ህንዲ ኣብ ልዕሊ ፓኪስታን መጥቃዕቲ ሚሳይል ኣካይዳ

መጥቃዕቲ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ህንዲ ኣብ ልዕሊ ፓኪስታንን ብፓኪስታን እትመሓደር ካሽሚርን መጥቃዕቲ ሚሳይል ከምዝፈጸመት ተገሊጹ።

ነዚ ስዒቡ ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ዝተፈጥረ ወጥሪ እናገደደ ይኸይድ ኣሎ።

ፓኪስታን ኣብ ሽዱሽተ ቦታታት መጥቃዕቲ ከምዝተፈጸማን ሓሙሽተ ናይ ህንዲ ነፈርቲ ውግእ ከምዘውደቐትን ገሊጻ።

ብተወሳኺ 26 ሰባት ከምዝሞቱን 46 ድማ ከምዝቖሰሉን እውን ትገልጽ።

ብወገን ህንዲ ግን ዛጊት ዝተወሃበ መረጋገጺ ግን የለን።

ኣብ መንጐ ክልቲአን ሃገራት መበገሲ ተደጋጋሚ ግጭትን ወጥሪን ኰይኑ ዝጸንሐ ዞባ ካሽሚር ንብዙሓት ሓድሽ ከባቢ ኣይኰነን፤ ቅድሚ 20 ዓመታት ዘጋጠመ ኲናት ስዒቡ፡ ንክልተ ተመቒሉ ከም ዝመሓደር ኰይኑ እዩ።

ሕጂ ግን ዳግም ናብ ግጭት ዝመልስ ኵነታት ዝፍጠር ዘሎ ይመስል።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ኣብታ ብህንዲ እትመሓደር ዞባ ካሽሚር ኣብ ልዕሊ በጻሕቲ ዓዲ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ጠንቂ እቲ ተፈጢሩ ዘሎ ኵነታት ኰይኑ'ሎ።

ኣብቲ ብ22 ሚያዝያ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ፡ ሞት 25 ህንዳውያንን ሓደ ዜጋ ኔፓልን ዘስዐበ ዀይኑ ከዘራርብ ቀንዩ ኣሎ።

ሎሚ፡ ድሕሪ ክልተ ሰሙን፡ ህንዲ ኣብ ልዕሊ ፓኪስታንን ብፓኪስታን ኣብ ልዕሊ ዝመሓደር ዞባ ካሽሚርን ኣብ ዝርከባ ቦታታት ተኸታታሊ መጥቃዕቲ ፈጺማ ኣላ።

ሚኒስትሪ ምክልኻል ህንዲ፡ እቲ "ስርሒት ሲንዶር" ተባሂሉ ዝተሰምየ መጥቃዕቲ፡ ሕነ-ንምፍዳይ ከምዝዀነ ገሊጹ።

ኣብቲ ኣብ ዝሓለፈ ሚያዝያ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ዝዀነ ይዅን ኢድ ከምዘይብላ እትገልጽ ፓኪስታን ግን፡ ነቲ መጥቃዕቲ 'ሃይዳቦ' [ሃንደበታዊ] ኢላቶ ኣላ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ሸህባዝ ሸሪፍ ድማ "እቲ ዘይቅቡል ተግባር ሸለል ተባሂሉ ዘይሕለፍ" ክብል ተሓንዩ ኣሎ።

ስለዚ ብልክዕ እንታይ እዩ ኣጋጢሙ፣ ህንዲን ፓኪስታንንከ ከመይ ኢለን ኣብዚ በጺሐን?

ኣብ'ታ ብፓኪስታን እትመሓደር ካሽሚር

ምንጪ ስእሊ, Reuters

ህንዲ ኣበይ ወቒዓ?

