ደቀ’ባት ካናዳ ኣብ ዝርከብሉ ከባቢ፡ ኣብያተ ክርስትያናት ካቶሊክ ይቃጸሉ ኣለዉ

ምንጪ ስእሊ, TORONTO STAR VIA GETTY IMGES
ትማሊ ቀዳም ብበዝሒ ማሕበረሰብ ደቂኣባት ካናዳ ኣብ ዝርከብሉ ምዕራባዊ ግዝኣት ካናዳ፡ ተወሰኽቲ ክልተ ኣብያተ ክርስትያናት እምነት ካቶሊክ ተቓጺሎም።
እቶም ብሓዊ ዝተባርዑ ኣብያተ ክርስትያናት ቅድስቲ ኣናን ቾፓክ ቤተ ክርስትያንን ዝበሃሉ እዮም።
ሰብ መዚ እቲ ከባቢ ከምዝበልዎ፡ መበገሲ እቲ ባርዕ ሓዊ ዘጠራጥር ኮይኑ፡ እቶም ህንጻታት ምሉእ ብምሉእ ከምዝዓነዉ’ዮም ዝዛረቡ።
ኣብ ዝሓለፈ ሰኑይ፡ ካናዳ ‘ሃገራዊ መዓልቲ ደቂ'ባት’ ኣብ እትኽብረሉ እዋን፡ ካልኦት ክልተ ኣብያተ ክርስትያን ካቶሊክ’ውን ከምዝተቓጸሉ ተጸብጺቡ ነይሩ።
ፖሊስ ፡“ናይ ክልቲኦም ኣብያተ ክርስትያን ምቅጻል ገና ኣብ ምጽራይ እዩ ዝርከብ፤ ዛጊድ ብጥርጣረ ኣብ ቀይዲ ዝወዓለ ሰብ ድማ የለን” ኢሉ።
እዚ ዝኸውን ዘሎ፡ ኣብ ቀረባ እዋን፡ ኣብ ጥንታውያን ኣብያተ ትምህርቲ ካናዳ ‘ጃምላዊ መቓብራት’ ተምሃሮ ምርካቦም ስዒቡ እዩ።
እቶም ብመንግስቲ ዝምወሉ ብገለ ጉጅለታት ኣብያተ ክርስትያናት ዝመሓደሩ ከምዝነበሩ ዝግለጹ ኣብያተ ትምህርቲ፡ ኣብ 19 ን 20ን ክፍለዘበናት ነቶም ደቂኣባት ‘መንነቶም ኣህሲስካ ነቶም ካልኦት ንክመስሉ’ ይሰርሑ ከምዝነበሩ ይዝረብ።
ገለ ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ዓሌታት ደቂ ኣባት ካናዳ፡ ብብርኪ ሃገር ከምዚኦም ዓይነታት ጃምላዊ መቓብራት ክእለሹ ክቃልዑን ይሓቱ ኣለዉ።
ስሚል ካሚን ኢንድያን ባንድ ዝስመ ኣመሓዳሪ’ቲ ካባቢ፡ ንሲቢሲ ከምዝበሎ፡ ቤተክርስትያን ቾፓካ ሓዊ ኣትይዎ ክባራዕ ከምዝረእየ ተዘሪቡ።
ንሱ ኣብቲ ስፍራ እንትበጽሕ፡ እቲ ህንጻ ‘ቲ ቤተ ክርስትያን ሙሉእ ንሙሉእ ዓንዩ ከምዝጸንሑ ወሲኹ ሓቢሩ።
“ምስረእኽዎ ኣዝየ እየ ሓሪቐ፤ እዚ ብምግባር እሞ እንታይ እዩ ክርከብ” ክብል ነቲ መራኸቢ ብዙሓን ተዛሪቡ። ኣብዝሓ ኣብቲ ከባቢ ዝነብሩ ኣመንቲ ካቶሊካዊ እምነት እንትኾኑ በቲ ፍጻመ ኣዝዮም ከምዝሓዘኑ እዩ ዝንገር።
ኣብ ወርሒ ግንቦት፡ ኣብ ሓደ ጥንታዊ ኣብያተ ትምህርቲ ካናዳ ናይ 215 ኣስከሬን ዝሓዘ ጃምላዊ መቓብር ምርካቡ ይዝከር።
ኣብ ዝሓለፈ ሓሙስ ድማ፡ ካልኦት ናይ 751 ምልክት ዘይበነበሮም ‘ጃምላዊ መቓብራት ተረኺቦም። በቲ ኣብቲ እዋን ዝነበረ ስርዓት፡ ካብ 1963 ክሳብ 1998፡ ልዕሊ 150 ሽሕ ተምሃሮ ካብ ስድረኦም ተወሲዶም ኣብ ኣሕዳሪ ኣብያተ ትምህርቲ ክኣትዉ ከምዝተገብረ ሰነዳእ የመልክቱ።
መንግስቲ ካናዳ፡ በቲ ስርዓት ትምህርቲ ዝተተግበረ እዚ ዓይነት ፍጻመ ብዕሊ ይቕረታ ሓቲቱሉ ኣሎ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







