ኣብ 'ሓራ መሬት' ዕጡቓት ይመርሕ ምስ ዘሎ ወዲ ኣንጥሩ ቢቢሲ ዝገበሮ ፍሉይ ቃለመሕትት

ምንጪ ስእሊ, AWRA
ኣብ ትግራይ ማእከላይ ዞባ ተወሊዱ ዓብዩ፡ ብንኡስ ዕድመኡ ኣብ 1974 [ግ] ናብ ቃልሲ ህወሓት ተፀምቢሩ፤ ካብ ተራ ወተሃደር ክሳብ መራሒ ክፍለ ጦር ኰይኑ ተዋጊኡን ኣዋጊኡን።
ኣብ መወዳእታ፡ ምምሕዳርን ምክትል ኣዛዝን ሰሜን እዚ ዝነበረ ኰይኑ፡ ኲናት ትግራይ ቅድሚ ምጅማሩ ቅድሚ ሒደት ኣዋርሕ፡ ብጥሮታ ተሰናቢቱ ነይሩ።
ብርጋዴር ጀነራል ገብረእግዚኣብሄር በየነ (ወዲ ኣንጥሩ)፡ ካብቶም ኣብ እዋን ኲናት ትግራይ ስሞም ተደጋጊሙ ዝለዓል መራሕቲ ኰይኑ፡ ብፍላይ ኣርሚ 50 ብዝብል ዝፍለጥ ፍሉይ ሓይሊ (ኮማንዶ) ኣብ ሓጺር እዋን ከም ዝሃነፀ ይንገረሉ።
ንሱ፡ ካብቶም ኣብ ዝሓለፈ 15 ጥሪ፡ ነቲ ጉባኤ ዘካየደ ጕጅለ ህወሓት ንዝደገፉ ኣዘዝቲ ሰራዊት ትግራይ፡ ካብ ዝተቓወሙ ሓደ እዩ።
ጀነራል ወዲ ኣንጥሩ ካብቶም ኣብ መዳውብቲ ከባቢታት ትግራይን ዓፋርን ዝንቀሳቐሱ ዘለዉ ዕጡቓት ይውድቡ ካብ ዘለዉ ሓደ ኰይኑ፡ ምስ ቢቢሲ ትግርኛ ዝገበሮ ቃለመሕትት ብኸምዚ ዝስዕብ ቀሪቡ'ሎ፤
ቢቢሲ፤ ካብ ሓይልታት ትግራይ ወፂእኹም ካልእ ሰራዊት ንምህናፅ ትንቀሳቐሱ ኣለኹም፤ ንምዃኑ እንታይ እዩ ዕላማኹም?
ብ/ጀነራል ገ/ሄር በየነ (ወዲኣንጥሩ)፤ ፅቡቕ፡ 'እንታይ እዩ ዓላማኦም፤ ነቲ ሕበረተሰብ መሊሶም ናብ ኲናት ከእትዩዎ ድዮም ደልዮም ገለ ዝብል ናይ ሕብረተሰብ ሻቕሎት ኣሎ። ናብ ሓራ መሬት ወሪድና ዘለና፣ ሓድሽ ነገር ክንፈጥር ኣለና ኢልና ኢና። እቲ ሓድሽ ነገር፡ 'ካብ ዝዀነ ይዅን ፓርቲ ነፃ ዝዀነ ሓይሊ ክንፈጥር ኣለና' ዝብል እዩ። ብመንግስቲ ዝእዘዝ፡ ዝዀነ ፓርቲ ዘይእዝዞ፡ ሰራዊት ትግራይ ክንፈጥር ኢና ንደሊ።
ቢበሲ፤ካብ ሰራዊት ትግራይ ተፈሊኹም ዝወፃእኹም ኢኹም፤ ህወሓት ክእለ ኣለዎ ዲኹም ትብሉ ዘለኹም?
