ሞት ኣስመላሽ ወልደስላሴ ብዛዕባ ኵናት ኢትዮጵያ እንታይ ይነግር?

ኣስመላሽ ወልደስላሴ

እቲ ኣብ ልዕሊ ጉዱእ ኣካል ኵናት፡ ኣባል ፈጻሚት ሽማግለ ህወሓት ነበር፡ ዓይነ ስውር ኣስመላሽ ወልደስላሴ ዘጋጠመ ጨካን ሞት፡ መርኣያ ናይቲ ኣኽራናት ኣብ ዝበዝሖ ዞባ ትግራይ ኢትዮጵያ ብተደጋጋሚ ዘጋጥም ዘሎ ዑደት-ግጭት ዘጉልሕ እዩ።

ኣብ እዋን ምምስራት ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ (ህወሓት) ኣብ 1975 (ብኣቆጻጽራ ኢትዮጵያ ድማ 1967) ናብ ቃልሲ ዝተጸንበረ ኣስመላሽ፡ ነቲ ዕሉል ምልካዊ ስርዓት መንግስቱ ሃይለማሪያም ካብ ስልጣን ንምእላይ ኣብ ዝተኻየደ ቃልሲ፡ ኣብ እምባ ኣላጀ ብዝተፈጸመ ደብዳብ እዩ ብርሃን አዒንቱ ስኢኑ።

ብድሕሪኡ፡ ብ1998 እቶም ሓቢሮም ንስርዓት ደርግ ዝደምሰሱ ሓይልታት ህወሓት ዝመርሖ ስርዓት ኣዲስ ኣበባን፡ መንግስቲ ኤርትራን ብዶባት ተኻሲሶም ኣብ ኵናት ምስተጸምዱ፡ ኣብ ከተማ መቐለ ኣብ ዝተኻየደ ደብዳብ ነፈርቲ ኵናት ጸጋመይቲ ኢዱ ስኢኑ።

ኣብዚ ንህወሓት ናብ ናይ ደባይ ተዋጋእቲ ምንቅስቓስ ዝመለሰ ናይዚ ቀረባ ግዜ ግጭት ከኣ፡ ኣባል ፈጻሚ ሽማግለ ህወሓት ዝነበረ ኣስመላሽ ምስ ክልተ መቓልስቱ፡ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ነበር ስዩም መስፍንን ሚኒስተር ፈደራላዊ ጕዳያት ነበር ኣባይ ጸሃየን ተቐቲሉ።

እቲ ናብዚ ሞት’ዚ ዘብጸሐ ወተሃደራዊ ስርሒት ክካየድ ዝኣዘዘ ወዲ 44 ዓመት ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብዪ ኣሕመድ፡ ክሳብ ኣብ 2018 ስልጣን ዝሕዝ፡ ኣባል እቲ ብህወሓት ዝምራሕ ልፍንታዊ መንግስቲ እዩ ነይሩ።

ሕጂ፡ ንሱን፡ ህወሓትን ነታ እስትራቴጂካዊ ኣገዳስነት ዘለዋ፡ ምስ ኤርትራን ሱዳንን እትዳወብ፡ ምስ ኣፍ ደገ መስመራት ቀይሕ ባሕሪ እተራኽብ ክልል ትግራይ ንምቁጽጻር ይቃለሱ ኣለው።

ገለ ሰባት፡ ፕረዚደንት ኤርትራ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ፡ ሕነ’ቲ ኣስታት 100,000 ሰራዊት ዝጠፍኡሉ ብዶባት ዝተሳበበ ኵናት 1998-2000ን፡ ሽዑ ብህወሓት ዘጋጠሞ ውርደትን ሕነ ንምፍዳይ እዩ፡ ንሰራዊት ፈደራል ኢትዮጵያ ንምሕጋዝ ሰራዊቱ ናብ ትግራይ ልኢኹ ይብሉ።

እንተኾነ ዋላ 'ኳ ብዙሓት ትግራዎትን ኤርትራውያንን ከምኡ እውን መንግስቲ ኣመሪካን፡ ሰራዊት ኤርትራ ናብ ትግራይ ከምዝኣተወ እንተገለጹ፡ መንግስታት ኢትዮጵያን ኤርትራን ግን ኣይተኣመኑን።

ዶክተር ኣቢይ ብ28 ሕዳር ንርእሰ ከተማ መቐለ ድሕሪ ምቁጽጻሩ እቲ “ወፍሪ ምኽባር ሕጊ” ከምዝተዓወተ ዋላ’ኳ እንተኣወጀ፡ ነቶም 250,000 ተዋጋእቲ ከም ዘለዉዎ ዝግምገም “ጉጅለ” ክብል ዝሰመዮም መሪሕነት ህወሓት ግን ኣይሓዞምን።

