ኣቦ መንበር ህወሓት ዶ/ር ደብረጽዮን ገብረሚካኤል ድሕሪ ክልተ ወርሒ ስቕታ መግለጺ ሂቡ

ደብረጽዮን ገ/ሚካኤል

ምንጪ ስእሊ, Dimtsi Weyane

ኣቦ መንበር ህወሓት ዶ/ር ደብረጽዮን ገብረሚካኤል ድሕሪ ናይ ክልተ ወርሒ ስቕታ: ድምጺ ወያነ ብዝተባህለ ናይ ፈይስቡክ ገጽ ኣብ ዘቃለሖ መልእኽቲ፡ ብሰራዊት ኢትዮጵያን ኤርትራን ኣብ ህዝቢ ትግራይ ቅትለት፡ ጾታዊ ዓመጽን ጥምየትን ዝኣመሰሉ ገበናት ይፍጸሙ ከምዘለዉን፡ ብዛዕባ ኣብቲ ኵናት ዘጋጠመ ናይ ሓይሊ ምምዝባል፡ ከምኡ'ውን ምንስሓብን መኸተን ሓይልታት ትግራይ ብዝምልከት መግለጺ ሂቡ።

ኣብ ህዝቢ ትግራይ "ቅሉዕ ዘርኢ ናይ ምጥፋእ ገበን" ይፍጸም ምህላውን ብናጻን ዘይሻራውን ኣካል ክጻረን፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድን ፕረዚደንት ኤርትራ ኣቶ ኢሳይያስ ኣፍወርቂን ኣብ ዓለምለኻዊ ገበናዊ ቤት ፍርዲ ክቐርቡን ጸዊዑ።

እቲ ናይ ዶክተር ደብረጽየን እዩ ተባሂሉ ኣቐዲሙ ተቐሪጹ ዝተፈነወ ድምጺ ቢቢሲ ብሳልሳይ ኣካል ከጻርዮ ኣይከኣለን።

ኣፈኛ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ቢልለኔ ስዩም ንቢቢሲ ኣብ ዝሃበቶ ቃል፡ እቲ ብዶ/ር ደብረጽዮን ዝቐረበ ክስታት፡ መሰረት ከምዘይብሉን፡ ነቲ ብህውሓት ዝፍጸም ዝነበረ ከበድቲ ገበናት ንምሽፋን ዝተዋህበን'ዩ ክትብል ነጺጋቶ'ላ።

ድሕሪ እቲ ኣብ ሰሜን እዝ ዘጋጠመ ወተሃደራዊ ግጭት: ቀዳማይ ምኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ " ወፍሪ ሕጊ ምኽባር" ዝበሎ ስጉምቲ ካብ ዝጅምር ኣብ ሰለስተ ሰሙን ንኸተማ መቐለ ምስተቖጻጸረ ፈነወ ድምጺ ወያነን ትግራይን ድሕሪ ምቁራጸን ዶር ደብረጽየን ሕጂ እዩ ድምጹ ዝስማዕ ዘሎ።

ኣብቲ ንሱ ዝሃቦ መግለጺ፡ ሓይልታት ትግራይ ብሰራዊት ፈደራል ኢትዮጵያን ኤርትራን ካልኦት ክብል ዝሰመዮም ሓይልታት ተዓብሊሉ ንበረኻታት ኣዝሊቑ ክሳብ ሕጂ ይምክት ከምዘሎን ሓቢሩ።

ከም ብርሃኑ ላዕለዋይ ኣዛዚ ሰራዊት ኢትዮጵያ ጀነራል ብርሃኑ ጁላ ዝኣመሰሉ ጄነራላት መንግስቲ ግን፡ ሓይልታት ትግራይ ከምዝተበታተኑን እቶም ካብ ሞትን ምምራኽን ዘምለጡ መራሕቲ ህወሓት ከኣ ኣብ ፈቐድኡ በዓትታት ተሓቢኦም ከምዘለውን: ኣብ ዝሓጸረ እዋን ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ክኣትዉ ከምዝኾነን እዮም ክገልጹ ጸኒሖም።

ኣብ ዝሓለፈ ሳምንታት ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ኣቶ ስዩም መስፍንን ገዲም ፖለቲከኛ ህወሓት ኣባይ ጸሃየ ዝርከቦም ነባራት መራሕቲ ተቐቲሎም። ሓደ ካብ መራሕቲ እቲ ውድብ ዝነበሩ ኣቦይ ስብሓት ነጋ ዝርከብዎም ላዕለዎት ሓለፍቲ እቲ ክልል ከኣ ብካቴና ተሞቚሖም ኣብ ቴሌቪዥ ኢትዮጵያ ተራእዮም ነይሮም።