ጀነራል ወዲ ኣንጥሩ፤ ንሕና እንሰርሖ ፓርቲ፡ ንሕና እንተኽሎ ወተሃደራዊ መንግስቲ የብልናን። ህዝቢ ትግራይ - ብነፃነትን ብዘይሻራውን መገዲ፡ ንዝመረፆ ኣካል ኢና ክነገልግል።
ሕዚ ኣብ ምግዳል ኣለና፣ ኣብ ምግዳል ኢና ኣሪግና። እቲ ዝኣረግናሉ ምግዳል ሓደ ነገር ንትግራይ ገዲፍና ክንከይድ ኣለና። ምስ ፓርቲ እናተጣበቐ ማሕተም ዘሕድግ ምስ ፓርቲ እናተጣበቐ ዝሸይም ዘውርድ ሓይሊ ገዲፍናሉ ነቲ መንእሰይ ክንከይድ የብላናን። ነቲ መንእሰይ ዘይሻራን ፍትሓዊን ሓይሊ ንምፍጣር እዩ'ምበር ናይ ዝዀነ ፓርቲ ሕሽክርና የብልናን - ኣይንገብሮን ድማ።
[ብ15 ጥሪ ልዕሊ-ኮር ብዝብል ዝተኣከቡ ኣዘዝቲ ሓይልታት ትግራይ፡ እቲ ብኣቶ ጌታቸው ረዳ ዝምራሕ ግዝያዊ ምምሕዳር 'ክሒዱ እዩ'፣ 'ጠሊሙ እዩ' ዝብል ቅዋም ሒዞም እዮም፤ ምምሕዳራት ከተማታትን ወረዳታትን ተቘፃፂሮም። ቤት ጽሕፈት ፀጥታን ሰላምን ትግራይ፡ ነቲ ስጕምቲ ወፍሪ ሕጊ ምኽባር ብዝብል ከም ዝተኻየደ እዩ ዝገልፆ]።
ቢበሲ፤ ብፖለቲካዊ መድረኽ ክፍትሓሉ ዝኽእል ነገር ኣይነበረን?
ጀነራል ወዲ ኣንጥሩ፤ ኣብዮምና፤ ዝወፃእና ሰባት መጀመርያ ኣይንቕበሎን ኢልና፣ ኣጊዶምና። ኣይንቕበልን ምባል መሰል እዩ ነይሩ፣ ግን ናቶም ባህሪ ምእጋድ እዩ። 'ኣነ ደጋፊ ህወሓት ኣይኰንኩን' ማለት፡ 'ባዕሉ ይኽኣል ኣነ ኣይሽከሞን' ማለት እዩ፣ ሰራዊት ክሽከሞ የብሉን። ባዕሉ ክኢሉ ናብ ህዝቢ ይኣቱ፡ ይወዳደር፡ ህወሓት ይጥፋእ ኣይጥፋእ ናይ ባዕሉ ጉዳይ፣ ይቐፅል ኣይቐፅል ናይ ባዕሉ ጉዳይ፣ ኣነ ዘገድሸኒ ጉዳይ ህዝቢ ትግራይ እዩ።
ቢበሲ፤ ነዚ ዝተቓወምኩም ብረት ኣልዒልኩም ዕጡቓት ትሃንፁ ኣለኹም፤ ኣብ ጐድኒ ብብዓል ደብረጽፅዮን ዝምራሕ ህወሓት ድማ ዕጡቓት ኣለዉ፤ እሞ ነታ ገና ካብ በሰላታት ኲናት ዘይሓወየት ትግራይ ናብ ካልእ ኲናት ሕድሕድዶ ኣይወስዳን?
ጀነራል ወዲ ኣንጥሩ፤ ኣይወስዳን፤ ኣነ ዓለምለኸ [ኢንተርናሽናል] ጀነራል እየ። ከምኡ ኰይነ ናይ ህወሓት ምልሻ ክኸውን ኣይደልን። እቶም 'ህወሓት ውድብና እዩ ዝብሉ' ናቱ ሚልሻ ከም ዝዀኑ እየ ዝቘፅሮም፡ ከምኡ እዮም። ሚሊሻነት ድማ ኣይቅበሎን።
ቢቢሲ፤ ስለዚ ሕድሕድኩም ኣይትታዀሱን ማለት ድዩ?
ጀነራል ወዲ እንጥሩ፤ እዚ ብሰላማዊ መገዲ ክኸውን ኣይኽእልን። ብጽሑፍ ፈቲንና፡ ተረዳዲእና፡ 'ማሕተም ኣየሕድግን' ምባል የቕፅዕዶ? ኣብያተ ፅሕፈት [ብሞዶሻ እናሰበርካ] 'መመሐደሪ ምብራር ትኽክል ኣይኰነን' ምባል የቕፅዕዶ? 'ህወሓት ዝበሎ ነገር እንተ ዘይገይርካ ክትነብር ኣይትኽእልን - ካብ ትግራይ ትጠፍእ' ዝብል እዩ።
ንሕና ዝተጋደልናሉ ምኽንያት ክነንነብረሉ እዩ፣ ሰላም ኴንና ክንነብር ኢና ተጋዲልና። ስለዚ፡ ንሕና ብሰላማዊ መገዲ ብፅሑፍ ፈቲንና፣ ብምርድዳእ መኲርና፣ ብዙሕ ግዜ ፈቲንና - ኣብዮምና። ኣብ መወዳእታ ክኣስሩና ምዃኖም ምስ ፈለጥና ወፂእና። እቶም ክኣስሩና ዝደልዩ ድማ እቲ ዝኣመኑዎ ሰራዊት፡ ከም ዝስእኑዎ ከረጋግፀሎም እደሊ።
ቢቢሲ፤ እዚ ዕጥቃዊ ምንቅስቓስ ዕላዊ መፀውዒ ኣለዎዶ? ክንደይ ዝኣክል ኣባልከ ኣለኩም?
