ትግራይ፡ ብዘይሕጋዊ ምስግጋር ደቂሰብ ዝኽሰስ ኮሎነል ተወልደ እንታይ ይብል?

ምንጪ ስእሊ, SM
ካብ ትግራይ 'ብሓይለ መልጢ' ካብ ስልጣኑ ከም ዝተኣለየ ዝገለጸ ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ነበር ኣቶ ጌታቸው ረዳ፡ ማዕከናት ዜና መንግስቲ ፈደራል ኣብ ዝዀና ትካላት መራኸቢ ብዙሓን ቀሪቡ፡ "ኣብ ትግራይ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ደቂሰብ ከም ዝካየድ፡" ጠቒሱ ነይሩ።
ነቲ ተግባር ዝመርሖ ድማ ኣብ ሓይልታት ትግራይ ሓላፊ ወተሃደራዊ ስለያ ኮሎነል ተወልደ ገብረተንሳይ ከም ዝዀነ ብሽም ጠቒሱ ተዛሪቡዎ'ሎ። ምስኡ ተኣሳሲሩ'ውን፡ ኣብ ትሕቲ ቤት ጽሕፈቱ ዝተጣየሸት ሓይሊ ዕማም ዘቕረበቶ 66 ገጽ ዘለዎ ሰነድ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ተዘርጊሑ ቀንዩ።
ኣብቲ ሰነድ ንኮሎነል ተወልደ ገብረተንሳይ ሓዊሱ ካልኦት ልዕሊ 12 ሰባት ኣብ ዘይሕጋዊ ዝውውር ደቂሰብ ከም ዝተሳተፉ ይጠቅስ'ዩ። እቲ ኣብ ከይዲ ዝነበረ ምስጢራዊ ሰነድ ብኣቶ ጌታቸው ረዳ ኣቢሉ ከም ዝተበተነ ዝተገለጸ ኰይኑ፡ ቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት ታደሰ ወረደ ድማ ነቲ ተግባር ዝዅንን መግለጺ ኣውጺኡ።
ቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ንኣቶ ጌታቸው ረዳ ጠቒሱ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ "ጌታቸው፡ ፕረዚደንት ኣብ ዝነበረሉ ግዜ ተጀሚሩ ግን ድማ ናብ መስርሕ ፍትሒ ዘይተሰጋገረን ናብ ካልእ ቅዳሕ ዘይተገበረን ውዱእ ሰነድ ናብ ማሕበራዊ ሚድያ ክዝርጋሕ ምግባሩ ኢስነምግባራዊ'ዩ፡" ኢሉዎ።
ቢሮ ሰላምን ጸጥታን ትግራይ'ውን ብተመሳሳሊ፡ ኣቶ ጌታቸው ረዳ ኣብ ፋና ቀሪቡ ዝሃቦ ቃለመሕትት፡ "ኰነ ተባሂሉ ሽም ኣዘዝቲ ሓይልታት ትግራይ ንምጽላም፡" ዝተገበረ ከም ዝዀነ ብምግላጽ ተቓዊሞምዎ።
ቅድሚ ሓደ ወርሒ ኣብ ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ምኒስተር ኢትዮጵያ፡ ኣማኻሪ ጉዳያት ምብራቕ ኣፍሪቃ ኰይኑ ዝተሸመ ኣቶ ጌታቸው ረዳ ግን ነቲ ሓይሊ ዕማም ተጻርዩ ዝቐረበ ሰነድ ከፈጽም ድልየት ዘለዎ መሪሕነት ስለ ዘየሎ ናብ ካልእ ዝምልከቶ ኣካል ኣሕሊፉ ከም ዝሃበ ይገልጽ።
ቢቢሲ ነቲ ብኣንደበት ኣቶ ጌታቸው ረዳ ኢሉ'ውን ብሓይሊ ዕማም ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ዝተዳለወ ሰነድ ሽሙ ብተደጋጋሚ ተላዒሉ ዝኽሰስ ዘሎ ሓላፊ ወተሃደራዊ ስለያ ሓይልታት ትግራይ ኮሎነል ተወልደ ገብረተንሳይ ኣዘራሪቡዎ'ሎ።
ቢቢሲ፤ ሽምካ ብተደጋጋሚ ምስ ዝውውር ደቂሰብ ተዛሚዱ ይለዓል'ዩ። ኣብነት፡ ንግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ዝመርሕ ዝነበረ ኣቶ ጌታቸው ረዳ ምስ ፋና ዝተባህለ ተለቪዥን ኣብ ዘካየዶ ቃለመሕትት፡ ነቲ ኣብ ትግራይ ይስራሕ'ዩ ዝበሎ ዝውውር ደቂሰብ ከም እትመርሖ ሓደ ሰነድ ጠቒሱ ከሲሱካ ኣሎ። መራሒኡ ከምቲ ዝተባህለ ንስኻ ዲኻ፡ ንምንታይከ ኣብ ከምኡ ዝበለ ተግባራት ኣቲኻ?
