ኣብ ኢራን ሕጽረት ማይ ብዘስዓቦ ተቛውሞ ሓደ ሰብ ሞይቱ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብ ደቡባዊ ምዕራብ ኢራን ሕጽረት ማይ ዘስዓቦ ናይ ህዝቢ ተቋውሞ ካልኣይ መዓልቱ ዝሓዘ ኮይኑ ሓደ ሰብ ከምዝተቐተለ ዘቤታውያን ማዕኸናት ዜና ኣቃሊሖም።
ሰበ ስልጣን ወረዳ ኩዘስታን እቲ ዝሞተ ወዲ ናብ ኣየር ይትኩሱ ብዝነበሩ ሰባት ሃንደበት ተወቒዑ ከምዝሞተ መንግስታዊ ሚድያ ጸብጺቡ። ተቋወምቲ መንግስቲ ምንጭታት ግና እቲ ሰብ ብናይ መንግስቲ ሓይልታት ጸጥታ ተወቒኡ ከምዝሞተ እዮም ዝገልጹ።
ኢራን ብኣዝዩ ከቢድ ድርቂ ዝተጠቕዐት ኮይና ከም ሳዕቤኑ ድማ ኣብታ ሃገር ጸገማት ሕጽረት ማይን ሓይሊ ኤሌክትሪክን የጋጥም ስለዘሎ ህዝባዊ ቁጥዐ ይሕይል ከምዘሎ’ዩ ዝግለጽ።
እቲ ቅትለት ኣብ ከተማ ሻደጋን ከምዘጋጠመን ኣሳእል ናይቲ ዝሞተ ወዲ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ብሰፊሑ ተራእዩ። “ኣብቲ ምትእኽኻብ እቶም ተቛወምቲ ሰባት ንሰባት ከለዓዕሉ ኢሎም ናብ ሰማይ ይትኩሱ ነይሮም፣ ድሓረ ሃንደበት ሓንቲ ጥይት ካብቶም ኣብኡ ንዝነበሩ ሰባት ቀቲላ” ክብል ግዝያዊ ኣማሓዳሪ ኦሚድ ሳብሪፖር ገሊጹ።
እቲ ዝሞተ ወዲ ካብቶም ውሑዳን ጉጅለ ብሄረ ዓረብ ኣብ ጥቓ ዶብ ዒራቕ ዝቕመጡ ከምዝኾነ ተፈሊጡ’ሎ። ኣብ ወጻኢ ዝንቀሳቐስ ውዳበ ተቓዋሚ መንግስቲ ኢራን ግን እቲ ሰብ ካብ ናይ መንግስቲ ሓይልታት ጸጥታ ብዝተተኮሰ ጥይት ተሃሪሙ ከምዝሞተ ይገልጽ።
ሰበ ስልጣናት ኢራን ነቲ ብነዳዲ ኣብ ዝበልጸገ ከባቢ ዝካየድ ዘሎ ህዝበዘዊ ተቛውሞታት ኣዘሓሒሎምዎ። ተቓወምቲ መንግስቲ ተቛውምኦም ጎማታት ብምቅጻልን መንገድታት ብምዕጻውን ከምዝገለጹ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ዝዘዋወሩ ዘለዉ ቪድዮታት የርእዩ።
መንግስቲ ኢራን ኣብ ዝሓለፈ ዓርቢ ሕቶ ናይቶም ተቛወምቲ ዝፈትሕ ሓደ ልኡኽ ናብቲ ከባቢ ሊኢኹ ከምዝነበረ ዝዝከር ኮይኑ እቲ ናይ ማይ ቀረብ ጸገም ንስራሕቲ ሕርሻን ምርባሕ እንስሳን ሃሲይዎን ድሓረ ድማ ክሳብ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ምቁራጽ ኣስዒቡ’ሎ።
ሰብ ስልጣን መንግስቲ እታ ሃገር እቲ ጸገም ብሰንኪ ዋሕዲ መጠን ዝናብ ከምዝኾነ ብምጥቃስ መብዛሕቲኦም መደብራት ኤልክትሪክ ይሰርሑ ከምዘየለዉን ሰባት ዋዒ ንምክልኻል ኢሎም ‘ኤር ኮንድሽነር’ ስለዝጥቀሙ እዩ ተኸሲቱ ዝብል መግለጺ ሂቦም።
እንተኾነ ግን ብዙሓት ነበርቲ እቲ ጸገም ብሰንኪ ዘይእንዱብ ምሕደራን ግዕዝይናን ከምዝተኸሰተ እዮም ዝዛረቡ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







