ቅልውላው ትግራይ፡ ብሰንኪ ኲናት ትግራይ ልዕሊ 7 ሽሕ ኣብያተ ትምህርቲ ዓንዮም ተባሂሉ

ተምሃሮ

ምንጪ ስእሊ, JEMAL COUNTESS

ሚንስትር ትምህርቲ ኢትዮጵያ ጌታሁን መኩሪያ ከም ዝበሎ ብሰንኪ እቲ ኲናት ኣብ ትግራይ ጥራይ ልዕሊ 1.4 ሚልዮን ተምሃሮን ልዕሊ 48 ሽሕ መምህራንን ካብ ምምሃር ምስትምሃር ወጻኢ ኮይኖም ኣለዉ።

ኣብዚ ዝዛዘም ዘሎ ዓመት ኮሮናቫይረስ፣ ኲናት ትግራይን ጎንጽታትን፣ ውሕጅ ከምኡ'ውን ደርቂ ንመስርሕ ምምሃር ምስትምሃር ዝተፈታተኑ ቀንዲ ብድሆታት ከም ዝነበሩ ከኣ ጠቒሱ።

ብሰንኪ እቲ ናብ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ዝልሑክ ዘሎ ኲናት ትግራይ፡ ልዕሊ 7 ሽሕ ኣብያተ ትምህርቲ ምሉእ ብምሉእ ገሊኦም ድማ ብኸፊል ከም ዝዓነዉ ሚንስትሪ ትምህርቲ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።

ሚንስተር ትምህርቲ ጌታሁን መኩሪያ (ዶክተር፣ ኢንጂነር) ከም ዝበሎ ብሰንኪ እቲ ኲናት ኣብ ትግራይ ጥራይ ልዕሊ 1.4 ሚልዮን ተምሃሮን ልዕሊ 48 ሽሕ መምህራንን ካብ ምምሃር ምስትምሃር ወጻኢ ኮይኖም ኣለዉ።

ኣብ ትግራይ ተወሊዑ ኣብዚ እዋን ናብ ጎረባብቲ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ዝተላብዐ ኲናት ኣብ ልዕሊ ትካላት ትምህርቲ ከቢድ ዕንወት ከም ዘስዓበ እቲ ሚንስትር ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ኣስፊሩ'ሎ።

ኣብ ውሽጢ ሓደ ወርሒ ጥራይ ኣብ ክልል ዓፋር "88 ሽሕ ተምሃሮ ዝመሃሩሎም ዝነበሩ 455 ኣብያተ ትምህርቲ ብህወሓት ዓንየን" ኢሉ ምዝራቡ ማዕኸናት ዜና እታ ሃገር ጸብጺበን።

ብተመሳሳሊ ኣብ ክልል ኣምሓራ 140 ኣብያተ ትምህርትን ክልተ ኮሌጃት መሰልጣኒ መምህራንን ምሉእ ብምሉእ ከምኡ'ውን ብኸፊል ከም ዝዓነዉ ጌታሁን መኩሪያ ሓቢሩ።

ንሱ እቲ ዕንወት ብሓይልታት ትግራይ ከም ዝተፈጸመ'ኳ እንተገለጸ ሓይልታት ትግራይ ግን ኣብ ዝተቖጻጸርዎም ከባብታት ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ኣብ ልዕሊ ውልቃውን ህዝባውን ትካላት ዝኾነ ዓይነት ጉድኣት ከም ዘየብጽሑ ይዛረቡ።

ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ፣ ወተሃደራት ኤርትራን ሓይልታት ኣምሓራን ኣብ ዝተፈላለዩ ከባብታት ትግራይ ኣብ ዝጸንሑሉ እዋን ብርክት ዝበላ ኣብያተ ትምህርቲ ከም ዘዕነዉ ድማ ይኽሰሱ።

ካብዚኣቶም ሓደ ኣብ ከተማ መቐለ ዝርከብ ነዊሕ ዕድመ ዘቑጸረ መሰናድኦ ቤት ትምህርቲ ሃጸይ ዮሃንስ ራብዓይ ወተሃደራት ኢትዮጵያ ኣዕሪፎምሉ ኣብ ዝነበሩሉ እዋን ከቢድ ዕንወት ከም ዝበጽሑሉ ንርእሰ መምህር እቲ ቤት ትምህርቲ ጠቒሱ ቴሌቪዥን ትግራይ ጸብጺቡ ነይሩ።

