'ናብ ደቡብ ትግራይ ብጠበንጃ ክትኣቱ ምፍታን ቀይሕ መስመር'ዩ'-ሃፍቱ ኪሮስ

ምንጪ ስእሊ, SM
ኣብ ቀረባ እዋን፡ ንከተማ ማይጨውን ኣላማጣን ሓዊሱ ኣብ ዝተፈለላዩ ከባቢታት ዞባ ደቡብ ትግራይ ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቝፀር ህዝቢ ዝተሳተፎ ሰላማዊ ሰልፊ ተኻይዱ ነይሩ።
ኣቦ መንበር ህወሓት ዶ/ር ደብረፅዮን ገብረሚካኤል ኣቐዲሙ፡ ናብ ደቡብ ትግራይ'ውን ንምእታው ከም ዝወሰኑ ገሊፁ ነይሩ እዩ።
ደብረፅዮን፡ ልሳን እቲ ውድብ ምስ ዝኾነ ወይን ኣብ ዘካየዶ ቃለ-መሕትት፡ "... ኣብ ዞባ ደቡብ ፀገም ዝፈጥር ምምሕዳር ኣሎ። እቲ ህዝቢ ንውድብ እዩ ዝፅበ ዘሎ፤ ውድብ ደንጕያ፣ ውድብና ይምፀአልና፡ ቀልጢፉ መፍትሒ ይግበረልና'ዩ ዝብል ዘሎ...፡ እቲ ምምሕዳር ምስቲ ጕጅለ ዝወገነ ስለ ዝኾነ፡ ገና ዘይተስተኻኸለ ከባቢ እዩ። . . መደብ ኣውፂእና ኣለና። ስለዚ ከምቲ ኣብ ካልእ ከባቢታት ዝገበርናዮ፡ ናብ ዞባ ደቡብ ቀልጢፍና ኣቲና ንምስትኽኻል ሓሲብና ኣለና" ኢሉ ነይሩ።
እቶም ሰልፈኛታት፡ እቲ ብደብረፅዮን ገብረሚካኤል ዝምራሕ ክንፊ ህወሓት የሰጉሞ ኣሎ ዝብልዎ ኣካይዳ፣ ዘይሕጋዊ ርክባትን ስልጣን ብጠበንጃ ናይ ምቁፅፃር ባህግን፡ ነቲ ሰልፊ ተቓውሞ ካብ ዝደረኹ ምኽንያታት ምዃኑ እዮም ዝገልፁ።
ኣብ ውሽጢ መሪሕነት ህወሓት ዝተፈጥረ ምምቕቓል ስዒቡ፡ እቲ ምትፍናን ናብ ሓይልታት ትግራይ ልሒኹ፣ ላዕለዎት ኣዘዝቲ ድማ ነቲ ብደብረፅዮን ገብረሚካኤል ዝምራሕ ክንፊ ህወሓት ደጊፎም ደው ምባሎም ይዝከር።
ነዚ ስዒቡ ድማ፡ ነቲ ብኣቶ ጌታቸው ረዳ ዝምራሕ ዝነበረ መሓውር ግዝያዊ ምምሕዳር ብሓይሊ ብምፍራስ፡ በቲ ዝድግፍዎ ክንፊ ህወሓት ዝተሾመ ኣካል ስልጣን ክቈፃፀር ገይሮም።
ነቲ ከይዲ ዝተቓወመ ዞባ ደቡብ ትግራይ፡ ዛጊድ ኣብ ትሕቲ ሌ/ጀነራል ታደሰ ወረደ ዝምራሕ ሓድሽ ምምሕዳር ከምዘይኰነ እዩ ዝንገር።
ቢቢሲ ነዚ ጉዳይን ተዛመድቲ ዛዕባታትን ኣልዒሉ ምስ ኣመሓዳሪ ዞባ ደቡብ ትግራይ ኣቶ ሃፍቱ ኪሮስ ዘካየዶ ቃለ-መሕትት እነሆ፤
ቢቢሲ፡ ህዝባዊ ሰልፊ ተኻይዱ ኣሎ። ነዚ ሰላማዊ ሰልፊ ንምክያድ እንታይ'ዩ ደሪኽኩም? ከም ዞባ ደቡብ ትግራይ እንታይ ኢኹም ትጠልቡ ዘለኹም?
