ሓይልታት ትግራይ ንመንግስቲ ፌደራል ዝሃብዎ መጠንቀቕታ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ማእከላይ መንግስቲ ኢትዮጵያ ነቲ ደማዊ ኲናት ደው ዘበለ ስምምዕ ፕሪቶርያ "ንምፍራስ" ይንቀሳቐስ ኣሎ ክብሉ ሓይልታት ትግራይ ከሲሶም።
ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ነበር ጌታቸው ረዳ ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ምስ መንግስታዊ ማዕከናት ዜና ኢትዮጵያ ኣብ ዘካየዶ ሰፊሕ ቃለመሕትት ንገለ መራሕቲ ሓይልታት ትግራይ ብብልሽውናን ምግሃስ ሰባዊ መሰላትን ብምኽሳስ፡ ስምምዕ ፕሪቶርያ ከይፍጸም ዕንቅፋት ከምዝኾኑ ወቒሱ ነይሩ።
ሓይልታት ትግራይ ብስም ቢሮ ሰላምን ጸጥታን ብዓርቢ ኣብ ዘውጽእዎ መግለጺ ግን፡ ጠቐነ ኣቶ ጌታቸው ሓቅነት ከምዘይብሉ'ዮም ዝምጉቱ።
"መላእ ህዝቢ ትግራይን ሰራዊትናን ክፈልጦ ዘለዎ ሓቂ ግን እቲ ኹነታት ካብ ተራ ሓሶትን ፀለመን ሓሊፉ መንግስቲ ፌዴራል ባዕሉ ኣይተ ጌታቸው ረዳ ተጠቒሙ ካብ ስምምዕነት ፕሪቶርያ ውፃእ ተደጋጋሚ ትንኮሳታት ብምክያድ ስምምዕነት ፕሪቶርያ ንምፍራስ ብዙሕ ርሐቐት ይኸድ ከምዘሎ አዩ ።
"እዙይ ኣካይዳ 'ዚ ድማ ንኹልና ዘይረብሕን ፤ ጉዕዞ ሰላምና ንድሕሪት ዝመልስ ሓደገኛ ኣካይዳ ስለ ዝኾነ መንግስቲ ፌዴራል ኣካይድኡ ንኽምርምር ፃዊዕትና ነቕርብ" ክብሉ'ውን ኣጠንቂቖም።
ቦርድ መረጻ ኢትዮጵያ ብረቡዕ ኣብ ዘውጽኦ ወግዓዊ መግለጺ ነቲ ደገፍ ሓይልታት ትግራይ ዝረኸበ ህወሓት ካብ መዝገብ ፖለቲካዊ ሰልፊታት እታ ሃገር ከም ዝሰረዞ ኣፍሊጡ'ዩ።
እቲ ውድብ ብወገኑ፡ ብሓሙስ ኣብ ዝሃቦ ግብረመልሲ፡ ከም ፖለቲካዊ ሰልፊ ዳግም ምምዝጋብ ከም ኣማራጺ ከም ዘይርእዮ ብምግላጽ ንውሳነ ሃገራዊ ቦርድ መረጻ ኢትዮጵያ ነጺጕ።
ቅድሚ ኣርባዕተ ዓመት፡ ኣብ ትግራይ ዝተወልዐ ኲናት ስዒቡ ብባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ብግብረ ራዕዲ ተመዝጊቡ ዝነበረ ህወሓት፡ ብኣዋጅ ቝጽሪ 1162/2011 ዓንቀጽ 98 ኣብ ናይ ዓመጽ ምንቅስቓስ ብምስታፍ በቲ ቦርድ ተሰሪዙ ከም ዝነበረ ይዝከር።
ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኢትዮጵያ፡ ብ4 ሰነ 2024 "ካብ ሕጋውን ሰላማዊን ፖለቲካዊ ምንቅስቓስ ወጻኢ" ክንቀሳቐሱ ዝጸንሑ ፖለቲካዊ ጕጅለታት ዳግም ከም ፖለቲካዊ ሰልፊ ንምምዝጋብ ዘኽእል ድንጋገ ዝሓዘ መመሓየሺ ኣዋጅ ኣጽዲቑ ነይሩ።
ነዚ ስዒቡ፡ ቦርድ መረጻ ኣብ ነሓሰ 2016 ዓ.ም (ግእዝ) ዳግም ከም ሕጋዊ ሰልፊ ከም ዝመዝገቦ ገሊጹ ተመዝጊቡ ነይሩ።

ብመሰረት እዚ፡ ኣብ ውሽጢ ህወሓት ብፍሉይ ዝተመዝገበሉ ውሳነ ዝሓዘ ደብዳበ ካብ ዝበጽሖ መዓልቲ ጀሚሩ ዘለው ሽዱሽተ ኣዋርሕ፡ ተዓዘብቲ እቲ ቦርድ ኣብ ዝተረኸብሉ ጠቕላላ ጉባኤ ንኽገብር፡ ኣብቲ ጉባኤ ድማ መተሓዳደሪ ደንቢ ከጽድቕን ኣመራርሓኡ ንኽመርጽን ወሲኑ።
እንተዀነ፡ ነቲ ምዝገባ ብወግዒ ዘይተቐበሎ ብዶ/ር ደብፅዮን ገ/ሚካኤል ዝምራሕ ህወሓት፡ ብ13 ነሓሰ 2017 ዓ.ም [ግእዝ] ብናይ ባዕሉ ሓፈሻዊ ኮሚሽን ቁጽጽር ኰነ ብቦርድ መረጻ ኣፍልጦ ዘይረኸበ ጠቕላለ ጉባኤ ኣካይዱ።