ኮሎነል ተወልደ ገብረተንሳይ፤ ኣቶ ጌታቸው ረዳ ዘቕረቦ ክሲ ሎሚ ብዕሊ ብኣንደበቱ ስለ ዝገለጾ'ምበር፡ ፕረዚደንት ኣብ ዝነበረሉ ግዜ'ውን ደገፍቱ ብዝዀኑ ነጠፍቲ ማሕበራዊ ሚድያ ኣቢሉ 'ሽመይ እናኣጸለመኒ'ዩ' መጺኡ።
ጌታቸው ፕረዚደንት ኣብ ዝነበረሉ ግዜ፡ እቲ ኣብ ልዕሌና ዝካየድ ዘሎ ወፍሪ ዘገደስና ከማይ ዝበሉ ሓለፍቲ ሰራዊት ትግራይ፡ "ኣብ ልዕሌና መጸለምታ ይወርድ'ሎ፡" ኢልና ሓቲትናዮ ዝሃበና ምላሽ፡ "ደሓን ነዞም ከምኡ ዝገብሩ ዘለዉ ሕማቓት ሰባት መልሲ ክህቦም'የ፡" እናበለ'ዩ ከታልለና ጸኒሑ።
ቢቢሲ፤ መዓዝን ኣበይን'ዩ ከምኡ ኢሉኩም?
ኮሎነል ተወልደ፤ እቲ ጉዳይ ብዙሕ ግዜ'ዩ ተላዒሉ። እቲ ናይ መወዳእታ ምስ ኣቶ ጌታቸው ረዳ ዝገበረናዮ ኣኼባ ግን ቅድሚ ሰለስተ ወርሒ'ዩ ነይሩ፣ መዓልቱ ግን ብልክዕ ኣይዝክሮን።
ኣብታ ኣኼባ እቲኣ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝሕተም ሄራልድ ዝተባህለ ናይ ኢንግሊዘኛ ጋዜጣ 'ሽምና ተጠቒሱ መጸለምታ ይካየድ ኣሎ' ኢልና ምስ ተዛረብናዮ፡ ሽዑ ዝሃበና መልሲ 'ከምኡ ብምዃኑ ኣዝየ እየ ዝሓዝን፣ ነቶም ከምዚኣ ዝገብሩ ዘለዉ ሕዚ ባዕለይ ብኢንግሊዘኛ ጽሒፈ መልሲ ክህቦም'የ፡' ኢሉና ከም ዝነበረ እዝክር'የ። ግን የታልለና'ዩ ነይሩ እምበር፡ ባዕሉ ኣካል እቲ ዘይወዓልናሉ ጸለመ ከም ዝነበረ'የ ዝርዳእ ዘለኹ።
ኣቶ ጌታቸው ረዳ ስለምንታይ ደኣ'ዩ ሕዚ ቦታ ምስ ቀየረ ካብቲ ኣቐዲሙ ዝብለና ዝነበረ ሓሳብ ብተጻራሪ ክዛረብ ጀሚሩ? ኢለ ንነብሰይ ክሓትት እንከለኹ፡ 'ጌታቸው ቅድሚ ክልተ ዓመት ዝተረከቦ ናይ ፕረዚደንትነት ስልጣን ብዝግባእ ስለ ዘይተዋጽኦ፡ ስልጣነይ ኣይተወሓጠሎሙን ኣብ ልዕሊ ዝበሎም መራሒቲ 'ናይ ጸለመ ወፍሪ' ጀሚሩ።
ቢቢሲ፤ ኣቶ ጌታቸው ረዳ ዘርጊሑዎ ዝተባህለ ሰነድ ቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት ጀነራል ታደሰ'ውን፡ ምዝርግሑ'ዩ ኰኒኑዎ እምበር ሓቃዊ ሰነድ ከም ዝዀነ ኣይከሓደን ዘሎ። ኣይወዓልኩዎን ክትብል ኣይኸብድንዶ?
