ቀ/ም ኣብይ ኣሕመድ ንኤርትራን ህወሓትን ዘመሓላለፎ መጠንቀቕታ

ምንጪ ስእሊ, EBC
ብ19 ጥቅምቲ ብመንግስታዊ ማዕከን ዜና ዝተፈነወ: ብቋንቋ ትግርኛ ዝተኻየደ ቃለ-መሕትት፡ ቀዳማይ ምኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ንህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ (ህወሓት) ንስምምዕ ሰላም ፕሪቶሪያ 2022 ብምጥሓሱ ከሲሱ።
ኣብ ትግራይ ዝርከቡ ዕጡቓት መንእሰያት ኣጽዋሮም ከውርዱን ናብ ሰላማዊ ህይወት ክምለሱን ጸዊዑ፤ ከምኡ'ውን መሪሕነት ህዝባዊ ግንባርን ንደሞክራስን ፍትሕን (ህግደፍ) ኤርትራ ንጻውዒት ሰላምን ምትሕብባርን ኢትዮጵያ ምላሽ እንተዘይሂቡ "ኣዝዩ ከቢድ" ዝበሎ ሳዕቤናት ክመጽእ ምዃኑ ኣጠንቂቑ።
እቲ ዝበሃል ዘሎ፡ ዕጡቓት ህወሓት ካብ ርአሰ ከተማ ትግራይ ኣንሳሒቦም ናብ ዶባት ኤርትራ ከምዝተፀግዑ ኣብ ዝንገረሉ እዋንን፡ 'ሰራዊት ኤርትራ ናብ ትግራይ ዶብ ጥሒሶም ኣትዮም' ዝብሉ ፀብፃባት የዘራርብ ኣብ ዘኣጋጣሚ እዩ።
ብዛዕባ ህወሓት
ኣብቲ ቃለ መሓትት፡ ኣብይ ኣብ መንጐ ህወሓትን ህዝቢ ትግራይን ፍልልይ ከም ዘሎ ብምግላጽ፡ ህላወ ሓደ ፖለቲካዊ ሰልፊ ምስ ህላወ መላእ ህዝቢ ክመዓራረ ከም ዘይብሉ ሞጕቱ።
ንኣስታት 50 ዓመታት ኣብታ ክልል ኣብ ብበርኪ ሃገር ድማ ንኣስታት 30 ዓመታት ፖለቲካ እታ ሃገር ዓብሊሉ ዝፀንሐ ህወሓት፡ ተዳኺሙ ከም ዘሎን፡ ብኣንጻሩ ግን ህዝቢ ትግራይን ሃገራዊ ህላወ ኢትዮጵያን ነባሪ ምዃኑ ገሊጹ።
ንሃጸይ ዮሃንስ ራብዓይ ሓዊሱ ካብ ትግራይ ንዝመጹ ታሪኻውያን መራሕቲ ብምጥቃስ፡ "ሃጸይ ዮሃንስ ካብ ትግራይ ወጺኦም ንሃገር መሪሖም እዮም፡ ህወሓት ግን ይቕህም ኣሎ" ኢሉ።
ካብ ትግራይ ዝወጸ መሪሕነት ኣካል ታሪኽ ኢትዮጵያ ኰይኑ ከም ዝጸንሐ ብምግላጽ፡ መጻኢ ዕጫ ናይቲ ክልል ምስ ዕድል ናይ ሓደ ፖለቲካዊ ውድብ ክተኣሳሰር ከም ዘይብሉ ኣረዲኡ።
ኣባላት እቲ ውድብ መብዛሕትኦምም ተጋሩ'ኳ እንተዀኑ፡ ግን "ጨና ትግራዋይነት የብሎምን" ብምባል ድማ ኣትሪሩ ነቚፉ።
ነዚ ንኸረድእ ድማ እቲ ቀዳማይ ምኒስተር "ዝመርጾ መሓዛን ኣተሓሳስባን፤ ዝኽተሎ ፖሊሲን እምነትን" ምስ ድሌትን ረብሓን ህዝቢ ትግራይ ዝኸይድ ኣይኰነን ክብል ዘርዚሩ።
