"ንወላዲተይ ወድኺ ንምንታይ ናብ ገዛ ተእትውዮ ኢሎም ኣፈራሪሖማ" ኣቦ መንበር ሳወት ሃያሉ ጎደፋይ

ኣቦ መንበር ሳልሳይ ወያነ ትግራይ ኣይተ ሃይሉ ጎደፋይ

ምንጪ ስእሊ, TMH

ኣብዚ ቅንያት ብውልቀን ንውድባቶም ወኪሎምን ኣብ ክልላዊ መረጻ ትግራይ ዝወዳደሩ ዘለው ተነሓናሕቲ ካብ ኣባላት ገዛኢ ሰልፊ ህወሓትን ምምሕዳርን ጸቕጥን ምፍርራሕን ይበጽሐና፣ 'ነጻልን መጓነይን ሽማሽም ይወሃበና ኣሎ' ክብሉ ቀንዮም።

ቅድም ኢሉ'ውን 'ምጽራይ ባንዳታት' ብዝብል ኣብ ቴሌቪዥን ኣብ ዝቐረበ ምድላው ብቓልዕ ኣስማት ውድባት ተሮቚሑ 'ንሳቶም ባንዳ'ዮም' ዝተባህሉ ውድባት ነይሮም።

ነዚ ዋላ'ውን ወግዓዊ ይቕሬታ ኣይወሃቦ፡ ገለ ኣባላት ህወሓት ግን "እቶም ባንዳታት ዝበሉ ናይ ውልቀ ርእይቶኦም እዩ፤ ግን ንሱ'ውን ቅቡል ኣይኮነን" ኢሎም'ዮም።

ኣቦ መንበር ሳልሳይ ወያነ ትግራይ ኣይተ ሃይሉ ጎደፋይ፡ ሓደ ካብቶም "ፀቕጥን ምፍርራሕን የጋጥመና ኣሎ" ዝበሉ ኣባላት ተነሓናሕቲ ውድባት ኮይኑ ነቶም ተጓንፎታቱ ምስ ቢቢሲ ተዛሪቡ ኣሎ።

Short presentational grey line

ኣብ ዝሓለፈ ዓርቢ ኣባላት ውድብ ሳልሳይ ወያነ ንስራሕቲ መረጻ ናብ ዞባ ደቡብ ትግራይ ወረዳታት ስላዋ፣ ኣላጀን ወረዳ ቦራን ተንቀሳቒሶም ነይሮም።

ኣብዚ ግዘ፡ ብኣመራርሓ ህወሓትን ኣካላት ፀጥታን ምቁንጻብን ፍሉይ ክትትልን ከም ዝበፅሖም ኣቶ ሃያሉ ይዛረብ።

ኣባል ህወሓት ዝኾና ወላዲቱ ወይዘሮ ሕንጦ ኣብርሃ መረሳ'ውን፡ "ወድኺ ንምንታይ ናብ ገዛ ተእትውዮ" ብምባል ብገለ ሰብ መዚ ወረዳ ቦራ ምፍርራሕን ምድሃልን ከም ዝበጽሐን ኣይተ ሃያሉ ጎደፋይ ይዛረብ።

"ብስራሕ ክንንቀሳቐስ ከለና ብሓይልታት ፀጥታ ዝተፈለየ ክትትል ይግበረልና ነይሩ። ኣብቲ ከባቢ ከምዚ ወራር ዝኣተወ እዩ ዝመስል። ኣብ መንገዲ ብዙሕ ፀገማት ኣጋጢሙና። ኣብቲ ከባቢ ኲናት ዝተላዕለ እዩ ዝመስል" ይብል።

ስራሕቲ መረፃ ምስ ዛዘሙ፡ ምስ ካልኦት ኣባላት 'ሳወት' ኣብ ወረዳ ቦራ ናብ ትርከብ ወላዲቱ ከይዶም ምሳሕ በሊዖም ምስ ተመለሱ ንጣብያ ኣማሓዳሪ እቲ ወረዳ ስለምንታይ ኣብ ልዕሊኦም ፀቕጢ ከም ዝተገበረ ሓቲቱ፡ ግን ንሕና ከምኡ ኣይገበርናን ዝብል ምላሽ ከም ዝተዋህቦም ይዛረብ።

