ውሳነ ኣዘዝቲ ሰራዊት 'ናብ ኩናት ዝመርሕ'ዩ'- ውድባት ትግራይ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብ ትግራይ ዝርከባ ሰለስተ ፖለቲካዊ ሰልፊታት፡ ትማሊ ካብ "ኣዘዝቲ ሰራዊት ትግራይ" ብዝብል ዝተዋህበ መግለጺ፡ እቲ ክልል ዳግም ናብ ኲናትን ምምዝባልን ክኣቱ ዝዕድም'ዩ ብምባል ኰኒኖም።
'ኪዳን ተጋሩ ንብሄራዊ ድሕነት' ዝብል ጥምረት ዝመስረታ፡ ሰልፊታት ናጽነት ትግራይ፡ ብሄራዊ ዓባይ ባይቶ ትግራይ (ባይቶና) ከምኡ'ውን ዓረና ትግራይ ንዴሞክራሲን ሉእላውነትን ሎሚ ንጕሆ፡ ፖለቲካዊ ኵነታት እታ ክልል ዝምልከት ሓበራዊ መግለጺ ኣብ መቐለ ሂበን።
ኣብቲ መግለጺ ዝተረኽቡ ላዕለዎት ኣመራርሓ እተን ውድባት፡ እቶም ወተሃደራት ዘውጽኡዎ መግለጺ "ስምምዕ ፕሪቶሪያ ኣፍሪሱ ትግራይ ናብ ኲናት ዘእቱ'ዩ" ብምባል ኰኒኖም።
ነቲ ብዶ/ር ደብረጽዮን ገብረሚካኤል ዝምራሕ ክፋል ህወሓት ዝደገፉ ብዙሓት ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሓይልታት ትግራይ፡ እቲ ብመሰረት ውዕል ፕሪቶሪያ ዝተመስረተ ግዝያዊ ምምሕዳር፡ ዝተዋህቦ ሓለፍነት ብግቡእ ኣይፈጸመን ብምባል ምትዕርራይ ክግበረሉ፤ "ዝደኸሙ መራሕቱ" ድማ ክትክኡ ከም ዝወሰኑ ብወግዒ ድሕሪ ምፍላጦም ፖለቲካ ትግራይ ናብ ሓደገኛ ቅልውላው ተሸሚሙ'ሎ።
ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ጌታቸው ረዳ ትማሊ ኣብ ዝሃቦ ግብረመልሲ እቶም ኣዘዝቲ ዘውጽእዎ መግለጺ "ዕልዋ መንግስቲ ዝኣወጀ" እዩ ብምባል፡ ህጹጽ ኣኼባ ካቢነ ከምዝጸውዐ ኣፍሊጡ ነይሩ።
እቲ ንሱ ዝመርሖ ክፋል ህወሓት፡ ሎሚ ዓርቢ ብስም "ማእከላይ ኮሚተ" ኣብ ዘውጽኦ ካልእ መግለጺ፡ "እዚ ብሽም ኣዘዝቲ ሰራዊት ትግራይ ዝወፀ ወታሃደራዊ ኣዋጅ ናይ ኲናት ኣዋጅ እዩ።
"ልዕሊ ኩሉን ቅድሚ ኩሉን ወታሃደራዊ ምልክነትን ወታሃደራት ተሞርኲሱ ናብ ስልጣን ዝመፅእ ዝኾነ ዓፋናይ ምሕደራን ብህዝቢ ትግራይ ተቐባልነት የብሎምን" ክብል ነቒፉ። እቶም ኣዘዝቲ ነቲ ዝፈጸምዎ "ጌጋ" ክእርምዎ ጸዊዑ'ሎ። ኣብ ትሕቲኦም ዘለዉ ኣባላት ሓይልታት'ውን ንስጉምቲ ኣዘዝቶም ክቃወሙ እቲ መግለጺ ይምሕጸን።
እቲ ንኽልተ ዓመታት ኣብቲ ክልል ዝተኻየደ ኲናት፡ ሚልዮናት ካብ ቤት ንብረቶም ክመዛበሉን ተጸበይቲ ረዲኤት ክዀኑን ክገብር እንከሎ፡ ኣብ ዝሓለፉ ዓሰርተታት ዓመታት ኣብ ኣፍሪቃ ካብ ዝተራእዩ ደማዊ ጐንጺታት ሓደ ተባሂሉ እዩ ዝግለጽ።