ምስላ ብምቕማጥ ድማ ህዝቢ ትግራይ "ኣይማዩ ኣይሰማዩ" ብሰንኪ ህወሓት ከቢድ ዋጋ ከፊሉ እዩ ይብል። "እታ ሓቂ ትገሃድ ምህላዋ የሐጕሰኒ እዩ" ብምባል እውን ኣቢይ፡ ህዝቢ ትግራይ ኣብ ምህናጽ ሃገሩ እጃሙ ምብርካት ክቕፅል ዘለዎ እምነት ገሊጹ።
ኣብይ ኣሕመድ ከምኡ ይበል'ምበር፡ እቲ ንሱ ዝመርሖ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ብፍላይ ኣብቲ ዝሓለፈ ኲናት ትግራይ፡ ህዝብን ዕጡቕን ብዘይፈሊ መንገዲ፡ ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ነበርቲ ሰፊሕ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ፈፂሙ ተባሂሉ እዩ ዝኽሰስ።
እቲ ቀዳማይ ምኒስተር ግን ንህወሓት ብተደጋጋሚ ዝነቅፍ ኰይኑ፡ ፖሊሲታቱ፡ ኪዳናቱን ፖለቲካዊ ኣረኣእያኡን ንረብሓታት ወይ ክብርታት ህዝቢ ትግራይ ከም ዘየንጸባርቕ ገሊጹ። ውሳነታት ናይቲ ሰልፊ ንዓመታት ኣብ ልዕሊ እቲ ክልል ከቢድ ዋጋ ከም ዘስዓበ እውን ሞጒቱ።
እቲ ውድብ ብግጭት፡ ፖለቲካዊ ጭቈናን ወተሃደራዊ ዕስክርናን ንረብሓታት ተራ ህዝቢ መስዋእቲ ከም ዝገበረ ኸሲሱ። ብተወሳኺ፡ መሪሕነት ናይቲ ሰልፊ ኣብ ጕዳያት ልምዓትን ምሕደራን ዝኽተሎ ኣካይዳ ብምንቃፍ፡ ካብ ቍጠባዊ ዕቤትን ማሕበራዊ ድሕንነትን ንላዕሊ ንወተሃደራዊ ንጥፈታትን ዕደጋ ኣጽዋርን ቀዳምነት ብምሃቡ ከሲስዎ።
ህወሓት ግን፡ ንመሰልን መንነትን ኩሎም ህዝብታት፣ ብሄረብሄረሰባትን ኢትዮጵያ ከምዝቃለስ እዩ ዝኣምን። እቲ ውድብ ዝዓብለሎ ኣርባዕተ ብሄራዊ ውድባት ኣባል ዝዀንዎ ኢህወዴግ ዘቊኦሞ ስርዓት፡ ዝተኸሎ ኣብ ግብሪ ዘሎ ሕገ-መንግስት ድማ፡ ነዞም መሰላት ህዝብታት ቀዳምነት ዝህብ ስርዓት ፌዴራሊዝም ዝተቓነየ ምዃኑ ተዓዘብቲ ይዛረቡ።
ብተወሳኺ እቲ ቀዳማይ ምኒስተር፡ ህወሓት ንጹር ፖለቲካዊ ኣንፈት ከም ዘይብሉ ብምግላጽ ንውሽጣውን ግዳማውን ኪዳናቱ ነቒፉ።
ኣብ ትግራይ "ሓንቲ ኪሎ ሜትር ትዅን እውን 'ኮሪደር-ልምዓት' ዝበሃል" ዝተሰርሐ ከምዘየሎ ብምጥቃስ፡ መራሕቲ ህወሓት ብኣንጻሩ ድሮናት ሓዊሱ ኣብ ሸመታ ኣጽዋር ተጸሚዶም ጸኒሖም ክብል፡ ከሲሱ።
ኣብ ትግራይ ዝርከቡ መንእሰያት ዕጥቆም ክፍትሑ ብምጽዋዕ፡ ቀጻሊ ግጭት ንዓታቶም ኰነ ንስድራቤታቶም ዝኾነ ረብሓ ከም ዘየምጽእ'ውን ኣብይ ገሊጹ። ናብ ስቪላዊ ናብራ፡ ትምህርቲ፡ ሕርሻን ስራሕን ክምለሱ ተማሕጺኑ።
