'ካብ ምቅላስ ዝሐሸ ኣማራፂ የለን' - ኣይተ ረዳኢ ሓለፎም

ረዳኢ ሓለፎም

ምንጪ ስእሊ, TMH

ብፕረዝደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ነበር ኣይተ ጌታቸው ረዳ ዝምራሕ ክንፊ ህወሓት፡ ዴሞክራስያዊ ስምረት ትግራይ (ስምረት) ብዝብል ስያመ ክልላዊ ሓድሽ ፖለቲካዊ ውድብ ኰይኑ ብቦርድ መረፃ ኢትዮጵያ ግዝያዊ ኣፍልጦ ተዋሂብዎ ኣሎ።

ውድብ ስምረት ኣብ ሓፂር ግዘ ማኒፌስቶ እቲ ውድብ ክዝርግሕን ኣብ ውሽጢ ክልተ ክሳብ ሰለስተ ወርሒ ዘሎ እዋን ውድባዊ ጉባኤ ከካይድን ትፅቢት ዝግበር ኰይኑ፡ ኣብዚ እዋን ብኣይተ ጌታቸው ረዳ እናተመርሐ፡ ትሽዓተ ኣባላት ብዘለውዎ ወዳቢ ኮሚቴ እዩ ዝንቀሳቐስ ዘሎ።

ካብ መንጐ እቶም ኣባላት፡ ኣብቲ ዝቐደመ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ፡ ሓላፊ ቢሮ ርክብ ህዝብን መንግስትን ኣባል ማእኸላይ ኮሚቴ ህወሓትን ዝነበረ ኣቶ ረዳኢ ሓለፎም ይርከቦም።

ቢቢሲ፡ ኣብ ኣመሰራርታ ውድብ ስምረትን ምስኡ ተዛሚዶም ዝለዓሉ ጉዳያትን ኣመልኪቱ ምስ ኣይተ ረዳኢ ሓለፎም ዘካየዶ ቃለ-መሕትት እነሆ፤

ቢቢሲ፡ ረብሓታት ህዝቢ ትግራይ ብኸመይ ኢኹም ክተሕልዉ?

ረዳኢ ሓለፎም፡ ውድብ ነጣይሽ ዘለና ላዕለዎት ኣመራርሓ ናይቲ ውድብ (ህወሓት) ዝነበርና ኢና። ኣብ ትግራይ ኣባል ጥራሕ ዘይኰነስ መንእሰይን ምሁር ሓይልን'ውን ለውጥታት ይጠልብ ኣሎ። እዚ ለውጢ እዚ፡ ዓለማዊ ኩነታት ኣብ ግምት ዘእተወ ክኸውን ዓብይ ጠለብ ኣሎ። እቲ ሕዚ ኣብ ትግራይ ዘሎ ጭቡጥ ኩነታት ናይ 1967፣1980፣ናይ 1990 ወይ ናይ 2010 ኣይኰነን። ዓብይ ለውጢ ኣሎ። ነዚ ለውጢ እዚ ተሓሳቢ ዝገበረ፣ ነዚ ናይ ለውጢ ሓይሊ ብዝበለፀ ከሳትፍ ዝኽእል፣ ናይ ቀፃሊ ባህጊ ትግራይ ብዝሐሸ ኩነታት ከማልእ ዝኽእል፣ ዓቕምታት ትግራይ ክውድብን ከዋፍርን ዝኽእል ጌርኻ ንምኻድ ተሓሳቢ ዝገበረ'ዩ። ስለዚ ዓለም፣ ከባቢናን ሃገርን ዝጠልቦ ኩሉ ነገር ንምምላእ ሓሲብና፡ ብኣውርኡ ኸኣ ብኹሉ መዳይ ፅባሕ ንብህጋ ትግራይ ኣብ ግምት ዘእወተወ ውድብ'ዩ።

ቢቢሲ፡ እዛ ትብህጋ ዘለኻ ትግራይ፡ ኣብ ትሕቲ እቲ ናይ ፌደራሊዝም ስርዓት ወይ'ውን ኣብ ትሕቲ ኢትዮጵያውነት ኰይና እትቕፅል'ያ ማለት ድዩ ኣይተ ረዳኢ?