ኣቶ ሃፍቱ፡ መበገሲ እዚ ሰላማዊ ሰልፊ ትግራይ በፂሓቶ ዘላ ኵነታት'ዩ። ትግራይ ሕዚ ኣብ ሓደጋ እያ ዘላ። መማእኸሊ ስኢና ብተራ ኣክቲቭስት፣ ብተራ ሓደ ፍንጫል ጕጅለን ብተራ ዝዀነ ሓይልን ትዝወርን ትምወልን ኰይና ኣላ። እዚ ድማ ንነዊሕ ግዘ ስርዓተ መንግስቲ መስሪቱ ንዝፀንሐ፡ መስዋእቲ፡ ገድሊ ንዝፈልጥ ህዝቢ ትግራይ፡ ብዝተፈላለዩ ምኽንያት፡ ብፍላይ ኸኣ በቲ ሓደ ፍንጫል ህወሓት ዘሎ ሓይሊ ኣብ ኵሉ ከባቢታትን ትካላትን ትግራይ ብምእታው ክውንን ንተጋሩ ክኸፋፍልን፡ ናቱ ህልውና ከረጋግፅን ዝደልይ ሓይሊ ብሰፊሑ ምንቅስቓስ ይገብር ስለዘሎ፡ ትግራይ ድማ ኣብ ዘሰክፍ ሓደጋ ስለ ዘላ፡ እዚ ኵነታት ኣለዓዒሉና ኢና ናብ ሰልፊ ኣቲና።
ቢቢሲ፡ እቶም ዘልዓልካዮም ፀገማት ንምፍታሕ እንታይ ዓይነት መፍትሒ ሓሳባት ኢኹም ተቐምጡ ዘለኹም?
ኣቶ ሃፍቱ፡ ግልፂ እዩ። ቍፅሪ ሓደ፡ ትግራይ ናይ ኵሎም ተጋሩ ትዅን። ትግራይ ናይ ሰላም፡ ናይ እሂን ምሂን፡ ናይ ልምዓትን ብሩህ ተስፋን'ምበር፡ ትግራይ ናይ ውሑዳት እናዀነት፡ ብውሑዳት ጕጅለታት ትምወል እናዀነት፡ ፀኒሓ ናብ ኲናት፣ ናብ ስእነት ሰላም፣ ፀፀኒሓ ኵሎም ትካላታ እናዓነዉ ዝኸድሉ፣ ጠቕላላ ቍመና ትግራይን ተጋሩን እናተሸርሸረ ዝኸደሉ ኵነታት ከብቅዕ ኣለዎ።
ናይዚ ቁልፊ ድማ መማእኸሊ ሃልይዎ፡ ትግራይ ናይ ኵሎም ተጋሩ ሓሳብ ተተኣናግድ ክትከውን ኣለዋ። በዚ ናይ ሕዚ 'ፕላትፎርም' ድማ፡ ብፍላይ እቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ሓቛፊ ክኸውን ኣለዎ። ንትግራይ ናይ ኵሎም ተጋሩ ሓሳብን ዓቕምን የድልያ።
ትግራይ ድሕሪ ኲናት እያ ዘላ ሕዚ፤ ኣብዚ ከምዚ ዓይነት ፈተና፡ ደቃ ዓቕሚ ክኾንዋ፡ ክተሓባበሩ ኣብ ዘድልየሉ ወሳኒ ምዕራፍ ኢና ዘለና።
ህዝቢ ራያ፡ ከም ኣካል ህዝቢ ትግራይ ነዚ ጉዳይ ሒዙ ተላዒሉ ኣሎ፡ ተወዲቡ'ውን ይቃለስ ኣሎ። እዚ ናይ ኵሉ ትግራዋይ ኣጀንዳ እዩ። ስለዚ፡ ትግራይ ክትድሕንን ከም ብሄር ክንቅፅልን ዝደልይ ሓይሊ ኣብ ጐንና ክስለፍ ኢና ንፅውዕ።
እቲ መፍትሒ'ውን ናይ ሓባር ዓምዲ፣ መማእኸሊ ሃልዩና፡ ተጋሩ ኣብቲ መማእኸሊ ንሱ ንዕሰል እዩ እቲ ሕቶና።
ቢቢሲ፡ ብንፁር ቃላት ንምቕማጥ፡ ካብቲ ከፋፋሊ ብሓደ ጕጅለ ዝተመወለ እትብሎ ክንፊ ህወሓት፡ ትግራይ ሓራ ክትወፅእ ኣለዋ ዲኻ ትብል ዘለኻ?