ብፍላይ እቲ ኣመሓዳሪ ጣብያ ንዕኡን ንብጾቱን ብሓይሊ ቃላት ክድህሎም ከም ዝፈተነ፡ እንተኾነ ብዙሓት መናእሰይ ተኣኪቦም ስለ ዝተቓወሙ ኣማሓዳሪ እቲ ወረዳ ካብቲ ከባቢ ከም ዝተኣለየን'ዩ ኣይተ ሃያሉ ዝገልፅ።

ኣማሓዳሪ እቲ ጣብያ ኣይተ መረሳ ግርማይ ግና ነቲ ኣይተ ሃያሉ 'ፀቕጥን ክትትልን' ኣጋጢሙኒ ዝበሎ ነገር ከም ዘይወዓሎ እዩ ዝዛረብ።

"ሓሰት እዩ፤ ክከታተሎም ዝተዋፈረ ፀጥታ የለን። ኣብ ዶብ ምስ ክልል ኣምሓራ ኣብ ዘራኽብ ኬላ ዘሎ ኣካል ፀጥታ ግን ካብ ወርሒ መጋቢት ኮሮና ከይኣቱ ኢልና ዝጀመርናዮ እዩ። በዚ ኣቢላ ትሓልፍ ዝኾነት መኪና ተፈቲሻ እያ ትሓልፍ።

. . . እቲ ኣብኡ ዘሎ ፀጥታ ድማ ኣየፈራረሖምን። ንሱ (ሃያሉ) ናብ ከተማ ምስ መፅአ ከም ዘፈራርሑዎ ነጊሩና። እቶም ኣብኡ ዝነበሩ እንተሓተትናዮም ግን ኣየፈራራሕናዮምን'ዮም ኢሎምና፤ ብሰላም'ዮም ከይዶም" ዝብል ምላሽ ሂቡና።

ወሲኹ ኣባላት እቲ ውድብ ብሃንደበት ስለ ዝመጽኡ'ምበር ሓላፍነት መንግስትን ህዝብን ስለ ዘለና ነቲ ህዝቢ ምኣከብናሎም ነይርና ኢሉ።

ኣይተ ሃያሉ ንኣባል ህወሓት ወላዲተይ ክርእያ ምስ ከድኩ ንምንታይ ንወድኺ ናብ ገዛ ተእትውዮ ዝብል ምፍርራሕ በፂሑዋ ንዝበሎ ከኣ፡ ኣይተ መረሳ "ኣበይ ረኺብናያ? እንታይ ገይራ? ክልቲኤና ሓደ ኢና፤ ኣባላት ውድብ ኢና" ብምባል እቲ ክሲ ብጭብጥን መርትዖን እንተቕሪቡሉ ክገጥሞ ከም ዝኽእል ተዛሪቡ።

ኣማሓዳሪ ወረዳ ቦራ ኣይተ ኣሸብር ሓጎስ ድማ፡ እቶም ኣብ ኬላ ዝነበሩ ኣካላት ፀጥታ ንኣባላት ሳልሳይ ወያነ "ብፍሉይ ዘፈራርሕሉን ብረት ዝዕምርሉን" ምኽንያት ከም ዘየለ ብምግላፅ፡ ነቲ ከምኡ ገይሩ ዝተባህለ ውልቀሰብ ረኺቡ ከም ዘፃረየን፡ ግን እቲ ተግባር ከም ዘይተፈፀመ ይዛረብ።

"ልዕሊ ኹሉ ንመረፃ ትግራይ ክዕንቅፎ ዝኽእል ነገር እተሃለወ ፀረ-ዲሞክራሲ ዝኾነ ተግባር እዩ ኢልና ትኹረት ንህበሉ ጉዳይ እዩ። እዚኣ ዝገብር ኣባል ህወሓት ናትና ኣመራርሓ እንተኾይኑ፡ ፀላኢ ህወሓትን ሕገ-መንግስታዊ ስርዓትናን' ዩ ኢልና ኢና ንሓስብ። ስለዚ ፍፁም ዘይተገበረ ተግባር'ዩ፤ ዳግም'ውን ብኣካል መፂእኻ ምርግጋፅ ይከኣል"።

ኣይተ ሃያሉ ግን፡ ብሰንኪ ፖለቲካን ኣፈላላይ ሓሳብን ቕዋምን ኣብ ልዕሊ ሰባት ዝግበር ምንክልባት ኣብ ልዕሊ ወላዲቱ ጥራሕ ዘይኮነስ ኣብ ዝተፈላለለዩ ከባብታት ትግራይ ኣብ ልዕሊ ተነሓናሕቲ እቲ ውድብ ዝኾኑ ኣባላትን ወለድን፡ ፀቕጥን ምቁንፃብን ከም ዘጋጥም ኣረጊፁ ይዛረብ።