ኮሎነል ተወልደ፤ ኣነ ኣብ ከምዚ ዝበለ ዘይሕጋዊ ተግባር ክሳተፍ ዘኽእል ስነምግባር ኰነ ስብእና የብለይን። ኣነ ጥራሕ ዘይኰንኩ፡ እቶም ኣስማቶም ኣብቲ ሰነድ ተጠቒሶም ዘለዉ ኣብ ትሕተይ ዝሰርሑ ሰባት'ውን ኣብ ከምኡ ዓይነት ተግባራት ዝሳተፉ ኣይኰኑን።
ኣሽንኳይዶ ሎሚ ኣብ ቃልሲ ኰይነ፡ ኣብ ንግዲ ዓለም ኣብ ዝነበርኩሉ ግዜ'ኳስ ኣብ ከምኡ ዝኣመሰለ ዘይሕጋዊ ተግባራት ኣይሳተፍን'የ።
ብሕግን ስርዓትን ተጻርዩ ኢደይ እንተ ተሪኺቡዎ፡ ቅጽዓተይ ንኽወስድ ክንዲ ፍረ ጣፍ እትኸውን ዝፈርሖን ዝስክፎን የብለይን።
ኣብ ኣኼባ ማእከላይ ኮሚተ ህወሓትን ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሰራዊትን ምእንቲ ከይሳተፍ፡ ጌታቸው ረዳ 'ተወልደ ሕቡኣት ኣብያተ ማእሰርቲ ይመርሕ'ዩ' ኢሉ ክሲ ኣቕሪቡለይ ነይሩ'ዩ።
ኣብቲ ኣኼባ እቶም ዝጠቐስካዮም ኣብያተ ማእሰርቲ ኣበይ ዘለዉ'ዮም? እኒ መንከ ዝተኣሰርሉ'ዩ? ዝብል ሕቶ ምስ ቀረበሉ፡ "ናብ ሚድያ ወጺአ ምዝራበይ ተጋግየ እየ፡" ኢሉ ኣዊጁ ከም ዝነበረ ኣብቲ ኣኼባ ዝሳተፉ ዝነበሩ መራሕቲ ህወሓት ኰነ ኣዘዝቲ ሰራዊት ይፈልጡ'ዮም።
ኣነ ዝመርሖ ክፍሊ ካብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ኢትዮጵያ መጺኦም፡ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ኣብ ትግራይ ዕጥቂ ዝገዝኡ ሰባት ምስ ዕጥቆምን 'ኤግዚቢቶሙን' ረኺቡ ንፖሊስ ንዓ ተረከበና ኢሉ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ዘእተዎም ሰባት ነይሮም።
ምስ እዞም ገበነኛታት ናይ ጥቕሚ ሽርክና ዝነበሮም ሰባት ሽዑ ጫውጫው ኢሎም፣ ንጌታቸው'ውን ናብ ሚድያ ወጺኢኻ ሕቡእ ቤት ማእሰርቲ ከም ዘሎ ተዛረበልና ኢሎም ሓቲቶሞ። ጌታቸው ረዳ ኣብ ሚድያ ቀሪቡ ምስ ተዛረበ፡ እቶም ኣብ ዘይሕጋዊ ናይ ዕጥቂ ንግዲ ዝተሳተፉ ሰባት ንጽባሒቱ ተፈቲሖም።
እቶም ሰባት ተኣሲሮምሉ ዝነበሩ ቤት ማእሰርቲ ግን ቢሮ ፍትሒ ኣብ ዝፈልጦ ዝፍለጥ ቤት ማእሰርቲ'ዩ ነይሩ።

ምንጪ ስእሊ, TG
ቢቢሲ፤ እንታይ ተባሂሉ ኣብ ዝጽዋዕ ቤት ማእሰርቲ ኢኹም ኣሲርኩምዎም ነይርኩም?