ረዳኢ ሓለፎም፡ ሕዚ ኣብ ትሕትን ኣብ ልዕልን ምባል ንግዚኡ ይፅነሐልና እሞ፡ ትግራይ ዝሐሸ ነፃነት ሃልይዋ፡ ባዕላ ንባዕላ ክተመሓድረሉ ትኽእል ትግራይ ምፍጣር ማለት'ዩ። ክሳብ ሕዚ ዝመፃእናዮ መንገድታት ብብዙሕ መንገዲ ናይ ኣፈጣጥራ ጉድለት ዘለዎም ወይ ናይ 'ጀነሲስ' ፀገም ዘለዎም፡ ከይዶም ከይዶም ክሳብ ሕዚ ዝመፃእናዮም መንገዲ ረብሓታት ትግራይ ከረጋግፁ ዝኸኣሉ ኣይኰኑን።እዚ ውድብ እዚ፡ ካብኡ ወፃኢ ዘለዉ ዝሐሹ ናይ ትግራይ ዓርሰ ምሕደራ ብዝለዓለ ብርኪ ተረጋግፀሉ ኩነታት ንምርግጋፅ'ዩ ዝቃለስ። እዚ ክኸውን ዝኽእል ኸኣ፡ ዓለምን ከባቢናን በፂሐሞ ዘለዉ ኩነታት ኣብ ግምት ዘእተወ፣ ናይ ኣሰላልፋ ሓይልታቱ ብዝግባእ ዘነፀረ፣ ብምጥቕቓንን ብምፅልላእን ዘይኰነስ ዓቕምታት ብዝእክብ መንገዲ፣ ናይ ትግራይ ኣተሓሳስባታት ኣብ ግምት ብዘእተወ መንገዲ፡ እዚኦም ገይሩ ኣብ ትግራይ ዓርሰ ምሕደራ ብዝሐሸ መንገዲ ንምርግጋፅ'ዩ ከም ውድብ ክቃለስ።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ቢቢሲ፡ ኣብ ትግራይ ን50 ዓመታት ካብ ላዕሊ ክሳብ ታሕቲ መሓውር ተቘፃፂሩ ሰፊሕ ፅልዋ ዘለዎ ውድብ ኣብ ዝመርሓ ክልል፡ ክንደየናይ ተቐባልነት ክህልወና እዩ ኢልኹም ትሓስቡ?

ረዳኢ ሓለፎም፡ ህወሓት ናይ ምድሓን መንገዲ በቲ ብልሙድ ስራሕ ፈፃሚ ዝበሃል ላዕለዋይ ፀፍሒ በርዒኑ'ዩ። ህወሓት ነዚ እዋን እዚ ክምጥን ተገይሩ ክመዓራረን ፅገና ክገብርን'ዩ ነይርዎ። እዚ ናይ ሙሉእ ትግራዋይ ጠለብ'ዩ፡ ናይ ኣባል ጥራሕ ኣይኰነን። ህወሓት ኣብ ትግራይ ዝነበሮ ግደ ቀሊል ኣይነበረን። ሕዚ ግና ንባዕሉ እቲ መሪሕነት ኣብ ንቕፀት ተሸኺሉ ክልወጥ ስለዘይኽኣለ፡ ኣብ ዝተለወጠ ዓለም ዘይተለወጠ ወረቐትን ዘይተለወጡ ውሑዳት ሰባትን ሒዞም፡ ዝህውኽ ፖለቲካዊ ሃዋህው'ዩ ተፈጢሩ። ካብዚ ሓሊፉ ዝሐሸ ኣተሓሳስባ ወይ ኣማራፂ ኣለኒ ንዝብል ኸኣ፡ ነቲ ሓሳብ ዘቕርብ ሰብን ንሓሳቡን ዝወቅዕን ዘፅላእልእን ኩነታት'ዩ ተፈጢሩ።

ቢቢሲ፡ ከም ውድብ ስምረት፡ ህወሓት ኣብ ዝተቖፃፀራ ትግራይን መሓውርን ከጋጥመና እዩ ትብልዎ ፈተና እንታይ'ዩ?