እዚ ኲናት፡ ኣብ መወዳእታ 2020 ኣብ ሞንጐ ሰራዊት ኢትዮጵያን ኣብ ጐኖም ዝተሰለፉ ወተሃደራት ኤርትራን ብረት ዘልዓሉ ሓይልታት ትግራይን ክለዓል እንከሎ፡ ክልቲኦም ነታ ክልል ንምቁጽጻር ይዋግኡ ነይሮም።
ሕብረት ኣፍሪቃ ብዝሒ ናይቶም በቲ ጐንጺን ብሰንኪ እቲ ግጭት ዝስዓበ ሰብኣዊ ቅልውላውን ዝሞቱ ሰባት ኣስታት ፍርቂ ሚልዮን ከም ዝበጽሕ ይሕብር።
እዚ ኲናት፡ ኣብ ፕሪቶሪያ፡ ደቡብ ኣፍሪቃ ብዝተፈረመ ውዕል ዘላቒ ምቁራጽ ተጻብኦታት ደው ካብ ዝብል ክልተ ዓመት'ኳ እንተኣቑጸረ፡ ሰባት ግን ሕጂ'ውን ካብቲ ኲናት ብዝተረፉ ተተኰስቲ ይሞቱን ይቘስሉን፡ ብቍጠባዊ ጸገማት ይሳቐዩ ኣለዉ።
ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ፡ ብመሰረት ስምምዕ ፕሪቶሪያ ብመንግስቲ ፈደራል ከም ዝቘመ ዝፍለጥ ኰይኑ፡ ንፕረዚደንት እቲ ምምሕዳር ንምቕያር ናብ መንግስቲ ፈደራል ክቐርብ ዝጸንሐ ተደጋጋሚ ሕቶ ጕጅለ ደብረጽዮን ከም ዝተነጽገ ዝፍለጥ እዩ።
እቶም ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሓይልታት ትግራይ ከም ዝዀኑ ዝገለጹ ገዲም ተጋደልቲ ህወሓት ድማ፡ እቲ ብመሰረት ውዕል ፕሪቶሪያ ዝተመስረተ ግዝያዊ ምምሕዳር፡ ዝተዋህቦ ሓላፍነት ብግቡእ ኣይፈጸመን ብምባል ምትዕርራይ ክግበረሉ፤ "ዝደኸሙ መራሕቱ" ድማ ክትክኡ ከም ዝወሰኑ ምግላጾም ይፍለጥ።
በዚ መሰረት፡ ነቲ ኣብ ዝሓለፈ ነሓሰ ዝተኻየደ መበል 14 ጉባኤ ህወሓት ኣፍልጦ ዝሃበ መሪሕነት ሰራዊት፡ ብመሰረት ውሳነ እቲ ጉባኤ፡ ምምዕራይ መሪሕነት ግዝያዊ ምምሕዳር ክግበር ጸዊዑ።
ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይን ምክትል ኣቦወንበር እቲ ውድብን ኣቶ ጌታቸው ረዳ ዝርከቦም ኣስታት 17 ኣባላት ማእከላይ ኮሚቴ ህወሓትን፡ ኮሚሽን ቍጽጽር ህወሓትን ከምኡ'ውን ኣብ ዝተፈላለያ ወረዳትን ዞባታትን ትግራይ ዝርከቡ ኣመሓደርቲ፡ ካድራትን ኣባላትን እቲ ውድብ ኣብዚ ኣካታዓይ ጉባኤ ከም ዘይሳተፉ ይዝከር።
ኣብ ዝሓለፈ ታሕሳስ መራሕቲ ትግራይ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ኣብ ዝተራኸቡሉ ኣጋጣሚ፡ እቲ ብዶ/ር ደብረጽዮን ገብረሚካኤል ዝተመርሐ ጕጅለ "ግዝያዊ ምምሕዳር ብሰንኪ ጌታቸው ረዳ ዝዋህቦ ዕማም ከፈጽም ስለ ዘይከኣለ ብምክትሉ ጀነራል ታደሰ ወረደ ይተከአልና" ዝብል "መፍትሒ ሓሳብ" ሒዙ ከም ዝቐረበ ተገሊጹ ነይሩ።
ነቲ ሕቶ ዝነጸገ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ግን፡ እቲ ግዝያዊ ምምሕዳር መረጻ ክሳብ ዝካየድ ኣብ ስልጣን ከም ዝጸንሐ ምግላጹ ምንጪታት ቢቢሲ ገሊጾም ነይሮም።