ኮሎነል ተወልደ፤ ፖሊስ ዝኣሰረሉ ልክዕ ቦታ ኣይዝክራን። ኣብቲ ኣኼባ ኮምሽነር ፖሊስ ትግራይ ዝነበረ ይሕደጎ ስዩም ብዛዕባ እቲ ዘይሕጋዊ ተባሂሉ ዝቐረበ ክሲ ጌታቸው ረዳ እንትምልስ፡ 'ምስ ቢሮ ፍትሒ ኴንና ዝገበርናዮን መንግስቲ ኣብ ዝፈልጦን ቤት ማእሰርቲ'ዮም ተኣሲሮም ነይሮም፡' ኢሉ መብርሂ ሂብሉ ከም ዝነበረ እዝክር'የ።
ቢቢሲ፤ ብዛዕባ እታ ሓቃውነታ ብፕረዚደነት ታደሰ ወረደ ዝተረጋገጸትን ንዓኻን ብጾትካን ተኸሰስቲ እትገብርን ሰነድ ትፈልጦ ነገር ኣለካዶ?
ኮሎነል ተወልደ፤ ኣነ ብዛዕባ እቲ ሰነድ ዝርዝር መረዳእታ ስለ ዘይብለይ ብዙሕ ክዛረብ ኣይክእልን። ሓደ ነገር ግን ኣጣሊለ ክነግረካ። ኣብ ትግራይ ዝተጠርጠረ ገበነኛ ናብ ቤት ፍርዲ ዝቐርበሉ ናይ ፍትሒ መስርሕ ኣሎ። ኣነ ይዅን ካልኦት መሳርሕተይ ክሳብ ሕዚ በዚ መስርሕ እዚ ብዕሊ ዝቐረበልና ክሲ የሎን።
ሓደ ኣብ ዓድግራት ተመዲቡ ዝሰርሕ ከሓሰ ዝበሃል ኣባልና ተኸሲሱ ከም ዝተኣስረ እፈልጥ'የ። ንሱ'ውን ኣብ ቤት ፍርዲ ቀሪቡ ነጻ ተባሂሉ ከም ዝተፈትሐ'የ ዝፈልጥ።
ካልእ ኮምሽን ጸረ-ግዕዝይና ዝበሃል ትካል ከም ዘሎ'ውን እፈልጥ እየ። እዚ ትካል ኣባይ ይዅን ካልኦት መሳርሕተይ ዘቕረቦ ክሲ የሎን። ናብ ፖሊስ ትግራይ ኰነ እቲ ኮምሽን ደዊልኩም ክተጻርዩ ትኽእሉ ኢኹም።
ኣብ ትግራይ ዘይሕጋዊ ዝውውር ሰባት ከም ዘሎ ተኣሚንሉ፡ ብፕረዚደንት ታደሰ ዝተጣየሸት ሓንቲ ኮሚተ ቈይማ ነቲ ዘይሕጋዊ ተግባር ኣብ ምጽራይ ከም ዝነበረት እፈልጥ'የ።
ኣብ ትሕተይ ዝነበረት 'ጸረ መረጃ' እትበሃል ሓንቲ ክፍሊ ምስ እቲ ርእሰ-ጉዳይ ተኣሳሲሩ ብጌጋ ተኣጊዳ ነይራ እያ። ብመሰረት እታ ኮሚተ ዝረኸበቶ መረዳእታ፡ ደሓር ይቕረታ ተሓቲትና መሊሳ ስርሓ ከም ዝጀመረት'የ ዝፈልጥ።
ንምጥቕላል ዝኣክል ኣብቲ ብጌታቸው ረዳ ዝተዘርግሐ ሰነድ፡ ሽመይን ሽም ኣነ ዝመርሖም ሰባትን ከም ዘሎ እፈልጥ'የ። ይዅን'ምበር፡ ዛጊድ ኣብ ልዕለይ ኰነ ካልኦቶም ኣብኡ ዝተጠቐሱ ሰባት ዝቐረበልና ክሲ የሎን።

ምንጪ ስእሊ, DW
ቢቢሲ፤ ኣብ ትግራይ ኤርትራውያን ደሓር ድማ ተጋሩ ጨዊኻ ገንዘብ ከም ዝሕተት ቢቢሲ ዘዘራረቦም ኤርትራውያን ገሊጾም ነይሮም። ከም ሓደ ሓላፊ ወተሃደራዊ ስለያ ትግራይ፡ እቲ ጸገም ናትኩምዶ ኣይኰነን'ዩ?