ረዳኢ ሓለፎም፡ ህወሓት ዝተቖፃፀራ ትግራይ የላን ሕዚ። ህወሓት ብኣተሓሳስባ ኣጥፊኦማ እዮም። ትግራዋይ ዋጋ ዝኸፈለሉ ውድብ ስለ ዝኾነ፡ ህወሓት ክጠፍእ ዝደልይ ትግራዋይ ኣይነበረን። ኣነ'ውን ከም ውልቀይ ኣይደልን፡ መቓልስተይ'ውን ኣይደልዩን ነይሮም። ግና ብኽልተ መንገዲ ኣጥፊኦማ። ሓደ፡ ሓሳብ ከይህልው ክትነቅፅ ገይሮማ፡ ዘይትጭብጭብ ኰይና። ኣብ ናይ ትማሊ መዘከርታ ጥራሕ ተመስሪታ፡ ፅባሕ ዘይትርእይ ሎሚ'ውን ዘይትነብር ዓይነት ገይሮማ። ካብኡ ሓሊፎም ኸኣ፡ ካብ ፕሪቶርያ ኣውፂኦም ብሕጊ ኢትዮጵያ የላን ተባሂላ ተሰሪዛ ኣላ። ስለዚ ድሕሪ ሕዚ ሽፍትነት እንተዘይኰይኑ፡ ብሕጋዊ ስለ ህወሓት ተውርይሉ ስለዘየለ እኰ ኢና ናብዚ መፂእና።

ኣይተ ረዳኢ ሓለፎም

ምንጪ ስእሊ, REDAEI HALEFOM

ቢቢሲ፡ ብተግባር ግና፡ ካብ ላዕሊ ክሳብ መሓውር ወረዳታትን ጣብያታትን ኣብ ትግራይ እቲ ዝገዝእ ዘሎ ሓይሊ ናይ ህወሓት ክንፊ'ዩ። ስለዚ ብኸመይ ጠፊኡ ምባል ይከኣል?

ረዳኢ ሓለፎም፡ ህወሓት ማለት እኰ እቲ ናትና መሓውር'ውን ማለት እዩ። እቲ ንለውጢ ዝቃለስ ዘሎ ትግራዋይ'ውን ማለት'ዩ። ሕዚ ስለ ዘጥፈእዋ ግና፡ ሕዚ ኣብዚ ናይ ለውጢ ሓሳብ ዝሳፈር ኣመራርሓን ኣባልን ማለት'ዩ።

ቢቢሲ፡ ሕዚ ብጭቡጥ፡ ንትግራይ ሙሉእ ብሙሉእ ተቖፃፂሩ ዘሎ እቲ ብደብረፅዮን ገብረሚካኤል ዝምራሕ ክንፊ ህወሓት'ዩ፡ እዚ ኣብ ዘለሉ ኩነታት እንታይ ዓይነት ፈተና ከጋጥመኩም ይኽእል?

ረዳኢ ሓለፎም፡ እቶም ኣርባዕተ ሰባት ዝመርሕዋ ሓንቲ ፍንጫል፡ ኣብ መወዳእታ ድፋዕ ዝገበረቶ ሰራዊት ትግራይ እዩ። ሰራዊት ከም ሰራዊት'ውን ኣይኰነን፡ ገለ ኮርን ካብ ኮር ንላዕሊን ኢሎም 15 ጥሪ መግለፂ ዝሃቡ ኣካላት'ዮም። ስለዚ ነዛ ጉጅለ እዚኣ ብኣፈሙዝ ክከላኸሉላ ደልዮም። እዞም ኣርባዕተ ሰባትን ሓሽከራቶምን ሕጋውን ሰላማውን መንገዲ ዝዓፅዉ እንተኾይኖም፡ ናብ ሽፍትነት ከምርሑ'ዮም ማለት እዩ። ኮርን ካብ ኮር ንላዕሊን ኢሎም ዝወሰኑ። ኣብዚ ውሳነ እዚ ዘይተሳተፉ ኣመራርሓ ሰራዊት ከም ዝነበሩ'ውን ዝፍለጥ'ዩ። እቲ ታሕተዋይ እግረኛ ሰራዊት'ውን ዝምልከቶ ኣይኰነን።

