ኣብ ሓደ ነባር ቤት ትምህርቲ ካናዳ፡ ናይ 215 ተምሃሮ ኣዕጽምቲ ዝሓዘ ጃምላዊ መቓብር ተረኺቡ

ቤት ትምህርቲ ካናዳ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

ኣብ ሓደ ቅድሚ ነዊሕ ዓመታት ዝተጣየሸን ኣብዚ እዋን ኣገላግሎት ዘይህብን ቤት ትምህርቲ ካናዳ ናይ 215 ህጻናት ኣዕጽምቲ ኣብ ጃምላዊ መቓብር ተረኺቡ።

እቲ ቅድሚ 40 ዓመታት ዝተዓጸወ ካምሉፕስ ሓዳሪ ቤት ትምህርቲ [ካምሉፕስ ኢንዲያን ሬዚደንሻል ስኩል] ንካናዳውያን ቀዳሞት ተወለድቲ ናይ ጸዓዱ ባህሊ ንምልምማድ ብዝብል ዝተጣየሸ እዩ።

ኣብ 1978 ኣቆጻጽራ ኣውሮጳ ድማ ከምዝተዓጸወ ይግለጽ፤ ደቂ’ቶም ቀዳሞት ተወለድቲ ዝመሃሩሉ ሓዳሪ ቤት ትምህርቲ ምንባሩ ከኣ ይፍለጥ።

ብጅምላ ዝተቐበሩ ህጻናት ምህላዎም ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ወግዓዊ ዝተገበረ ኮይኑ ካብ ሞንጎ’ቶም ተምሃሮ ክሳብ 3 ዓመት ዕድመ ዝኾኖም ህጻናት ከምዝነበርዎም ውጽኢት ቀዳማይ ደረጃ ምርመራ የመልክት።

ካብ 1863-1998 ኣብ ዝነበረ እዋን 150 ሽሕ ህጻናት ካብ ስድርኦም ብኣስገዳድ እናተወሰዱ ኣብቲ ቤት ትምህርቲ ይመሃሩ ነይሮም።

ኣብቲ ሽዑ ብቋንቁኦም ምዝራብ ኮነ ንዝመጽኡሉ ባህሊ ክኽተሉ ኣይፍቀደሎምን ነይሩ፤ ከበድቲ ግህሰታት’ውን ይፍጸሞም ምንባሩ ይዝረብ።

ቀዳማይ ሚንስትር ካናዳ ጀስቲን ትሩዶ “ኣብ ታሪኽ ሃገርና ነቲ ዘሕፍር ዝበሃል ዘሕዝን ኩነታት ዘዘኻኽረና እዩ” ክብል ነቲ ኩነታት ገሊጽዎ።

ተወለድቲ ናይቶም ቀዳሞት ካናዳውያን ምስ ቤተ-መዘክርን ካልኦት ሰብሞያን ብምትሕብባር እቶም ህጻናት ዝሞቱሉ እዋንን ምኽንያት ሞቶምን ንምፍላጥ ክሰርሑ ጀሚሮም ኣለዉ። ክሳብ ሎሚ ግን ንምኽንያት ሞት እቶም ህጸናት ዝሕብር ትኽክለኛ መረጋገጺ ኣይተረኸበን።

መራሒ ማሕበረሰብ ናይታ ካምሉስፕ ብዝብል እትፍለጥ ንኢሽተይ ከተማ፡ ሞት ናይቶም ህጻናት በቲ ቤት ትምህርቲ ከምዘይተመዝገበ ብምሕባር ካብ ትጽቢት ንላዕሊ ዝኾነ ጥፍኣት ከምዝተፈጸመ ገሊጹ።

እቲ ቤት ትምህርቲ ካብ ሞንጎ’ቶም ንባህሊ ጸዓዱ ካናዳውያን ንምስራጽ ዓሊሞም ዝተጣየሹ ኣብያተ ትምህርቲ እቲ ዝዓበየን ኣብ ትሕቲ ሮማን ካቶሊክ ዝመሓደር ዝነበረን’ዩ።

ኣብ 1969 ከኣ ማእከላይ መንግስቲ ነቲ ቤት ትምህርቲ ናይ ምምሕዳር ሓላፍነት ተቐቢሉ ኣብቲ ከባቢ ዝርከቡ ቆልዑ ብምቕባል ኣብኡ እናነበሩ ክመሃሩ ይገብር ነይሩ።