ሕጽረት ማይ ዘስዕቦም ዘሎ ደበና ኲናትን ዞባዊ ቅልውላዋትን

ቨ

ምንጪ ስእሊ, Asaad Niazi/AFP/Getty Images

ቅድሚ ሕጂ ተራእዩ ብዘይፈልጥ መጠን ኣብ ዓበይቲ ሩባታት ዝህነጹ ዘለዉ ሓደሽቲ ግድባት ከምኡ’ውን ኣጠቓቕማ ማይ ነተን ኣብ ታሕተዋይ ተፋሰስ ዝርከባ ሃገራት ናብ ጽምኢ ብምእታው ተኽእሎታት ግጭት ከም ዝብርኽ ይገብር ኣሎ።

ርብዒ ካብ ህዝቢ ዓለም ኣዝዩ ጽንኩር ብዝኾነ ሕጽረት ማይ ዝተሃሰየ እዩ።

እዚ ኸኣ ብዙሓት ህይወቶም ንምውሓስ ናብ ካልኦት ሃገራት ክስደቱ ምኽንያት ኮይኑ’ሎ።

“ማይ እንተዘይሃልዩ ሰባት ናብ ካልእ ቦታ ክጓዓዙ ክጅምሩ’ዮም” ትብል ኣብ ሚንስትሪ ወጻኢ ጉዳያት ፊንላንድ ሓላፊት ዓለምለኻዊ ምትሕብባርን ምህርቲ ፖለቲካ ማይን ኪቲ ቫን ደር ሄይደን።

ሕጽረት ማይ ብግምት ን40 ሚኢታዊት ካብ ህዝቢ ዓለም ከም ዝጸለወ ዝግለጽ ኮይኑ ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ባንኪ ዓለምን ድማ ክሳብ 2030 ኣብ ዘሎ እዋን ኣስታት 700 ሚልዮን ሰባት ንሓደጋ ምፍንቓል ክሳጥሑ ከም ዝኽእሉ ግምቶም የቐምጡ።

“ማይ እንተዘይሃልዩ ፖለቲከኛታት ነቲ ጉዳይ ከም ጽቡቕ ኣጋጣሚ ተጠቒሞም ብኡኡ ምኽንያት ናብ ጎንጺ ክኣትዉ ይኽእሉ እዮም” ትብል ኪቲ።

ኣብ መበል 20 ክፍለ ዘበን መጠን ብደረጃ ዓለም ዝነበረ ተጠቃምነት ማይ ብኽልተ ዕጽፊ ከም ዝወሰኸ ይግለጽ።

በዚ ምኽንያት ድማ ዓበይቲ ከተማታት ሃገራት ማይ ብዕደላ [‘ራሺን’] ናብ ነበርተን ከመቓርሓ ተገዲደን ኣለዋ።

ዓለምለኸ ፎረም ቁጠባ ብመንጽር ዘኸትልዎ ጽልዋ ዘርዚሩ ኣብ ዘቐመጦም ዓለማዊ ስግኣታት፡ ማይ ሓደ ካብቶም ኣብ ቅድሚት ዝተሰርዑ ኮይኑ’ሎ።

ኣብ 2017 ዘጋጠሙ ከበድቲ ሓደጋታት ደርቂ ብድሕሪ ካልኣይ ኲናት ዓለም ንዝተፈጠሩ ሕሱማት ሰብኣዊ ቅልውላዋት ብጽሒት ኣለዎም።

ብሰንኪ እቶም ዘጋጠሙ ሕጽረታት መግቢን ዝተወልዑ ጎንጽታትን ድማ 20 ሚልዮን ሰባት ካብ ኣፍሪቃን ማእኸላይ ምብራቕን ዝነብሩሉ ከባቢ ገዲፎም ተፈናቒሎም።

ንዝሓለፉ 30 ዓመታት ኣብ ሞንጎ ሕጽረት ማይ፣ ጎንጽን ፍልሰትን ዘሎ ርክብ መጽናዕቲ ዘካየደ ፒተር ግለይክ ብሰንኪ ማይ ዝፍጠሩ ጎንጽታት ይውስኹ ምህላዎም ይኣምን።

“ኣዝዩ ሓሓሊፉ እንተዘይኮይኑ ብቐጥታ ብጽምኢ ማይ ዝሞተ ሰብ የለን። ግን ከኣ ብሰንኪ ዝተበከለ ማይን ማይ ንምርካብ ብዝፍጠሩ ጎንጽታትን ብዙሓት ሰባት ይሞቱ” ክብል የረድእ።