እቲ መንእሰይ ድማ ነዚ ንዕኡን ንስድራኡን ዘይጠቅም ዝበሎ ኲናትን ዕንወትን ጠንጢኑ፡ ብረት ኣውሪዱ ናብ ሰላማዊ ህይወቱ፡ ናብ ትምህርቱ፡ ሕርሻኡን ስርሑን ክምለስ ጻውዒት ኣቕሪቡ።
ቀዳማይ ምኒስተር ኣቢይ ኣብ ቃለመሕትቱ፡ ህወሓት "መትከል ዝበሃል የብሉን" ክብል'ውን ወቒሱ።
"ምስ ዝመስልዎ ተጸንቢሩ ኣሎ" ብምባል "ምስ ሓንጀ-መንጂ" ተጸንቢሩ ዘምጽኦ ለውጢ የለን ብምባል ነቲ ኣብ ውሽጥን ኣብ ግዳምን ዝግበር ኪዳናት ኣቈናጺቡ።
ብተደጋጋሚ ንሃጸይ ዮሃንስ ዘልዓለ እቲ ቀዳማይ ምኒስተር፡ ንታሪኻዊ ውርሻ ሃጸይ ዮሃንስ ራብዓይ ንምንጽጻር ብምጥቃስ ድማ፡ እቲ ጕጅለ ምስቶም ብታሪኽ ኣንጻር ረብሓታት ኢትዮጵያ ደው ዝበሉ ሓይልታት ይሰርሕ ከም ዘሎ ከሲሱ።
ምስቶም ንሃጸይ ዮሃንስ ዝወግኡ ዝበሎም ብስም ዘይጠቐሶም ሓይልታት ሓቢሩ "ሃገር ይወግእ ኣሎ" ክብል ኣስሚሩሉ።
ኣብ መፋርቕ 19 ክፍለዘበን፡ ሃጸይ ዮሃንስ ንሰራዊት ኢትዮጵያ መሪሖም፡ ኣብ ከባብታት ኤርተራ ኣንጻር ሰራዊት ግብፂ ተዳገጋሚ ኲናት ምግጣሞም ኣብ ታሪክ ሰፊሩ ይርከብ።
ኣብ መወዳእታ ድማ ምስ ዕጡቓት ማህዲስት-ሱዳን ኣብ መተማ -ጎንደር ኣብ ዝዋግእሉ ኣጋጣሚ ብ1889 ኣብ ዓውደ ውግእ ተቐቲሎም።
ስምምዕ ፕሪቶሪያ
ኣብይ፡ ፈደራላዊ መንግስቲ ኣብ ትሕቲ ስምምዕ ፕሪቶርያ ዘለዎ ግዴታታት ከም ዝፈጸመ ብምግላጽ፡ ንህወሓት ግን ቀንዲ ዓንቀጻት ተግባራዊ ብዘይምግባሩ ኸሲስዎ።
ብመሰረት መግለጺ ኣብይ፡ እቲ ህወሓት ናብ ዕጥቂ ምፍታሕ ኣብ ክንዲ ዝኣቱ ኣብ ወተሃደራዊ ምድላዋት ከም ዝቐጸለን ንመስርሕ DDR ብግቡእ ከም ዘይደገፈን ሓቢሩ።
ህወሓትን ካልኦት ሰበስልጣን ትግራይን ብወገኖም፡ ምምላስ ተመዛበልቲ ዝርከቦም፡ ዓበይቲ ዓንቀጻት ናይቲ ስምምዕ ገና ከም ዘይተተግበሩ ክሞጕቱ ጸኒሖም እዮም።
ካብቲ ምስሕሓብ ዘፈጥር ዘሎ ከባቢታት ዘይፈደራላዊ ሓይልታት ምስሓብ፡ ውሑስ ምምላስ ተመዛበልትን ንግዝኣታዊ ሓድነት ትግራይ ዝወሃብ ውሕስነትን መሰረታውያን ኣካላት ናይቲ ስምምዕ ኰይኖም ገና ምሉእ ብምሉእ መፍትሒ ዘይረኸቡ ምዃኖም ይገልጹ።
ኣብይ፡ ፈደራላዊ መንግስቲ ንዘተ ዝገበሮ ጻዕርታት ብመራሕቲ ህወሓት ተቐባልነት ከምዘይረኸበ፡ ፖለቲካውን ወተሃደራውን ውሳነታቶም ድማ ንትግባረ ናይቲ ስምምዕ ዕንቅፋት ኰይኑ ከም ዘሎ ሞጒቱ።
እቲ ቀዳማይ ምኒስተር፡ መራሕቲ ህወሓት ነቲ ዝቐርበሎም ዝነበረ ጻውዒታት ሰላም ሸለል ብምባል ምስ "ሓይልታት ሓሰር መሰር" ሓቢሮም ዘየዋጽኦም ውግእ ኣዊጆም፡ ኢሉ። በዚ ስሑት መንገዲ ድማ እቲ ስምምዕ [ፕሪቶሪያ] ፈሺሉ ማለት እዩ ክብል ገሊጹ።
