ኣብ ተተፋነን ዘለዋ ህንዲን ፓኪስታንን ወተሃደራዊ ዓቕምታተን እንታይ ይመስል?

ፓኪስታን፡ ኣብ ልዕሊ ግዝኣታን ኣብቲ ንሳ እትመሓደሮ ካሽሚርን ድሕሪ ዝተኻየደ መጥቃዕቲ ህንዲ 25 ድሮናት ህንዲ ከምዘውደቐት ገሊጻ።
ወሃቢ ቃል ሰራዊት ምክልኻል ፓኪስታን ኣሕመድ ሸሪፍ ቻውድሪ፡ "ቅሉዕ ወተሃደራዊ መጥቃዕቲ'ዩ" ኢሉ።
ህንዲ ብተወሳኺ ብፓኪስታን ዝተዋፈራ "ድሮናትን ሚሳይላትን" ከምዘበርዓነት ገሊጻ። እዘን ተፋጢጠን ዘለዋ ጐረባብቲ ሃገራት ብመንጽር ወተሃደራዊ ዓቕመን ከመይ ይነጻጸራ?
ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ

ክልቲአን ሃገራት ዝዓበየ ቴክኖሎጂ ካብ ወጻኢ ብምእታውን ብምምዕባልን ኣብ ውሽጢ ሃገረን ፍርያት ድሮናት ከስፍሓ ጸኒሐን እየን። እንተዀነ ብቝጽሪ ደረጃ ህንዲ እያ እትመርሕ።
እታ ዝበዝሐ ህዝቢ ዘለዋ ሃገር ኣብ ዝቕጽሉ ክልተ ክሳብ ኣርባዕተ ዓመታት ኣስታት 5 ሽሕ ድሮናት ክትውንን ምዃና ተንታኒ ምክልኻል ራሁል በዲ ንቢቢሲ ሓቢሩ።
ህንዲ ኣብ 2024 ምስ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ 31 ዕጡቓት MQ-9B ዝበሃላ ዘመናውያን ድሮን ንምግዛእ ስምምዕ ፈሪማ።
ፓኪስታን ካብ ህንዲ ዝወሓዳ ድሮን እኳ እንተሃለዋ፡ ወተሃደራዊ ድሮናታ ግን ከም ምክትታል፡ ዳህሳስን ብልክዕነት ዒላማኻ ምህራም ዓቕምታት ዘለወን እየን።
ቀንዲ ዓቕምታት ድሮን ፓኪስታን ኣብ ናይ ውግእ ዝተመስረተ ተመኵሮ'ዩ። ንኣብነት ቡራክ ዝተባህለት ኣብ ውሽጢ ሃገር ዝፈረየት ተዋጋኢት ድሮን ካብ 2015 ጀሚሩ ኣብ ስርሒታት ጸረ ግብረሽበራ ክትጥቀመላ ጸኒሓ እያ።ብተወሳኺ ካብ ቱርኪን ቻይናን ምዕቡላት ድሮን ኣብ ምእታው ትርከብ።
ባጀት ሰራዊት ምክልኻልን ወተሃደራዊ ስፍሓትን

