ዛፖርዚዝያ፡ ብሩስያ ዝተታሕዘ ማእከል ኑክሌር ዩክረይን ማዕረ ክንደይ ሓደገኛ እዩ?

ወተሃደር

ምንጪ ስእሊ, Reuters

ተቘጻጻሪ ኑክሌር ሕቡራት ሃገራት፡ ከባቢ እቲ ብሩስያ ተታሒዙ ዘሎ ገዚፍ ማእከል ኑክሌር ዩክረይን ካብ ወተሃደራዊ ምንቅስቓሰ ነጻ ክኸውን ይጽውዕ ኣሎ።

ዓለምለኻዊ ትካል ኣቶማዊ ጸዓት (ኣይ ኤ ኢ ኤ) ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ ከምዝሓበሮ፡ ኣብቲ ከባቢ ዝፍጸሙ ዘለዉ ደብዳባት፡ ዛጊት ቅሉዕ ሓደጋ ኑክሌር'ኳ እንተዘይፈጠሩ፡ ራድዮሎጂያዊ ላሕዂ ጨረር ከስዕብ ዝኽእል ሓደጋ ናይ ምፍጣር ስግኣት ከምዘሎ ግን ገሊጹ።

ሰብ ሞያ እቲ ትካል'ውን ኣብቲ ኣብ ማእከል ዓውደ ኲናት ዝርከብ ትካል ኑክሌር ጉድኣት ከም ዝወረደ ኣረጋጊጾም ኣለዉ።

ኣብቲ ማእከል ኑክሌር እንታይ እዩ ኣጋጢሙ?

ሩስያ ንዩክረይን ዝወረረትሉ ኣብ ካልኣይ ሰሙኑ እያ ንመማዕበሊ ትካል ኑክሌር ዛፖርዚዝያ ተቘጻጺራቶ።

ኣብ መንጐ ክልቲኦም ሓይልታት ዝካየድ ዝነበረ ውግእ ናብቲ ማእከል እናቐረበ ምስመጸ፡ ኣብ ሓደ ህንጻ እቲ ትካል ባርዕ ሓዊ ተላዒሉ፤ እቲ ኵነታት ኣብ መላእ ኣውሮጳ ሻቕሎት ፈጢሩ ነይሩ።

እቲ ማእክለ፡ ሽዱሽተ መብላዕልዒን፡ ብዙሕ ጓሓፍ ራድዮኣክቲቭ ዝቕመጠሉ ደርብታትን ኣለዎ።

ኣብቲ እዋን ሓደ ሰራሕተኛ እቲ ትካል፡ ኣብቲ ማእከል “ቀጥታዊ ደብዳብ” ይፍጸም ከምዘሎን ካብቶም መብላዕልዒ ከምዝተጐደአን ተዛሪቡ ነይሩ።

ኣብ ዛፖርዚዝያ ዘተላዕለ ባርዕ ሓዊ ቀልጢፉ ከም ዝጠፍእ ተገይሩ፤ እቲ ፍጻመ ግን ዓለምለኻዊ ውግዘት ኣስዒቡን ሕቡራት ሃገራት ቅልጡፍ ኣኼባ ክጽውዕ ምኽንያት ኰይኑን እዩ።

ሰብ ሞያ

ምንጪ ስእሊ, EPA

መግለጺ ስእሊ, ሰብሞያ ምቍጽጻር ኑክለር ሕቡራት ሃገራት

ሩስያ ብወገና እቲ ባርዕ ሓዊ “ዩክሬናውያን ሽርሐኛታት” ዝወልዕዎ እዩ ኢላ።

ካብ መፋርቕ ወርሒ ሓምለ፡ ሓይልታት ሩስያ ካብ ቀረባ ርሕቐት ናብ ዛፖርዚዝያ ይትኵሱ ከምዘለዉ ዝገልጽ ክሲ ብምቕራብ ነቲ ማእከል ዝምልከት ሻቕሎት ወሲኹ።

ትካል ኑክሌር ዩክረይን ሩስያ ሮኬታት ብምትኳስ ኣብ ልዕሊ ዛፖርዚዝያ ጉድኣት ኣብጺሓ ኢሉ ክኸስስ እንከሎ፡ ሩስያ ድማ ሓይልታት ዩክረይን ናብቲ ማእከል ተኲሶም ኢላ።

ነቲ ትካል ውሑስ ኰይኑ ክሰርሕ ካብ ዘኽእሎ መስመር ኤሌክትሪክ ወጻኢ ዘሎ ሓይሊ መብራህቲ እውን ብተደጋጋሚ ተቛሪጹ ነይሩ።

ከጋጥም ዝኽእል ዝኸፈአ ነገር እንታይ እዩ?