ድሕሪ'ዚ ድማ፡ ሃገራዊ ቦርድ መረፃ ኢትዮጵያ፡ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ (ህወሓት) ኣብ ውሽጢ ሽድሽተ ወርሒ ኣፍልጦ ዘለዎ ጠቕላላ ጉባኤ ከካይድ ብዘይምኽኣሉ፡ ሕጋዊ ጥሕሰት ፈፂሙ ብዝብል ንሰለስተ ወርሒ ዝዀነ ፖለቲካዊ ምንቅስቓስ ከይገብር ኣጊዱዎ ጸኒሑ።
ድሕሪ ውዕል ፕሪቶርያ፡ ኣብ ትግራይ ግዝያዊ ምምሕዳር ቈይሙ ተዛማዲ ሰላም'ኳ እንተሰፈነ፡ ፈራሚ እቲ ስምምዕ ዝዀነ ህወሓት፡ ሕጋውነቱ መሊሱ ክረክብ ዘይምኽኣሉ ግን ሕጂ'ዉን የዘራርብ ኣሎ።
ምኽትል ኣቦ መንበር ህወሓት ኣቶ ኣማኑኤል ኣሰፋ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ "እታ ሕዚ ሰሪዝናያ ዝብሉዋ ዘለው ሕጋዊ ሰብነት ትብሃል፡ ህወሓት ቀደሙ'ዉን ዘይተቐበላ፡ ካብ ነሓሰ 3 ጀሚሮም ከውጽኡዎ ዝግባእ ዝነበረ መግለጺ'ዩ፡" ብምባል ንውሳነ ቦርድ መረጻ ከምዘይቅበልዎ ኣፍሊጡ።
እቲ ሰልፊ ዳግም ምምዝጋብ ዝብል ከም ኣማራጺ ዘይርእየሉ ምኽንያታት ድማ ጠቒሱ።
"እቲ ቀንዲ ነገር፡ ህወሓት ንዘካየዶ መኸተ ዘይሕጋዊ ምንቅስቓስ'ዩ ዝገብሮ፡ ስለዚ እቲ ወጺኡ ዘሎ ኣዋጅ ተቐቢልካ ምምዝጋብ ማለት ኣብ ትግራይ ዝተገበረ መኸተ ናይ ዓማጺ ምንቅስቓስ ከም ዝዀነ እሞ፡ ዘይሕጋዊ ምንቅስቓስ ከም ዝነበረ . . . መንግስቲ ኢትዮጵያ ኽኣ ነቲ ዝገበሮ ወፍሪ ናይ ሕጊ ምኽባር ወፍሪ'ዩ ዝብሎ። ንሕና ናይ ጸረ ሰላም ይዅን ሕገ- መንግስቲ ናይ ምፍራስ ምንቅስቓስ ኣይኰንናን ገይርና። 'ጄኖሳይድ' ንምምካት ምስ ህዝብና ኰይንና ኢና መኪትና'ዩ እቲ ናትና ስነ-ሞጐት" ኢሉ።
ካብዚ ብዝሰገረ በቲ ሓድሽ ኣዋጅ ምምዝጋብ ማለት፡ "ንህወሓት ጥራይ ዘይኰነ፡ እቲ መኸተ ህዝቢ ስሕተት ከም ዝነበረ ተቐቢልካ ምምጻእ፡ ነቲ መንግስቲ ፌደራል ዘካይዶ ዝነበረ ወፍሪ ድማ ኣፍልጦ ምሃብ ማለት'ዩ፡" ኢሉ።
ብተወሳኺ፡ ህወሓት ልፍንቲ ኢህወደግ ቅድሚ ምፍራሱ ምስ ካልኦት ሰልፊታት እቲ ገዛኢ ውድብ ዝነበረ ብምዃን ዝተጠረየ ሃብቲ ምስራዝ፡ ምንቅስቓስ ህወሓት ከም ብሓድሽ ምጅማር፡ ዝብሉ ጕዳያት ከም ዘተሓሳስቡዎ ኣብቲ ዝሃቦ መብርሂ ኣመልኪቱ።
እቲ ሰልፊ፡ ጕዳይ ምምላስ ሕጋዊ ሰብነት ብዝርርብ ንምፍታሕ ምስ መንግስቲ ፈደራል ጻዕሪ ክገብር ምጽንሑ ሰብ መዚ እቲ ሰልፊ ክዛረቡ ጸኒሖም'ዮም።
ሕጂ'ዉን፡ ህወሓት ስምምዕ ፕሪቶሪያ ምርኵስ ብምግባር ናይ ፖለቲካን ዲፕሎማሲን ቃልሲ ከም ዝገብር ኣቶ ኣማኑኤል ገሊጹ።
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት፡ እቲ ውድብ ኣብ ምንጻግ ውሳነ ዳግመ ምዝገባ ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ "ህወሓት ዘቕረቦ ሕቶ ብመንጽር ውዕሊ ፕሪቶርያን ሕዚ ካብ ዘለዎ ጭቡጥ ምንቅስቓስን እቲ ዝተሰረዞ ሕጋዊ ሰብነቱ ናብ ዝነበሮ ንኽምለስ'ዩ" ይብል እቲ መግለጺ።
ህወሓት፡ እቲ ንኽልተ ዓመታት ኣብ ትግራይ ዝተኻየደ ኲናት ደው ንምባል ምስ ማእከላይ መንግስቲ ስምምዕ ፕሪቶሪያ ዝፈረመ ኣካል ምዃኑ'ዩ።
ካብ ዝምስረት 50 ዓመት ዝመልኦ ህወሓት፡ ኣብ ታሪኹ ርእይዎ ዘይፈልጥ ከቢድ ናይ ምብታን ሓደጋ ከም ዝገጠሞን ኣብ ናይ መሪሕነት ቅልውላው ከም ዝጠሓለን ይፍለጥ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







