ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ዒራቕን ሶርያን ደብዳብ ነፈርቲ ፈጺመ ኢላ

ነፋሪት ውግእ ኣመሪካ ኣብ ስልጠና ሚያዚያ 2021

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኣመሪካ፡ ኣንጻር እቶም ብኢራን ዝድገፉ ኣብ ዒራቕን ሶርያን ዝንቀሳቐሱ ሚሊሻታት ደብዳብ ነፈርቲ ከም ዝኸፈተት ፔንታጎን ኣፍሊጡ።

በዚ መሰረት "ኣብ ትካላት መምርሒ ሰራዊትን መኽዝን ኣጽዋርን" ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ተኻይዱ ኣሎ ክብል ፔንታጎን ዘውጽኦ መግለጺ ይሕብር።

እቲ መጥቃዕቲ እቶም ሚሊሻታት ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ተጠቒሞም ኣብ ልዕሊ ወተሃደራት ኣመሪካ ንዝፈጸሙዎ መጥቃዕቲ ዝወሃብ ዘሎ ግብረ መልሲ ከም ዝኾነ'ውን ተገሊጹ።

"ፕረዚደንት ጆ ባይደን ወተሃደራት ኣመሪካ ንምሕላው ስጉምቲ ከም ዝወስድ ንጹር'ዩ" እውን ኢሉ።

ፕረዚደንት ባይደን ናብ ስልጣን ምስ መጽአ ኣብ ልዕሊ ብኢራን ዝድገፉ ሚሊሻታት ስጉምቲ ደብዳብ ነፈርቲ ክውሰድ ከፍቅድ እዚ ንኻልኣይ ግዝኡ እዩ።

ኣብ ዝሓለፉ ኣዋርሕ ኣብ ዒራቕ ዘሎ ሰራዊት ኣመሪካ ብሰብ ኣልቦ ነፈርቲ መጥቃዕቲ ተፈጺሙዎ ነይሩ። ኢራን ግን ኣብዚ ጉዳይ ኢድ ከም ዘይብላ'ያ ትገልጽ።

ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣስታት 2500 ወተሃደራት ኣመሪካ ኣንጻር ጅሃዳዊ እስላማዊ መንግስቲ [ኣይኤስ] ክዋጋእ ኣብ ዒራቕ ተዋፊሩ ይርከብ።

ፔንታጎን ከም ዝብሎ ድማ ኣብ ሶርያ ክልተ ኣብ ዒራቕ ድማ ሓደ "ወተሃደራዊ ዒላማ ዝገበሩ መጥቃዕታት ኣየር" ተፈጺሞም ኣለው።

ካታይብ ሒዝቦላህን ካታይብ ሰይድ ኣል ሹሃዳን ሓዊሱ ብኢራን ዝድገፉ ጉጅለታት ሚሊሻ ነቶም ዒላማ ዝተገብሩ ትካላት ከም ዝጥቀሙሎም ተሓቢሩ ኣሎ።

ኣመሪካ ካብ 2009 ጀሚሩ ካታይብ ሒዝቦላህ ሰላምን ርግኣትን ዒራቕ ኣብ ሓደጋ ኣውዲቑ'ዩ ብምባል ኣብ መዝገብ ሽበራ ኣስፊራቶ'ያ።

እቲ ናይ ሕጂ ስጉምቲ ኣመሪካ ንርእሳ ክትከላኸል ዝወሰደቶ'ዩ ክብል ፔንታገን ሓቢሩ።

ሓደጋ ጠጠው ንምባል ዝተተለመ "ኣድላዪ፣ ግቡእን ኮነ ተባሂሉ ዝተወሰደን ስጉምቲ ወሲዳ ኣላ። ንጹር መልእኽቲ'ውን ንምሕላፍ ዝዓለመ'ዩ" ኢሉ።

ይኹን'ምበር በቲ መጥቃዕቲ ዝሞተ ወይ ኣካላዊ መጉዳእቲ ዝበጽሖ ምህላው ኣይተገልጸን።

ማዕከን ዜና ኤኤፍፒ ከም ዝጸብጸቦ ግን ኣብ ሶርያ ሓሙሽተ ሚሊሻታት "ብመጥቃዕቲ ነፈርቲ ኣመሪካ" ተቐቲሎም ኣለው። ማዕከን ዜና ሶርያ ሳና ብወገኑ ሓደ ህጻን ከም ዝሞተን ብውሑድ ሰለስተ ሰባት ከም ዝቖሰሉን ጸብጺቡ ክብል ኤኤፍፒ ሓቢሩ።

ኣብ 2003 ዓ.ም ብመሪሕነት ኣመሪካ ሳዳም ሑሴን ካብ ስልጣን ካብ ዝእለ ጀሚሩ ኢራን ኣብ ውሽጣዊ ጉዳያት ዒራቕ ኢዳ ከም እትሕውስ ይግለጽ።