ካናዳ፡ ኣብ ሓደ ኣሕዳሪ ቤት ትምህርቲ 751 መንነቶም ናይ ዘይተፈለጡ መቃብር ተረኺቡ

ኣብ ካናዳ ኣብ ሓደ ኣሕዳሪ ቤት ትምህርቲ 751 መንነቶም ናይ ዘይተፈለጡ መቃብር ተረኺቡ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ሓደ ጉጅለ ደቀባት ካናዳ ኣብ ዞባ ሳስካችዋን ኣብ ዝርከብ ኣሕዳሪ ቤት ትምህርቲ፡ ብኣማኢት ዝቑጸሩ ምልክት ዘይተገብረሎም መቓብራት ከም ዝረኸበ ኣፍሊጡ። ኣብ ካናዳ ኣብ ሓደ ኣሕዳሪ ቤት ትምህርቲ 751 መንነቶም ናይ ዘይተፈለጡ መቃብር ተረኺቡ

እቲ 'ካወሲስ ፈርስት ኔሽን' ዝተባህለ ጉጅለ ብረቡዕ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ እቲ ርኽበት "ዛጊት ኣብ ካናዳ እቲ ዝያዳ ኣገዳሲ" ምዃኑ ሓቢሩ።

እንተኾነ፡ እቲ ጉጅለ ብልክዕ ቁጽሪ እቲ ዝረኸቦ መቓብራት ኣይገለጸን።

ቅድሚ ሒደት ሳምንታት፡ ኣብ ብሪቲሽ ኮሎምብያ ዝተባህለ ዞባ፡ ኣብ ሓደ ተመሳሳሊ ኣሕዳሪ ቤት ትምህርቲ ኣዕጽምቲ ናይ 215 ህጻናት ከም ዝተረኽበ ተገሊጹ ነይሩ።

እቶም ኣሕደርቲ ኣብያተ ትምህርቲ ኣብ 19ን 20ን ክፍለ ዘበን ንኣተሓሳስባን ኣነባብራን መንእሰያት ደቀባት ንምሕንፋጽ ብመንግስቲ ካናዳን ሃይማኖታውያን ትካላትን ዝካየዱ ዝነበሩ እዮም።

እዚ መርማሪ ጉጅለ፡ ካብ ዝሓለፈ ወርሒ ጀሚሩ ትሕተ ባይታ ክፍትሽ ዝኽእል ራዳር ብምጥቃም፡ ኣብ መካነ መቓብር ኣሕዳሪ ቤት ትምህርቲ ማሪቫል ሳስካችዋን ሕቡእ መቓብራት ከናዲ ጸኒሑ።

እቲ ርኽበት "ዘሰንብድን ዘደንጹን እዩ" ዝበለ እቲ ጉጅለ፡ ሓሙስ ኣብ ዘካይዶ ጋዜጣዊ መግለጺ ዝርዝራት ክነግር ምዃኑ ሓቢሩ።

ሓላፊ 'ባይቶ ፈርስት ኔሽን' ፔሪ ቤለግረድ ምርካብ እቲ መቓብራት ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ ርእይቶ፡ ዘሰንብድ እኳ እንተኾነ ዘገርም ግና ኣይኮነን ኢሉ። ንሱ ወሲኹ "ኩሎም ካናዳውያን ኣብዚ ኣዝዩ ከቢድ እዋን ኣብ ጎድኒ ፈርስት ኔሽን [ደቀባት] ደው ክብሉ እምህጸን" ክብል ኣብ ትዊተር ጽሒፉ።

ኣብ እግሪ ሓወልቲ ቶሮንቶ ዝተነብረ ናይ ቆልዑ ኣሳእን

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መግለጺ ስእሊ, ኣብ ዝሓለፈ ሰሙናት፡ ሰባት ሓዘኖም ንግዳያት ኣሕደርቲ ኣብያተ ትምህርቲ ካናዳ ንምግላጽ ናይ ቆልዑ ኣሳእን ኣብ እግሪ ሓወልቲ የንብሩ ኣለው

ካብ 1863 ክሳዕ 1998 ኣብ ዘሎ ግዜ፡ ልዕሊ 150 ሽሕ ቆልዑ ደቀባት ካብ ስድርኦም ተወሲዶም ኣብቶም ኣሕደርቲ ኣብያተ ትምህርቲ ክኣትው ተጌሩ እዩ።

እቶም ቆልዑ ቋንቋኦም ክዛረቡ ኮነ ባህሎም ከዘውትሩ ዘይፍቀደሎም ኮይኖም፤ ግቡእ ኣተሓሕዛ ይረኽቡ ከም ዘይነበሩን ዓመጻት ይበጽሐም ምንባሩን ይፍለጥ።

ኣብ 2008 ንሳዕብናት እቲ ስርዓት ንምስናድ ዝቖመ ጉጅለ ኣብ ዘቕረቦ ጸብጻብ፡ ብዙሓት ካብቶም ቆልዑ ናብ ማሕበረሰቦም ኣይተመለሱን።

ኣብ 2008 መንግስቲ ካናዳ ነቲ ስርዓት ኣመልኪቱ ብወግዒ ይቕረታ ሓቲቱ እዩ።