ኣብ መንጎ ሓይልታት ትግራይን ዕጡቓት 'ሓራ መሬትን' እንታይ እዩ ኣጋጢሙ?

ዕጡቓት ሓራ መሬት (ብፀጋም) - ሓይልታት ትግራይ (ብየማን)

ምንጪ ስእሊ, SM/WOYIN

ኣብ ትግራይ ወረዳ ወጀራት ኣብ መንጎ ሓይልታት ትግራይን ዕጡቓት 'ሓራ መሬትን' ጎንፂ ከም ዘጋጠመ ቢቢሲ ኣረጋጊፁ።

እቲ ጎንፂ ብሰሉስ ኣብ ሰዓታት ድሕሪ ቀትሪ ከባቢ ሰዓት 10፡00 ክሳብ 11፡00 ብፍሉይ ሰንዓለ ኣብ ዝበሃል ከባቢ እዩ ኣጋጢሙ።

እቲ ኵነታት ኣብ ነበርቲ እቲ ከባቢ ራዕዲ ከም ዝፈጠረን ዓበይቲ ዓዲ ንኽልቲኦም ዕጡቓት ከሸማግሉ ከም ዝፈተኑን ቢቢሲ ካብ ምንጭታቱ ዝረኸቦ ሓበሬታ የመልክት።

እዞም ብረት ዘልዓሉ ዕጡቓት፡ ክሳብ ሕዚ ወግዓዊ ስም እኳ እንተዘይብሎም ብኣብዝሓ 'ተቓለስቲ ሓራ መሬት' ብዝብል እዮም ዝፍለጡ።

ብኸመይ እዩ ተጀሚሩ?

እቲ ብሰሉስ ኣብ ሰዓታት ድሕሪ ቀትሪ ኣብ መንጎ ሓይልታት ትግራይን ዕጡቓት 'ሓራ መሬትን' ዘጋጠመ ጎንፂ፡ እቶም ዕጡቓት ካብ ከባቢታት ዓፋር ናብ ወረዳ ወጀራት ምእታዎም ስዒቡ እዩ ኣጓኒፉ።

ቢቢሲ ካብ ነበርቲ እቲ ከባቢ ከም ዘረጋገፆ፡ ብዝሒ ዘለዎም ዕጡቓት 'ሓራ መሬት' ብሰንበት ናብ ሰኑይ ኣብ ዘውግሕ ለይቲ ናብ ሰንዓለ ዝበሃል ከባቢ ኣትዮም።

ዕጡቓት 'ሓራ መሬት' ናብቲ ከባቢ ድሕሪ ምእታዎም፡ ተዂሲ ከምዝተሰምዐ ነበርቲ እቲ ከባቢ ንቢቢሲ ገሊፆም።

ነባሪ ሰንዓለ ኣይተ ግደይ ኣለመን ሓጐስ፡ ካብ ሽማግለታት ዓዲ እቲ ከባቢ እዮም።

"እቶም ዝተጓነፁ ኵሎም ተጋሩ እዮም። እቶም ናይ ሓራ መሬት፡ ካብ መጋለ (ከባቢ ዓፋር) ብሰንበት ለይቲ ትጕዕዝ ሓዲሮም ንግሆ ሰዓት 12፡00(6፡00) ኣብ ሰንዓለ ተራእዮም። እቶም ኣብዚ ዘለዉ (ሓይልታት ትግራይ) 'ንምንታይ መፂኦም?' ኢሎም ተፈሓፊሖም፤ ክልቲኦም ክዋግኡ ኢሎም" ብምባል፡ ብዛዕባ እቲ ክስተት የረድኡ።

"ካብ ሰለስተ ክሳብ ኣርባዕተ ግዘ ድምፂ ተኹሲ ሰሚዐ እየ" ክብሉ'ውን እቶም ነበርቲ ተዛሪቦም።

እቶም ናይ 'ሓራ መሬት' ዕጡቓት ሃንደበት ናብቲ ከባቢ ምስ ኣተዉ፡ ብሰሉስ ብዝሒ ዘለዎም ተወሰኽቲ ሓይልታት ትግራይ ናብቲ ከባቢ ከም ዝተዋፈሩ ነበርቲ እቲ ከባቢ ንቢቢሲ ኣረጋጊፆም።

