ትግራይ፡ ክሳብ መዓስ እያ ዓውደ-ኲናት ኰይና ክትነብር?

ዘስተንትና ኣደ፣ ዘማዕድዉ መንሰያት፡ ኣብ ድሕረባይታ ድማ ዝዓነዋ ታንክታት ይረኣያ

ኣብ ኢትዮጵያ ዝተኻየዱ ባዕዳዊ ወራራትን ውግኣትን ኣብ ናይ ሎሚ ክልል ትግራይን ኣብ ከበሳታት ኤርትራን እዮም ተኻይዶም። እቶም ህዝብታት ከኣ ቀዳሞት ግዳያት ናይቲ ፍፃታት ክዀኑ ተገዲዶም።

ብሰንኪ'ቶም ካብ ቅድሚ 100 ዓመታት ኣትሒዞም ዝተኻየዱ ተኸታተልቲ ውግኣት ኣእላፍ ሰባት ሃሊቘም፡ ንብረትን ጥሪትን በሪሱ፡ ኣግራብን ዘራእትን ጣሕሲሱ፡ እንስሳ ዘ-ገዳም እውን ፈሊሰን። እንተዀነ፡ ሎሚ እውን ካልእ ህልቂት ከስዕብ ዝኽእል ደበና ኲናት የንጸላሉ ኣሎ።

መስመር

ህወሓት፡ ን17 ዓመታት ኣብ ዘካየዶ ዕጥቃዊ ቃልሲ፡ ምስ ህግሓኤን ካልኦት ተቓለስቲ ህዝብታት ኢትዮጵያን ተሓባቢሮም ንምልካዊ ስርዓት ደርግ ኣልዮሞ። እቲ ዓወት ግን ብቐሊሉ ኣይተረኽበን፤ ካብ ትግራይ ጥራይ ልዕሊ 60,000 መንእሰያት ህይወቶም ከፊሎም፡ ልዕሊ 100,000 እውን ጉዱኣት ኰይኖም።

እንተዀነ፡ እቶም ብረታዊ ቃልሲ ዝመርሑ ንህዝቢ ኣለናልካ ዝብሉዎ ዝነበሩ ተቓለስቲ ኣብ ኣዲስ ኣበባን ኣስመራን ስልጣን ምስ ሓዙ፡ ኣብ ሻብዓይ ዓመቶም ብምስምስ ዶብ ኣዝዩ ኣዕናዊ ኲናት ኣካይዶምን ኣሽሓት መንእሰያት ኣጥፊኦምን።

እቲ ገና ካብ ኲናት ደርግ ዘይሓወየ ዝነበረ ህዝብን ከባብን ከኣ ናብ ካልእ ዕግርግር ኣትዩ።

ኣብ መወዳእታ 1970ታት [ግ] ናብ ህወሓት ተጸምቢሩ ድሕሪ ውድቀት ደርግ ሒደት ዓመታት፡ ብቦርድ ተሰናቢቱ ናብራኡ ክመርሕ ዝተጣየሰ ተጋዳላይ ታደለ ንሰለስተ ዓመት ከየዕረፈ፡ 'ሻዕብያ ወሪሩና' ምስ ተባህለ ናብ ሰራዊት ተመሊሱ ኣብቲ ልዕሊ 70,000 መንእሰያት ዝበልዐ ኲናት ተሰቲፉ።

ብዙሓት ኣካለ-ጐደሎ ኰይኖም። ሸቂሎም ኰነ ሓሪሶም ስድራኦም ከመርሑ፡ ክወልዱን ክዘምዱን ተስፋ ዝነበሮም ዜጋታት እታ ሃገር፡ ኣብ በረኻታት ባድመን ኢሮብን ተሪፎም።

ተጋዳላይ ታደለ ግን ብዙሓት ዝፈትዎም ብፆቱ ቀቢሩ ዕድል ገይሩ ብህይወት ተመሊሱ። ነቲ ዝሓለፎ ዓውደ ውግኣት እናዘከረ፡ "ዝበልዖ እንጀራ ኣለኒ ማለት እዩ" እናበለ ብነብሱ ይቕልድ።

ብሰንኪ እቲ ድኹም ኣመራርሓ፡ እቶም ክመሃሩን ከመራመሩን ዝግብኦም መንእሰያት ብዕባራ ምኽንያትን ህልኽን ንኣስታት 20 ዓመታት ኣብ ድፍዓት ተቘሪኖም ዕድመ ንእስነቶም ኣሕሊፎም- ይብል ታደለ።