ኣዘዝቲ ሰራዊት ፈደራል፡ ሰራዊት ህወሓት ከምዝተዳኸመን ነቶም ኣብ ፈቐዶ በዓትታት ተሓቢኦም ዘለው ኣዘዝቲ ኣኣብ ዘለውዎ እናሰዓቡ ይሃድኑዎም ከምዘለውን ይሕብሩ።

እቲ ንሓያሎ ሳምንታት ደሃይ ዘይነበሮ ዶክተር ደብረጽየን ኣብዚ ሳልስቲ “ህዝቢ ትግራይ፡ መሰል ርእሰ ውሳኔኡ ንምርግጋጽ ቃልሱ ክቕጽል’ዩ” ክብል ብሚድያ ተዛሪቡ’ሎ።

ናይ ኢድ መቑሕ

እቶም ልዕሊ 60 ዓመት ዝዕድሚኦም ገዳይም መራሕቲ ህወሓት፡ ኣስመላሽ: ስዩምን ኣባይን ብኸመይ ከም ዝሞቱ ብንጹር ኣይተፈልጠን።

ገሊኦም ክተሓዙ እናኸኣሉ ብፍላጥ እዮም ተቐቲሎም ይብሉ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ግን ኢዶም ምሃብ ምስ ኣበዩ፡ ኣብቲ ዝነበሩዎ በዓቲ ከም እተቐትሉ እዩ ዝገልጽ ።

ትግራእ ጎቦታት ዝበዝሖ ከባቢ'ዩ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ሓያሎ ላዕለዎት መራሕቲ ህወሓትን ጽኑዓት ደገፍቶምን እውን ተማሪኾም።

ኣቦይ ስብሓት፡ ከም መራሕ ዒራቕ ሳዳም ሑሴን 2003፡ ጭሒሞምን ጎቲኖምን ኣብ ቅድሚ ካሜራ ተሞቚሖም ተራእዮም።

ኣብ ኣመሪካ ንዝመደበሩ ትካል መጽናዕቲ ዝምድናታት ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝሰርሕ ፈይሳል ሮብለ፡ ደገፍቲ ቀዳማይ ሚስተር ኣብይ፡ ጽሕፍቶን መወዳእታ ዕምርን፡ እቲ ቅድሚ ሰለስተ ዓመት ብህዝባዊ ናዕቢ ስልጣን ዝተኣልየ፡ ንኢትዮጵያ ብሓይሊ ብረት ዝገዝኣ ጉጅለ ይጽምብሉ ኣለው ይብል።

ንሳቶም፡ “ንህወሓት ረኺብናያ ኢና። ነጥፍኣ ኣለና። ደጊም ከቶ ኣይኪጭቍኑናን እዮም " ይብሉ ኣለው።

“ይኹን እምበር: እቶም ንህወሓት ዘይፈትው ትግራዎት ከይተረፉ፡ ከምዚ ይብሉ ኣለዉ: እቲ ዝቐተልኩምዎ ዓይነ ስውር ኣስመላሽ: ብሰንኪ መጥባሕቲ ሕቖ ብዙሕ ክንቀሳቐስ ዘይክእል ስዩም፡ ቅድሚ ሒደት ዓመታት መጥባሕቲ ልቢ ዝገበረ ኣባይ: ከምኡውን ነቲ ክልተ ደረጃ ኣስካላ ክድይብ ዘይክእል ዕድመ ዝደፍአ ኣዋሪድኩም ዝሓዝኩምዎ ስብሓት ኩሎም ጀጋኑና እዮም እዮም ዝብሉ”

ኣብ ስደት ዝርከብ ኤርትራዊ ተጣባቒ ሰብኣዊ መሰላት ጳውሎስ ተስፋጊዮርጊስ ከምዝብሎ፡ ኣብዚ ዝሓለፈ ናይ ኣስታት ሰለስተ ወርሒ ግጭት ህወሓት ብሰራዊት ፈደራል ኢትዮጵያን መንግስቲ ኤርትራን ከምኡ እውን ምስ ትግራይ ናይ መሬት ክርክር ብዘለዎም ፍሉይ ሓይልታት ኣምሓራ ብዘጋጠሞ መጠነ ሰፊሕ መጥቃዕቲን ደብዳብ ድሮንን ነፈርትን፡ ተደፊኡ እዩ።