ኣቶ ሃፍቱ፡ ሓቂ እዩ! ትግራይ ካብዚ ጕጅለ እዚ ትውፃእ ማለት፡ እዚ ጕጅለ እዚ ካብ ትግራይ ይጥፋእ ማለት ኣይኮነን። ትግራይ በዚ ጕጅለ እዚ ትምወል ዘይኮነትስ፡ ኵሎም ተጋሩ ልእከቡላ፣ እዚ ጕጅለ እዚ'ውን ሓሳብ ኣለኒ ዝብል እንተኾይኑ፡ ሓሳቡ ሒዙ ብፍትሓዊ፡ ዲሞክራስያዊ ብዝዀነ መንገዲ ዝቐርበሉ፡ እቲ ሓሳቡ ብሓይሊ፣ ብጠበንጃ ዘይኮነስ ሓሳቡ ናብ ዕዳጋ ቀሪቡ ዝሽመተሉ መንገዲ፣ ህዝቢ ትግራይ ናይ ኵሎም ሓሳባት ከዳምፅ ዝኽእለሉ ዕድል ንፍጠር።
እዚ ሓይሊ እዚ ናይ ምልኪ ሓይሊ እዩ፣ ዓንዳሪ ሓይሊ እዩ ንብለሉ ዘለና ምኽንያት፡ 'ሓሳበይ እንተሰሚዕኹምኒ ፅቡቕ፣ እንተዘይሰሚዕኹምኒ'ውን ክትሰምዑኒ ክገብር እየ! ጠበንጃ ኣለኒ፣ ሓይሊ ኣለኒ።
ሓሳበይ ዋላ ብኣኹም ኣይጠለብ፡ ሓይሊ ኣብ ልዕሊኹም ክፅዕን እየ፣ ክድዕንነኩም እየ፣ ርእስኹም ክተድንኑ ክገብር እየ' ብዝብል መንገዲ ንነዊሕ ግዘ ዝመፅአ፡ እሞ ድማ ለብፀሐልና'ውን ንፈልጦ ኢና።
ስለዚ ንመፃኢ ትግራይ ዘረጋግፅ ባይታ ክፍጠር ክኽእል ኣለዎ። ብናይ ሓደ ፍንጫል ጕጅለ ዓብላላይነትን መዋልነትን ዝንቀሳቐስ ዝዀነ ይዅን ትካል ትግራይ ክህልዋ ኣይግባእን።

ምንጪ ስእሊ, SM
ቢቢሲ፡ ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ጀነራል ታደሰ ወረደ፡ ኣብ ዞባ ደቡብ ምብፃሕ ኣካይዱ ነይሩ። እንታይ ኢኹም ተዘራሪብኩም?
ኣቶ ሃፍቱ፡ ክቡር ፕረዚደንት ጀነራል ታደሰ ወረደ ኣብ ዞባና ካብ 30 ሚያዝያ ክሳብ 04 ግንበት፡ ናይ ሓሙሽተ መዓልቲ ፃንሒት ገይሮም እዮም። እቶም ፕረዚደንት ኣብ ዞባና ዝነበሮም ፃንሒት ዕዉት ክኸውን፡ ብናይ ራየቶትን ናይ ተጋሩን ስነ-ልቦና ምንቅስቓስ ተገይሩ'ዩ።
ኣብ ካልኦት ከባብታት ሓድሽ ተርእዮ ዝረኣናዮ፡ መራሒ እንትመፅእ ወይ ዝተፈለየ ሓሳብ እንተቕርብ ሰብ የእውይ፣ ይውደብ።
ስለዚ ካብዚ ብዝተፈለየን ምኽንያታውን ብዝኾነ መንገዲ፡ ከም ከባቢ'ውን ናይ ራየቶት ባህሊን ስነ-ልቦናን ኣለና፡ ከም ተጋሩ'ውን ናይ ተጋሩ ስነ-ልቦና ሂብና ኢና ተቐቢልናዮም።