ከም ሳዕቤኑ ከኣ መንእሰያት ኤርትራ ሃገሮም ገገዲፎም ናብ ስደት ፈሊሶም፣ መንእሰያት ትግራይ እንተዀነ'ውን ካብ ስደት ኣይደሓኑን። እቶም መራሕቶም ብዝወልዑዎ ኲናት ማዕዶ ማዕዶ ኰይኖም ዝዋግኡ ዝነበሩ መንእሰያት፡ ኣብ ጕዕዞ ስደቶም መኻፍልቲ ሽግርን መከራን ኰይኖም።

ሓይልታት ትግራይ

ምንጪ ስእሊ, YASUYOSHI CHIBA

ትግራይ፡ መዓስከር ሰራዊት ኰይና፡ ካብ ቍጠባዊ ልምዓትን ወፍርን ርሒቓ፣ ብፍላይ ከም ዓዲግራት፡ ዛላምበሳ፡ ራማ፡ ሸራሮ ዝኣመሰላ ከተማታትን ዓድታትን መዳውብቲ ኤርትራ ካብ ማሕበራዊ ምንቅስቓስ ተገሊለን ብኸቢድ ተሃስየን።

ትግራይ ኣስታት 27 ሚእታዊት ካብ ህዝባ ኣብ ትሕቲ መስመር-ድኽነት ይነብር ከም ዝነበረ ናይቲ እዋን ጸብጻባት ይገልጹ።

ኣብ መወደእታ ድማ፡ መሪሕነት ህወሓት ድሕሪ 27 ዓመታት ካብ ኣራትኪሎ ተደፊኡ ናብ መቐለ ኣንሳሒቡ፣ ብኡ ግን ኣየብቅዐን። ድሕሪ ናይ ክልተ ዓመት ፖለቲካዊ ምትፍናን፡ ምስ መንግስቲ ፈደራል ናብ ቅሉዕ ደማዊ ኲናት ኣምሪሑ። እዚ ድማ ኢድ-ኣእታውነት ሓይልታት ዓዲሙ፡ ህዝባዊ ጥፍኣትን ዕንወትን ኣስዒቡ።

ተመራማሪ ታሪክ ፕሮፌሰር ገላውዴዎስ፡ ነቲ ኵነታት "እኩብ ኲናት እዩ" ክብል ይገልፆ።

"ሰብና ካብ ልዝብ ጐንጺ እዩ ዝኣምን፤ ኵሉ ዘይምርድዳእ ከኣ ብጐንጺ እዩ ተፈቲሑ። ብሰለማዊ መንገዲ ዝበሃል ነገር የሎን። ስለዚ፡ እቲ ነገር ሕልኽልኽ ዝበለ እዩ፡" ብምባል፡ እቲ ሕዱር ቂምታ፡ ቅርሕንቲ፡ ፖለቲካዊ ህልኽን ውድድር ስልጣንን ንኸብቅዕ፡ እቲ ሓድሽ ወለዶ መሪሕነት ክርከብ ይግባእ፡" ይብል።

ሓረስቶት ትግራይ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ንወለዶታት ዘሰልከየ ኲናት

ታሪኽ ውግኣት ዓድዋን መተማን ከምኡ'ውን ውግእ ሕድሕድን ዶባውን ኲናት ኢትዮጵያ፡ ኣብ ሓቅን ርትዕትን ተመስሪቱ እንተ ዝስነድ፡ ህዝቢ ምተማህረሉን እቲ ውግኣት ከይድገም ምሓገዘን።

እንተዀነ፡ እቲ ጥንታዊ ታሪኽ ዋላ'ኳ ኣብ ኣፈታሪኽ፡ ስነቓልን ደርፍን ጥራሕ እንተ ተረፈ፡ ሎሚ'ውን እቲ ከባቢ ካብ ኲናትን ወረ ኲናትን ኣይረሓቐን።

"ሓደ ግጭት ካልእ ግጭት እናወለደ ታሪኽ ኲናት ይውሕዝ ኣሎ" ይብል ፕሮፌሰር ገላውዴዎስ።

ካብ ኢትዮ-ኤርትራ ንሕንጢጥ ዝወጽአ ነባር ተጋዳላይ ህወሓት ታደለ፡ ኣብቲ ኣብ 2013 (ግእዝ) ዝተወልዐ ኲናት ትግራይ፡ ምስ ክልተ ደቁን ንእሽቶ ሓዉን፡ ኣርባዕተ ርእሱ ናብ በረኻ ወፊሩ፣ ኣብ ጐቦታት ገርዓልታ ተዋጊኡን ኣዋጊኡን።