ህልውንኦም ኣብ ኣፈሙዝ ዝተመስረተ እዩ፡ ብኣፈሙዝ ዝቕፅሉ እንተኾይኖም እቲ ፈተና ይቕፅል፡ ትግራይ ቀፂልና ንርእያ ዓይነት ትኸውን ማለት'ዩ። ካብዚ ዝወፅኡ እንተኾይኖም ኸኣ ናብ ተራ ገበን'ዮም ክኣትዉ፡ ንሱ'ውን ካልእ ቃልሲ ይኸውን። እቲ ኣብ ትግራይ ዘሎ ምቹው ኩነታት ግና፡ ንሶም ጥራሕ ዝተቖፃፀርዎ ጥራሕ ኣይኰነን። ዝተዓፈነ'ምበር ኣሚኑ ኣብ ጐኖም ዝተሰለፈ ሓይሊ ዋላ ሓደ የለን። ካብቶም ምስኦም ዘለዉ ትሙስሙስ ዝብሉ ወፃኢ ማለት'ዩ።

ቢቢሲ፡ ንስኻቱም፡ ኣብ ስነ-ሓሳብ ህወሓት ኢኹም ነይርኩም። ኣብኡ ምፅናሕኩም ድማ ነቲ ስነ-ሓሳብ ስለ ዝኣመንኩምሉ እዩ። ሕዚ ብሓድሽ ስነ-ሓሳብ ሊበራል ዲሞክራሲ መፂእኹም ዘለኹም፡ ስለ ዝተደፋእኹም ዲኹምስ? ወይ ህዝቢ ክቕበለና እዩ ወይ ድማ እቲ ህዝቢ ሓድሽ ስነ-ሓሳብ የድልዮ እዩ ኢልኩም ስለ ዝኣመንኩም?

ረዳኢ ሓለፎም፡ ህወሓት ሕዚ ዘለዎ እምነትን ኣተሓሳስባን ነዚ እዋን እዚ ዝጠልብ ኣይኰነን። ዓለማዊ ኩነታት ኰነ ኣብ ትግራይ ዝተፈጠረ ኩነታት ኣብ ግምት ኣየእቱን፣ ንመንእሰይ ትግራይ ዘሳትፍን ድሌቱን ባህጉን ዘማልእ ኣይኰነን፣ ንህዝቢ ትግራይ ዝተፈጠረ ምሁር ሓይሊ ዘማልእ ኣይኰነን፣ ድሌት ኣብ ደገ ዘሎ ትግራዋይ ዘማልእ ኣይኰነን።

ህወሓት ንባዕሉ ንከዕርይ፡ ክመሓየሽ ኣብ ውሽጢ ኰይንና ንቃለስ ኔርና። ኣነ ንባዕለይ ናይቲ ፖለቲካዊ ፅገና ዝበሃል ኮሚቴ ኣባል ኔይረ። ኣብ መሰረታዊ ዓምድታት ክመሓየሹ ኣለዎም ዝበልናዮም ብዙሓት ነገራት ኣለዉ። ግና ቅድሚ እታ ናይ ነሓሰ ፍንጫል እቲ ስራሕ ፈፃሚ እየ ዝብል ዝነበረ ክቕበሎ ኣይከኣለን። ምኽንያቱ ንሱ ባዕሉ ዘይርእይ ስለዝኾነ፡ እቲ ኻልእ'ውን ዝርእይ ኣይመስሎን። ተዓሚቱ እናሃለወ ዓለም ክርእያ ኣይኽእልን፡ ብቕዓት'ውን የብሉን ክእለት'ውን የብሉን። ኣብኡ ኰይንና ህወሓት ክትኾኖን ክተመሓይሾን ንደልዮም ዝነበርና ነገራት ሒዝና ኢና ንመፅእ ዘለና።