ኣብ ውሽጢ ሓሙሽተ መዓልቲ፡ ሓደ፡ ትግራይ ጠቕላላ ሕዚ ዘላቶ ኵነታትን ዘሰክፍ ኵነታት ምህላዋን፡ ሕዚ ህፁፅ ግዘ ምዃኑን ርኢና ኢና። ናይ ፍትሕን ርትዕን ዲሞክራስን ዝፀንሐ ሕቶ ምህላዉ፣ ኣብ ልዕሊኡ ድማ እቲ ናይ ፅንተት ኲናት ተሓዊስዎ ኣብ ዝኸፍአ ብርኪ ከም ዝበፅሐ ርኢና።
ንኣብነት፡ ኣብ ምዕራብ ዝተፈጠረ ነገር፡ ቀደሙ'ውን ናይቲ ከባቢ ህዝቢ፡ ፖለቲካዊ ተሳትፎኡን ኢኮኖሚያዊ ተጠቃምነቱን ክሕይል ኣብ ምግባር ዝነበሩ ሓላፍ ዘላፍን ሽግራትን ዓበይቲ ስለዝነበሩ፡ ኣብቲ ህዝቢ ኣይተጠቐምኩን ዝብል ኣተሓሳስባ ምንባሩ፡ ካብ ግዘ ናብ ግዘ ድማ ንኻልእ ዝተቓልዐሉ ኵነታት ምህላዉ።
ብተመሳሳሊ ኣብ ተምቤን፡ ኣብ እንደርታ'ውን ምስ ናይ መቐለ ምስፍሕፋሕ ተታሓሒዙ ብተመሳሳሊ ነቲ ኣብኡ ዘሎ 'ኢንዲጂንየስ' ዝበሃል ህዝቢ ተሳትፎኡን ተጠቃምነቱን፡ ብዝግባእ ንዕኡ ትኹረት ዘይገብር ምንባሩ፣ ኣብ ራያ'ውን ብተመሳሳሊ ምስ ኢንቨስትመንት ይዅን ምስ ካልኦት ብዝዛመድ ኣብ ኢኮኖሚ፡ መሬትን ካብ መሬት ኣብ ዘለዎ ሃብትን ፍትሓዊ ተጠቃሚ ዘይምዃኑን፣ ፖለቲካዊ ተሳትፎኡ'ውን ክንድ'ቲ ዝድለ ብዘይምዃኑ እናተጓነና ኢና። እዞም ሽግራት ክፍትሑ ኣለዎም።
እዚ ኵነታት ፖለቲካዊ ስለዝኾነ ኣብ ኣፈታትሕኡ ፀገም ከይፍጠር፣ ቀፃሊ በሰላን ሕመቕን ከይፈጥር ተጠንቂቕና ፖለቲካዊ መፍትሒ ክንህብ ኣለና ዝብል ዝተረዳዳእናሉ እዩ።
ቢቢሲ፡ ኣብ ምዕራብ ትግራይ ዝነበረ ፖለቲካዊ ሓላፍ ዘላፍ፡ ናብ ካልእ ከምርሕ ደሪኹ ዝብል ኣልዒልካ፡ ኣብ ራያ'ውን ተጓኒና ዝብል ስምዒት ከም ዘሎ ትገልፅ ኣለኻ፣ እስኪ ንፁር ግበሮ።
ኣቶ ሃፍቱ፡ ናይ ትግራይ ፀገም ናይ ትማሊ ኣይኰነን። ኣብ ትግራይ ዘሎ ሽግር ኣብ ምዕራብ፣ ደቡብ ይኹን እንደርታ፡ ኣብ ኵሉ ከባቢታት ትግራይ ዝፀንሐ ናይ ፍትሕን ዲሞክራስን ሕቶታት ኣለዉ። ብዛዕባ ውሽጣዊ ፖለቲካዊ ፀገም ትግራይ ኢና ነውግዕ ዘለና።
ብዙሕ ሰብ ዞባ ደቡብ ተወዲቡ ይቃለስ ስለዘሎ፡ ኣብ ዞባ ደቡብ ዝተፈጠረ ጉዳይ እዩ ዝመስሎ። ኣይኮነን እዩ እቲ ምርድዳእና። ኣብ መላእ ትግራይ እዞም ሕቶታት እዚኦም ኣለዉ። ስለዝዀነ ነዚኦም ናብ ሓደ ከምፅእ ዝኽእል ፖለቲካዊ መፍትሒ ኢና ክንወስድ ዝግበአና።
እቲ ካልኣይ ዝተዘራረብናሉ ጉዳይ፡ ብዛዕባ እቲ ሕዚ ተጣይሹ ዘሎ ግዝያዊ ምምሕዳር ኣሳታፍይነቱን ሓቛፋይነቱን ብዝምልከት'ውን ተረዳዲእና።