እቲ ንእሽቶ ውላዱ ሓደ ዓይኑ ስኢኑ፣ እቲ ዓብዪ ውላዱ ድማ እግሩ ተሃሪሙ ሓንከስ እናበለ ንገዝኦም ተመሊሶም።

እቲ ካብ ንእስነቱ ኣትሒዙ ኣብ ውግእ ዝዓበየን ሰለስተ ዙር ዓበይቲ ዓውደ ውግኣት ዝረኣየን ታደለ፡ ኣብዚ እዋን'ውን 'ውፈር ተበገስ' ዝብል ድምፅታት ይሰምዕ ኣሎ።

በቲ ዝናፈስ ወረታት ከኣ፡ "ኣኺሉና ድዩ እናደማና ክንነብር፡" ብምባል ጓሂኡ ይገልፅ።

ዛንታ እንዳ ታደለ ግን ፅዋሓደ ስድራ ጥራሕ ኣይኰነን - ዳርጋ ዛንታ ናይ ኵሉ ሓረስታይ ትግራይ እዩ።

"ንምዃኑ ህዝቢ ትግራይ መዓስ እዩ ካብ ኲናትን ወረ ኲናትን ዝናገፍ?"- ጭንቀት ብዙሓት እዩ።

ወዳ ዝሓዘለት ኣደ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

ዞባዊ ሕምስምስን ደጋዊ ኢድ ኣእታውነትን

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

እቲ፡ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኣመሪካ ፖለቲካዊ ሳይንስን ታሪኽን ዝምህር ፕሮፌሰር ገላውዴዎስ ኣርኣያ፡ "እንታይ ገይርና ኢና'ዙ ኵሉ ኲናት ኣብ ርእስና!' ዝብል ሕቶ ናይ ሓያሎ ሰባት፡ ግቡእን እዋናውን ሕቶ ምዃኑ ይኣምን።

'እንተዀነ' ይብል ፕሮፌሰር ገላውዴሰዎስ፡ ንቢቢሲ ትግርኛ ኣብ ዘሃቦ ቃል፡ "እንተዀነ እዚ ሕቶ ብመንጽር ሞራል [ሕሊና] ጥራይ ኣይኰናን ክንርእዮ ዘለና፤ ብፖለቲካ ሳይንስ፡ ታሪኽ፡ ስነልቦናን ማሕበረሰባዊ ምልከታን እዩ ከረአ ዘለዎ።"

እቲ ብዙሓት መጻሕፍቲ ዝደረሰን መጽናዕታዊ ጽሑፋት ዘሕተመን ፕሮፌሰር ገላውዴዎስ ኣርኣያ፡ ኣብ ማእከላይ ዘበን ንዝነበረ ወራር ግራኝ ኣሕመድ ምስቲ ኣብ ኲናት ትግራይ ዝተኻየደ ብምዝማድ ከምዚ ይብል፤

"እታ ቅድሚ 500 ዓመታት ንኣሕመድ ግራኝ ጠበንጃ ዘዕጠቐት ቱርኪ፡ ሎሚ ድማ ንኣቢይ ኣሕመድ [ንመንግስቲ ኢትዮጵያ] ድሮን ብምሃባ፡ ታሪኽ ነብሱ ክደግም እንከሎ ዘደንቕ ኣይኰነን፡" ይብል።

ወራር አሕመድ ግራኝ ንምድረ-ሓበሻን ውድድር ቱርክን ፖርቱጋልን ብምግላጽ፡ እቶም መንግስታት እዮም ተቐያዪሮም እምበር፡ እቲ መንፈስ ኲናትን ውድድር ሓይልታት ደገን ንነዊሕ ዝጸንሐ ምዃኑ የረድእ።

ደሓር ድማ፡ ሃጸይ ዮሃንስን ራእሲ ኣሉላን ኣንጻር ናይቲ እዋን ሓያላን ኣብ መረብ ምላሽ ብዘይ ዕረፍቲ ዘካየዱዎ ውግኣትን ሳዕቤኑን ይጠቅስ።

ብዓይኒ ታሪኽ፡ ብዓንተቦኡ እዚ ቀርኒ ኣፍሪቃ ክናወጽ ዝጸንሐ ምዃኑ ከረድእ እንከሎ፡ ህልዊ ሕድሕዳዊ ኲናት ሱዳን፡ ቅልውላው ሶማልያ ከምኡ'ውን ውሽጣዊ ኵነታት ደቡብ ሱዳን ከም መርኣያ የልዕል።