መምህር ተወልደ ከም ዝበልዎ እቶም ወተሃደራት ከም መዕረፊ ይጥቀሙሉ ካብ ዝነበረ ቤት ትምህርቲ ሃጸይ ዮሃንስ ክወጽኡ ከለዉ ኮምፒዩተራትን ካልኦት ናውቲ ትምህርትን ዝርከብዎም ልዕሊ 50 ሚልዮን ብር ዝግመት ንብረት ኣዕንዮም'ዮም።

ሂዩማን ራይትስ ዎች ቅድም ኢሉ ኣብ ዘውጸኦ ጸብጻብ ኣብ ትግራይ ብሰንኪ'ቲ ኲናት ብዙሓት ኣብያተ ትምህርቲ መጥቃዕቲን ዘመተን ከም ዝተፈጸሞም ገሊጹ ምንባሩ ይዝከር።

"ናብ ድሕሪት ዝመልስ'ዩ"

ሚንስተር ትምህርቲ ኢትዮጵያ ጌታሁን መኩሪያ ብሰንኪ'ቲ ኣብ ክልላት ትግራይ፣ ዓፋርን ኣምሓራን ኣብ ዝርከቡ ኣብያተ ትምህርቲ ዘጋጠመ ዕንወት ልዕሊ 1.42 ሚልዮን ተምሃሮ ካብ መኣዲ ትምህርቲ ክተኣጓጎሉ ምዃኖም ኣተሓሳሲቡ።

ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝተኻየደ ሓፈሻዊ ጉባኤ ዓውደ ትምህርቲ ብዛዕባ'ቲ ኣብ ትካላት ትምህርቲ ዝበጽሐ ዕንወት ዘረባ ዘስምዐ ኣፈ-ጉባኤ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኣይተ ታገሰ ጫፎ "ንዝሓለፉ ዓመታት ኣብያተ ትምህርቲ ብምህናጽ ዘመዝገብናዮ ዕብየት ናብ ድሕሪት ዝመልስ'ዩ" ኢሉ።

ኣብዚ ዝዛዘም ዘሎ ዓመት ኮሮናቫይረስ፣ ኲናት ትግራይን ጎንጽታትን፣ ውሕጅ ከምኡ'ውን ደርቂ ንመስርሕ ምምሃር ምስትምሃር ዝተፈታተኑ ቀንዲ ብድሆታት ከም ዝነበሩ ከኣ ጠቒሱ።

ሚንስተር ትምህርቲ ኢትዮጵያ ጌታሁን ነቲ ብሰንኪ እቲ ኲናት ኣብ ልዕሊ ትካላት ትምህርቲ ዝበጽሐ ዕንወት "ዘሕዝን" ክብል ገሊጽዎ።

ብሰንኪ'ቲ ቅድሚ ትሸዓተ ኣዋርሕ ኣቢሉ ኣብ ትግራይ ዝተወለዐ ኲናት ኣብ ልዕሊ ትካላት ትምህርቲ ጥራሕ ዘይኮነስ ዝተፈላለዩ ህዝባዊ ኣገልግሎት ዝህቡ መሰረተ ልምዓት [ትሕተ ቅርጺ] ዕንወት ከም ዝበጽሖም ቅድም ክብል ዝተዘርግሑ ጸብጸባት የመልክቱ።

ትካላት ሕክምናን ትምህርትን ኣዝዮም ዝተሃሰዩ ኮይኖም ካልኦት መንግስታውን ውልቃውን ንብረት ድማ ዕንወትን ዘመተን ኣጋጢምዎም።

መንግስቲ "በይናዊ ኣዋጅ ምቁራጽ ተጻብኦታት ኣዊጀ ኣለኹ" ብምባል ኣብ መዛዘሚ ወርሒ ነሓሰ ካብ ትግራይ ምውጽኡ'ኳ እንተሓበረ ሓቅነት ከም ዘይብሉ ብምግላጽ ነቲ ኣዋጅ ዘይተቐበሉ ሓይልታት ትግራይ ብወገኖም ናብ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ብምእታው መጥቃዕቲ ኣብ ምፍጻም ይርከቡ።

በዚ ምኽንያት፡ ኣብ ርእሲ'ቶም ቅድም ክብል ኣብ ትግራይ ዝተፈናቐሉን ንጥሜት ዝተቓልዑን ብሚልዮናት ዝግመቱ ሰባት ኣብ ክልላት ዓፋርን ኣምሓራን'ውን ልዕሊ ፍርቂ ሚልዮን ከም ዝተፈናቐሉ ይግለጽ።