ኣብ ዓለምና ይጽንቀቑ ከምዘለዉ ክትፈልጥዎም ዘለኩም ሽዱሽተ ነገራት

ማይ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ካብ መዓልቲ ናብ መዓልቲ እናገደደ ይመጽእ ብዛዕባ ዘሎ ሕጽረት ማይን ነዳድን ሰሚዕኩም ትኾኑ፤ ግን ከኣ ኣብ ኣለምና እናተጸንቀቑ ዝርከቡ ተወሰኽቲ ብዙሓት ነገራት ኣለዉ።

1. ኣብ ዙርያ መሬት (ኦርቢት) ዘሎ ቦታ

መሬት

ዛጊድ፡ ኣብ ዙርያ መሬት እናሰፈፉ ዝርከቡ ፍርቂ ሚልዮን ዝተፈላለዩ ናውቲ ኣለዉ።

ካብዚኦም፡ እቶም 2 ሽሕ ጥራይ እዮም ኣብዚ እዋን ኣገልግሎት ዝህቡ ዘለዉ። ኣገልግሎቶም ድማ፡ ንከም መራኸቢታት (ኮሚዩኒኬሽን)፣ ጂፒኤስን ካልኦትን ዝውዕል እዩ።

እቶም ዝተረፉ ኣብ ዓንኬል መሬት ዘለዉ ኣማኢት ኣሸሓት ነገራት፡ ቅድሚ ሕዚ ናይ ዝተወንጨፉ ሮኬታት ስብርባርን ካልኦት ዝዓነዉ ነገራትን እዮም።

እንታይ እዩ'ሞ እቲ ጸገም?

እቲ 500,000 ተባሂሉ ዘሎ፡ እቲ ክፍለጥ ዝተኽኣለ ጥራይ እዩ። ኣብ ልዕሊኡ ድማ፡ መዓልታዊ ሓደሽቲ ነገራት ይውንጨፉ።

ቴክኖሎጂ እናተመሓየሸ ክኸይድ ከሎ፡ ዝኾነ ነገር ናብ ዙርያ መሬት ምስዳድ እናቐለለ እዩ ዝመጽእ ዘሎ።

እዚ ንደቂ ሰባት ጽቡቕ ብስራት እኳ እንተኾነ፤ ነቶም ኣብ ልዕሊ መሬት ዝሽክርከሩ ዘለዉ ናውቲ ዝቆጻጸር ኣካል ግን የለን። ዛጊድ ድማ፡ ነቶም ኣገልግሎት ዘይህቡን ዝተደርበዩን ናውቲ ንምእላይ ዘኽእል መስርሕ የለን።

እናተጻበበ ክኸይድ ከሎ ድማ፡ እቶም ናውቲ ነንርእሶም ከይጋጨዉ ስግኣት ኣሎ። እዚ ድማ፡ ኣብ ልዕሊ እቶም ንኣገልግሎት ቴሌፎንን ካልኦትን እንጥቀመሎም መርበባት ሓደጋ ዘብጽሕ እዩ።

ነዚ ጸገም ንምፍታሕ ጸዕሪ ይግበር እኳ እንተሃለወ፤ ዛጊድ ግን ፍታሕ የለን።

2. ሑጻ

ሑጻ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ካብቲ ተፈጥሮ ክትሕድሶ እትኽእል ንላዕሊ ኢና ሑጻ ንጥቀም ዘለና

'ኣብ ገማግም ባሕርን በረኻታትን፡ ስፍሪ ኣልቦ ሑጻ እናሃለወና፡ ብኸመይ እዩ ሕጽረት ከጋጥም ዝኽእል ከ?' ትብሉ ትኾኑ።

እቲ ሓቂ ግን፡ ብደቂሰባት ኣዝዮም ካብ ዝተጓሕጉሑ ሃብትታት ሓደ ሑጻ እዩ። ካብቲ ተፈጥሮ ክትሕድሶ እትኽእል ንላዕሊ ኢና ድማ ንጥቀሞ ዘለና።

ሑጻ ብኸይዲ ፍግረ መሬት ኣብ ኣሸሓት ዓመታት እዩ ዝፍጠር። ሑጻ፡ ህንጻታት ንምስራሕ፣ ኣብ ማያዊ ኣካላት መሬት ንምስፋሕ፣ ማይ ንምጽራይ ከምኡ ድማ ብርጭቆ ንምስራሕ ንጥቀመሉ።

3. ሂልየም

ፍሕኛ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ሂልየም ካብቶም ዝውድኡ ሃብትታት ሓደ እዩ። ካብ ዓሚዩቕ ትሕቲ ምድሪ ዝወጽእ ሂልየም፤ እናተጸንቀቐ እዩ ዝኸይድ ዘሎ።