ኮሎነል ተወልደ፤ ኣብ ትግራይ ብዛዕባ ዘሎ ሕጊ ኣልቦነት ዝድህስስ 'ሕማም ትግራይ እንታይ'ዩ?' ዝብል መጽሓፍ ጽሒፈ ተዘርጊሑ'ዩ። ኣብዚ መጽሓፍ'ዚ፡ ብዛዕባ ኣብ ትግራይ ዘሎ ሓደገኛ ናይ ደቂሰብ ዝውውር ዝዳህሰሰ'ዩ።
ኤርትራውያን ጥራሕ ዘይኰኑስ ዕድመአን ዘይኣኸላ ደቀንስትዮን መናእሰያትን ከካብ ጣብያታት ብሽም ናብ ዓዲ ዓረብ 'ክንወስደክን' ዘይሕጋዊ ተግባራት ይፍጸም ከም ዘሎ ዝርኢ መጽናዕቲ ምስ መረበባቶም እንከይተረፈ ኣጽኒዕና ንዝምልከቶ ናይ መንግስቲ ኣካል ኣቕሪበ እየ።
ብመሰረት እቲ ዝቐረበ መረዳእታ'ውን፡ ኤርትራውያን ጨውዮም ገንዘብ ዝተቐበሉ ሰባት ብሕጊ ክትሓዙ ገይርና ኢና። እዚ ካብ ፖሊስ ትግራይ ምርግጋጽ ይከኣል'ዩ።
እቶም ኣብ ትግራይ ተጨውዮም ካብ ስድራኦም ገንዘብ ዝሕተተሎም ኤርትራውያን፡ ጉዳይ ስደተኛታት ዝከታተል ቤት ዕዮ መንግስቲ ፈደራል ኣብ ትግራይ ስራሑ ብዘይምጅማሩ ዝተፈጥረ እዩ።
ነዚ ንምፍታሕ ኣነ፡ ኣቶ ጌታቸው ረዳን ጀነራል ታደሰ ወረደን ምስ ዝምልከቶም ኣካላት መንግስቲ ፈደራል ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተዘራሪብናሉ ነይርና ኢና። ይዅን'ምበር፡ እቲ ናይ ስደተኛታት ጉዳይ ዝከታተል ቤት ጽሕፈት ክሳዕ ሕዚ ስራሕ ኣይጀመረን ኣሎ።
ቢቢሲ፤ ምስ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ሰባት ብዝተኣሳሰር ዛጊድ ክንደይ ሰብ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣውዒልኩም?
ኮሎነል ተወልደ፤ ሕዚ ካብ ቤት ጽሕፈት ወጻኢ ስለ ዘለኹ፡ ክንድ'ዚ ቍጽሪ ኢለ ክጠቅስ ይኸብደኒ'ዩ። ግን ምስ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ሰባት ተኣሳሲሩ ክሳዕ ዓዲ ዓረብ ርክባት ዘለዎም ብዓሰርተታት ዝቝጸሩ ሰባት ከም ዘትሓዝና ኣፈይ መሊአ ክዛረብ እኽእል'የ።
ቢቢሲ፤ ብተደጋጋሚ ኢደይ ኣብቲ ጉዳይ እንተ'ልይዎ ብሕጊ ተረኣዩ ክቕጻዕ ድልዊ'የ ትብል ኣለኻ እሞ፡ ኣብ ትግራይ ኣብዚ እዋን ልዕልና ሕጊ ኣሎ ኢልካ ዲኻ ትኣምን ኴንካ?