እቲ ኵነታት ኣብ ህዝቢ ራዕዲ ከም ዝፈጠረ ዝገለፁ እቶም ነበርቲ፡ ሽማግለታት ዓዲ ነዚ ክስተት ንምህዳእ ከም ዝፈተኑ ገሊፆም።

ሻምበል ገብረ ኣብርሃ፡ ነቲ ዘጋጠመ ጎንፂ ንምህዳእ ክሳብ ሰዓት 1፡30 ናይ ምሸት (ከባብያዊ ኣቈፃፅራ)፡ ንኽልቲኦም ዕጡቓት ሓይልታት ካብ ዘዘራረቡ ሽምግለ ዓዲ እዮም።

ዕጡቓት ሓራ መሬት

ምንጪ ስእሊ, SHEWIT

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ንሶም፡ "ከቢድ ጐንፂ'ዩ ኣጋጢሙ። ሰራዊት ትግራይይ እቶም ናይ ሓራ መሬትይ፡ ክፍለ ጦር ኣሰሊፎም ንዋጋእ ኢና ኢሎም… እዞም ናይ ትግራይ ሰራዊት ክትኵሱ ጀሚሮም… ናብቶም ናይ ሓራ መሬት ኣርባዕተ ግዘ ድሽቃ ተኵሶም…

"ክዋድኡ ኢሎም ርድኡ ኢና ተባሂልና… ወተሃደር ንወታደር ክዋድኡ'ዮም ኢልና፡ ኣብ ማእኸል ኣቲና ኣጋዲፍናዮም፡ ሸንግልናዮም። ዓበይቲ ዓዲ ነቶም ናይ ሓራ መሬት ካብ ሓይልታት ትግራይ ሓደ ሰብ እዩ ተኵሱ፡ ሓደ ሰብ'ውን ንምርባሽ እኹል ክኸውን ይኽእል እዩ፡ ንስኹም ናትና ቃል ክትሰምዑ እኒሀኩም! ስለዝበልናዮም መልሲ ኣይሃቡይ (ነቲ ዝተተኰሰሎም ዓፀፋዊ መልሲ)…ንስኹም ኣሕዋት ኢኹም፡ ዘባእስ የብልኹምይ ኢልና ህዝቢ ከይጕዳእ ሸንግልና፡ እቶም ናይ ሓራ መሬት ናብ ቦትኦም ክምለሱ ገይርና" ኢሎም።

ኣይተ ግደይ ብወገኖም፡ ንዝተገበረ ሽምገላ ዓበይቲ ዓዲ ስዒቡ፡ እቶም ናይ ሓራ መሬት ዕጡቓት ካብ ሰንዓለ ከም ዝወፅኡ፡ ሕዚ ኣበይ ከም ዝርከቡ ግና ሓበሬታ ከም ዘይብሎም ተዛሪቦም።

በቲ ብሓይልታት ትግራይ ዝተተኰሰ ድሽቃ፡ ዝሞተ ወይ ዝቘሰለ ሰብ ከም ዘየለ ንምፍላጥ ተኻኢሉ።

ሽማግለ ዓዲ ሻምበል ገብረ ወሲኾም፡ "እቶም ናብ ሰንዓለ ዝኣተዉ ናይ ሓራ መሬት ብጣዕሚ ብዙሓት'ዮም፡ ኵሎም ዝተዓጠቑ እዮም" ብምባል፡ ብዝሒ እቶም ናብ ሰኑይ ኣብ ዘውግሕ ለይቲ ናብ ሰንዓለ ዝኣተዉ ሓይልታት 'ሓራ መሬት' ገሊፆም።

ካብ መንጎ ኣዘዝቲ ዕጡቓት 'ሓራ መሬት' ብ/ጀነራል ገብረእግዚኣብሄር በየነ (ወዲ ኣንጥሩ) ኣብ ሰነ ምስ ቢቢሲ ኣብ ዘካየዶ ፍሉይ ቃለመሕትት፡ ኣርባዕተ ግምባር ሰራዊት ከም ዝወደቡን፡ ነቲ ብወተሃደራዊ ሓይሊ ዕልዋ መንግስቲ ፈፂሙ ዝብሎ ህወሓት ምእላይን ብዝዀነ ፖለቲካዊ ውድብ ዘይዝወር ዘይሻራዊ ወተሃደራዊ ሓይሊ ምህናፅን ቀንዲ ዕላማኦም ከም ዝኾነ ገሊፁ ነይሩ።