ጀነራል ወዲ ኣንጥሩ፤ ኣብ ሓራ መሬት ኢና ዘለና፡ ኣብ ከይዲ እንታይ ክንከውን ኣለና፡ መፀውዒናኸ ዝብል ዕላዊ ክነገብር ኢና። 'ክንደይ ትዀኑ' ዝብል ዛጊድ ከባቢ ሰለስተ ኣርባዕተ ግንባራት ኣለውና፣ እተን ግንባራት ብዙሓት እየን።
ግን ድማ ኣብ ውሽጢ ዘሎ ሓይሊ እዩ ዝበዝሕ። እቲ ሕዚ ህወሓት ናትና ሰራዊትና እዩ ዝብልዎ ዘለዉ ሚልሻ - ምሳና እዩ። ከፊኡዎ እዩ ዘሎ፣ ለውጢ ይደሊ እዩ፣ እቲ ዘመን ናይ መንእሰይ ክኸውን ይደልዮ እዩ።
ክመሃር፡ ክልወጥ ይደሊ እዩ። ዝሐሸ እቶት ክህልዎ ይደሊ እዩ። ወለዱ ካብ ውግእ እዮም መፂኦም፡ ቤተሰቡ ኣብ ውግእ እዮም ነይሮም፣ ሕዚ ሰላም፡ ሕውየትን ለውጢን እዩ ዝደሊ። ስለዚ፡ እቲ መንእሰይ ሰራዊት ምሳና እዩ፡ ብዘሓት ኢና።
ቢቢሲ፤ ቅድሚ ናብ ረፅሚ ምእታውኩም ግን እተቐምጡዎ መደራደሪ ቅድመ-ኵነት ኣሎዶ ?
ጀነራል ወዲ ኣንጥሩ፤ ዛጊድ ዝተደራደረና ሓይሊ የለን። ዝወደብናዮ ሓይሊ ኣለና፣ እቲ ዝተረፈ ሓይሊ ናብ ብፃዩ ይመፅእ ኣሎ። ኣብኡ ዘሎ ድማ ይጋደል እዩ ዘሎ፡ ናይ ለውጢ ሓይሊ እዩ - ናትና እዩ።
ቢቢሲ፤ መዋፈሪኹም ክልል ዓፋር ከም ዝዀነ ገሊፅካ፡ ኣብ ሓንቲ ሃገር ከምኡ ምግባር ይፍቀድ ድዩ ወይስ ምስ መንግስቲ እቲ ክልል ይዅን መንግስቲ ፈደራል ዝገበርክሙዎ ድርድር ኣሎ?
ጀነራል ወዲ ኣንጥሩ፤ ኣብ ዓፋርን ኣብ ትግራይን ኣለና፤ ናብ ዓፋር ወሪድና ክንእከብ ዝገበረና ምኽንያት ዓፋርን ትግራይን ቤተሰብ ስለ ዝዀኑ እዩ። ዝፈቐደልና መንግስቲ የለን። ፀጊሙና ነይሩ፡ ኣብቲ ከባቢ ዘለዉ ኣካላት፡ "ፀጊሙና'ሞ ኣብዚዶ ክንተኣኻኸብ?" ኢልናዮም፡ 'ፅቡቕ ተኣኻኸቡ' ኢሎምና። ዓብዪ ነገር'ውን ኣይኰነን፣ ኣብቲ ጫፍ ናይ ትግራይ ኢና ዘለና፤ ፍቓድ እንሓተሉ ነገር'ውን ኣይኰነን።
ቢቢሲ፤ ኣብ ዓፋር ከባቢ ሸኸት/ኣብዓላ ማለት ድዩ?
ጀነራል ወዲ ኣንጥሩ፤ ከባቢ እንታይ ክገብረልኪ? ኣርባዕተ ግንባር ኣለና፡ ኣብ ዓፋር ገሊኡ ድማ ኣብ ትግራይ'ውን ኣለና። እቲ ዝዓበየ ሓይልና ኣብ ትግራይ እዩ ዘሎ።
ቢቢሲ፤ ስለዚ ምስ መንግሰቲ ፈደራል ዝዀነ ርክብ የብልናን ዲኻ ትብል ዘለኻ?
