ህንዲ፡ ስማ ናብ 'ብሃራት' ድያ ትቕይሮ ዘላ?

ሓወልቲ ማህተማ ጋንዲ

ምንጪ ስእሊ, Getty

መግለጺ ስእሊ, ማህተማ ጋንዲ! እቲ ትእምርቲ ናጽነት ህንዲ፡ እታ ሃገር ካብ መግዛእቲ ብሪጣንያ ሓራ ምስ ወጸት፡ ሃገር ሂንዱ ክትከውን ንዝቐረበ ጻውዒት ነጺጉ እዩ

ትእምርቲ ናጽነት ህንዲ ዝዀነ ማህተማ ጋንዲ፡ ህንዲ ካብ ብሪጣንያ ሓራ ምስ ወጸት ሃገር ሂንዱ ክትከውን ንዝቐረበ ጻውዒት ነጺጉ።

"ህንዲ ማለት ብሃራት፡ ሕብረት ሃገራት ክትከውን እያ" ይብል ቀዳማይ ዓንቀጽ ቅዋም እታ ሃገር፤ ኣብ መቕድሙ፡ "ንሕና ህዝቢ ህንዲ..."

ብሃራት ብቛንቋ ሂንዱ፡ ንህንዲ ንምምልካት ብሰፊሑ ዝዝውተር መጸውዒ እዩ። ብእንግሊዝኛ ወግዓዊ ርክባት ክካየድ እንከሎ ግን ‘ህንዲ’ ዝብል መጸውዒ ኣብ ጥቕሚ ይውዕል።

መንግስቲ ናሬንድራ ሞዲ፡ ሕጂ ነዚ ንነዊሕ ዝጸንሐ ኣሰራርሓ ይቕይሮ ኣሎ፤ ንቀዳም 9 መስከረም ንዋዕላ G20 ብስም 'ፕረዚደንት ብሃራት' ኢሉ ዕድመ ድራር ሰዲዱ ኣሎ።

ከምኡ'ውን ኣብ ዋዕላ ኣሲያ- ህንዲ ዝምልከት ጋዜጣዊ መግለጺ፡ ንናሬንድራ ሞዲ 'ቀዳማይ ሚኒስተር ብሃራት' ኢሉ ተባሂሉ ክጥቀስ ተሰሚዑ እዩ።

ብሃራት እንታይ እዩ?

ስነ-ጽሑፍ ሂንዱ ኣብ መንጎ ሂማላያን ውቅያኖሳትን ዝርከብ መሬት "ብሃራትቫርሽ" ኢሉ ይገልጾ።

ናሬንድራ ሞዲ፡ ኣብ ጽንብል

ምንጪ ስእሊ, Getty

መግለጺ ስእሊ, ናሬንድራ ሞዲ ኣብ ንእስነቱ እዩ ናብቲ ውዳበ ሃገራውያን ወለንተኛታት ተጸንቢሩ

ብመሰረት ጽዋታት ሂንዱ፡ ብሃራታ ንጉስ ሃስቲናፑራ (ሕጂ ሃስቲናፑር ተባሂላ እትጽዋዕን ካብ ደልሂ ንምብራቕ እትርከብን) እዩ ነይሩ፤ ንሱ ንብዘላ እታ ሃገር ወሪሩ ከም ቅኑዕ ንጉስ ይቝጸር ነበረ።

ኣብቲ ዝጸንሐ ጽሑፍ ሂንዱ ሪግ ቬዳ፡ ባራታ ከም ስም ናይ ሓደ ጉጅለ ሰባት ተጠቒሱ ኣሎ።

ምድረ ብሃራታ ብሳንስክሪት ትሕብሕብን እትህብን መሬት ማለት እዩ፤ ባህሊ እውን ከመልክት ይኽእል እዩ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ህንዲ ነበር፡ ጃዋሃርላል ኔህሩ፡ ኣብ 1927 "ህንዲ ባራታ፡ ቅድስቲ መሬት ሂንዱ እያ ነይራ፤ ዓበይቲ ቦታታት ንግደት ሂንዱ ኸኣ ኣብ ኣርባዕተ ኩርናዓት ህንዲ ምህላዎም ብዘይትርጉም ኣይኮነን፡" ክብል ጽሒፉ ነይሩ።

ብሃራት ግን ታሪኻዊ ሰብ ኣይኮነን

ኣብ ፓሪስ ዝመደበራ ካትሪን ክሌመንቲን-ኦጃ ዝተባህለት ተመራማሪት፡ ኣብ 2014 ኣብ ዘቕረበቶ መጽናዕታዊ ጽሑፍ "ብሃራታ፡ ብዛዕባ ሓደ ሓሳባዊ ሰፈር ዝግበር ትረኻ እምበር፡ ንሓደ ብዓይኒ ዝርአ ቦታ ዝገልጽ ኣይኰነን። ስለዚ፡ ዲስኩር’ዚ፡ ኣብዚ ዘመናዊ ካርታ ዓለም ክትስእሎ ዝከኣል ኣይኰነን፡" ኢላ ትምጕት።

ህንድን ሂንዱስታንን ዝብሉ ኣስማትከ?