ኣብ ቀፃሊ ናይ ምትዕርራይ፡ ብፍላይ ኣብ ትካላትን ኣብ ናይ ዞባታትን ብቐፃልነት ትዅረት ተገይሩ፡ ምስቲ ህዝቢ ዝራኸብ'ውን ንሱ ስለዝኾነ፡ ትኹረት ተገይሩ ክስረሓሉ ኣብ ምርድዳእ በፂሕና።
ናይ ኤርትራ ጉዳይ'ውን ኣልዒልና ተዘራሪብና ኢና። ትግራይ ትካላታ ሃደሽደሽ ስለዝበሉ፡ ብተራ ኣክቲቪስታት ናይ ህዝቢ ርክብ ዝፍፀመሉ ኵነታት ኣሎ። እዚ ከም ህዝብን ከም መንግስትን 'ዲናይ' ዝገብር፣ ነቲ መንግስቲ 'ሪስፖንሲብል' ዘይገብር ተራ ርክብ እዩ።
ድሌት ህዝቢ ፍሉጥ እዩ፤ ህዝቢ ኤርትራን ትግራይን ዘለዎም ድሌት ተመሳሳሊ እዩ። ብኡ'ውን ክቕፅሉ ርክብ'ውን ክጅመር ልክዕ እዩ። እዚ ግና ናይ መንግስቲ ስራሕ እዩ። ናይ ሉኣላውነት ጉዳይ'ውን'ዩ፣ ኣብ ናይቲ ብሄር ድሌት'ውን ሓደጋ ክፈጥር ይኽእል እዩ።
ቢቢሲ፡ ዘይተስማዕማዕኩምሉ ጉዳያት ከ እንታይ እዮም? ብፍላይ ድማ ኣባላት ካቢኔ ኣኼባ ረጊፆም ወፅዮም ዝብል ሓበሬታ'ውን ኣሎ።
ኣቶ ሃፍቱ፡ ኣባላት ካቢኔ ኣኼባ ረጊፆም ኣይወፅኡን። ምድምማፅ ዝነበሮ ኣኼባ ኢና ኣካይድና። ግና ሓደ ዘይተኣከብናሉ ኣኼባ ኣሎ፤ ትኽክል። እዚ ኣኼባ ንሱ ኣብ ትልምና ኣይነበረን። ኣብ ትልምና ስለዘይነበረ፡ ብትልሚ ክነካይዶ ኢና ኣብ ምርድዳእ በፂሕና'ምበር፡ ኣበይ ክንረግፅ? እቲ መድረኽ እኮ ዞባ ደቡብ እኮ እዩ።
ቢቢሲ፡ ዶ/ር ደብረፅዮን ኣብዚ ቅነ ኣብ ከምቲ ኣብ ካልኦት ከባቢታት ትግራይ ዝተገበረ፡ ናብ ደቡብ ትግራይ'ውን ንምእታው ከም ዝወሰኑ፣ ህዝቢ'ውን ውድብ ይምፀአልና ከም ዝበለን፡ እቲ ምምሕዳር ምስቲ ጕጅለ ከምዝወገነን፡ ነዚ ድማ ከስተኻኽልዎ ምዃኖምን ገሊፁ ነይሩ'ሞ ኣብዚ እንታይ ትብል?
ኣቶ ሃፍቱ፡ እዚ ጕጅለ እዚ ካብ ባህሪኡ ተላዒሉ እዚ መግለፂ እዚ ኣውፅዩ ኣሎ። ናይዚ ጕጅለ እዚ ባህሪ፡ ሓደ ዘይዲሞክራስያዊ እዩ፣ ካልኣይ ኵሉ ነገር ባዕሉ ዓፍጢጡ ክሕዝ ዝደልይ'ዩ። ሕዚ ንባዕሉ ከም ውድብን ከም መንግስትን ገይሩ'ዩ ሓሲቡ ዘሎ።