እቲ ምትፍናን ምድፍፋእ እኮ ዝሕባእ ኣይኰነን፡ ግና መወዳእታ'ዩ መፅዩ፡ ክሳብ ብመፅሄት ኣሐቲሞም ከሓድቲ ዝበሉና። 'ጄኖሳይድ' ዝኸሓደን መስዋእትና ዘነኣሰን ኣካል፡ ተመሊሱ ንሰብ ከሓዲ ክብል ኣይኽእልን። ኵናት ዝቑስቑስ ኣካል፡ ንህዝቢ ትግራይ ሰላም እዩ ዘዋፅኦ ንዝብል ኣካል ካልእ ሽም ይህብ። ስልጣን እናለመነ ጉምብሕ ጥልዕ እናበለ ዝውዕል ኣካል፡ እቲ ዝደልዮ ስልጣን ምስ ተኸልአ፡ 'ተለጢፍኻ' እናበለ ኣብ ፀለመን ፀርፍን ይዋፈር። እዚ ኹሉ ኣብ መወዳእታ ዝሓዝዎ'ዩ። ቅድሚኡ ግና ናይ ሓሳብ ኣፈላላይ እዩ ነይሩ። ቅድሚ ናብ ኵናት ምእታውና ዝነበረና ፖለቲካዊ ኣፈላላይ፣ ኵናት ዝመራሕናሉ ከምኡ'ውን ፕሪቶርያን ድሕሪኡን ዘሎ ኩነታት ይገምገም ኣብ ዝብል'ዩ ኣፈላላይ ተፈጢሩ። መወዳእታ ድማ ህወሓት 'ሪፎርም' ክግበር ኣለዎ ተባሂሉ ኣርባዕተ ኮሚቴታት ተጣይሹ። ንሶም ተጨውዮም ስለ ዝተረፉ ድማ፡ ሓሳብና ሒዝና መፂእና።

[ምምቕቓል መሪሕነት ህወሓት ስዒቡ፡ ነንርእሶም ክወቓቐሱ ዝፀንሑ ዀይኖም፡ እቲ ብደብረፅዮን [ዶ/ር] ዝምራሕ ክንፊ፡ ንበዓል ጌታቸው ረዳ 'ጠሊሞም፤ ክሒዶም' ኢሉ እዩ ዝኸሶም]።

ቢቢሲ፡ ቅዋምኩም እዚ እንተድኣ ነይሩ፡ እታ ሓደ ክንፊ ህወሓት ገምጋም ክግበር ዘይደለየሉ ምኽንያት እንታይ'ዩ?

ረዳኢ ሓለፎም፡ ተሓታቲ እየ ኢሉ ስለ ዝኣምን። ገገሊኡ ኸኣ ብጭቡጥ ናይ እማን ተሓታቲ ስለ ዝኾነ። ብናህትና እምነት፡ ኵናት፡ ኣብ ቅድሚ ኵናት ዝነበረ ፖለቲካዊ ፀገም ዝወለዶ ናይቲ ፖለቲካዊ ሕመቕ ውፅኢት እዩ። እቲ ኵናት ዝኸደሉ መንገዲ'ውን ክረአ ክኽእል ኣለዎ። ኣብዚ'ውን ክሕተት'ዩ ማለት'ዩ። ኩላህትና ማእኸላይ ኮሚቴ ተሓተትቲ ኢና፤ ዝኾነ ሰብ ኣብዚኣ ነፃ እየ ኢሉ ክዛረብ ዝኽእል የለን። ኣፈላላይና ግና፡ እቲ ናይ ለውጢ ሓይሊ 'ዘዝበፅሐና ተፃርዩ፣ ተገምጊሙ ሐሒሳብና ንውሰድ። ንረብሓ ህዝቢ ትግራይ ክበሃል ክፅረግ'ውን እንተልይዎ ይፀረግ' ዝብል ቅዋም ሒዙ። እታ ሓደ ኸኣ፡ ንሕና እንተዘይሃሊና ኢሉ፡ ኣብ መወዳእታ'ውን 65 መዓልቲ ገምጋም ተኻይዱ፡ ዝተዓራረየሉ ምኽንያት የለን። ስለዚ ካብ ተሓታትነት ንምምላጥን እታ ስልጣን ኸኣ ተቖፃፂርዋ ክፀንሕ ስለዝደልይን'ዩ ገምጋም ዘይደልይ።