ኮሎነል ተወልደ፤ ኣብ ትግራይ ልዕልና ሕጊ ተጓዲሉ እዩ። ከም ሳዕቤኑ ድማ ኣብቲ ዓዲ ብዙሓት ገበናት ይፍጸሙ'ዮም። ከም ሓደ ናይ ጸጥታ ሓላፊ ትግራይ፡ ሰባት ድላዮም ገበናት ፈጺሞም ዝነብሩላ ዓዲ ኰይና'ያ።
ኣነ'ውን ንባዕለይ ተሓታትነትን ልዕልና ሕግን ተረጋጊጹ ዘሕትተኒ እንተ'ልዩ ተጻርዩ ክሕተት'የ ዝሰርሕ ዘለኹ።
ቢቢሲ፤ ብዙሓት መናእሰይ ትግራይ ብመንገዲ ጅቡቲ ናብ የመንን ስዑድ ዓረብን ብዘየቋርጽ ኵነት ይስደዱ ከም ዘለዉ ቢቢሲ ዝረኸቦ ሓበሬታ የመልክት። ብዛዕባ እዚ ጉዳይ ሓበሬታ ኣለካዶ፣ ምንጩኸ እንታይ'ዩ ትብል፧
ኮሎነል ተወልደ፤ ኣብ ትግራይ ብሰንኪ ሸቕሊ ኣልቦነትን ዘይፍትሓዊ ክፍፍል ሃብትን ብኣሽሓት ዝቝጸሩ መናእሰይ ህይወቶም ናብ ሓደጋ ኣእትዮም ከም ዝሰደዱ እኹል መረዳእታ ኣለኒ።
ኣብ መንጎ እዚ፡ ደላሎን መሻርኽቶምን ጥራሕ'ዮም ዝጥቀሙ። እዚ ኣብ ልዕሊ መንእሰይ ወለዶ ሓደጋ ኣንጸላልዩ ዝርከብ ስለ ዝዀነ፡ ኣነኣኢስና ክንርእዮ ከም ዘይብልና እኣምን እየ።

ምንጪ ስእሊ, TG
ቢቢሲ፤ ኮሎነል ተወልደ ኣበይ ዓዲ ኢኻ ዘለኻ?
ኮሎነል ተወልደ፤ ኣነ ስድራይ ክርኢ ካብ ኢትዮጵያ ወጻኢ እየ ዘለኹ።
ቢቢሲ፤ ክትወጽእ እንከለኻ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተንከላቢትካ ከም ዝነበርካን ጀነራል ታደሰ ወረደ ምስ ማእከላይ መንግስቲ ተደራዲሩ ከም ዘውጽኣካን ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ተጻሒፉ ነይሩ? መን ምስ መን'ዩ ተደራዲሩ ኣውጺኡካ?
ኮሎነል ተወልደ፤ ስድራይ ካብ ዘይርእዮም 6 ዓመት ኰይኑኒ። ስድራይ ኣብ ደገ ምንባር ካብ ዝጅምሩ 24 ዓመት ገይሮም'ዮም። ኣነ'ውን ቅድሚ ኵናት ትግራይ ኣብ ንግዲ ዓለም ስለ ዝነበርኩ፡ ፍርቃ ፍርቂ ምስ ስድራ እየ ዘሕልፎ ነይረ።
ሕዚ ናብ ስድራይ በጺሐ ክምለስ 'ፕሮሰስ' ዝጀመረለይ ፈለማ ኣቶ ጌታቸው ረዳ'ዩ ነይሩ። ደሓር ጀነራል ታደሰ ነቲ ቦታ ምስ ሓዘ ድማ ምስ ዝምልከቶም ናይ ፈደራል መንግስቲ ኣካላት ተዘራሪቡ ክወጽእ ክኢለ'የ።
ስለዚ፡ ኣወጻጽኣይ መንግስቲ ትግራይ ኰነ ሰበስልጣን መንግስቲ ፈደራል ብዝፈልጡዎ'የ ወጺአ። ኣብ ፓስፖርተይ ኤክዚት ቪዛ ተወቒዑለይ እየ ወጽአ፣ ክምለስ እንተለኹ ድማ ኢንትራንስ ቪዛ ተወቒዑለይ እየ ክኣቱ።
ምውጽአይ ዝሰምዑ ሰባት፡ 'ጌታቸው ረዳ ብዛዕባኻ ብዙሕ ይዛረብ ስለ ዘሎ ከይትምለስ፣ ቦታ ቀይር፣ ብኻልእ ጌርካ እቶ፡' ኢሎም ዝመዓዱኒ ሰባት ኣለዉ።
እንታይ ኣምሲለ? ኣነ ደቂ ደቀይ ዝቐበርኩሉ ውግእ እኮ ኣሕሊፈ እየ። ስለዚ፡ ብኻልእ ቦታ ኣይኣቱን ቦታ ኣይቅይርን፣ በታ ዝወጻእኩላ ትኽ ኢለ ክምለስ እየ። ብሓጺሩ ኣነ ንኽወጽእ ዝተገበረ ድርድር ኣይነበረን - ሓሶት እዩ።

ምንጪ ስእሊ, TG
ቢቢሲ፤ ኣብ ግዜ ኲናት ኢትዮ-ኤርትራ ሓለቓ ናይ ሎሚ ቀዳማይ ምኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ከም ዝነበርካ ሰሚዐ። ሓቂ ድዩ ብቐረባ ትፋለጡ ዲኹም?
