"ኣነ ኣባል ዓረና ስለ ዝኾንኩ ንደቀይ ዓረና ኩኑ ኣይብሎምን"

መግለጺ ቪድዮ, "ኣነ ኣባል ዓረና ስለዝኾንኩ ንደቀይ ዓረና ኩኑ ኣይብሎምን"

ወ/ሮ ኣልጋነሽ ገብሩ ጥቓ መቐለ ኣብ እትርከብ ጣብያ እግሪ ሓሪባ እያ እትነብር። እታ ጣብያ ናብ ምምሕዳር ከተማ ትእቶ ምስ ዝብል ውሳነ መንግስቲ ኣይተሰማመዐትን። ብሰንኪ እዚ ውጥጥ ድማ ክልተ ዓመት ተኣሲራ ወጺኣ እያ። ኣብቲ ቤት ማእሰርቲ ኣባል ዓረና ኮይና ወጺኣ፡ ንቐጻሊ እውን ዓረና ኮይና ከምእትቕጽል እያ እትገልጽ።