ኣብ ካሽሚር እንታይ እዩ ኣጋጢሙ ዘሎ?

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ህንዲ፡ ግዝኣት ካሽሚር ዝነበራ ርእሰ ምሕደራዊ ናጽነት ክግፈፍ ወሲና ኣላ። ነታ ሃገር ዝመርሕ ዘሎ መንግስቲ፡ ነቲ ውሳነ "ታሪኻዊ ጌጋ" ንምዕራይ ዝተወሰደ እርማት ገይሩ የቕርቦ።
ካሽሚር ንምንታይ እያ ኣካታዒት ኮይና?
ካሽሚር ኣብ ከባቢ ሂማልያ እትርከብ፡ ህንድን ፓኪስታንን 'ናተይ እያ፡ ናተይ እባ' ብዝብል ዝፋጠጣላ ግዝኣት እያ።
እቲ ጃሙን ካሽሚርን ዝበሃል ከባቢ፡ መግዛእቲ እንግሊዝ ኣብ 1947 ከብቅዕ እንከሎ እዩ ምስ ህንዲ ተጸምቢሩ።
ብድሕሪኡ ህንድን ፓኪስታንን ሽዑ ንሽዑ ሕቶ ዋንነት ኣልዒለን ናብ ኩናት ኣተዋ። ዝተፈላለየ ክፋል ተቖጻጺረን እናሃለዋ ከኣ፡ ተኹሲ ደው ናይ ምባል ስምምዕነት ፈጺመን።
ኣብቲ ህንዲ ዝተቖጻጸረቶ ክፋል ጃሙን ካሽሚርን ንመግዛእቲ ህንዲ ብምቅዋምን ክንጸሉ ብምድላይን ን 30 ዓመታት ጎንጽታት ከጋጥሙ ጸኒሖም።
ሕዚ እንታይ እዩ ኣጋጢሙ?
ኣብ መፈለምታ ወርሒ ነሓሰ፡ ኣብ ካሽሚር ገለ ሓድሽ ተርእዮታት ከምዘሎ ምልክታት ነይሩ።
ብዓሰርተታት ኣሸሓት ዝቑጸሩ ወተሃደራት ህንዲ ናብቲ ኸባቢ ኣትዮም፣ ኣብያተ ትምህርትን ኮሌጃትን ተዓጽየን። በጻሕቲ ዓዲ ካብቲ ቦታ ክወጹ ተነጊርዎም፤ ኣገልግሎት ኢንተርኔትን ቴሌፎንን ተቛሪጹ፤ መራሕቲ ናይተ ከባብን ፖለቲካኛታትን ድማ ኣብ ናይ ገዛ ማሕዩር ክኣትዉ ተገይሮም።
ሽዑ፡ እቲ ኣብ ሕገመንግስቲ ህንዲ ንኡስ ዓንቀጽ 35A ዝርከብን ንህዝቢ ካሽሚር ፍሉይ ሓለፋታት ዝህብን ንኡስ ዓንቀጽ ክእለይ ምዃኑ ጽንጽንታ ክስማዕ ጀሚሩ።
መንግስቲ፡ ዳርጋ ንምሉእ ዓንቀጽ 370 ክኣልዮ ምዃኑ ምስተዛረበ ግን ብዙሕ ሰብ ሰንቢዱ። እዚ ዓንቀጽ እዚ፡ ሰረት ናይቲ ካሽሚር ምስ ህንዲ ንዝሓለፉ 70 ዓመታት ዝነበራ ሕልክልኽ ዝበለ ርክብ እዩ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣገዳስነት ዓንቀጽ 370
እዚ ዓንቀጽ ንግዝኣት (ክልል) ካሽሚር ዝተወሰነ መጠን ናጽነት ርእሰ ምሕደራ ዝህባ እዩ ነይሩ። ናይ ባዕላ ሕገመንግስቲ፡ ናይ ባዕላ ባንዴራ፣ ናይ ባዕላ ሕግታት ክተውጽእ እውን ዘፍቅድ እዩ ነይሩ።
ርክባት ወጻኢ፣ ሓይሊ ምክልኻልን ኣገልግሎት ኮሚዩኒኬሽንን ግን ኣብ ኢድ ማእከላይ መንግስቲ እዩ ጸኒሑ።
ብመሰረት እዚ ናጽነት ድማ፡ ግዝኣት ጃሙን ካሽሚርን፡ ኣብቲ ክልል ብቐዋምነት ናይ ምንባር መሰል፣ መሬት ናይ ምውናን መሰልን ካልኦት መሰረታዊ መሰላትን ዝምልከቱ ናይ ባዕላ ሕግታት ተውጽእ ነይራ።
እዚ ማለት፡ ተወለድቲ ናይቲ ከባቢ ዘይኮኑ ህንዳውያን መሬት ከይዕድጉን ኣብኡ ከይሰፍሩን ክትእግድ ትኽእል እያ።
ድሕሪ መግዛእቲ አንግሊዝ፤ ህንድን ፓኪስታንን ክፈላለያ እንከለዋ፡ ምስ ህንዲ ዝተጸምበረት ኣብዝሓ ተኸተልቲ እምነት እስልምና ዝነብሩላ ግዝኣት እያ - ካሽሚር።
መንግስቲ ንምንታይ እዩ ነቲ ውሳነ ኣሕሊፉ?
