ተቓወምቲ ሰልፍታት ትግራይ፡ ኣብ’ታ ክልል ልዕሊ 50 ሽሕ ሰባት ተቐቲሎም ኢሎም

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ኣብ'ቲ ኣብ ትግራይ ዝተወለዓ ጎንጺ ስዒቡ፤ ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት ከምዝተቐትሉ ዝገልጽ ጸብጻብ፡ "ጭብጢ ዘይብሉን፡ ፖለቲካዊ ሃቐነ ዘለዎን'ዩ" ክብል ነጺግዎ።
ኣብቲ ኣብ ትዊተር ዝወጸ ግብረመልሲ፡ "መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብቲ ናይ ሕጊ ምኽባር ስርሒታት ብዛዕባ ዝጠፍአ ዝኾነ ሂወት ይጉሂ'ዩ። ዋላ ሞት ናይ ሓደ ንጹህ ሲቪል ሰብ እንተኾነ'ውን ብዙሕ'ዩ" ኢሉ።
ኣብቲ ንሰለስተ ኣዋርሕ ዝቐጸለ ኵናት፡ ልዑል ቁጽሪ ሞት ዘይምስዓቡ'ውን፡ ብቕዓት ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ዘርኢ'ዩ ክብል'ውን ተዛሪቡ።
እንተኾነ ግን፡ መንግስቲ፡ ቁጽሪ ኣብቲ ኲናት ዝሞቱ ሲቪላውያን ይኹን ወታሃደራት ዛጊት ብንጹር ኣይገለጸን።