ገለ ሰብ ሞያ፡ ኣብ ውሽጢ 30 ክሳብ 50 ዓመት ሕጽረት ከምዘጋጥም ይእምቱ።

ሂልየም ኣብ ሰብ-ሰርሖ-ፍሕኛ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ኣብ ናውቲ ሕክምና እውን ኣገዳሲ ጥቕሚ እዩ ዝህብ። ኤም ኣር ኣይ ኣብ ዝበሃል መሳርሒ ሕክምና ዝርከቡ ማግኔታት ክዝሕሉ ዝገብር እዩ፡ ሂልየም።

እዚ መሳርሒ ድማ፡ ኣብ ሕክምና ሕማም ካንሰር፣ ሓንጎልን ዓንዲ ሕቖን ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ።

4. ሙዝ

ሙዝ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ብዘይ ሙዝ እንታይ ኮን ትመስል ትኸውን?

ካብቲ ሕዚ ኣብ ዕዳጋ እንረኽቦ ሙዝ፡ መብዛሕትኡ 'ፓናማ ዲዝዝ' ብዝተብሃለ ዕሲ (ፈንገስ) ኣብ ሓደጋ ወዲቑ ዘሎ እዩ።

ካብቶም እንበልዖም ዓይነት ሙዝ፡ መብዛሕተኦም ዓሌት 'ካቨንደሽ' ክኾኑ አንከለዉ፡ መበቆሎም ሓደ ዓይነት ተኽሊ ሙዝ እዩ። እዚ ድማ፡ እቲ ሕማም ብቐሊሉ ኣብ ተኽልታት ሙዝ ክዝርጋሕ የኽእሎ።

እዚ ድማ ቅድሚ ሕዚ ዘየጋጠመ ኣይኮነን። ኣብ 1950ታት፤ እዚ ሕማም ንዳርጋ ኩሉ ተኽሊ ሙዝ ናይ ዓለምና ኣብሪስዎ ነይሩ እዩ። በዚ ምኽንያት ድማ እዮም፡ ሓረስቶት፡ ካብቲ 'ግሪስ ሚቼል' ዝበሃል ዓሌት ሙዝ ናብ 'ካካቨንደሽ' ገጾም ዘዘሩ።

ተመራመርቲ፡ ነዚ ሕማም ክከላኸል ዝኽእል ግን ድማ ምቁር ዝኾነ ዓሌት ሙዝ ከማዕብሉ ይጽዕሩ እዮም ዘለዉ።

5. ሓመድ

ሓረስቶት

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ሃብቲ ሓመድ ዓለምና፡ ዋላኳ ሃንደበት ዘንቆልቁል ኣይኹን፡ ብዘተሓሳስብ ደረጃ ግን ብሕማቕ ኣገባብ ኢና ነመሓድሮ ዘለና።

ላዕለዋይ ኣካል ሓመድ እቲ ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ። ኣግራብ፡ ካብኡ እዮም ነቶም ቀንዲ ዘድልዩዎም መኣዛታት ዝረኽቡ።

ኣብ ዝሓለፉ 150 ዓመታት፡ ዳርጋ ናይ ዓለምና ፍርቂ ላዕለዋይ ኣካል ሓመድ፡ ጠፊኡ እዩ። ሓደ ኢንች መጠን ዘለዎ ላዕለዋይ ክፋል ሓመድ ብተፈጥሮኣዊ መገዲ ንክፍጠር ክሳብ 500 ዓመታት ይወስደሉ።

ፍግረ መሬት፣ ሕርሻ ልዕሊ ዓቐን፣ ብርሰት ኣግራብን ምውሳኽ ዋዒ ዓለምን፡ ምኽንያት ብርሰት ላዕለዋይ ክፋል ሓመድ ከምዝኾኑ'ዩ ዝግለጽ።

6. ፎስፎረስ

ክርቢት

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ፎስፈረስ ክበሃል ከሎ፡ ኣብ ዕለታዊ መነባብሮና ክንድ'ቲ ኣድላዪ ነገር ኣይመስልን።

እንተኾነ፡ ኣድላይነቱ ኣብ ዲኤንኤ ደቂሰባት ጥራይ ዘይኮነስ፡ ኣብ ሕርሻ እውን መተካእታ ዘይብሉ ኣገዳሲ ድኹዒ እዩ።

ፎስፈረስ፡ ብከይዲ ምምሽማሽ ኣግራብን ዒባን ኣቢሉ፤ ናብቲ ዝመጽኣሉ፡ ናብ ሓመዱ እዩ ክምለስ ዝግበኦ ነይሩ።

ሕዚ ግን፡ ፎስፎረስ ኣብ ውሽጢ ምህርቲ ሕርሻ ኮይኑ ናብ ከተማታት ምስኣተወ፡ ናብ ሓመድ ዘይኮነስ፡ ብዘመናዊ መፋሰስ ከተማታት ሓሊፉ፡ እናተሓጸበ ናብ ባሕሪ እዩ ዝኣቱ ዘሎ።