ኣብ ዝሓለፈ ቅንያት'ውን ብኣመራርሓን መሓውርን ህወሓት ኣብ ብዙሓት ስድራ ተቓወምቲ ውድባት ምፍርራሕን ምክልባትን ተፈጺሙ ዝብል ቅረታ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ክዝረብ ቀንዩ ኣሎ።

ኣብ ተጋድሎ ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ በዓል ገዝአን ዝተሰውኡወን ወላዲት ኣይተ ሃያሉ ጎደፋይ ምስ ውላደን ናይ ፖለቲካዊ ኣረኣእያ ፍልልይ እኳ እንተሃለወን፡ "ምስ ወደይ ብፖለቲካ ክንፈላለ ንኽእል ኢና፡ ግን ኣደን ውላድን ኢና ከም ዝበለኦም" ይዛረብ።

እቲ ኣጋጢሙወን ዝበሎ ፀገም ድማ ምስ ኣመሓደርቲ እቲ ወረዳ ተረዳዲአን ከምዝፈትሐኦን እቲ ናይ ቃል ምፍርራሕ ከም ዘይተደግመን ገሊጹ።

እቲ ኣብ ወላዲቱ ዘጋጠመ ምፍርራሕ እንተቐፂሉ ድማ ናብ ሕጊ ከምዝኸይድን እውን ሓቢሩ።

"ዓይነ-ስውር ኣባልና ሰብ ንከይመርሖ ተገይሩ"

ኣብ ዞባ ምዕራብ ትግራይ ወረዳ ወልቃይት ከተማ ማይ ጋባ፡ መሪሕነት ሳልሳይ ወያነ ትግራይ ዝኾነ ዓይነ-ስውር ኣይተ የማነ ገብረመድህን ኣባል እቲ ውድብ ብምዃኑ፡ ግዳይ መጥቃዕትን ተነፅሎን ከም ዝኾነን ይጠቅስ።

ወዲ ስውእ ተጋዳላይ ህወሓት ኣባል ሳልሳይ ወያነ ትግራይ ምሁር ሶሶሎጂ ኣይተ የማነ ገብረመድህን፡ ኣብ ኣኼባ መስረትቱ ውዶቦም ክሳተፍ ንመቐለ ከይዱ ንኣርባዕተ መዓልቲ ካብ ስራሕ ስለ ዝበኾረ ክሲ መስሪቶም ናይ ወርሒ ደሞዙ ከም ዝተቐፅዐን፡ ንብዙሓት ዝቐርቡዎን ዝመርሕዎን ዝነበሩ ሰባት፡ ከይትቐርቡዎ ዝብል ፀቕጢ ከም ዝተፈጠረሎምን ንቢቢሲ ሓቢሩ።

ኣባል ሳልሳይ ወያነ ትግራይ ኣይተ የማነ ገብረመድህን

ምንጪ ስእሊ, SAWET

እዚ ብሕገ-መንግስታዊ መሰል ይኹን ብሕጊ ስቪል ሰርቪስ ቅቡል ዘይምዃኑ ኣይተ ሃያሉ ጎደፋይ ይዛረብ።

እንተኾነ ሽዑ ሓላፊ ቤት-ጽሕፈት ደኣንት ዝነበረ ሕዚ ናብ ወረዳ ኣውራ ተቐይሩ ሓላፊ ዘፈር መንግስታዊ ግልጋሎት ኮይኑ ዝሰርሕ ዘሎ ኣይተ ሃይላይ ገብረኣነንያ፡ "ኣይተ የማነ ፃዕቒ ስራሕ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ፍቓድ ከይሓተቱ ንሽዱሽተ መዓልቲ ካብ ናይ ስራሕ ቦተኦም ስለዝበኾሩ፡ ክሲ መስሪትና ብሕጊ ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ፡ ናይ ትካል ትካላዊ ኣሰራርሓ ብምጥሓሶም ብዓንቀጽ 77 ናይ ወርሒ ደሞዞም ቀፂዕናዮም። ይግባይ'ውን ኣይበሉን መቕፃዕቶም ተቐቢሎም። እቲ ጌጋ ግን፡ ክሳብ ካብ ስራሕ ምስጓግ'ውን ዘቕፅዕ እዩ ነይሩ" ኢሉ።