ብሓፈሻ፡ ብዘይካ ኬንያ፡ ዳርጋ ኵለን ሃገራት ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ፡ ብደርቂ፡ ጥሜትን ሕድሕዳዊ ኲናትን ከም ዝናወጻ ዝጠቅስ ፕሮፌሰር ገላውዴዎስ፡ ኣብ ሓንቲ ሃገር ዝውላዕ ኲናት ነተን ካልኦት እውን ከም ዝጸልወን የረድእ።

ኣብቲ ዝተፈለላዩ ሓይልታትን ኣጽዋራቶምን ዝተሳተፉሉ ኲናት ትግራይ ከም ኣብነት ይጠቅስ።

"ነዛ ንእሽቶ ክልል ንምውቃዕ እዞም ኩሎም ሓይልታት ስለምንታ ተሳቲፎም?" ኢሉ ብምሕታት ድማ፡ኲናት ትግራይ ጂኦፖለቲካዊ ኲናት ከምዝዀነ ይትንትን።

"ሕዚ'ውን እፈርሕ እየ፡ ኣቢይ ኣሕመድ ናብ ኤርትራ ኲናት ከይገብር'ሞ፡ ብኡ ኣቢሉ ድማ ንትግራይ'ውን ክልክማ ይኽእል እዩ። ከምኡ ከይከውን ግን ተስፋ እገብር። እቲ ኵነታት ናብኡ ዘምርሕ ዘሎ ይመስል።"

ፕሮፌሰር ገላውዴዎስ፡ ናይቲ ከባቢ ሕብረተሰብ ኣብ ጐንጽን ሓይልን ከም ዝኣምን፡ ሓደ ንጉስ ንኻልእ ንጉስ ስዒሩ ክነግስ ስለ ዝጸነሕ፡ ክሳብ ሎሚ ብሕጋዊ መረጻ ናብ ስልጣን ዝመጽአ ወገን ከም ዘየሎ የረድእ።

ሓወልቲ ራእሲ ኣሉላ ኣባነጋ

ምንጪ ስእሊ, ZERAY DERES

መግለጺ ስእሊ, ሓወልቲ ራእሲ ኣሉላ ኣባነጋ

ሕሉፍ ታሪኽ ዘዘኻኽር ዘሎ ሓድሽ ዘበን

ኲናት ትግራይ፡ ኣብ ካልኣይ ዓመቱ ብስምምዕ ፕሪቶርያ እኳ እንተ ዓረፈ፡በሰላታት እቲ ኲናት ዛጊድ ኣነፀፈን።

እቲ ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ዝኸውን ዝተመዛበለ ህዝቢ 'ናብ መረበትና ምለሱና' ይብል እኳ እንተ'ሎ፡ ንሰራዊት ትግራይ ዝመርሑ ዕጡቓት'ውን ንሓድሕዶም ይጠማመቱ ኣለዉ።

መሰረታት ልምዓት ትግራይ ብውግእ ስለ ዝዓነወ፡ ተምሃሮ ካብ ትምህርቶም፡ ሓረስቶት ካብ ሕርሻኦም ተመዛቢሎም ኣብ ጸገም እዮም ዝርከቡ።ግዳያት ፆታዊ መጥቃዕትን መቕተልትን ዝዀኑ ስድራቤታት ገና ፍትሒ ኣይረኸቡን።

እቲ ኣብ ቍርቍስ ዝሓገየ መሪሕነት ህወሓት ግን፡ ኣብ ክልተ ተገሚዑ ሓደኡ ናብ ኣስመራ እቲ ዝተረፈ ድማ ናብ ኣዲስ ኣበባ ይጸጋጋዕ ስለ ዘሎ፡ ካብቲ ውግእ ንላዕሊ ሓድነት ተጋሩ ኣብ ሕቶ ምልክት ብምእታዉ፡ በቲ ኵነታት ዝጐሃዩ ሰባት ደጋጊሞም ክዛረቡ ይስምዑ።

"ታሪኽ ባዕሉ ዝደግም ዘሎ ይመስል፡" ዝብል ኣብ ሚኒሶታ - ኣመሪካ ዝነብር ተንታኒ ፖለቲካ መርስዔ ኪዳነ፡ እዚ ምስ ታሪኻዊ 'ሕምስምስ' መበል 19 ክፍለ ዘበን የመሳስሎ።

መርስዔ፡ እዚ ናይ እዋን ኵነታት፡ ብፍላይ ምስ ሕድሕዳዊ ውግእ ራእሲ ሓጐስን ራእሲ ኣሉላን የመሳስሎ። እቶም ልዑል ዝና ዝነበሮም ኣፍሪቃዊ ጀነራል ኣሉላ ኣባነጋ፡ ኣብ ሓንቲ ንእሽቶ ቍሸት ምስ ሓደ መነሓንሕቶም መስፍን ድሕሪ ምውግኦም እዮም ቈሲሎም ህይወቶም ዝሰኣኑ፡ ይብል።

