ሶማልያ፡ ኣብ ዞባ ፑንትላንድ 21 ኣባላት ኣልሸባብ ብጥይት ተቐንጺሎም

ምንጪ ስእሊ, AFP
ኣብ ሶማልያ፡ ሓውሲ ርእሰ ምምሕዳር ፑንት ላንድ ኣባላት ኣልሸባብ እዮም ዝተባህሉ 21 ደቂ ተባዕትዮ ብጥይት ተቐንጺሎም።
እቶም 21 ደቂ ተባዕትዮ ብወተሃደራዊ ቤት ፍርዲ ጋልካዮ ኣባላት እስላማዊ ጉጅለ ኣልሸባብ ምዃኖም ምስ ተረጋገጸ ብሞት ክቅጽዑ ተበይንዎም።
ብመሰረት ብይን እቲ ቤት ፍርዲ እቶም ኣባላት ኣልሸባብ'ዮም ዝተባህሉ 21 ደቂ ተባዕትዮ ብጥይት ተቐቲሎም።
መንግስታዊት ሬድዮ ሶማሊላንድ፡ 18 ካብቶም ብሞት ዝተቐጽዑ፡ ኣብ ዝሓለፈ ልዕሊ ዓሰርተ ዓመታት ቅንጸላን ናይ ቦንባ መጥቃዕትን ከካይዱ ምጽንሖም እኹል መርትዖ ከም ዝተረኸቦም ገሊጻ።
እቶም ኣባላት ኣልሸባብ ዝተባህሉ 21 ደቂ ተባዕትዮ ኣብ ዝተቐትሉሉ፡ ጉጅለ ኣልሻባብ ኣብ ካልእ ክፋል ሶማልያ መጥቓዕቲ ብምክያድ ወተሃደራት መንግስቲ ከም ዝቐተለ ተገሊጹ።
ኣቐድም ኣቢሉ'ውን ኣብ ካልእ ክፋል ሶማልያ ኣብ ልዕሊ ኣባላት ኣልሸባብ'ዮም ዝተባህሉ ናይ ሞት መቅጻዕቲ ክካየድ ጸኒሑ እዩ።
እዚ ኣብ ፑንትላንድ ዝተኻየደ ግን ብቁጽሪ እቲ ዝበዝሐ ምዃኑ'ዩ ዝንገር።
ሰብ መዚ ፑንትላንድን ንኣባላት ኣልሸባብን ምስ ኣልሸባብ ዝተሓባበሩን ናብ ሕጊ ኣቕሪቦም ዝግብኦም መቅጻዕቲ ከም ዝህቡዎም ብተደጋጋሚ ቃል ክኣትዉ ይስምዑ።
ኤዲተር ቢቢሲ ኣፍሪቃ ዊል ሮዝ ግን እስላማዊ ጉጅል ኣልሸባብ ሕጂ'ውን እንኾነ ንርግኣት ሶማልያ ኣዝዩ ስግኣት ምዃኑ'ዩ ዝሕብር።
እስላማዊ ጉጅለ ኣልሸባብ ዝዓበየ ክፋል ደቡባውን ማእከላይን ክፋል ሶማልያ ተቖጻጺሩ ከም ዘሎ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ ብሂራር ኢንስቲቱት ዝተኻየደ መጽናዕቲ ይሕብር።
እቲ መጽናዕቲ እቲ እስላማዊ ጉጅል ልዕሊ መንግስቲ ሶማል ባጀት ከም ዘለዎ'ዩ ዝገልጽ።
እቲ ቅትለት 21 ኣባለት ኣልሸባብ ብሰንበት ኣብ ዝተኻየደሉ፡ ዕጡቓት እስላማዊ ጉጅለ ኣልሸባብ ኣብ ዞባ ሙዱጉ ንእትርከብ ከተማ ዊሲል ተቖጻጺሮማ።
ኣባላት ኣልሸባብ ኣብታ ከተማ ዝነበረ ወተሃደራዊ መዓስከር ኣብ ዝተቆጻጸሩሉ ብውሕዱ 20 ወተሃደራት መንግስቲ ከም ዝቐተሉ ገለ ጸብጻባት ይሕብሩ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