ደልሂ፡ ሎሚ ረቡዕ ንግሆ ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ፡ ኣብ ክልቲአን ብፓኪስታን እትመሓደር ካሽሚርን ፓኪስታንን ትሽዓተ ዝተፈላለዩ ቦታታት ዒላማ ከምዝተገብረ ገሊጻ።

እዞም ቦታታት "ሽበራዊ ትሕተ ቅርጺ" ተባሂሎም ዝተፈለዩን ኣብ ልዕሊ'ዞም ቦታታት ጥራይ ዘቕነዐ ስጕምቲ ምዃኑን ገሊጻ።

ንዝዀነ ወተሃደራዊ መሳለጥያታት ፓኪስታን ከምዘይሃረመት ብምግላጽ፡ "ዝተዓቀነን ብባህሪኡ ዘይተጋደደን ስጕምቲ " ኢሉዎ።

ብመሰረት ፓኪስታን ድማ፡ ሰለስተ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ተሃስዮም ኣለዉ።

ሚኒስተር ምክልኻል ፓኪስታን ክዋጃ ኣሲፍ ንጂኦቲቪ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ እቲ መጥቃዕቲ ኣብ ሲቪላዊ ከባቢታት ከምዝሃረመ ብምግላጽ፡ ህንዲ "ንማእከላት ግብረሽበራውያን ዒላማ ገይረ" ኢላ ዘቕረበቶ ሓሶት ምዃኑ ሓቢሩ።

ወሃቢ ቃል ሰራዊት ፓኪስታን ኣሕመድ ሸሪፍ ድሒሩ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ በቲ መጥቃዕቲ ክልተ ህጻናት ዝርከብዎም 7 ሰባት ከምዝተቐትሉ ሓቢሩ።

ህንዲ ንምንታይ እያ ነቲ መጥቃዕቲ ፈጺማ ?

ኣብታ መዘናግዒት ከተማ ፓሃልጋም ንዝተፈጸመ ተዅሲ ስዒቡ፡ ኣብ መንጐ እተን ኒዩክለራዊ ኣጽዋር ዝዓጠቓ ጎረባብቲ ሃገራት ንሰሙናት ዝቐጸለ ምጉህሃር ይርአ'ሎ።

እቲ ብ22 ሚያዝያ ብጕጅለ ዕጡቓት ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ 26 ሰባት ክሞቱ እንከለዉ፡ ካብቲ ሓደጋ ዝደሓኑ ድማ እቶም ዕጡቓት ንደቂ ተባዕትዮ ሂንዱ ፈልዮም የጥቅዑ ከምዝነበሩ ገሊጾም።

ኣብ ውሽጢ ክልተ ዓሰርተታት ዓመታት ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ እቲ ዝኸፍአ ኰይኑ፡ ኣብ ህንዲ ሰፊሕ ቁጥዐ ኣስዒቡ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ናሬንድራ ሞዲ፡ እታ ሃገር ነቶም ጥርጡራት "ክሳብ ጫፋት መሬት" ክትሃድኖም ምዃና፡ እቶም ዝሓሰቡን ዘፈጸሙን ድማ "ካብ ሓሳቦም ንላዕሊ ክቕጽዑ'ዮም" ኢሉ።

እንተዀነ ህንዲ ኣብ ፓሃልጋም ነቲ መጥቃዕቲ ፈጺሙ ኢላ ዝጠርጠረቶ ጕጅለ ስሙ ኣይገለጸትን፤ መን ከም ዝፈጸሞ ዛጊት ንጹር ኣይኮነን።

ፖሊስ ህንዲ ግን ክልተ ካብቶም መጥቃዕቲ ዝፈጸሙ ፓኪስታናውያን ዜጋታት ምዃኖም ክኸስስ እንከሎ፡ ደልሂ ንፓኪስታን ንዕጡቓት ትድግፍ ኣላ ኢላ ከሲሳ።

ምስቲ ብ22 ሚያዝያ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ዝዀነ ርክብ ከምዘይብሉ ፓኪስታን ትገልጽ።

ድሕሪኡ ኣብ ዝነበረ ክልተ ሰሙናት፡ ክልቲኦም ወገናት፡ ዲፕሎማሰኛታት ምስጓግ፣ ቪዛ ምቍራጽን መሳገሪ ዶባት ምዕጻውን ሓዊሱ፡ ኣብ ልዕሊ ነንሕድሕዶም ስጕምትታት ወሲዶም ነይሮም።

ብዙሓት ግን፡ ከምቲ ኣብ 2019፡ 40 ህንዳውያን ወተሃደራት ዝሞቱሉ መጥቃዕቲ ፑልዋማ ዝተራእየ፡ ናብ ገለ ዓይነት ስግረ-ዶባዊ ግጭት ክዓቢ'ዩ ዝብል ስግኣት ነይርዎም።

ስለምንታይ እያ ካሽሚር መበኣሲት ነጥቢ ኰይና?