ሰለስተ ተቓወምቲ ሰልፍታት ትግራይ፡ ትማሊ ሰሉስ ኣብ ዘውጽእዎ ሓበራዊ መግለጺ፡ ኣብ’ታ ክልል ኣብ ወርሒ ሕዳር ጎንጺ ካብ ዝውላዕ ጀሚሩ 52,000 ሰባት ከም ዝተቐተሉ ገሊጾም።
ውድብ ናጽነት ትግራይ (ውናት)፣ ሳልሳይ ወያነ ትግራይ (ሳወት፣ ብሄራዊ ባይቶ ዓባይ ትግራይ (ባይቶና)፡ ብኸመይ ነዚ ግምት ከም ዘቐመጡ ኣይገለጹን ነይሮም።
እንተኾነ፡ ደቂ ኣንስትዮ፣ ህጻናትን መራሕቲ ሃይማኖትን ዝርከብዎም ኣሸሓት ንጹሃት ሰባት ከም ዝተቐተሉ እቲ መግለጺ ይሕብር።
መንግስቲ ኢትዮጵያ ዛጊድ ብሰንኪ እዚ ጎንጺ ናይ ዝሞቱ ሰባት ቁጽሪ ኣይገለጸን።
መንግስቲ ኣብዪ ኣሕመድ፡ ኣንጻር ህወሓት “ሕጊ ናይ ምኽባር ወፍሪ” የካይድ ምህላዉ እዩ ዝገልጽ።
እቶም ሰለስተ ተቓወምቲ ሰልፍታት ወሲኾም፡ ረድኤት እንተደኣ ብቕልጡፍ ናብ ትግራይ ክለኣኽ ዘይክኢሉ፡ ሓያል “ሰብኣዊ ዕንወት” ከጋጥም ከም ዝኽእል ኣጠንቂቖም።
ድሮ’ኳ ሰባት ብሰንኪ ጥምየት ክሞቱ ጀሚሮም ከም ዘለዉ ዝገለጹ እቶም ተቓወምቲ፡ ዓለምለኻዊ ማሕበረሰብ ኢዱ ከእቱ ጸዊዖም።
መንግስቲ ኢትዮጵያ ረድኤት ይዕደል ምህላዉን፡ ዛጊድ ን 1.5 ሚልዮን ሰባት ከም ዝተዓደለን እዩ ዝገልጽ።
እቲ ኣብ ትግራይ ኣጋጢሙ ዘሎ ጎንጺ ዝተልዓለ፡ ኣብ መንጎ ንትግራይ ክመርሕ ዝጸንሐ ህወሓትን ኣብ መንጎ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ዝመርሖ መንግስትን ዝነበረ ወጥሪ ዓሪጉ፡ ሓይልታት ትግራይ ኣብ’ታ ክልል ንዝነበረ ወተሃደራዊ መደብር ምስ ተቖጻጸሩ ድማ ወተሃደራዊ ጎንጺ ከም ዝሰዓበ እዩ ዝግለጽ።
ኣብተን ኣብ ክልል ትግራይ ዝነበራ ብሕቡራት ሃገራት ዝመሓደራ መዓስከር ስደተኛታት ክነብሩ ዝጸንሑ ኣስታት 100,000 ዝኾኑ ስደተኛታት ኤርትራ’ውን በዚ ጎንጺ ተሃስዮም እዮም።
ወሃቢ ቃል ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት፡ እቶም ስደተኛተት ብሰንኪ’ዚ ጎንጺ ንመዓስከሮም ገዲፎም ክሃድሙ እንከለው፡ ዝብላዕን ዝስተን ስኢኖም ቆጽሊ ክበልዑን ዕቋር ማይ ክሰትዩን ከም ዝተገደዱን ተዛሪቡ።
ኣስታት ክልተ ሚልዮን ሰባት ድማ ኣብ ውሽጢ ትግራይ ተመዛቢሎም ኣለዉ።
መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ትካላት ረድኤትን ጋዜጠኛታትን ናብ ትግራይ ከይኣትዉ ገደብ ይገብር እዩ ዘሎ።
ብሰኑይ፡ ሓላፊ 'ኖርዌጅያን ረፊዩጂ ካውንስል' ዝተብሃለ ትካል ረዲኤት፡ ን40 ዓመት ኣብ ጉዳይ ሰብኣዊ ሓገዝ ከም ዝሰርሐ ንምግላጽ “ከም’ዚ ዝበለ ምዕጋት ረድኤት ዳርጋ ኣይረኣኹን” ክብል ተዛሪቡ።
እቶም ውድባት'ውን፡ መግብን መድሓኒት ብቕልጡፍ እንተደኣ ዘይኣትዩ፡ ዘስካሕክሕ ሰብኣዊ ዕንወት ከጋጥም ይኽእል እዩ ክብሉ ኣጠንቂቖም።
“ምህርቲ ሓረስታይና ክንዲ ዝኸኣልዎ ወሪሮም ዝተረፎም ድማ ኣቃፂሎሙዎ። ታሪኻዊ ሓድግታትና፣ ኣብያተ ክርስትያናትናን መሳጊዳትናን ኣዕንዮሙወንን ኣራኺሶምወንን፣ ፋብሪካታትና ጉሒሎሙወን” ኢሎም እቶም ተቓወምቲ ሰልፍታት።
ወሲኾም፡ ወተሃደራት ኢትዮጵያን ኤርትራን ካብ’ታ ክልል ብቕልጡፍ ክወጽኡን፡ ብኹሎም ወገናት ዝተፈጸመ ገበናት ኩናት ብዘይሻራዊ ኣካል ክጻረን እቶም ሰልፍታት ጸዎዖም።
ኣብ’ቲ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ወተሃደራት ኤርትራ ካብ ትግራይ ክወጹ፡ ኣመሪካ ከም ዝሓተተት ይዝከር።
ክፍሊ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ፡ ወተሃደራት ኤርትራ ኣብ ትግራይ ኣትዮም፡ ጾታዊ ዓመጽ ሓዊሱ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ይፍጽሙን ይዘምቱን ምህላዎም “እሙን ሓበሬታ” ከም ዝረኸበ እዩ ገሊጹ።
መንግስታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ግን ቅድም ክብል ኣብ ዝሃብዎም መግለጽታት፡ ሓይልታት ኤርትራ ናብ ትግራይ ኣይኣተዉን እዮም ዝብሉ።
'ጠንቂ ንግዝኣታዊ ሓድነት'
ህወሓት ንትግራይ ንኣስታት 30 ዓመታት ዘመሓድር ዝነበረ ሰልፊ ኮይኑ፡ ኣስታት 250,000 ተዋጋእቲ ከምዘለውዎ እዩ ዝግለጽ።
ሰራዊት ኢትዮጵያ 28 ሕዳር፡ ንርእሰ ከተማ ትግራይ ንከተማ መቐለ ከምዝተቖጻጸሩ ድሕሪ ምግላጾም እዩ ካብ ስልጣን ተኣልዩ።
ኣብዪ ኣሕመድ፡ ህወሓት ንግዝኣታዊ ሓድነት ኢትዮጵያ ጠንቂ እዮም ክብል ዝኸሶም ኮይኑ፡ ኣብ ወርሒ ሕዳር ድማ ኣብ'ታ ክልል ንዝነበረ ወተሃደራዊ መዓስከር ኣጥቂዖም ብዝብል ይኸሶም።
ህወሓት ድማ፡ ነቲ ወተሃደራዊ መዓስከር ዝተቖጻጸሩዎ፡ ሓይልታት ፌደራል ናብ ትግራይ ከይኣትዉ ቀዲሞም ንምክልኻል ምዃኑ እዮም ዝገልጹ።
መንግስቲ ኢትዮጵያ ብሰንኪ ኮሮናቫይረስ ሃገራዊ መረጻ ከምዘይካየድ ምስ ኣፍለጠ፡ ትግራይ ናይ ርእሳ መረጻ ከምዘካየደት ይፍለጥ።
መንግስቲ ኣብዪ ኣሕመድ፡ ነዚ መረጻ ዘይሕጋዊ ክብል ኮኒንዎ። ህወሓት ድማ ንመንግስቲ ኣብዪ ኣሕመድ "ዘይሕጋዊ እዩ" ብምባል ንኢትዮጵያ ከመሓድር ኣይክእልን ይብሉ።
እቲ ምስሕሓብ እናዓረገ ምስ ከደ ድማ ጎንጺ ክውላዕ ምኽንያት ኮይኑ።






![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