ፋርሳውያን፡ ነቲ ብላቲን 'ህንዲ' ተባሂሉ ዝግለጽ ሩባ ኢንዱስ 'ሂንዱ' ኢሎም ይጽውዕዎ፤ 'ህንዲ' ዝብል ስም እውን ንገዛእ ርእሱ ጥንታዊ እዩ።

ቀዳማይ ገጽ ቅዋም ህንዲ

ምንጪ ስእሊ, By Arrangement

መግለጺ ስእሊ, መቕድም ናይቲ ቅዋም 'ህንዲ' ይብል፤ ኣብ ቀዳማይ ዓንቀጽ ግን 'ህንዲ - ማለት ብሃራት' ክብል ኣስፊሩ'ሎ
መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

እቶም ንልዕሊ ክልተ ዘመን ነቲ መሬት ዝገዝኡ ዝነበሩ ኣስላም ሙጋል፡ "ባድሻህታስ ሂንዱስታን"፡ ማለት ገዛእቲ ወይ ሃጸያት ሂንዱስታን ኢሎም ይሕበኑ ነበሩ።

ስለዚ፡ እቲ 'ሂንዱስታን' ዝብል ስም ንባዕሉ’ውን ካብ ቋንቋ ፋርስ ዝመጸ እዩ። ስለዚ፡ ክልቲኡ ህንዲን ሂንዱስታንን ዝብል መጸውዒ፡ ቅድሚ’ቲ ኣብ 1757 ንቤንጋል ብምውራር ዝጀመረ መግዛእቲ እንግሊዝ ዝነበረ ነዊሕ ዝጸንሐን ኣስማት እዩ።

በዚ መሰረት፡ 'ብሃራት' ዝብል መጸውዒ ምቕያር ማለት እምበኣር፡ እታ ሃገር ካብ መግዛእታዊ ኣሰራት እንግሊዝ ንኽትላቐቕ ከምዝሕግዛ ይዝረብ።

"ውሳነ ምጥቃም 'ብሃራት’ ዓቢ መግለጺ ኣንጻር መግዛእታዊ ኣተሓሳስባ እዩ" ይብል ሚኒስተር ትምህርቲ ህንዲ ዳርመንድራ ፕራድሃን።

ህንዲ ዝብል ስም ግን፡ ንልዕሊ ክልተ ሽሕ ዓመታት ከገልግል ምጽንሑ ክፍለጥ ይግባእ።

ምናልባት እቲ ዝጠንተወ መወከሲ ህንዲ፡ ካብቲ ብ350 ቅድሚ ልደተ ክርስቶስ ዝተወል፡ ብስም 'ህንዲካ' ኣርባዕተ መጻሕፍቲ ዝጸሓፈ ግሪኻዊ ጸሓፍ ታሪኽ መጋስቴነስ ዝመጸ ክኸውን ከም ዝኽእል ይግመት።

ፍሉጥ እንግሊዛዊ ጸሓፊ ዊልያም ሸክስፒር እውን ኣብ ድራማታቱ፡ ህንዲ ዝብል ስም ተጠቒሙ ከም ዘሎ ይፍለጥ።

ሸክስፒር ኣብታ ካብ 1591-2 ከም ዝተጻሕፈት እትእመን፡ ንጉስ ሄንሪ ሻድሻይ እትብል ድራማ "ዘውደይ ኣብ ልበይ እምበር ኣብ ርእሰይ ኣይኮነን፡ ብኣልማዝን ህንዳዊ ኣእማንን ኣይተሰለመን" ዝብል ጠቒሱ’ሎ።

እንግሊዛውያን ነጋዶ፡ ኣብ 1600 ናብ ህንዲ ብምእታው ‘ምብራቕ ህንዲ’ ዝብል ኩባንያ መስሪቶም። እታ ሃገር ኣብ ቀዳማይ ሕታም ‘ኪንግ ጀምስ’ - ቅዱስ መጽሓፍ ፕሮቴስታንት - 'ህንዲ' ተባሂላ'ውን ተጸዊዓ ነይራ። እዚ ኵሉ ፍጻመታት ቅድሚ መግዛእቲ እንግሊዝ ኣብታ ሃገር ምዃኑ እዩ።