"ህወሓት ብዙሕ መሬት፡ ሓያሎ መራሕትን ተቓለስትን ብዙሕ ከቢድ ኣጽዋርን ስኢኑ እዩ ። ሕጂ ማእከላይን ፈኲስን ኣጽዋር ጥራይ እዩ ዘለዎ። ኣብቲ ኵናት፡ ኤርትራ፡ ክሳብ ክንድ'ዚ ዝኣክል ተሳትፎ ክህልዋ ትጽቢት ዝገበሩ ኣይመስለንን።” ይብል።

"ኢሳይያስ፡ ንጸላኢ፡ ብብዝሒ ሰራዊት፡ ብታንክታትን መድፍዕን፡ ብደብዳብ ነፈርትን ምድምሳስ ዝብል ናይ ቀደም ስልቱ ሕጂ እውን ተጠቒሙሉ እዩ" ይብል። “ይኹን እምበር ህወሓት ገና ይቃለሱ ኣለው፡ ሕጂ እውን ሓያል ውግእ ይካየድ ኣሎ። ሕጂ ከኣ ናይ ደባይ ንጥፈታት ንምክያድ ናብቲ ዝፈልጥዎ ገጠራት ትግራይ: ናብ ኣኽራናትን ኵርባታትን ኣዝሊቖም ኣለው" ኢሉ።

ኣብ ኢትዮጵያ ዩኒቨርስቲ ጎንደር ዝምህር ምንይችል መሰረት፡ ህወሓት፡ ምስ ሰራዊት ኢትዮጵያ "ምሉእ" ውግእ ኣካይዱ ሕጂ ናብ ደባይ ተዋጋኢ ምቕያሩ ናይ ገዛእ ርእሱ ሓደጋ ኣለዎ ይብል።

"ኣብ ናይ ደባይ ኵናት፡ ሓደ ነብሱ ለኪሙ ክጠፍእ ዝውፈ ሰብ ብዙሓት ሰባት ክቐትል ይኽእል እዩ ። ናብ ህወሓት እንተመጺእና ከኣ ገና ተዋጋእቲ ሰራዊት ኣለዉዎ። ኣኽራን ኣብ ዝበዝሖ ሓደ ሓደ ቦታታት ከኣ ኲናት ይካየድ ኣሎ። ሰራዊት ወያነ ኣብ ጽርግያታት ረዲኤት ኣብ ዘመላልሳ ቃፍላይ መካይን ከይተረፈ ኣድብዮም ብምጽናሕ መጥቃዕቲ ይፍጽሙ ከምዘለው ሓበሬታ ኣሎ" ይብል።

ብዛዕባ ጥሜት

ጳውሎስ፡ መንግስቲ ንጥሜት ከም መሳርሒ ኵናት ይጥቀመሉ ከምዘሎ ይኣምን።

"እቲ መጥቃዕቲ ኣብ እዋን ቀውዒ እዩ ተፈጺሙ። ወተሃደራት መንግስቲ ከኣ ንአእካል ህዝቢ ትግራይ የቃጽልዎን ንማሎም ይሓርዱወንን ኣለው። መንግስቲ፡ ኣብ ትግራይ ምሉእ ዕጽዋ ኣዊጁ፡ እንታይ ይካየድ ከምዘሎ ሓበሬታ ዓጽዩ እዩ ዝፍጽሞ ዘሎ። ዋላ ሕጂ እውን እንተኾነ ዝኣቱ ምግቢ የሎን። ዋሕዚ ረድኤት ብዙሕ ቀይዲ ኣለዎ።

"ሰባት ድሮ ብጥሜት ይሞቱ ኣለዉ። ዓጸቦ ከይስዕብ ዘሰክፍ መጠንቀቕታታት ኣሎ። እዚ ብዘይ ሰብኣዊ ርህራሀ ዝካየድ ዘሎ ውግእ እዩ። እዚ ፍጻሜ ነቲ “ዓሳ ንምቕታል፡ ነቲ' ቀላይ ምንጻፍ" ዝብል ጥቕሲ ናይ መንግስቱ ሃይለማርያም የዘኻኽረኒ። መንግስቲ ኣብዪ ንህወሓት ንምድኻም እንተላይ ንሰላማዊያን ሰባት ንጥሜት የቃልዖም ኣሎ” ይብል።

ትካላት ረዲኤት፡ እቲ ኣብ እዋን ለበዳ ኮሮናቫይረስን ወራር ኣንበጣን ዝመጽአ ግጭት፡ "ሓደገኛ" ኵነታት ከም ዘስዓበ ይገልጻ ኣለዋ።