ቀዳማይ ሚኒስተር ናሬንድራ ሞዲን ውድቡን፡ ንዓንቀጽ 370 ክቃወምዎ እዮም ጸኒሖም። ኣብ መረጻ 2019፡ ነዚ ዓንቀጽ ከምዝኣልዩዎ'ውን ይጉስጉሱ ነይሮም።
ንግዝኣት ካሽሚር ከምቲ ካልእ ክፋል ህንዲ ንምግባር፡ እዚ ዓንቀጽ ክእለ ከምዘለዎ ይካትዑ።
ነዚ ውሳነ ዝነቕፉ ሰባት ግን፡ መንግስቲ ነቲ ኣብታ ሃገር ኣጋጢሙ ዘሎ ዝሕታለ ቁጠባ ንምሽፋን ዝጥቀመሉ ዘሎ ኣቓልቦ ናይ ምጥዋይ ሜላ እዩ ይብሉ።
ብዙሓት ተወለድቲ ካሽሚር፡ እቲ ነታ ሃገር ይመርሕ ዘሎ ውድብ፡ ብዙሓት ደቂ ካሽሚር ዘይኮኑ ሰባት ኣብታ ግዝኣት መሬት እናዓደጉ ክሰፍሩ ብምግባር 'ዴሞግራፍያዊ ለውጢ' ከምጽእ እዩ ዝደሊ ክብሉ ይነቕፍዎ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
እንታይ ለውጢ እዩ ክመጽእ?
ካሽሚር፡ ድሕሪ ደጊም ናይ ባዕላ ሕገመንግስቲ ኣይህልዋን። ከም ካልኦት ግዝኣታት፤ ብሕገመንግስቲ ህንዲ እያ ክትቅየድ።
ኩሉ ሕግታት ናይ ህንዲ፤ ኣብ ልዕሊ ካሽሚራውያን እውን ተፈጻሚ ክኸውን እዩ፤ ደቂ ካሽሚር ዘይኮኑ ሰባት ድማ ኣብ ካሽሚር መሬት ክዕድጉ ከፍቅደሎም እዩ ማለት እዩ።
ሕጋውነት'ቲ ውሳነ
ብመሰረት እቲ ሕገመንግስቲ፤ ዓንቀጽ 370 ክመሓየሽ ዝኽእል "ክልላዊ መንግስቲ" ምስ ዝሰማማዕ ጥራይ እዩ። ግን ከኣ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሓደ ዓመት ኣብቲ ግዛኣት ክልላዊ መንግስቲ ዳርጋ ኣይነበረን።
ብሜህቦባ ሙፍቲ ዝምራሕ መንግስቲ ናይቲ ክልል ምስተሳዕረ፡ እታ ግዝኣት ብፌደራል እያ ክተመሓደር ጸኒሓ።
እዚ ማለት ድማ፤ እቲ ፌደራላዊ መንግስቲ ካብቲ ባዕሉ ዘቐመጦ ኣመሓዳሪ እዩ ፍቓድ ክሓትት ማለት እዩ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