ጀነራል ወዲ ኣንጥሩ፤ ምስ ፈደራል ዘለና ርክብ፡ ኣብኡ ከም ዘለና ይፈልጡ እዮም። ካልእ ዝገብሮ ነገር ግን የለን። ርግፅ ወዲ ወረደ [ጀነራል ታደሰ ወረደ- ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኰይኑ] ክሽወም እንተሎ፡ ገለ ዘልዐልናዮም ሕቶታት ኣለዉ፣ እቶም ሕቶታትና ክምለሱ ኣለዎም።
ሕቶታትና፡ ንሕና ዘይሻራውያን ኢና፡ ዘይሻራዊ ሰራዊት ክንሃንፅ ኢና ንደሊ።
ኵሉ ግዜ ኣብ ፓርቲ ዝተፀግዐ ሓይሊ፡ ነቲ መንእሰይ ዝጐድእ፡ ለውጢ ዝኽልክል ፀረ-ዲሞክራሲ ኣካይዳ እዩ። እዚ ክውገደልና ንደሊ ኢና። እዚ ክፈታሕ ኣለዎ ኢልና ኣቕሪብና ኣለና። እዚ እንተ ዘይተፈቲሑ ንስኹም ደገፍኩምና ኣይደገፍኩምና፡ ኣየእትወኩምን - ኢልናዮም። "ኣይ፡ ክትረዳድኡ ኣለኩም፡" ኢሎምና፡ ካብኡ ስቕ ኢልና ቀፂልና ኣለና።
ቢቢሲ፤ ኣብ ዝሓለፈ 15 ጥሪ ዝተገበረ ወተሃደራዊ ኣኼባ ስዒቡ፡ በቲ ውሳነ ዘይተስማምዑ ኣኼባ ረጊፆም ዝወፅኡ ኣለዉ፤ ካብቶም ሓደ ኢኻ፡ ካልኦት ምሳኻ ብዓል መን ኣለዉ?
ጀነራል ወዲ ኣንጥሩ፤ ሕዚ ምሳና ዘለዉ፡ 'ዝተኻየደ ስራሕቲ ካብ ሓደ ሰራዊት ዘይሕሎ እዩ፡ ክብሪን ስምን እቲ ሰራዊት ዘይውክል ኣሰራርሓ እዩ፡ ንህዘቢ ትግራይ ዘይጠቅም ኣሰራርሓ እዩ' ዝብል ቅዋም ኣለዎ።
እቶም ካልኦት ብፆት ድማ ቅዋሞም ኣይቀየሩን፡ ከም ዘለዉዎ ኣለዉ። ንሕና ኣብ ካልእ ኣለና ንሳቶም ኣብኡ ኣለዉ። ንሳቶም እንታይ ይሰርሑ ኣለዉ - ካልእ ዘረባ እዩ።
ኣብዚ ኣነ ኣለኹ ካልኦት'ውን ምሳይ ኣለዉ፡ ብዛዕበኦም ምዝራብ ኣድላዪ ኣይኰነን። ኣብዚ ዘሎ ነገር ግን፡ ንሕና ተወዲብና ንቃለስ ኣለና፡ ብዙሓት መኰንናት ኣለዉና ብዙሓት ክፍለጦራት ኣለዉና፣ ብዙሓት ኣመራርሓ ኣለዉና፣ ብዙሕ ሰራዊት'ውን ይውሕዝ ኣሎ። ሎምዓንቲ'ኳ ዝመፅአ ብዙሕ እዩ። ሕዚ ሪፖረት እርኢ ነይረ፡ ብዙሕ ሰራዊት እዩ ዝኣቱ ዘሎ።
ቢቢሲ፤ ኣብ መንጐ ኤርትራን ኢትዮጵያን ወጥሪ ሰፊኑሉ ኣብ ዘሎ እዋን፡ ሓደ ክንፊ ህወሓት ምስ መንግስቲ ኤርትራ፡ ሓደ ድማ ምስ መንግስቲ ፈደራል ከምዝወገኑ እዩ ዝንገር፤ እዚ ጉዳይ ናብ ኲናት ዘምርሕ እንተዀይኑ፡ ንስኻትኩም ኣሰላልፋኹም ከመይ እዩ ክኸውን?
ጀነራል ወዲ ኣንጥሩ፡ ኣሰላልፋና ምስ ህዝቢ ትግራይ እዩ፣ ንሳቶም ኣሰላልፋኦም ምስ ህወሓት ስለዝዀነ፡ ምስ ጐይተኦም ምሰኦም ክኸዱ ይኽእሉ እዮም። ንሕና ግን ምስ ህዝቢ ትግራይ ኢና ክንተርፍ። ሕውየት ህዝቢ ትግራይ ክንሕሉ ኢና። ናይ ህዝቢ ትግራይ ፀጥታ ክነዕሪ ኢና። ወገንተኛ ዘይኰነ ሓይሊ ህዝቢ ትግራይ ክንሃንፅ ኢና።


![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/660/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)

![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