'ንደራደር እናበሉ ሰራዊት'ዮም ዘራግፉ ዘለዉ'

ቢቢሲ ዘዘራረቦ ሽሙ ዘይንገልፆ ሓደ ካብ መራሒ ግምባራት ዕጡቓት 'ሓራ መሬት'፡ ነቲ ኣብ ወረዳ ወጀራት ዘጋጠመ ክስተት ብምርግጋፅ፡ ዓበይቲ ዓዲ እቲ ከባቢ ምስ ኣዘራረብዎም፡ ካብ ሰንዓለ'ኳ እንተንሰሓቡ፡ ሕዚ'ውን ሓይልታቶም ኣብ ወረዳ ወጀራት ሓዊሱ ኣብ ብዙሓት ከባቢታት ትግራይ ከም ዝርከቡ ገሊፁ።

እቶም ኣንፃሮም ዝተሰለፉ ዝበሎም ሓይልታት፡ "ብውሽጢ ንደራደር'ዮም ዝብሉና። እዚ ግና ንኽዳለዉ ግዘ ዝገዝእሉ ስልቲ እዩ። ናብ ትግራይ ክኣትዉ'ዮም ዝብል ትፅቢት ስለ ዘይነበሮም፡ ምስ ኣተና ሕዚ ጫው ጫው ይብሉ ኣለዉ…ንደራደር ይብሉ ኣለዉ። ግና ክሳብ እዛ ሕዚ ሰዓት በዚ ንደራደር እናበሉ፡ በዚ ሰራዊት እዮም ዘራግፉ ዘለዉ። ንሕና ኣይንደራደርን ኣይንብልን፣ ግና ስራሕና እናሰራሕና ኢና ክንደራደር። ምኽንያቱ ኣብ ታሪኾም ንተቓለስቲ ውድባት ንደራደር እናበሉ ኣኼባ ፀዊዖም ቀቲለሞም'ዮም ሓዲሮም" ኢሉ።

ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ብዛዕባ'ቲ ብሰሉስ ኣብ መንጎ ክልቲኦም ዕጡቓት ዘጋጠመ ኵነታት ዛጊድ ዝበሎ ነገር የለን።

ነዚ ሓድሽ ቀጥታዊ ጎንፂ ስዒቡ፡ ኣብ ትግራይ ካልእ ደማዊ ሕድሕድ ኲናት ከይውላዕ ብዙሓት ሻቐሎቶም ይገልፁ ኣለዉ።

ኣባላት ሓይልታት ትግራይ

ምንጪ ስእሊ, woyin

እዚ ብረታዊ ጎንፂ፡ ንትግራይ ን50 ዓመታት ኣብ ዝገዝአ ውድብ ህወሓት ዘጋጠመ ምግምማዕ፡ ናብ ሓይልታት ትግራይ ልሒኹ እዩ ናብዚ ዘምርሕ ዘሎ።

ገለ ኣዘዝቲ ሓይልታት ትግራይ፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ 15 ጥሪ ውግንንኦም ምስቲ ብደብረፅዮን ገ/ሚካኤል [ዶ/ር] ዝምራሕ ክፋል ህወሓት ከም ዝኾነ ብቕሉዕ ኣዊጆም።

እዚ ውሳነ፡ ነቲ ፈኸም ክብል ዝፀንሐ ፖለቲካዊ ምትፍናን መራሕቲ ትግራይ ናብ ኣደባባይ ቀሊዑ እቲ ወጥሪ ንኽባላሕ ደሪኹ።

ነዚ ውሳነ ዝተቓወሙ ገለ ጀነራላት ሓይልታት ትግራይ ኣኼባ ረጊፆም ብምውፃእ፡ ናይ ባዕሎም ሰራዊት ብምውዳብ፡ 'ሓራ መሬት' ኢሎም ኣብ ዝፅውዕዎም ከባብታት ዓፋርን ትግራይን ዕጥቃዊ ምንቅስቓስ ጀሚሮም።