ወርቅታትን መዓድናትን ትግራይ እንታይ ይግበር ከምዘሎ፣ ኣብ ነዳዲ፣ ኣብ ናይ ረድኤት እኽሊ፣ ኣብ ናይ ሓፂን መፂን እንታይ ከም ዝተገበረ፣ ኣብ ኮንትሮባንድ፣ ኣብ ዝውውር ሰባት እንታይ ይገብሩ ከም ዘለዉ ስለ ዝፍለጥን፡ በዚ ድማ ንባዕሎም ተሓተትቲ ገይሮም ስለ ዝቖፅሩ፡ ተሓተትቲ ንዘይምዃን'ዮም ናብ ገምጋም ክኣትዉ ዘይደለዩ።

[ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ሌ/ጀነራል ታደሰ ወረደ፡ ነቲ ብኣቶ ጌታቸው ረዳ ዝቐረበ ክስን፡ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ልሒዅ ዝወፅአን 'ዘይሕጋዊ ዕደና ወርቅን ምስግጋር ሰባትን' ዝምልከት ሰነድ፡ ሓቃዊነቱ እንተዘይከሓደ'ኳ፡ 'ካብ ቂምን ሕነን ዝተበገሰን፤ ውልቀሰባት ንምጥቃዕ ዝዓለመን' ዝብል ምላሽ ምሃቡ ይዝከር።]

ቢቢሲ፡ ንስኹም፡ ካብ ናይ ብልፅግና ናይ ኢድ ኣዙር ፅዕንቶ ክንደየናይ ነፃ ኢኹም? ሓደሓደ ነቐፍቲ፡ ንብልፅግና ካብ ወገን ትግራይ ድጋፍ ንምርካብ ዝተጣየሽኩም ኢኹም ኢሎም ይኸሱ። ኣብዚ እንታይ ትብል?

ኣርማ ፖለቲካዊ ውድብ ስምረት

ምንጪ ስእሊ, BM

ረዳኢ ሓለፎም፡ እዚ ፍፁም ጌጋ እዩ። ንሕና ኣብ ትግራይ ዝተፈለየ ሓሳብ የድልይ እዩ፣ እቲ ኣብ ትግራይ ዘሎ 'ኢንቫይሮመንት' ናይ 1967 ወይ ናይ 2010 ኣይኰነን። ሕዚ ብምዕሩይ ተመዓራርዩ ኣሎ፤ ብፍላይ ናይ ዲጂታል ዘበን ዝፈጠሮም ብዙሓት ነገራት ኸኣ ኣለዉ። ትግራይ ቅድሚ ሕዚ ሓረስታይ ተሓሳቢ ዝገበረ'ዩ፡ ሕዚ ብዙሕ ዝተምሃረ ሓይሊ ኣለዋ፣ ከተማነት ዳርጋ ኣይነበረን፡ ሕዚ ብዙሕ ናይ ከተማ ምንቅስቓስ ኣሎ ብምባል፡ ነዚ ዝምጥን ሓሳብ ሒዙ ዝመፅአ ውድብ'ዩ።

ብሓደ ገፅ ግና እዚ ነቐፌታ ዘቕርብ፡ እቲ ጉጅለ'ዩ። ንሱ፡ ኣብ ሰሙን ክልተ ግዘ ሰለስተ ግዘ ንስልጣን ክልምን፡ ፅግዕ ፅግዕ ክብል ኣብ ኣዲስ ኣበባ ይውዕል ይሓድር ዝነበረ እዩ። እንከይኾነሉ ምስ ተረፈ፡ 'ምስ ኣበዩኒ ተሓሲመዮም' ዘብል ዘሎ። ብእኡ ዝመፅእ መፀለምታ፡ ልማዱ'ዩ ኢልካ እዩ ዝሕለፍ። ብጭቡጥ ግና ከምኡ ኣይኰንናን። ሕዚ'ውን ከም ዓዲ ኣብ ዘራኽቡና ምስ ዝኾነ ኣካል ብሰላም ክንሰርሕ ኣብ ንኽእለሉ ሰላማዊን ፖለቲካዊን ቃልሲ ክነካይድ ዝወሰንና ሓይሊ ስለ ዝኾንና፡ ምስ ዝኾነ ኢትዮጵያዊ ሓይሊ፣ ምስ ዝኾነ ዝተወደበ ሓይሊ ብሰላም ንምስራሕ ቅሩባት ኢና። እዚ ማለት፡ ትማሊ ንዝነበሩ ነገራት ከም ዘይነበሩ ዘቑፅር ኣይኰነን።

