሮፌሰር መረራ፡ "እቲ ቀንዲ ጸገም ሕገ መንግስታዊ ዘይኮነ ናይ ፖለቲካ ጸገም እዩ። ነዚ ናይ ፖለቲካ ጸገም ድማ ንዝሓለፈ 50 ዓመታት ተመሳልነት ዘለዎ ሓደ ጉጅለ ስልጣን ብሒቱ ብናቱ ድልየት፡ ብናቱ ሕልሚ ክውስንን ክትግብርን ስለ ዝጸንሐ፡ ሰላምን ምርግጋዕን ከምጽእ ኣይከኣለን" ኢሉ።

እዚ ከኣ ንሕቶ ህዝቢ ኢትዮጵያ መልሲ ከም ዘይሃበ ብምግላጽ ብሄራዊ ምርድዳእ ከምዘድሊ ሓቢሩ።

መንግስቲ ግን በቲ መገዲ ክኸይድ ዝደልይ ከም ዘይመስል ብምግላጽ፡ እቲ ናይ ትማሊ ውሳነ ቤት ምኽሪ ፌደሬሽን ነዚ ከም ዘረጋግጽ ንቢቢሲ ተዛሪቦም።

እቲ ሕማም ስግኣት ከም ዝኾነ ዝኣምን ምኽትል ኣቦ መንበር ኣብን ኣቶ ዮሱፍ፡ ቅድሚ ኹሉ እቲ ሕማም ኣብ ቑጽጽር ክውዕል ኣለዎ ኢሉ።

"ምርጫ ሕጂ ይካየድ ዝብሉ ኣካላት ልቢ ዘይበልሉ ሓደ ነገር፡ ናይዛ ሃገር ጸገም ምርጫ ምህላውን ዘይምህላውን ኣይኮነን። ፍትሓዊ፣ ዴሞክራስያውን ናጻን ዝኾነ ምርጫ ንክካየድ፡ ኣብ ሃገራዊ ምርድዳእ ክንበጽሕ ይግባእ" ኢሉ።

እቲ ዘሎ ሕገ መንግስቲ "ብዙሕ ጸገማት ዘለዎ ስለ ዝኾነ" ክዕረ ከምዘለዎ ድማ ሓቢሩ።

"ትካላዊ ዝኾኑ ጸገማት፣ ናይ ሕግን ሕገ ምንገስታዊ ጉዳያትን ፈቲሕና፡ ንኹላትና ከሰማምዕ ዝኽእል ዴሞክራሲ ምምጻእ እዩ ዝሓሸ ዝኸውን" ክብል ገሊጹ።

እዚ ውሳነ፡ ሰነድ ሓበራዊ ምርድዳእ ብሄር ብሄረሰባትን ህዝብታትን ኢትዮጵያ ዘፍረሰ እዩ ኢሉ ዝምጕት በዓል ሞያ ሕግን ፌደሬሽንን ሳልሳይ ወያነ ትግራይ ተስፋለም ግን፡ "ብቐጻሊ ናብ ስርዓት ኣልቦነትን ሕገ መንግስታዊ ቅልውላውን ዘሰጋግር ከቢድ ሓደጋ እዩ ኣንጸላሊዩና ዘሎ" ክብል ስክፍትኡ ገሊጹ።

ኣብ ኢትዮጵያ፡ በቲ ሕገ መንግስቲ መሰረት፡ ኣባላት ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ዝውከልሉ ባይቶን፤ ብሄር ብሄረሰባትን ህዝብታንን ዝውከልሉ ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽንን ኣለው።

ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ፡ ውክልና ህዝቢ ምርግጋጽ፣ ፈጻሚ ኣካል ምቁጽጻር፣ ሕጊ ምውጻእ ዝብሉ ዕማማት ዝተዋህቦ'ዩ።

ቤት ምኽሪ ፌደሬሽን ድማ፡ ውክልና ብሄርብሄረሰባት ይሕዝ።

እዚ ቤት ምኽሪ፡ ነቲ ሕገ-መንግስቲ ዝሕሉን ዝኾነ ንዕኡ ዝጻረር ሕጊ ከይጸድቅን ይከታተል፤ ዘካትዕ ዓንቀጽ እንተጋጥም ድማ ናይ ምትርጓምን፡ ናይ መወዳእታ ውሳነ ናይ ምሃብን ሓላፍነት ኣለዎ።