ኮሎነል ተወልደ፤ እወ ምስ ዶ/ር ኣቢይ ኣዐሪና ኢና ንፋለጥ፣ ጥቡቕ ዝምድና'ዩ ነይሩና። ኣብ ግዜ ኵናት ኢትዮ- ኤርትራ'ውን ኣብ ግንባር ባድመ ኣብ ሓንቲ ክፍሊ ኢና ነይርና። ኣነ ናይታ ክፍሊ መተሓባበሪ እየ ነይረ።
ብህይወት ንኽህሉ'ውን ኣስተዋጽኦ ነይሩኒ'ዩ ክብል እኽእል እየ። ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ ንሱ ዝተመደበላ ስራሕ ሸሞንተ ኣባላት ነይሮምዋ። ሃንደበት ኣነ ንዕኡ 'ደብዳባት ይጽዕቕ ስለ ዘሎ ኪድ ናብ ድፋዕ እቶ፡' ኢለ ኣእትየዮ።
ሕማቕ ኣጋጣሚ ኰይኑ ድሕሪ ደቓይቕ ብወገን ጸላኢ ከቢድ ብረት ተተኵሱ ብጀካ ኣቢይ ኵሎም እቶም ምስኡ ዝተመደቡ ሸውዓተ ኣባላት እታ ክፍሊ ኣብኣ ዝተሰውኡላ ህሞት እዝክር'የ።
ካልእ ድሕሪ ኵናት ኣብ 1997 [ኣቈጻጽራ ግእዝ] ንሱ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ እናተመሃረ እንከሎ፡ ኣነ ንሕክምና ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ኣብ ዝነበርኩሉ ግዜ መጺኡ ንሓደ ሰሙን ዝኸውን ኣልዒሉኒ። ስለዚ፡ ቀዳማይ ምኒስተር ክሳዕ ዝዀነላ ግዜ ብቐረባ ንፋለጥን ንቀራረብን ሰባት ኢና ነይርና።
ቢቢሲ፤ ቅድሚ ኵናት ትግራይ ኣብ ሽረ እንዳስላሰ ዝሃነጽካዮ ብዓል 3 ኮኸብ ሆቴል ደጀና ሰራዊት ኢትዮጵያን ኤርትራን ጽባሕ ነታ ከተማ ዝተቘጻጸርሉ ግዜ ከም ዝዓነወ ቢቢሲ ኣቃሊሒናዮ ከም ዝነበርና እዝክር'የ። መን ከም ዘዕነዎን ብምንታይ ምኽንያት ከም ዝዓነወን ከተጻርዮ ፈቲንካዶ?
ኮሎነል ተወልደ፤ እቲ ሆቴል ናይ እማን ዓንዩ እዩ። ውግእ ኣብ ዘይነበረሉ ብለይቲ'ዩ ክዓኑ ተገይሩ። ኰነ ተባሂሉ ከም ዝዓነወ ዘርእየካ ዋላ ሓንቲ ተኵሲ ኣብ ዘይነበሮን ሰብ ምስ ደቀሰ ብለይትን እዮም ኣዕንዮምዎ። መን'ዩ ኣዕንዩዎ ብውልቀይ ዘጻረኽዎ ነገር የሎን። መንግስቲ ከጻርዮ ይኽእል'ዩ።
ቢቢሲ፤ ናብ ዓዲ ክትምለስ ዲኻ? ገሊኦም 'ሃዲሙ'ዩ፡ ደጊም ኣይምለስን'ዩ' ክብሉ ስለ ዝረኣኹ እየ።
ኮሎነል ተወልደ፤ ኣነ ምስ ስድራይ ከሕልፎ ዝመደብኩዎ ግዜ ምስ ወዳእኹ፡ ናብ ዓደይን ስርሐይን ክምለስ'የ። መህደሚ ስኢነ ኣይኰንኩን ተጋዲለ።
ቢቢሲ፤ አመስግነካ።
ኮሎነል ተወልደ፤ ኣነ'ውን አመስግን።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