ተመሳሳሊ ቃና ዘስፈረ መግለጺ እዞም መራሕቲ፡ "እቲ ጉባኤ ዘካየደ ህወሓት፡ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ንምትዕርራይ ዝወሰዶ ውሳነ ብዘይወዓል ሕደር ክትግበር፡ ድጋፍና ንገልጽ" ኢሉ።
እዚ፡ "ብፍጹም ተቐባልነት ክህልዎ ኣይክእልን" ዝበለ መግለጺ እተን ፖለቲካዊ ሰልፊታት፡ "እቲ ብውዕሊ ፕሪቶሪያ ዝተተኸለ መንግስቲ ኣፍሪስካ [ትግራይ] መንግስቲ ዘይብላ፡ ሸፋቱ ዝዕንድሩላ ክትከውን" ኣይግባእን ኢሉ።
እቲ፡ እዚ ዝንባለ "ቃልዕ ዕልዋ መንግስቲ'ዩ" ዝበለ መግለጺ እተን ተቓወምቲ ውድባት፡ ኣብቲ ክልል ተሓታትነት ከይህሉ፡ ስርዓት ኣልቦነት ክፍጠርን ካልኦት ዘይሕጋዊ ተግባራት ተጠናኺሮም ክቕጽሉን ዝገብር "ፍጹም ምልካዊ ስርዓት ክትከል" ከም ዝወሰኑ ዘመላኽት'ዩ ብምባል ነጺገንኦ።
ኣብ ትግራይ ተፈጢሩ ዘሎ ፖለቲካዊ ኵነታት ተኣፋፊ ከም ዝኾነ ዝጠቐሳ እተን ውድባት፡ ናብዚ ኵሉ ዘይርጕጽነት ክንኣቱ ዝገበረ እቲ ግዝያዊ ምምሕዳር'ዩ ብምባል ነቒፈን።
"ኵሉ ዓቕሚ ተኣኪቡ ከይሰርሕ፡ ኵሉ ዝእከበሉ ቤት-ምኽሪ ከየምጽእ፡ ህዝቢ ቤት ምኽሪ እንታይ ወሰነ እናበለ ክዛረብ፡ ክሓትት ኣብ ዝግብኦ መድረኽ ጕጅለታት ህወሓት እንታይ በሉ ኣብ ዝብል ሕሜታት ክውዕል፡ ንሶም ብዝተፍኡዎ መርዚ ኣብ ሻቕሎትን ፍርሕን ክኣቱ ዝተገበረና እቲ ግዝያዊ ምምሕዳር እዩ" ኢሎም።
ስለዝዀነ ድማ፡ እቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ክመዓራረ፡ ዝቈጻጸሮን ዝድግፎን ቤት ምኽሪ ክህልዎ ዘኽእል ዕማማት ክግበር ከም ዘለዎ ኣመልኪቶም። ዝዀነ ውዕሊ ፕሪቶሪያ ክፈርስ ዝገብር ምንቅስቓሳትን ውሳኔታትን ግን ከም ዘይቕበልዎ ገሊጾም።
"ነዚ ስዒቡ ንዝፍጠር ዝዀነ ጥፍኣት እቶም ወተደራዊ መራሕትን ብድሕሪት ኰይኑ ዝገንሖም ዘሎ ፖለቲካዊ ሓይልን ተሓተቲ ምዃኖም ብኣግኡ ክፍለጥ ይግባእ" እውን ኢለን።
ጽሕፈት ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ፡ ትማሊ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ኣዘዝቲ ሓይልታት ትግራይ ዘውጽእዎ መግለጺ "ዕልዋ መንግስቲ ዝኣወጀ" እዩ ክብል ከም ዝዀነነ ይዝከር።
"እዚ ብሽም ኣዘዝቲ ሰራዊት ዝቐረበ መግለፂ ግዝያዊ ምምሕዳር ዘይፈልጦን ብዝዀነ ይኹን መዐቀኒ ድማ ሕጋዊነትን ሞራላዊ ቅቡልነትን ዘይብሉ ዘይንቡር ተግባር እዩ" ኢሉ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