መርስዔ፡ ፖለቲካውያንን ወተሃደራውን ኣዘዝቲ ትግራይ፡ ካብዚ 'ሕሉፍ ታሪኽ' ኰነ ካብቲ ናይ ቀረባ እዋን ኲናት ትግራይ ዝተምሃሩ ኣይመስሉን፡ ክብል ሓሳባቱ ንቢቢሲ ይገልጽ።

ብፍላይ ነቶም ካብ ኮር ንላዕሊ ብዝብል መግለጺ ዘውጸኡ ወተሃደራዊ መራሕቲ፡ "ነቲ ፖለቲካዊ ጽልውኡ'ውን እናነኣሰ ዝመጽእ ዘሎ ውድብ፡ ብምልካዊ መንገዲ ከድሕኑ እዮም ዝፍትኑ ዘለዉ፡" ይብል።

እቲ ካልእ ጕጅለ ድማ ሓድሽ ፖለቲካዊ ውድብ መስሪቱ ዝተቐልቀለ ኰይኑ፡ ብመንግስቲ ፈደራል ሓላፍነት ምኒስተርነት ብዝተዋህቦ ኣቶ ጌታቸው ረዳ ዝምራሕ እዩ።

ንሱ፡ ብቐጻሊ ኣብ ልዕሊ ፖለቲካውን ወተሃደራውን ኣዘዝቲ ትግራይ ክስታት እናደርደረ ይርከብ።

"እቲ ካልእ ወገን ህወሓት ድማ ምስ ብልጽግና ተጸጊዑ፡ ካልእ ናይ ብልጽግና ዓላማ ከሳኽዕ፡ ልኡላውነት ኤርትራ'ውን ደፊሩ ዓሰብ ክወስድ ዝደሊ ሓይሊ ይድግፍ ኣሎ፡" ብምባል፡ ንኽልቲኦም ጌጋ መንገዲ ይኸዱ ከም ዘለዉ ይኣምን።

እዚ ዝኸውን ዘሎ፡ ክልቲኦም መንግስታት ኣብ ሓያል ወጥሪ ኣብ ዝርከብሉ እዋን እዩ።

ተጋደልቲ ህወሓት

ምንጪ ስእሊ, TPLF Museum

መግለጺ ስእሊ, ተጋደልቲ ህወሓት

እሞኸ፡

ፕሮፌሰር ገላውዴዎስ፡ "ለውጢ ክመጽእ እንተዀይኑ፡ መጀመርታ ነገር ናይ ኣተሓሳስባ ለውጢ ክቕድም ኣለዎ። እቲ ልሂቅ ይዅን ምሁር፡ ከምኡ'ውን ኣብ ስልጣን ዘሎ ሓይሊ፡ ኣፈላላይ ብልዝብ ንምፍታሕ ናይ ኣተሓሳስባ ለውጢ እንተ ዘይገይሩ፡ እቲ ጐንጺ ይዅን እቲ ኲናት ክቕጽል እዩ፡" ኢሉ።

ነዚ ድማ ደሞክራስያዊ ትካላት ምፍጣር ቀዳምነት ክወሃቦን ካብኡ ድማ ልዕልና ሕግን ነጻን ፍትሓውን መረጻ ከም መዋጽኦ መፍትሒ ምዃኑን ይሕብር።

"እዚ ሰላምን ዕርቅን ኣብ ባይታ ክነግስ፡ ተሓታትነት ክረጋገጽን ጐንጺ ብሰላማዊ መንገዲ ክፍታሕን ይሕግዝ።"

ብኻልኣይ ሸነኽ ድማ ተሳትፎ እቲ 'ተናዒቑ ዘሎ' ዝበሎ ህዝቢ ኣዝዩ ኣገዳሲ ከም ዝዀነ የረድእ።

"ኣብ ትግራይ ሓደ ተስፋ ዝህበኒ ነገር ኣሎ፤ እቲ ህዝብን መንእሰይን ንቝሕ እዩ። ወላ መድረኽ እንተ ዘይረኸበ፡ ባዕሉ ደፊኡ ንመራሕቱ ዝነቅፍን ዝሓትትን እዩ። ዝመርሖን ዝውድቦን ግን ኣይረኸበን፡" ክብል ሓሳቡ የጠቓልል።

ኣብ ገጠራት ትግራይ

ምንጪ ስእሊ, MSF