ንሱን ኣባላት ጉጅለ መጽናዕቱን ነቶም ብሰንኪ ማይ ዝውልዑ ግጭታት ኣብ ሰለስተ ጉጅለታት ይመቕሉዎም። ንሳቶም ድማ፦

  • ማይ ከም ‘ቃታ’ ግጭት - ኣብዚ ኩነታት ማይ ንምርካብን ንምቁጽጻርን ዝፍጠሩ ምስሕሓባት ይጠቓለሉ
  • ማይ ከም ‘መሳርሒ’ ግጭት- ኣብዚ ድማ ማይ ወይ ስርዓተ ማይ ከም ዕጥቂ/ ብረት ጎንጽታት ኮይኑ ይውዕል። እዚ ድማ ግድባት ብምህናጽ ዋሕዚ ማይ ወይ ውሕጅ ምዕጋት ዝብሉ የጠቓልል
  • ማይ ከም ‘ግዳያት’ ወይ ‘ዒላማታት’ ግጭት - ኣብ እዋን ኲናት ምንጪታት ማይ፣ መጻረዪ ማይን ትቦታትን ዒላማ ጎንጽታት ዝኾኑሉ ኩነታት
ብምኽንያት ህንጸት ግድብ ሕዳሰ ኢትዮጵያ፣ ግብጽን ሱዳንን ኣብ ወጥሪ ክኣትዋ ክኢለን እየን

ምንጪ ስእሊ, Eduardo Soteras/AFP/Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ብምኽንያት ህንጸት ግድብ ሕዳሰ ኢትዮጵያ፣ ግብጽን ሱዳንን ኣብ ወጥሪ ክኣትዋ ክኢለን እየን
Short presentational grey line

ብኸፊል ደረቕ ንዝኾነ ዞባ ሳሕል ኣፍሪቃ ከም ኣብነት እንተወሲድና ኣብ ሞንጎ ኣርባሕቲ እንስሳታትን ሓረስቶትን ብሰንኪ ሕጽረት ንጥሪቶም ወይ ናይ ሕርሻ ቦትኦም ዘስትይዎ ማይ ጎንጺ ከጓንፍ ምርኣይ ልሙድ’ዩ።

መጠን ጠለብ ማይ እናወሰኸ ይመጽእ ብምህላዉ ከኣ ብዝሒ እቶም ዘጋጥሙ ጎንጽታት ክውስኹ ከም ዝኽእሉ ምግማት ኣየጸግምን።

“ነቲ ጉዳይ ኣመልኪቱ ኣብ ቀረባ ዝተኻየደ መጽናዕቲ ከም ዘርእዮ ብሰንኪ ማይ ዘጋጥሙ ግጭታት ምስ ከይዲ ጊዜ እናወሰኹ ይመጽኡ ኣለዉ” ይብል ኣብ ትካል ሃብቲ ዓለም ዳይሬክተር ጉዳያት ማይ ቻርለስ ኣይስላንድ።

“ወሰኽ ብዝሒ ህዝብን ቁጠባዊ ምዕባለን ብደረጃ ዓለም ንዘሎ ጠለብ ማይ ክውስኽ ገይርዎ’ሎ። ብኣንጻሩ ድማ ለውጢ ኩነታት ኣየር [ክሊማዊ ለውጢ] መጠን ማይ ክንክይ ይገብር ኣሎ ክብል ብንጽጽር የረድእ።

እቲ ኣብ ሞንጎ ሕጽረት ማይን ግጭትን ዘሎ ርክብ ብቐሊሉ ክትግንዘቦ ትኽእል ኣይኮነን።

ዋላ’ውን ኣዝዩ ጽንኩር ዝኾነ ደርቂ እንተጋጠመ እቲ ኩነታት ናብ ግጭት የምርሕ’ዶ ይኸውን ዝብል ሕቶ ኣብ ብዙሓት ዝተሓላለኹ ምኽንያታት ዝተመስረተ እዩ ዝኸውን።

Short presentational grey line

ብሰንኪ ማይ ክፍጠሩ ዝኽእሉ ግጭታት ብኣጋ ምፍላጥ እንተተኻኢሉ ግን፡ ኣብ መጻኢ እቲ ጎንጺ ከይኽሰት ኣቐዲምካ ዝኾነ ፍታሕ ምግባር ይከኣል’ዶ?