ቢቢሲ፡ ላዕለዎት ኣመራርሓ ግዝያዊ ምምሕዳር ዝነበሩ፡ ሕዚ ድማ ናይዚ ሓድሽ ውድብ መስረትቲ፡ ኣብ መንግስቲ ፌደራል ስልጣን ሒዞም ይረኣዩ ኣለዉ። ካብዚ ብዝብገስ'ዩ ብልፅግና ካብ ወገን ትግራይ ድጋፍ ንኽረክብ ዝተጣየሹ'ዮም ዝብል ቅረታ ዝስማዕ ዘሎ፤

ረዳኢ ሓለፎም፡ ልክዕ ኣይኾነን። እንተስ ፕረዝደንት እንተስ ምክትል ፕረዝደንት ግበሩና እናበሉ፡ ካብ መቐለ ናብ ኣዲስኣበባ ከም ቤተ-ክርስትያን፡ ከም መስጊድ ይመላለሱ ዝነበሩ ሰባት መን ክምድቦም ማለት እዩ? ናይቲ እኽብኻብ ላዕለዋይ ኣካቢ፡ ንባዕሉ ፕረዝደንት ንክኸውን ቀሪቡ እምቢ ምስ ተብሃለ፡ ደሓር ከኣ ሰባት በብእዋኑ እናመደበ እዚ ግበሩልና እዚ ኣይትግበሩልና እናበለ ዝልምነሉ ምኽንያት፡ ንሶም እንትኾኑ ከም ቅዱስ፡ ካልእ እንትኸውን ከም ርኩስ ገይሮም ዝርእይዎ ዝንቡዕ መነፅሮም ስለ ዝኾነ፡ ናይዚ ኣካል እዩ።

ቢቢሲ፡ እቲ ዝቐደመ ግዝያዊ ምምሕዳር ክፈርስ ዝተገበረሉ ኩነታት ይፍለጥ እዩ እሞ፡ ሕዚ ናብ ትግራይ ተመሊስኩም ብነፃነት ንምንቅስቓስ ትኽእልሉ ባይታ ክህሉ'ዩ ኢልኩም ዶ ትሓስቡ? ውሕስና ዝህበኩም ኣካል ኣሎ ዶ?

ረዳኢ ሓለፎም፡ ንሱ ክንገብር ኢና ክንቃለስ። ንሕና ካብ ትግራይ ብግፍዒ ዳርጋ ዝተመዛበልና፡ ካብኡ ሓሊፉ ኸኣ እቲ ደም ምፍሳስ ይደልይዎ ስለ ዝነበሩ፡ እቲ ደም ምፍሳስ ብኣና ምኽንያት ካብ ዝኸውን ኢልና ንግዚኡ ገዲፍናዮ ዝኸድና ኣካላት፡ ናህትና ምምላስ ዕላማ ኣይኾነን። ግና ትግራይ ኣፈላላያት ብሰላማውን ብሕጋውን መንገዲ ዝሸራሸሩላ ንምግባር ካብ ምቅላስ ወፃኢ፡ ኻልእ ዝሐሸ ኣማራፂ የለን። ስለዚ ውሕስና ክኸውን ዝኽእል ኣብ ቃልስኺ'ዩ፣ ውሕስና ክኸውን ዝኽእል ህዝብኻ ምእማን እዩ፣ ውሕስና ክኸውን ዝኽእል ኣብ ትግራይ ዘሎ ዝተፈለየ ኣተሓሳስባ ከም ነውሪ ዝቖፅር እምነትን ኣተሓሳስባን ህዝቢ ክፍንፍኖ ምግባር እዩ። ህዝቢ ፈንፊንዎ ኣሎ፡ ኡፍፍ ምባል ግና የፀግሞ ኣሎ።