መጠንቀቕታ ንኤርትራ
ናብ ጕዳይ ኤርትራ ብምምላስ፡ ኣብይ ነቲ ቅድሚ ናጽነት ዝነበረ ቍጠባውን ከተማውን ዕቤት ናይታ ሃገር ምስቲ ሕጂ ዘለዎ ኵነታት ኣነጻጺሩ ኣቕሪብዎ።
"ቅድሚ ናጽነት ከተማታት ኤርትራ ድሙቓትን ውቍባትን ነይረን" ብምባል፡ እቲ ቀዳማይ ምኒስተር፡ ሎሚ "ዳርጋ መንበሪ ደቂ ሕድርትና መሲለን ኣለዋ" ብምባል ነቲ ኣብተን ከተማታት ዘሎ ምርኢት ክገልጾ ፈቲኑ።
ኤርትራ ኣብ ዝሓለፉ ሰለስተ ዓሰርተታት ዓመታት ቍጠባዊ ድቀት ከም ዘጋጠማ ብምግላጽ፡ ኵነታት ከተማታት ኣስመራ፡ ምጽዋዕን ዓሰብን ከም ኣብነት ጠቒሱ።
ኤርትራ ኣካል ኢትዮጵያ ኣብ ዝነበረትሉ 300 ዝዀና ፋብሪካታት ዝነበራኣ ኤርትራ፡ ሎሚ እታ ዝዓበየት ከተማ ካብ ኣርባ-ምንጭ ወይ ጂግጂጋ ዝነኣሰት ምዃና ብምግልጽ፡ ምስ ገለ ከተማታት ሃገሩ ኣነጻጺሩ።
ናብተን ወደባውያን ከተማታት ብምትኳር ድማ "ባጽዕ ኵምራ ዑና ኰይና ተሪፋ እያ፤ ዓሰብ ድማ ባዲማ ኣላ" ክብል ተሰሚዑ።
ንዕንወት እዘን ከተማታት ኣመልኪቱ እውን ቅድሚ ሕጂ ባዕሉ ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡ እታ "ሉል ቀይሕ ባሕሪ ትበሃል ዝነበረት ባጽዕ ሎሚ ኣበይ ኣላ...?! ሉል ኣይኰነት ገለ ኣይኰነት..." ብምባል ነቲ ዕንወት እዘን ከተማታት ተኣሚኑሉ ምንባሩ ኣይርሳዕን።
ኣብይ፡ ገዛኢ ውድብ ኤርትራ - ህዝባዊ ግንባር ንደሞክራሲን ፍትሕን (ህግደፍ) - ኣመልኪቱ እውን፡ ምስቶም ንኢትዮጵያ ጸላእቲ ዝዀኑ ሓይልታት ከም ዝወገነ ብምግላጽ፡ ኣንጻር ረብሓታት ኢትዮጵያ ይሰርሕ ከም ዘሎ ከሲሱ።
ካብ ምትህልላኽ ንላዕሊ፡ ምትሕብባርን ጽቡቕ ጕርብትናን ዝያዳ ዘላቒ መንገዲ ከም ዝዀነ እውን ሞጒቱ። እቲ ቀዳማይ ምኒስተር፡ መሪሕነት ኤርትራ ነቲ ንተጻረርቲ ኢትዮጵያ ዝገብሮ ዘሎ ደገፍ እንተቐጺሉዎን ንጻውዒት ሰላም፡ ምትሕብባርን ሓባራዊ ልምዓትን ምላሽ እንተዘይሂቡን፡ ሳዕቤኑ ከቢድ ክኸውን ከም ዝኽእል ኣጠንቂቑ። ኤርትራ ምስ ህወሓትን ካልኦት ሓይልታት ኢትዮጵያን ትሰርሕን ትድግፍን ኣላ ዝብል ክስታት ብተደጋጋሚ ክትነጽጎ ጸኒሓ እያ።





















![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)