ነዚ ሕቶ ዝወሃብ መልሲ ንኹሉ ብሰንኪ ሕጽረት ማይ ዘጋጥም ዓይነት ግጭታት ሓደ ዓይነት ፍታሕ ምሃብ ወይ ኣቐዲምካ ምድላው ዝከኣል ኣይኮን ዝብል’ዩ።

ኣብ ብዙሓት ሃገራት ዘጋጥም ብኽነት ወይ ላሕዂ ምንካይ ንርእሱ ዓብዪ ውጽኢት ከምጽእ ዝኽእል ስራሕ’ዩ።

ንኣብነት ኣብ ዒራቕ ካብቲ ንመስተ ዝጻረ ማይ እቲ ክልተ ሲሶ ዝኸውን ብሰንኪ ድኹም ትሕተ ቕርጺ [መሰረተ ልምዓት] ዝባኽን’ዩ።

ብዘይካ’ዚ ኣብ ብልሽውና [ሙስና] ቁጽጽር ምግባር ከምኡ’ውን ሕርሻ ካብ ትሕቲ መሬት ዝርከብ ብዝያዳ ከይጥቀም ምግባር ነቲ ከጋጥም ዝኽእል ጸገማት ኣብ ምንካይ ትርጉም ዘለዎም ተወሰኽቲ ኣማራጺታት ፖሊሲታት እዮም።

ኣይስላንድ፡ ማይ ክንድምንታይ ክቡር ነገር ምዃኑ ግንዛበ ንምፍጣር ኣብ ዋግኡ ወሰኽ ምግባር ኣገዳሲ ምዃኑ ይምዕድ።

ምኽንያቱ ኣብ መብዛሕትኡ ክፋላት ዓለም ማይ ዝሓሰረ ዋጋ ዘለዎን ብብዝሒ ዝርከብን ሃብቲ ከም ዝኾነ እዩ ዝሕሰብ።

ዝተፈላለዩ ስልትታት እናተጠቐምካ ናብ ረብሓ ዝውዕል ማይ ክውስኽ ምግባር እውን ካልእ ኣማራጺ እዩ።

ንኣብነት ናይ ባሕሪ ማይ ጨውነቱ ኣምኪንካ ናብ ረብሓ ከውዕል ምግባር።

ንኣብነት ስዑዲ ዓረብ ኣብዚ እዋን 50 ሚኢታዊት ጠለብ ማይ በዚ መገዲ’ያ ተቕርብ።

ዝባኸነ ማይ መሊስካ ናብ ረብሓ ክውዕል ዝግበረሉ መስርሕ ቴክኖሎጂ’ውን ኣዝዩ ዝቐለለን ብዝተሓተ ዋጋ ዝስራሕን ስለ ዝኾነ ክሕሰበሉ ይግባእ።

ሓደ መጽናዕቲ ከም ዘመልክቶ፡ ናይ ባሕሪ ማይ ጨዉ ብምንካይ ወይ ዝባኸነ ማይ ብዳግመ መስርሕ ናብ ረብሓ ክውዕል ምግባር፤ ነቲ ብደረጃ ዓለም እኹል ማይ ዘይረክብ 40 ሚኢታዊት ህዝቢ ናብ 14 ሚኢታዊት የውርዶ።

ብ2000 ኣብ መፋስስ ሩባ ኦሬንጅ-ሴንኩ ስምምዕ ምክፋል መዓይ ተፈሪሙ፤ እንተኾነ ክሳብ ሕጂ ኣካታዒ'ዩ

ምንጪ ስእሊ, John Wessels/AFP/Getty Images

ምስሕሓብ ማይ ናይል [ኒል]

ብደረጃ ዓለም ብሰንኪ ማይ ዝጓሃሃሩ ብዙሓት ወጥርታት ምጥቃስ ይከኣል።

ንካዛኪስታን፣ ኡስቤኪስታን፣ ቱርክመኒስታን፣ ታጃኪስታንን ኪርጊስታንን ዘሰሓሕብ ጉዳይ ባሕሪ ኣራል፤ ንግዝኣታት ሌቫንታይን ዘዋጥጥ ጉዳይ ሩባ ጆርዳን፤ ንቻይና ምስ ኣብ ደቡብ ምብራቕ እስያ ዘለዋ ጎረባብታ ንኽትሰሓሓብ ዝገበረ ሩባ ሜኮንግ ብኣብነት ይጥቀሱ።

እንተኾነ እዚኦም ኩሎም ካብ ወጥሪ ብዝዘለለ ገና ናብ ጎንጺ ዝሰገሩ ኣይኮኑን።

እተን ኣብ ዋሕዚ ሩባ ናይል ዝምርኮሳ ሃገራት ኢትዮጵያ፣ ግብጽን ሱዳንን ድማ ንህንጸት ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ስዒቡ ኣብ ፖለቲካዊ ወጥሪ ኣትየን ይርከባ።