ክልቲአን ሃገራት ዳግማይ ኣብ ምሉእ ኲናት ክዋፈራ ይኽእላ እየን ዝብል ስግኣት ኣሎ። ከምቲ ንመወዳእታ ግዜ ኣብ 1999 ዘካየድኦ ኲናት ከየካይዳ ተፈሪሑ'ሎ።
ልዕሊ 1.4 ሚልዮን ንጡፍ ወተሃደራዊ ኣባላት ዘለዋ ህንዲ፡ ካብ ዓለም ራብዓይቲ ዝሓየለት ወተሃደራዊ ሓይሊ ተሰሪዓ ኣላ። እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ፓኪስታን 654 ሽሕ ንጡፋት ወተሃደራዊ ኣባላት ኣለውዋ።
ህንዲ ኣብ 2024 ካብ ፓኪስታን ብትሽዓተ ዕጽፊ ዝዛየደ ባጀት ኣብ ምክልኻል ወጻኢታት ከምዝሰለዐት'ውን ጸብጻብ ኣህጉራዊ ትካል ምርምር ሰላም ስቶክሆልም (SIPRI) የመልክት።
ብመንጽር ሓይሊ ምድሪ ህንዲ ልዕሊ 4200 ታንክታትን ኣስታት 150,000 ድሩዓት መካይንን ክትውንን እንከላ፡ ፓኪስታን ልዕሊ 2600 ታንክታትን 18,000 ዝዀና ድሩዓት መካይንን ኣለዋኣ።
ሓይሊ ኣየር ህንዲ 513 ነፈርቲ ውግእን 130 ቦምባ ዝድርብያ ነፈርትን ሓዊሱ 2229 ነፈርቲ ኣለዋ። ፓኪስታን ድማ ካብ 830 ዝወሓዳ ነፈርቲ ውግእ ከምዘለዋ ይግለጽ።
ሓይሊ ባሕሪ ህንዲ 293 መራኽብ ዝሓቘፈ ኰይኑ፡ እዚ ድማ ልዕሊ ዕጽፊ ስፍሓት ናይ ፓኪስታን እዩ።
ሚሳይላትን ኒዩክለሳዊ ኣጽዋርን

መደብ ሚሳይላት ፓኪስታን፡ ታክቲካዊ ባሊስቲክ ሚሳይላት፡ ከምኡ'ውን ሓጺርን ማእከላይን ርሕቀት ዘለዎም ባሊስቲክ ሚሳይላት ዝሓቘፈ እዩ።
ሚሳይላት ህንዲ ብዓይነቶም ዝተፈላለዩ ኰይኖም፡ ካብ 250 ክሳብ 600 ኪሎ ሜተር ርሕቀት ዘለዎም ፕሪትቪ ሚሳይላት፤ ካብ 1200 ክሳብ 8000 ኪሎ ሜተር ርሕቀት ዘለዎም ተኸታታሊ ሚሳይላት፡ ከምኡ'ውን ኒርብሃያን ብራህሞስን ተኸታታሊ ክሩዝ ሚሳይላት ከምዝወነነት ተገሊጹ።
እቲ ዝነውሐ ርሕቀት ሚሳይላት ህንዲ፡ ካብ ቻይና ከጋጥማ ካብ ዝኽእል መጥቃዕቲ ንምዕጋት ድልውነት ከምዘለዋ ዘርኢ'ዩ። ቻይና ካልእ ቀጻሊ ግዝኣታዊ ክርክር ዘለዋ ጎረቤት ሃገር'ያ።
ህንዲ 172 ኑክሊየስ ክህልዋ እንከሎ፡ ፓኪስታን ድማ 170 ከም ዘለዋ ይግመት።
ፓኪስታን ምስ ህንዲ ንኽትወዳደር ኒዩክለሳዊ ኣጽዋር ከተማዕብል እንከላ፡ ህንዲ ድማ ኣብ ነዊሕ ርሕቀት ዝኸይድ ኣጽዋር ኣተኲራ ትሰርሕ ኣላ፤ እዚ ድማ ንቻይና እውን ዒላማ ክገብር ይኽእል'ዩ።
ጐረቤት ክልቲአን ሃገራት ዝዀነት ቻይና እውን ኒዩክለሳዊ ኣጽዋራ ብ22 ሚእታዊት ስለዘስፍሓቶ ኣብ መንጐ እዘን ሃገራት ከጋጥም ዝኽእል ኲናት ሳዕቤኑ ከቢድ ይገብሮ።
ስለዝዀነ ድማ ማሕበረሰብ ዓለም፡ ህንድን ፓኪስታንን ካብ ረጽሚ ክሃድኣ ክጽውዕ ጸኒሑ እዩ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