ኣይተ የማነ ግና፡ እቲ ገዛኢ ውድብ ብሓሳብ ንዝፍለዮ ዘበለ ብፀቕጥን ምፍርራሕን ከም ዝንፅሎ ስለዝፈልጥ ብዙሕ ኣይገረመንን። ብዝያዳ እኳ ደኣ ንፖለቲካዊ ዕላማን መትከልን ውድበይ ብዝያዳ ንክሰርሓሉ ሓይሊ እዩ ዝፈጥረለይ ክብል ተዛሪቡ።

ኣይተ ሃይሉ ጎደፋይ፡ ንኣባላት ሳወት ጥራሕ እንተይኮነስ ንኣባላት ካልኦት ውድባት'ውን ተመሳሳሊ ፀገም ከም ዘጋጥሞምን፡ ኣብ ዝተፈላለዩ መድረኻት'ውን ምስ ህወሓት ክራኸቡ ከለው፡ ንዶክተር ደብረፅዮን ከይተረፈ ቅሬትኦም ከም ዝነገሩዎም፡ ናብ ክልል መንግስቲ'ውን ደብዳበ ከም ዝፅሓፉን ሓቢሩ።

ይኹን'ምበር፡ ግቡእ ምላሽን ግብራዊ ምምሕያሽን ስለ ዘይርእዩ፡ 'ኣብ ትግራይ ዘሎ ባይታ ፖለቲካ ንተቓወምቲ ውድባት ጥጡሕ ከም ዘይኮነ' የረድእ።

ፖለቲካዊ ባይታ ትግራይ፡ 'ኣብ ጭቃ ዘሎ ዕሾኽ . . .'

መሪሕ ውድብ ህወሓት፡ 'ንተነሓናሕቲ ፖለቲካዊ ውድባትን፡ ንሱ ካብ ዝቆፃፀሮም ውዳበታት ወፃኢ ንዘለዉ ሲቪላዊ ማሕበራትን ዝተፈላለየ ስም እናጠመቐ ፀቕጥታት ይፈጥረሎም እዩ' ዝብል ክስታት ብተቓወምቲ ውድባት ይቐርበሉ'ዩ።

ፖለቲካዊ ባይታ ትግራይ ንተቓወምቲ ውድባትን ውልቀ ሰባትን ጥጡሕ ኣይኮነን ዝብሉ ወገናት ድማ፡ ነቲ ኩነታት ኣብ ጭቃ ከም ዘሎ ዕሾኽ ይምስሉዎ።

እቲ ውድብ ኣብ ዝተፈላለየ መድረኻትን ኣብ መራኸብቲ ሓፋሽን፡ ንውድባት ፖለቲካ "ፀላኢ" ን "ባንዳታት"ን እናበለ ምግላፁ ከም መርትዖ ይቐርብ እዩ።

ቴሌቪዥን ትግራይ ኣብ ዘሕለፎ መደብ 'ምፅራይ ባንዳታት'፡ "ካብ ሞያዊ ስነ-ምግባር ጋዜጠኝነት ወፃኢ" ዝተሰርሐ ምዃኑ ገሊፁ፡ ወግዓዊ ይቕረታ ከም ዝሓተተሉ ይዝከር።

እንተኾነ ድሕሪ እቲ ፍፃመ'ውን "ምዕባለታት ፍሉይ ምዕራፍ ቃልስን ቀፃሊ ኣንፈታትን" ብዝብል ንተቓወምቲ ውድባት ፖለቲካ ትግራይ፣ ንምሁራትን ሲቪክ ማሕበራትን ዘናሹ ናይ ህወሓት ምዃኑ ዝግለፅ ምላቚ ሰነድ ምውጽኡ፡ ነዚ ብኣባላት ተቓወምቲ ውድባት ዝቐርብ ዘሎ መረረን ጥርዓንን ዘንጸባርቕ ምዃኑ፡ ኣይተ ሃያሉ ጎደፋይ ይገልጽ።

"ኣብ ትግራይ ይትረፍ ፖለቲከኛ ናይ ማሕበራዊ ሚድያ ፀሓፊ ወይ ናይ ሓደ ሲቪክ ማሕበር ኣባል እንተኾይንካ'ውን ተነፅሎ ኣይተርፈልካን። ግን ተቓሊስና ኢና ክነዐርዮ ንኽእል'ምበር፡ ነገራት ኣይጠጠሐን ኢልና ኮፍ ኣይንብልን፤ ንዕኡ ኢና ንቃለስ ዘለና" ይብል።