ግዝያዊ ምምሕዳር ዝበሃል ናይ መንግስቲ ተልእኾ ሒዙ ዝንቀሳቐስ ትካል ኣሎ። እዚ ትካል እዚ መሓውሩ ከጣይሽ፡ እዚ ትካል እዚ'ዩ ናይ መንግስቲ መደባቱ ከውፅእ፡ እዚ ትካል እዚ ምስ ህዝቡ ኰይኑ ከባብያዊ ምምሕዳር እናወደበ፡ እናጣየሸ ንተልእኾኡ መፈፀምቲ ክዀኑ ዝገብር።
እዚ ጕጅለ'ዚ፡ እዚ ዝለመዶ ነገር ኣይኮነን። ባዕሉ ውድብ፡ ባዕሉ መንግስቲ፡ ባዕሉ መዳቢ፡ ባዕሉ መፍረሲ ኰይኑ'ዩ ፀኒሑ። ንሱ ከቐፅል'የ እዩ ዝብል ዘሎ፤ ስለዚ ዘገርም ኣይኮነን።
ናትና ቃልሲ፡ ነዚ ትኽክል ዘይኰነ ፖለቲካዊ ባይታ እዩ። ስለዚ ምምሕዳር ዞባ ደቡብ ትግራይ፡ ነዚ ስግኣት ክኾኖ ልክዕ እዩ። ነዚ ከምዚ ዓይነት ዓንዳርን ምልኪን ሓይሊ፡ ስግኣት ክንኾኖ ኢና ንቃለስ ዘለና። 'ኣብ ቀፃሊ ኣብ ሓፂር ትልሚ ኣውፂእና ኢና ንቃለሰ ዘለና።
ህዝቢ ይፅበየና ኣሎ ኢሉ'። ሎሚ መዓልቲ (እቲ ሰልፊ ዝተኻየደሉ ዕለት) ሰሚዑ ክኾን'ዩ ኢልና ንሓስብ። ቅድሚ ሕዚ'ውን ኣይፈልጥን ኢልና ኣይንግምትን። ኣብ ኣዳራሽ ካብ ዝእክቦ ሰብ ወፃኢ ከዳምፅ ዘይኽእል ሓይሊ፣ ኣብ ኣዳራሽ ንሱ ዝፀወዖምን ዝመልመሎምን ካድረታቱ፡ ናህቶም ድምፂ እናሰምዐ እዩ ዝውዕል እሞ፡ ትግራይ ብኣቶም ጥራሕ ዝዕቅን ሓይሊ፡ እንትግምግም'ውን ጌጋ እዩ፣ መፍትሕታት እንተቐምጥ'ውን ጌጋ እዩ።
ንሕና ከም ህዝቢ ግን፡ ኣያም ንበል ዝብል መልእኽቲ እናሕለፈ'ዩ ውዒሉ ህዝቢ። ንሕና ንዕግርግር፣ ንሰላም ስእነትን ንምልክን ዝፀዋዕናዮ የለን። ስለዚ ንሕና ኣብ ስራሕ ኢና ዘለና። ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ዓመታት፡ ክልተ ኣቦወንበር ናይ ሓደ ወረዳ፡ ክልተ ከንቲባ፡ ክልተ ኣመሓደርቲ ዝበሃል ነገር ኣብ ዞባ ደቡብ የለን።
ከም ህዝቢ ኮነ ከም መሪሕነት፡ ኣብ ሓደ ሰሚሩ ትካላት መንግስትን ህዝብን ሒዙ፡ ኣብ ናይ መንግስትን ህዝብን ተልእኾ ምፍፃም ዘሎ'ዩ።

ምንጪ ስእሊ, DW
ቢቢሲ፡ እቲ ብደብረፅዮን ገብረሚካኤል ዝምራሕ ክንፊ ህወሓት፡ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ትግራይ ወተሃደራዊ ሓይሊ ብምጥቃም ናይ ባዕሉ ኣመራርሓ ከምኡ'ውን ምምሕዳር ከም ዝተክአ ይፍለጥ እዩ። ናብ ዞባ ደቡብ ትግራይ ወተሃደራዊ ሓይሊ ተጠቒሙ ንምእታው እንተፈቲኑ፡ እንታይ ኢኹም ክትገብሩ?