ልዕሊ ክልተ ሚልዮን ሰባት ረድኤት የድልዮም

እቲ ጽዑቕ ምምዝባል ሰባት ንዝርገሐ ለበዳ ኮቪድ-19 ከየግድዶ ስክፍታ ኣሎ። ካብተን 40 ዝኾና ሆስፒታላት፡ እተን ሓሙሽተ ጥራይ እየን ንህዝቢ ኣገልግሎት ዘቕርባ ዘለዋ።

ኣስታት 300 ብሞተር ማይ ዝጭንጉዓ ምንጭታት ካብ ስራሕ ወጻኢ ኮይነን ኣለዋ፤ ዕዳጋታት ዳርጋ ዘየሎ እዩ።

ኣብ ትግራይ ከገልግል ዝተመዘዘ ሓደ በዓል ስልጣን እቲ ሓድሽ ምምሕዳር፡ ኣብ ትግራይ ዘጋጠመ ቅልውላው "ኣብ ታሪኽ ተራእዩ ዘይፈልጥ እዩ" ክብል ከምዝገለጾ መራኸቢ ብዙሃን እታ ሃገር ጸብጺበን እየን።

ናብ ሱዳን ዝተደደት ጓል ኣንስተይቲ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ብዙሓት ስደተኛታት ብዛዕባ እቶም ዝተፈለዩዎም ስድራቤታቶም ይጭነቑ

ህጹጽ ረድኤት መግቢ ዘድልዮም ህዝቢ እቲ ክልል 4.5 ሚልዮን (ኣስታት 75% ቁጽሪ ናይቲ ጠቕላላ ህዝቢ): 2.5 ሚልዮን ዝተመዛበሉ: ከምኡውን ቤት ጽሕፈቱ፡ ሰለስተ ቘልዑ ዝርከብዎም 13 ሰባት ብጥሜት ምሟቶም ሓቢሩ።

መንግስቲ ንጥምየት ከም መሳርሒ ውግእ ከምዘይተጠቕመሉ እዩ ዝገልጽ፡ ኣቶ ምንይችል እውን ከምዚ ዝኣመሰለ ክስታት "ምሉእ ብምሉእ ጌጋ እዩ" ይብል።

"መንግስቲ እኹል መግቢ ኣለዎ፡ እንተኾነ ህወሓት ብጥሜትን ዓጸቦን ብምስምማስ ዓለማዊ ምድንጋጽ መታን ክረክብ ንመራሕቲ መኪና ስለዝቐትሎም፡ ረድኤት ናብ ገጠራት ክበጽሕ ኣይከኣለን” ይብል።

"ህወሓት ንሓረስቶት ብረት አዕጢቑ ንኽዋግኡ ስለዝቕስቦም እዩ አእካል ዝዓኑ ዘሎ። ኣብ ርእሲኡ ህወሓት ቅድሚ ናብ በረኻታት ምስሓቡ፡ ንኣብያተ ጽሕፈት ኩለን መንግስታዊ ምምሕዳርራትን እንተላይ ንሆስፒታላት ኣዕንዩዎ እዩ” ይብል ኣቶ ምንይችል።

እቲ ምስ መንግስቲ ፈደራል ርክብ ዘለዎ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ከምዝበሎ፡ መንእሰያት ሚሊሻታትን፡ ፍሉይ ሓይልን ኣምሓራ፡ ከምኡ’ውን ገለ ወተሃደራት ኢትዮጵያን ኤርትራን ንኣባይትን ንግድን ከም ዝዘመቱ ነበርቲ ናይ’ቲ ብሕርሻ ፈፍለጥ ከባብታት ሑመራ ገሊጾም እዮም።

"ሰረቕቲ ንመኻዚኖ ምግብን እኽልን ጥርሑ ኣትሪፎሞ" ይብል። ሓደ ነባሪ፡ በቲ ሓድሽ እተሸመ ምምሕዳር እተላእኩ ሰባት ከይተረፉ 'ኣብ ስርቂ ተሳቲፎም’ ብምባል መረረኡ ገሊጹ።

ተንታኒ ጉዳያት ኢትዮጵያ ኣብ ትካል ‘ክራይሲስ ግሩፕ’ ዊልያም ደቪሰን፡ መንግስቲ ፈደራል ናብ’ቲ ሰራዊቱ ወይ ሓይልታት ጸጥታ ኣምሓራ ብጽኑዕ ዝቆጻጸሩዎ ከባቢታት ገለ ረድኤት ይህብ ኣሎ” ይብል።