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ካሽሚር ምሉእ ብምሉእ ብህንዲን ፓኪስታንን ሕቶ ዋንነት ዝቐርበላ ኰይኑ፡ ኣብ 1947 ካብ ብሪጣንያ ናጽነት ድሕሪ ምርካበን፡ ኣብ መንጐአን ተመቓቒላ እያ እትመሓደር።

እተን ሃገራት ኣብ ልዕሊኣ ክልተ ዙር ኲናት ኣካይደን እየን።

ሕጂ ንክልቲአን ሃገራት ኣብ ኣፍደገ ኲናት ዝመርሐን ግን፡ ብዕጡቓት ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ እዩ።

ብህንዲ እትመሓደር ካሽሚር ካብ 1989 ጀሚሩ ኣንጻር መግዛእቲ ህንዲ ዕጥቃዊ ቃልሲ ርእያ ኣላ፤ ዕጡቓት ንሓይልታት ጸጥታን ሲቪላትን ብማዕረ ዒላማ ክገብሩ ይረአዩ።

ህንዲ ኣብ 2019 ንካሽሚር ሓውሲ ርእሰ-ምሕደራ ዝህብ ዓንቀጽ 370 ድሕሪ ምስራዛ፡ እዚ ናይ ሕጂ፡ ኣብ ልዕሊ ሲቪላት ናይ መጀመርታ ዓቢ መጥቃዕቲ እዩ።

ነቲ ውሳነ ስዒቡ፡ እቲ ዞባ ተቓውሞታት ኣአንጊዱ'ኳ እንተነበረ፡ ዕጡቓት እናነከየን ቍጽሪ በጻሕቲ እናወሰኸን መጺኡ ነይሩ።

ኣብ 2016፡ ኣብ ኡሪ 19 ወተሃደራት ህንዲ ድሕሪ ምቕታሎም፡ ህንዲ ኣብ ስግር መስመር ቍጽጽር ዶብ ህንዲን ፓኪስታንን - ንመደበራት ዕጡቓት ዒላማ ዝገበረ "ዝተመረጸ መጥቃዕቲ" ኣካይዳ።

ኣብ 2019፡ እቲ 40 ህንዳውያን ሚሊሻታት ዝሞቱሉ መጥቃዕቲ ቦምባታት ፑልዋማ፡ ኣብ ውሽጢ ባላኮት ኣዝዩ እትው ዝበለ መጥቃዕቲ ነፈርቲ ኣስዒቡ።

ከምዚ ዓይነት ስጕምቲ፡ ድሕሪ 1971 ኣብ ውሽጢ ፓኪስታን ናይ መጀመርታ ኰይኑ፡ ሕነ ንምፍዳይ ወራራትን ካብ ኣየር ውግኣትን ኣበጊሱ።

እቲ ውግእ ከምቲ ዝተፈርሐ ልዕሊኡ ኣይከደን።

ከምኡ እንተዀይኑ እንታይ ከጋጥም ከምዝኽእል ግን ሓደጋኡ ዓለም ብትኹረት ዝርእዮ ዘሎ እዩ።

ዝተፈላለዩ ሃገራትን ዲፕሎማሰኛታትን ነቲ ኵነታት ከዘሓሕሉ ይፍትኑ ኣለዉ።

ድሮ ዋና ጸሓፊ፡ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉተረዝ፡ እቲ ግጭት ከይጋደድ ክጽውዕ እንከሎ፡ ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ ድማ እቲ ውግእ "ኣዝዩ ቀልጢፉ ክሃድእ" ተስፋ ከምዘለዎ ገሊጹ።