ኣቶ ሃፍቱ፡ ህዝቢ እዩ ሓያል። ንሕና ሰብ ብረት ኣይኮንናን። ብረት ሒዙ፡ ብብረት ጨፍሊቐ ክኣትው እየ ዝብል እንተሃልዩ፡ ህዝቢ እዩ ዝጭፍልቕ። እዚ ሓይሊ እዚ ናብ ከምዚ ዓይነት ውሳነ እንተኣትዩ፡ ኣብ ትግራይ ክበፅሕ ዝኽእል በሰላ ብጣዕሚ ሕማቕ እዩ።
ሕዚ'ውን ናህትና ዓንዲ ሑቐ ህዝብና እዩ። ካብዚ ወፃኢ ካልእ ንገብሮ ነገር የለን። ልዕሊ እዚ ድማ ዝኾነ ሓይሊ የለን። ኣብ ካልኦት ከባቢታት ቃልሲ ተገይሩ እዩ፡ ህይወት ሰብ'ውን ተኸፊሉ'ዩ። ኣብ ዞባና'ውን ተጀሚሩ ነይሩ'ዩ።
ስለዚ፡ ሕዚ እቲ ብሕታዊ መማረፂ ብረት ምስ ብረት ምግጣም ዘይኮነስ፡ ብዝተወደበ መንገዲ ክንምክቶ ኢና። ምንም ዘጠራጥር ነገር የብሉን። ጠበንጃ ሒዙ ናብ ዞባ ደቡብ ስለዝኣተየ፡ ህዝቢ ከመሓድር ኣይኽእልን፡ ዝመሓደረሉ ህዝቢ'ውን ፈፂሙ የለን።
እዚ ኣተሓሳስባ እዚ ድማ ኣብ ኵሉ ራየታይ ኣሎ። ኣብ ኵሉ ትግራዋይ ድማ ኣሎ። ስለዚ ቀይሕ መስመር'ዩ። ልዕሊ ኵሉ ግን ህዝቢ ደቡብ ትግራይ ተወዲቡ ነዚ ኵነታት እዚ ከምክቶ ዝኽእል ምሉእ ዓቕሚ ኣለዎ። ክሳብ ሕዚ'ውን ፀኒሑ ኣሎ እኮ።
ቢቢሲ፡ እቲ ዝተወደበ ትብሎ ዘለኻ ሓይሊ፡ ሰላማዊ ሰልፊን ተቓውሞን ካብ ምግባር ዝሓልፍ ዶ ክኸውን ይኽእል?
ኣቶ ሃፍቱ፡ ብረት እንተዝኸውን ንተቓውሞ ደው ዘብል፡ ህዝቢ ትግራይ በቲ ናይ ፅንተት ወራር ጠጠው ምበለ። ብረት ናይ ዕላማ ውፅኢት'ምበር ባዕሉ ውፅኢት ኣይኮነን።
ቢቢሲ፡ ኣብ ካልኦት ከባብታት ከም ዘጋጠመ ኣብ ሰባት ጉድኣት ከይበፅሕ፡ እቲ ምምሕዳር ናይቲ ዞባ ካብ ሓላፍነት ናይ ምልቃቕ ኵነታት ክፍጠር ይከኣል ዶ? ኣብዚ ዘለኩም ቅዋም እንታይ እዩ?
ኣቶ ሃፍቱ: እዚ ቅዋም እዚ ክወስድ ዝኽእል እኮ እቲ ጕጅለ ንሱ'ዩ። ኣብ ናይ ህዝቢ ኣጀንዳ ዝነብር ናይ ህዝቢ መሪሕነት ዘይኮነስ፡ ካብ ናይ ህዝቢ ኣጀንዳ ወፂኡ፡ ብረት ኣንጠልጢሉ፡ ብረትን ብረትን ጥራሕ ስልጣን መቐፀሊ ልደለየ ሓይሊ፡ እሞ ሓያል ተቓውሞ ዘለዎ ሓይሊ ክቕፅል ድዩ ኣይቕፅልይ ኢሉ ደው ኢሉ ክሓስብ ልግብኦ እቲ ሓይሊ ንሱ እዩ።
ናይ ህዝቢ ኣጀንዳ ኩሉሻዕ እኒሆ እዩ። ኣብ ናይ ህዘቢ ኣጀንዳ ዝዓሰለ መሪሕነት ድማ፡ ነቲ ናይ ህዝቢ ኣጀንዳ ክምልስ'ዩ ፃዕሪ ዝገብር'ምበር፡ እዚ ዘልዐልኽዮ ሕቶ ኣይምልከቶን።
ካብ ናይ ህዝቢ ኣጀንዳ ትወፅኡ ስለ ዘለኹም፡ እቲ ህዝቢ ተኸታታሊ ተቓውሞታትን ዓመፃትን ምልዓሉ ለይተርፍ ስለ ዝኾነ፡ ኣብ ቀፃሊ ኣብ ስልጣን ናይ ምፅናሕ ግዘኻ ከመይ ትርእዮ ተባሂሉ ክሕተት ልግቦ ደብረፅዮን እዩ። ንሳ ከቐፅላ ዝኽእል ድማ በታ ጠበንጃ ንሳ እያ። ንሕና ሃለና ኣይሃለና እዚ ኣጀንዳ እዚ ክቕፅል'ዩ።

ምንጪ ስእሊ, SM
ቢቢሲ፡ ከም ምምሕዳር ዞባ ደቡብ ትግራይ፡ 'ብደብረፅዮን ገብረሚካኤል ዝምራሕ ክንፊ ህወሓት ናብ ዞባ ደቡብ ትግራይ ክኣቱ ኣይነፈቅድን፡ ንሕና'ውን ካብቲ ሒዝናዮ ዘለና ሓላፍነት ክንለቅቕ ወይ ክንወርድ ኣይንኽእልን' ዲኹም ትብሉ ዘለኹም?