ኣብዚ ሰሙን ኣባል ፈፃሚት ስራሕ ህወሓት ኣይተ ጌታቸው ረዳ፡ ህወሓት ኣብዚ መረፃ፡ ንኣባላት ተናሓናሕቲ ውድባት ፀገም ከየጋጥሞም ንኣባላታ መምርሒ ከም ዘውፅአትን ዝኾነ ጌጋ ንዝፈፀመ ኣባል ህወሓት ድማ፡ ክሳብ ምብራርን ብሕጊ ምሕታትን ዝበፅሕ ስጉምቲ ከም ትወስድን ኣብ ፌስቡኩ ገሊፁ።

ጌታቸው ረዳ

ምንጪ ስእሊ, Anadolu Agency

"ዝኾነ ስነ-ምግባር ዘጉደለ ሰብ፡ ፍፁም ንህወሓት ዘይውክል ኣብ ርእሲ ምዃኑ ብኣውርኡ ንኸይዲ መረፃ ዘዕንቅፍ ዝኾነ ተግባር እንተልዩ ብሕጊ ንክሕተት ብፅኑዕ ንሰርሕ፡፡ ዝኾነ ተወዳዳራይ ወይ ነጣፊ ፀገም እንተበፂሕዎ፡ ኣብዚ ቦታ ንዓይ ወይ ንወለደይ ከምዚ ዝበለ ፀረ ዲሞክራሲ ምድሃል ብእገለ ዝብሃል ሰብ ተባሂሉ ሽም እንተዘርዚሩ፡ ናብ ሕጊ ከም ዝቐርብ ክንገብር ኢና።

. . . ሽም ጠቒሱ ኣብ ዘይመፅአ ክሲ ግና፡ ስጉምትን መአረምታን ንምውሳድ ከም ዘፅግምን ተራ መፀለምታ'ውን ናይ ምዃን ዕድል ከምዘለዎን ኩሉ ክግንዘቦ ይግባእ" ይብል፡ እቲ ኣባል ፈፃሚት ስራሕ ህወሓት ዝጸሓፎ ሓበሬታ።

እቲ ዝፍፀም መጥቃዕትታት ኣባና ጥራሕ ኣይኮነን ዝብል ኣቦ ወንበር ሳልሳይ ወያነ ትግራይ ኣይተ ሃያሉ ጎደፋይ፡ ኣብ ኩሎም ውድባትን ሲቪክ ማሕበራትን ተመሳሳሊ ፀገም የጋጥም ዘሎ እዩ ይብሎ።

እቲ ተግባር ከኣ "ኢ- ሕገ-መንግስታውን ውልቀ-መላኽን ኮይንካ" ንምቕፃል ዝግበር ዘሎ፡ ግን ከኣ ንትግራይ ብዘይካ ዲሞክራሲያዊ ኣካይዳ ካልእ ምንም ከም ዘይጠቕማ፡ ዲሞክራሲ ንምርግጋፅ ከኣ ንምዕባለን ብልጽግናን ትግራይ ዝቃለሱ ኩሎም ሓይልታት ነቲ ዕላማ ንምዕዋት ክሳብ መወዳእታ ክቃለሱ ከም ዝግባእ ኣዘኻኺሩ።

ኣስዒቡ ኣብ ትግራይ ጅማሮታት ዲሞክራስያዊ ሃዋህው ከም ዘለው፣ ንዝኾነ ኣፈላላይ ከሰማምዕ ዝኽእል ዲሞክራሲ ምዃኑ፣ ሃዋህው ዲሞክራስያዊ እንተተዘሪጉ ግና፡ ኢ-ዲሞክራስያዊ ሓይልታትን ናይ ምምፃእ ዕድሎም ሰፈሕ ብምዃኑ፡ ክብርታት ትግራይ ንምሕላው ካብ ዲሞክራሲ ወፃኢ ካልእ ኣማራፂ የለን ኢሉ።

ህወሓት: ዝኽተሎ ስነ-ሓሳብ ወያናይ ዲሞክራሲ ኮይኑ: ከም ፖሊሲ ድማ ካብኡ ዝቕዳሕ ልምዓታዊ መንግስቲ የሰጉም።

ሳልሳይ ወያነ ትግራይ፡ ሶሻል ዲሞክራሲ ስነ-ሓሳብ እንትኽተል ከም ሃገር ንምቕፃል ድማ ሓድሽ ሕገ-መንግስታዊ ውዕልን ኣወቓቕራ ፌደሬሽንን ይጠልብ።

ንህወሓት መደባዊ'ምበር ብሄራዊ ውድብ ኣይኮነን ኢሉ ድማ ይነቕፎ።