ዶ/ር ደብረጽዮን እውን መስዋእቲ ናይ ላዕለዎት ሓለፍቱ ሓቂ ምዃኑ ብምሕባር፡ ህዝቢ ትግራይ መሰል ርእሰ ውሳኔኡ ንምርግጋጽ ምርጫ ብምክያዱ ብኣቢይ መጥቃዕቲ ከምዝወረዶን ሕጂ እውን ሓይልታት ኢትዮጵያን ኤርትራን ንካልኣይ ገጽ መጥቃዕቲ ይዳለዉ ምህላዎምን ብምሕባር ህዝቢ ትግራይ ቃልሱ ከሐይል ጸዊዑ።

መንግስቲ ፈደራል ኮነ መንግስቲ ኤርትራን፡ ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ኩናት ትግራይ ከምዘይተሳተፉ እዮም ክገልጹ ጸኒሖም። ይኹን እምበር ሕጂ ብዝተፈላለዩ ምንጭታትን ብገለ ኣዘዝቲ ሰራዊት ኢትዮጵያን ኣብቲ ወፍሪ ከምዝተሳተፉ ዘመልክት መረዳእታ ኣሎ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ድማ፡ መንግስቲ ኣመሪካ ሰራዊት ኤርትራ "ብህጹጽ ካብ ትግራይ ክወጽእ" ጸዊዑ ነይሩ። ካብ ላዕለዎት ዲፕሎማሴኛታት ሕቡራት ሃገራት ጆሴፕ ቦሬል እውን " ዓሌት ዘነጻጸረ ዓመትን ቅትለት፡ ዝምታን ጾታዊ ግህሰትን የጋጥም ምህላው ሓበሬታ በጺሑና ኣሎ" ብማለት እቲ ዓመጽ ደው ክብል ተማሕጺኑ ነይሩ።

2px presentational grey line

/ደብረጽዮን ካልእ እንታይኢሉ?

ዶክተር ደብረጽዮን ኣብቲ ናይ 14 ደቓይቕ መልእኽቱ፡ ህዝቢ ትግራይ "ብቃልሲ ዝዓተርካዮ መሰል ዓረሰ ውሳነን ምሕደራን መንጢሎም መንነትካን መሰልካን ግሂሶም ከም ህዝቢ ከጥፍኡኻ ወራረት የካይዱ ኣለዉ። ንሕና ግን ብዘይካ ምምካት ካብ ዓድናን መሬትናን ናብ ንኸዶ የብልናን" ክብል ተዛሪቡ።

መንግስቲ ፌዴራልን መንግስቲ ክልል ትግራይን ብጉዳይ ምርጫ ክሰሓሓቡ ድሕሪ ምጽናሕ እዮም ናብ ግጭት ኣትዮም። ሰራዊት ሰሜን እዝ ምስተሃርመ ከኣ እቲ ሕጊ ንምኽባር ዝተባህለ ወተሃደራዊ መጥቃዕቲ ተኻይዱ።

ኣብ ክልል ትግራይ ናይ ሽዱሽተ ወርሒ ሰዓታት እቶ እቶ ብምእዋጅ፡ 96 ቀንዲ መራሕቲ ህወሓት ዝርከቡዎም 349 ጥርጡራት ተታሒዞም ክእሰሩ ወሲኑ። ካብቶም ገዳይም ላዕለዎት ሓለፍቲ ህወሓት፡ ስዩም መስፍን፡ ጀነራል ጻድቃን፡ ኣባይ ጸሃየ፡ ጌታቸው ኣሰፋን ይርከቡዎም።

ዶክተር ደብረጽዮን ነቶም ኣብ ኵናት ዝተቐትሉ መራሕቲ፡ ንዝሓለፈ 45 ዓመታት ቃልሲ ካብ መስመሮም ፈልከት ከይበሉ ኣብ መትከሎም ዝወደቑ፡ "ዕድለኛታት ሰማእታትና" ክብል ገሊጽዎም።

መንእሰይ ትግራይ ናብ ቃልሲ ይውሕዝ ከምዘሎ'ውን ተዛሪቡ። ሰበስልጣን ፈደራል ግን ብዙሓት ሰራዊት ትግራይ በብእዋኑ ኢዶም ይህቡ ከምዘለው እዮም ዝገልጹ።

ኣብ ልዕሊ ህዝቢ፡ ዝተፈላለዩ ግፍዕታትን መጥቃዕትታትን ይበጽሕ ከምዘሎ ዝገለጸ ዶክተር ደብረጽዮን፡ እቶም ተፈጺሞም ዝበሎም ዓሌት ናይ ምጽናት ገበናትን ዕንወትን ብዘይሻራዊ ኣካል ክጻረዩ ሓቲቱ።

እዚ ዶ/ር ደብረጽዮን ዘመሓላለፎ መልእኽቲ መዓስ ከምዝተቐድሐ ንጹር ኣይኮነን። ነቶም ኣብ ኵናት ዝተቐትሉ መራሕቲ ብምጥቃሱ ግን፡ እቲ መልእኽቲ ኣብ ቀረባ እዋን ከምዝተቐድሐ ይእምት።

መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ንዶ/ር ደብረጽዮን፡ ብኽሕደት ሃገር እዩ ዝደልዮ ዘሎ።

ግብረመልሲ መግስቲ ኢትዮጵያ

ኣፈኛ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ቢልለኔ ስዩም ንቢቢሲ ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ፡ እቲ ብዶ/ር ደብረጽዮን ዝቐረበ ክስታት፡ መሰረት ከምዘይብሉን፡ ነቲ ብህውሓት ዝፍጸም ዝነበረ ከበድቲ ገበናት ንምሽፋን ዝተዋህበን'ዩ ክትብል ነጺጋቶ'ላ።

ዓለምለኻዊ ማሕበራትን ሜድያታትን ኣብ ክንዲ ''ናቶም ገበናት ዝሽፍኑ''፡ መንግስቲ ንህወሓት ኣብ ፍትሒ ከቕርቦም ኣብ ዝገብሮ ዘሎ ጻዕሪ ክተሓባበሩ ጸዊዓ።

ሰብኣዊ ቅልውላው

ኣብ ክልል ትግራይ ንሜድያታት ድሩት ብምህላውን ከምኡ'ውን መስመር ቴለፎናት ምሉእ ብምሉእ ስለዘይተኸፍተን፡ ነቲ ዝውጽእ ዘሎ ናይ ገበን ክስታት ከተረጋግጽ ኣጸጋሚ'ዩ ዘሎ።

እንተኾነ፡ ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላትን ናይ ሬድኤት ትካላትን ከምዝሓበርዎ፡ ኣብ ትግራይ ዘረፋ፣ ቅትለት ሰለማውያን ሰባትን ከምኡ'ውን ካልኦት ጥሕሰታት ሰብኣዊ መሰላትን ይፍጸሙ ከምዘለዉ ይገልጹ።

ሓደ ላዕለዋይ ሓላፊ ኢትዮጵያ ምስ ትካላት ውሃብቲ ረድኤት ኣብ ዝገበሮ ኣኼባ ኣብ ደብተሩ ካብ ዘስፈሮ መዘክር ዝተረኸበ ቅዳሕ፡ ብሰንኪ እቲ ኣብ ትግራይ ዘሎ ጎንጺ "ኣማኢት ኣሽሓት ብጥምየት ክሃልቁ ይኽእሉ'ዮም" ኢሉ።

ብሰንኪ ኣብ ትግራይ ዘሎ ጎንጺ ልዕሊ 2.2 ሚልዮን ሰባት ክምዛበሉ እንከለዉ: ልዕሊ 60 ሽሕ ከኣ ንሱዳን ሃዲሞምኣብ መዓስከራት ስደተኛታት ተዓቚቦም ይርከቡ።

ኣስታት 4.5 ሚልዮን ካልኦት ከኣ ህጹጽ ናይ መግቢ ረዲኤት ከምዘድልዮም ሰብ መዚ ግዝያዊ ምምሕዳር እቲ ክልል ሓቢሮም ኣለዉ።

መንግስቲ ፌዴራል ኢትዮጵያ ድማ ምስ መንግስታውያንን ዘይመንግስታውያንን ማሕበራት ኮይኑ ሓገዝ ንዘድልዮም ኣድላይ ዘበለ ረዲኤት የብጽሕ ከምዘሎ እዩ ዝገልጽ።

ኣመዓባብላ እቲ ጎንጺ

እቲ ኣብ ሞንጎ ክልል ትግራይን ፈደራልን ዝነበረ ምትፍናን፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ፡ ሓይልታት ክልል ትግራይ ኣብ ልዕሊ ኣብቲ ክልል ዓሪዱ ዝነበረ ሰራዊት ፈደራል መጥቃዕቲ ፈጺሞም ኢሉ ኣብ ልዕሊ ሓይልታት ትግራይ ኣብ መጀመርታ ሰሙን ናይ ወርሒ ሕዳር ኵናት ምስ ኣወጀ፡ እቲ ዝነበረ ወጥሪ ናብ ቅሉዕ ኵናት ዓሪጉ።

ቅድሚ መጀመርታ ሕዳር 2020 ኣብ ዝነበረ ግዜ እቲ ንክልል ትግራይ ዝመርሕ ዝነበረ ውድብ ህወሓትን ብቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ዝምራሕ መንግስቲ ፈደራልን ንሓድሕዶም ኣፍልጦ ተነፋፊጎም ርክቦም ሓርፊፉ ነይሩ።

ህወሓት ንዝሓለፈ ኣስታት ሰላሳ ዓመታት፡ ኣብቲ ብሕብረት ሰልፍታት ዝቖመ ኢህወደግ ብዓብላልነት ክመርሕ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ኣብይ ኣሕመድ ኣብ 2018 ናብ ስልጣን ምስ ምጽአ እቲ ዝነበሮ ዓብላልነት ስኢኑ ኣብ ክልል ትግራይ እዩ ተሓጺሩ ጸኒሑ።