ኣቶ ሃፍቱ፡ ኣይኮነን። ኣንሕና ንብል'ለና ስልጣን ናይ ህዝቢ እዩ። ናይ ውልቀሰባት ናይ ምውራድን ናይ ምድያብን ኣጀንዳ የብልናን። ስለዚ ዝኾነ ንሕልዎ ስልጣን የለን፤ ዝኾነ ስልጣን ኣሳጢሕና ብዝኾነ ካልእ ክምንጠል ንደልዮ ስልጣን'ውን የለን።
ንትግራይ ዝጠቅም ሓሳብ ሒዘ መፅየ ኣለኹ ዝብል ሰብ፡ እንኳዕ ደሓን መፃእኻ ኢና ንብል። ዞባ ደቡብ ትግራይ፡ ኣብ መንጐ ንእገለ ክህቦ እየን፡ ንእገለ ኣይህቦን ዝብል ክትዕ ውሽጢ የለናን።
እቲ ካልኣይ፡ እቲ ዝግበር ዘሎ ናይ ማሕተምን ስልጣንን ምምንጣል ጉዳይ ኣይኮነን። እዚ ናይ ህዝቢ ትግራይ ህልውና እዩ። ስለዚ ናይ ጠበንጃ ፖለቲካ ይኣክል ክንብል ኣለና።
ቢቢሲ፡ ኣብ ዞባ ደቡብ ትግራይ፡ ኣብ ገለ ከባቢታት ዓፋር'ውን ዝተዓጠቑ፡ ዝተወደቡ ዕጡቓት ሓራ መሬት ኢሎም ዝገልፅዎ ምንቅስቓስ ከም ዘሎን እቲ ምምሕዳር'ውን ከም ዝፈልጦን ይግለፅ እዩ እሞ፡ ኣብዚ እንታይ ትብል?
ኣቶ ሃፍቱ፡ ኣብ ዞባ ደቡብ ትግራይ ትማሊ ይኹን ሎሚ፡ ዝንቀሳቐስ ዝኾነ ዕጡቕ ሓይሊ የለን፤ ፈፂሙ የለን። እዚ እቶም በሃልቲ'ውን ከምዘየለ ይፈልጥዎ እዮም።
ኣብ ዞባ ደቡብ ትግራይ ዕጡቕ ምንቅስቓስ ተልህሊ፡ ብናይ ሓደ ክልተ ሰዓት ኦፕሬሽን እዩ ልውዳእ። ቀደሙ'ውን ኣብ ልተፈላለዩ ከባብታት ስልጠና ይህቡ ኣለዉ ይብሉ፤ ሰራዊት ትግራይ ኣብ ዘለዎ ከባቢ'ውን እኮ እዩ ስልጠና ይካየድ ኣሎ ተባሂሉ ልለዓል። ስለዚ ብዞባ ደቡብ ትግራይ ዝምወል ኮነ ዝምራሕ ልኾነ ዕጡቕ ሓይሊ የለን።
ኣብ ዓፋር ከባቢ ኣሎ ዝበሃል፡ ክንሓስበሉ ዝግባእ እዩ። ካብ ኵሎም ከባብታት ትግራይ ዝኸደ ከም ዝዀነ ሓበሬታ ኣሎ። መብዛሕትኡ ድማ ኣባል ሰራዊት ልነበረ'ዩ።
ነቲ ናብ ህዝብኻ ጥይት ምዛር ልመስል ኣይፋል ኢሉ፡ ኣነ ናብ ህዝበይ ክትኩስ ኣይደልን ዝበለ እዩ።ስለዚ ኣብ ዞባ ደቡብ ትግራይ ዝተዓጠቐ ሓይሊ የለን፡ ዞባ ደቡብ ትግራይ'ውን ብዕጥቂ'ዩ ሰላምን ስልጣንን ልመፅእ ዝብል ኣተሓሳስባ የብሉን።
ሰላም ክንረክብ ኣለና። ከም ዞባ ሕዚ ምስ ሃፍትና ልደቀስና ኢና፡ ኢና ንብል። ሃፍትና እንተዕቢናዮን እንተተጠቒምናሉን፡ ሰማዒና ክበዝሕ እዩ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