እቲ ክሳብ 3.6 ቢልዮን ዶላር ከምዝሓትት ዝዝረበሉ ግድብ ዝፈጥሮ ቀላይ ዕብየቱ ክንዲ ሰለስተ ዕጽፊ ኣብ ክልል ኣምሓራ ዝርከብ ቃላይ ጣና ከም ዝኸውን ይግመት።

ኢትዮጵያ ዝመጽአ ይምጻእ ብምባል ንህንጸት እቲ ግድብ ትቕጽል ኣብ ዘላትሉ እዋን: ግብጽን ሱዳንን ብወገነን ብተደጋጋሚ ሓበራዊ ወተሃደራዊ ልምምዳት ኣብ ምክያድ ይርከባ።

ኣብ ቀረባ እዋን ድማ ‘ሓለውቲ ናይል’ [ጋርዲያንስ ኦፍ ናይል’] ብዝብል ዘካየድኦ ልፍንታዊ ወተሃደራዊ ምርኢት ምግባረን ይዝከር።

እዚ ወጥሪ ናብ ኲናት ከየምርሕ’ኳ ስግኣታት እንተሃለዉ፤ ካብዚ ብዝያዳ ዘሻቕሉ ተመሳሰልቲ ጉዳያት ግን ኣይተስኣኑን።

ንፓኪስታን ምስ ህንዲ ዘፋጠጠ ጉዳይ ማይ ምናልባት ኣብ ቀረባ ክጓሃሃር ዝኽእል ድጉል ሓዊ ከም ዝኾነ ይእመን።

ፕረዚደንት ኡዝቤኪስታን ኢስላም ካሪሞቭ እቲ ጉዳይ ናብ ዞባዊ ጎነጽ ከምርሕ ከም ዝኽእል ስግኣቱ ይገልጽ።

ኣብ ክፍፍል ማይ ዝግበሩ ስምምዓት ነቶም ዘለዉ ወጥርታት ኣብ ምቅላል ዝህልዎም እጃም ዓብዪ እዩ።

ብድሕሪ ምዝዛም ካልኣይ ኲናት ዓለም ጥራሕ ኣስታት 200 ምስ ማይ ዝተሓሓዙ ስምምዓት ከም ዝተፈጸሙ ይዝረብ።

ንኣብነት ኣብ 1960 ኣብ ሞንጎ ህንድን ፓኪስታንን ዝተፈረመ ውዕል ማያት ኢንዱስ ምጥቃስ ይከኣል።

ውድብ ሕቡራት ሃገራት ምስ ሩባታትን ቀላያትን ብዝተሓሓዝ ኣብ ሞንጎ ሃገራት ዝፍጸም ዓለማዊ ውዕል ማይ ንምትእትታው ፈተነ እንተገበረ’ኳ ዛጊድ ግን 43 ሃገራት ጥራይ ከም ዝፈረማሉ ይግለጽ።

ገለ ምሁራት ግን ሓደሽቲ ውዕሊታት ምትእትታው ኣገዳሲ ምዃኑ ይሕብሩ።

ኢትዮጵያ፣ ሱዳንን ግብጽን እውን ንምስሕሓበን ክፈትሓ እንተዘይኪኢለን ናይ ደገ ሓገዝ ክጠልባ ኣብ ለንደን ናይ ዝርከብ ዘይመንግስታዊ ትካል ሓላፊት ምሕደራ ሃፍቲ ተፈጥሮን ለውጢ ክሊማን ጀሲካ ሃርቶግ ሓሳብ ተቕርብ።

“ሰለስቲኤን ሃገራት በዓልተን ኣብ ስምምዕ ከምዝበጽሓ እምነት ኣለኒ፤ እንተኾነ ነቲ ዘሎ ወጥሪ ንምህዳእ ዓለምለኻዊ ዲፕሎማሲያዊ ጻዕርታት ኣገዳሲ እዩ” ትብል።

ኣሜሪካ፣ ሩስያን ቻይናን ብሓባር ኮይነን ነተን ብማይ ሩባ ናይል ዝተፋጠጣ ሰለስተ ሃገራት ኣብ ቀያዲ ስሉሳዊ ስምምዕ ክኣትዋ ከተባብዓ ድማ ትጽውዕ።

ለውጢ ክሊማን ምውሳኽ ብዝሒ ህዝቢ ዓለምን ቀንዲ መንቀሊ ደርቂ ምዃኖም ቀጺሎም ኣለዉ።

ነዚኦም ዝግበር መፍትሒ ከኣ ኣብ ምንካይ ጎንጽታትን ፍልሰትን ዓብዪ ትርጉም ኣለዎ።