እንተኾነ መንግስቲ ፈደራል፡ ህወሓት ነቲ ረድኤት ከይረኽቡዎን ብሕቡእ ነዳዲ ኮነ ኣጽዋር ከየእትውን ስለዝፈርሕ፡ ኣብ’ቲ ሓይልታት ትግራይ ዘለውዎ ከባብታት ረድኤት ኣይህብን ዘሎ ኢሉ።

"ሰራዊት ፌደራል ንዝሰፍሐ መሬት ስለዘይቆጻጸሮን ኣብ ገጠራት ትግራይ ናይ ጸጥታ ጸገም ስለዘሎ ረድኤት ኣይተዘርገሐን ዘሎ።

"ናብቲ ሓይልታት ፌደራል ወይ ኣምሓራ ዝቆጻጸሩዎ ቦታታት፡ ናብ ርእሰ ከተማ ክልል ትግራይ፡ ናብ መቐለን ገሊኡ ክፋላት ደቡብን ምዕራብን ትግራይ ይኸይድ ኣሎ" ይብል።

'ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ቅድስቲ ከተማ’

ሚስተር ዳቪሰን ወሲኹ፡ ናብቲ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ሰራዊት ኤርትራ ዝርከብ ከባቢታት ረድኤት ምብጻሕ ማለት፡ ነቲ መራሕቲ ኢትዮጵያን ኤርትራን ክነጽጉዎ ዝጸንሑ፡ ምትእትታው ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ኩናት ትግራይ ከም መረጋገጺ ክኽውን ስለዝኽእል፡ ብፖለቲካዊ መዳዩ እውን ኣጸጋሚ እዩ ይብል።

ኣብ’ቲ ከባቢ ዝነብሩ ሰባት ንቢቢሲ ከምዝገለጽዎ፡ ሓይልታት ኤርትራ ካብ’ታ ካብ ከተማ መቐለ 45 ኪ.ሜ. ጥራይ እትርሕቕ ከተማ ውቕሮን፡ ኣብ ቅድስቲ ከተማ ኣኽሱምን ኣብ ዝኣመሰላ ኣገደስቲ ከተማታትን ካባቢታትን ናይ ኢትዮጵያ ይርከቡ።

ነበርቲ እቲ ከባቢ፡ ሰራዊት ኤርትራ ምስ ሰራዊት ፈደራል ኣብ መጥቃዕቲ ሽረ ድሕሪ ምስታፉ ናብቲ ከባቢ ናብ ዝርከባ ቑሸታት ከምዝወጽኡ ሓቢሮም።

ናይ ሱዳን ቀንድን ኣገዳስን ተራ

ኣብ ዩኒቨርሲቲ ለንደን ኣብ ዝርከብ ኢንስቲትዩት ኮመን ወልዝ ላዕለዋይ ተመራማሪ ማርቲን ፕላውት፡ ቦታታት ምቍጽጻርን ምሓዝን ጥራሕ ኣብ ኩናት መርኣያ ናይ ዓወት ኣይኮነን ይብል።

"ህወሓት፡ ከተማታት ኣብ ምሓዝ ኣይኣምንን እዩ። ኣብ ኵርባታትን ኣኽራንን ኮይኑ ይዋጋእ ኣሎ። ብኸምኡ ድማ ንጸላኢ ይገጥሞ ኣሎ።

"ሕጂ ኣብ ዝጥዕሞ እናጥቀዐ እዩ ዝስወር ዘሎ። ኣብ ዝተናውሐ ግዜ ከኣ ንጸላኢ የድክሞ። ኣብ ዝሓለፈ ናይ ቃልሲ እዋን ከምኡ እዩ ዝገበር ነይሩ። ዕውት ዝኾነ ናይ ደባይ ስርሒት ምክያድ ኣብ ውሑስ ቀረብ ዕጥቅን ስንቅን ነዳድን እዩ ዝምርኮስ።

ኣብ ዝሓለፈ እዋን፡ ህወሓት ብመገዲ ሱዳን እዩ ዕጥቅን ስንቅን ዘእቱ ነይሩ። ሕጂ እዛ ምስ ኢትዮጵያ ኣብ ዶባዊ ግጭት ኣትያ ዘላ ሱዳን ከምቲ ናይ ቀደም ክትገብር ትኽእል ድያ ኣይትኽእልን ዓቢ ሕቶ እዩ ይብል ማርቲን ፕላውት።

"እቲ ጉዳይ፡ እቲ ኵናት ክነውሕን ክሓጽርን ወሳኒ እዩ።”