ፍርሕን ተቓውሞን

ቀዳማይ ሚኒስተር ናሬንድራ ሞዲ፡ ካብ 2014 ጀሚሩ ንህንዲ ዝመርሕ ዘሎ ኰይኑ፡ ካብቲ ኣብ መብዛሕትአን ግዝኣታት እውን ስልጣን ጨቢጡ ዘሎ ብሃራቲያ ጃናታ ፓርቲ (BJP) ዝመጸ እዩ።

እዚ ፖለቲካዊ ሰልፊ፡ የማናዊ ኰይኑ፡ ምስቲ ህንዲ 'ሃገር ሂንዱ' ክትከውን ኣለዋ ኢሉ ኣኽሪሩ ዝንቀሳቐስ፡ [ሃገራዊ ትካል ወለንተኛታ] ዝብል ስም ዝሓዘ ውዳበ ጥቡቕ ርክብ ኣለዎ።

ናሬንድራ ሞዲ ንእስነቱ እዩ ናብ ውዳበ ወለንተኛታት ተጸንቢሩ፤ ቀልጢፉ ድማ ጸብለል ኢሉ ተራእዩ።

ድሕሪ ናጽነት ህንዲ፡ እዚ ትካል ወለንተኛታት ሰለስተ ግዜ ተኣጊዱ እዩ። ፈለማ፡ ኣብ 1948 ድሕሪ ቅትለት እቲ ሃገራዊ ትእምርቲ ማህተማ ኰይኑ፡ ኣብቲ ቅትለት ውዲት ኣሊሙ ተባሂሉ ተኸሲሱ ነይሩ፤ ደሓር ግን ነጻ ኰይኑ።

ሃገራውያን ጉጅለታት ሂንዱ፡ ኣብ ቃልሲ ናጽነት ህንዲ ትሑት ተራ እዩ ነይርዎም።

ሰልፊ RSS ኣብ ጃይፑር

ምንጪ ስእሊ, Getty

መግለጺ ስእሊ, እቲ RSS ዝተባህለ ውዳበ ኣንጻር ኣስላም ውዲታት ከም ዝጥጅእ ይኽሰስ

መንግስቲ ሞዲ፡ ካብ 18-22 መስከረም ፍሉይ ኣኼባ ባይቶ ጸዊዑ ከም ዘሎ ዝፍለጥ ኰይኑ፡ እዚ ፍሉይ ኣኼባ ግን ስም እታ ሃገር ንምቕያር ክኸውን ከምዝኽእል ተቓወምቲ ፖለቲከኛታትን ተንተንትን ይግምቱ።

ነቲ ኣኼባ፡ ኣብቲ ድሮ ካርታ ዓባይ ብሃራት ዝረኣዮ ሓድሽ ህንጻ ባይቶ ዝካየድ ቀዳማይ ኣኼባ ክኸውን እዩ። እዚ ካርታ እዚ ንጐረባብቲ ሃገራት ከም ገለ ክፋል ኣፍጋኒስታን፡ መላእ ፓኪስታን፡ ኔፓል፡ ባንግላድሽ፡ ሲሪላንካን ሚያንማርን ዘጠቓልል እዩ።

ጐረባብቲ ሃገራት ህንዲ ብወግዒ ተቓውሞአን የስምዓ ኣለዋ።

ሓድሽ ህንጻ ባይቶ

ምንጪ ስእሊ, Getty

መግለጺ ስእሊ, እቲ ኣብዚ ሓድሽ ህንጻ ባይቶ ህንዲ ዝጋባእ ቀዳማይ ኣኼባ፡ ስም ናይታ ሃገር ንምቕያር እዩ ይበሃል

ነቐፍቲ፡ ውድብ ቢጄፒ ንባህላዊ ምልክታት ሂንዱ ከም ታሪኻዊ ምልክታት ናይ ምጥቃም ልምዲ ከምዘለዎን፡ ብምጥቃስ፡ ተቓወምቲ በዚ ዝግበር ዘሎ ምንቅስቓሳት ተቓውሞ’ኦም ከስምዑ ይሸባሸቡ ከምዘለዉን ይዛረቡ።

"ንሓደ ካብተን ክልተ ወግዓውያን ኣስማት እታ ሃገር ዝዀነት ‘ብሃራት’ ኢልካ ንህንዲ ክትጽውዓ ዝድርት ቅዋማዊ ሕጊ ከምዘየለ ብምጥቃስ፡ ሻሺ ታሩር ዝተባህለ ኣባል ባይቶ ሰልፊ ሃገራዊ ኮንግረስ ህንዲ፡ “ መንግስቲ ግን ነታ ማእለያ ዘይብሉ ክብሪታት ኣብ ዘመናት ዝተሃንጸት 'ህንዲ' ምሉእ ብምሉእ ዝድምስስ ዓሻ ከይከውን ተስፋ እገብር፡" ክብል ኣብ ትዊተር ጽሒፉ።