እቶም መብላዕልዒ እንተተደብዲቦም ወይ ብሮኬት እንተተሃሪሞም ከጋጥም ዝኽእል ቀዳማይ ነገር፡ ኣብ ልዕሊ እቲ ጨረር ንኸይወጽእ ዝተሰረሐ መከላኸሊ ጕድኣት ምውራድ እዩ። ዋላ'ኳ እቶም መብላዕላዕቲ ዝተወሰነ ደጋዊ ጸቕጢ ክጻወሩ ተገይሮም ዝተሰርሑ ክዀኑ እንከለው፡ ቀጥታ ዝትኮስ ኣጽዋር ግን ክጻወሩ ኣይክእሉን።

መከላኸሊ ናይቲ መብላዕልዒ ወይ ስርዓተ ምዝሓል እንተተጐዲኡ ላሕዂ ጨረር (ራድየሽን) ከጋጥም ይኽእል እዩ።

ነትጒ ኑክሌር ወይ ሃይድሮጅን እውን ከጋጥም ተኽእሎ ኣሎ።

“ካብቶም መብላዕልዒ ሓደ፡ ብሮኬት እንተተሃሪሙ፡ እቲ ዘጋጥም ላሕዂ ኣብ ኣውሮጳ፡ ኣብታ ብሩስያ ዝተጐብጠት ክረሚያ፡ ከምኡ እውን ኣብ መላእ ዩክረይን ሳዕቤን ክህልዎ እዩ” ይብል ዩክሬናዊ ዘይሻራዊ በዓል ሞያ ኑክሌር ኦልሃ ኮሻርና።

ሩስያዊ ምሁር ፊዚክስ ኣንድሬ ኦዝሃሮቭስኪ እውን ኣብ ዛፖርዚዝያ ሓደጋ እንተጋጢሙ፡ ኣብ ኣየር ነዊሕ ክጓዓዝ ዝኽእል ራድዮኣክቲቭ ሳይሲየም-137 ዝተባህለ ቅራር ኑክሌር ክወጽእ ከምዝኽእል የጠንቅቕ።

እቲ ቅራር ኣብ ልዕሊ ጥዕና ደቂ ሰባትን መሬት ሕርሻን ከቢድ ጉድኣት ከብጽሕ ዝኽእልን እዩ።

ብተወሳኺ ከም ኣንፈትን ጉልበትን ንፋስ ኣብ ርሑቕ ከባቢ ዝርከባ ሃገራት እውን ጉድኣት ከብጽሕ ይኽእል።

ካብ መብላዕለዕቲ እቲ ትካል ብተወሳኺ መኸዘኒ ቅራር ዛፖርዚዝያ እውን ሓደጋ ክወርዱ ይኽእሉ እዮም።

ማሕበረሰብ ዓለም እንታይ ክገብር ይኽእል?

ሩስያዊ ወታሃደር ኣብ ዛፖርዚዝያ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

ንማእከል ኑክሌር ዒላማ ዝገበረ መጥቃዕቲ ምፍጻም ብስምምዕ ጀኔቫ ዝተኸልከለ እዩ።

ኣብቲ ብ1949 ዝተፈረመ ስምምዕ ጀኔቫ ፕሮቶኮል 1፡ ግድባት፡ መትረባትን ማእከላት ኑክሌርን መጥቃዕቲ ምፍጻም ክልክል እዩ፤ ውሕጅን ላሕዂ ጨረርን ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት ከቢድ ጉድኣት ከውርዱ ስለዝኽእሉ።

ማእከል ጸዓት ንሲቪላዊ ዘይኰነስ ንወተሃደራዊ ኣገልግሎት ዝውዕል እንተዀይኑ ግን ዒላማ ክኸውን ይኽእል እዩ።

ኣብ ጥቓ ሓደገኛ ትሕቲ ቅርጺታት ዝተደኮኑ ወታሃደራዊ ዒላማታት እውን ተመሳሳሊ ሕጊ ተፈጻሚ ይኸውን። ንኸምዚኦም ዝበሉ ዒላማታት ምጥቃዕ ዝድገፍ ኣይኰነን።

ዩክረይን ሰማይ ዛፖርዚዝያ ካብ በረራ ነጻ ክኸውን ንማሕበረሰብ ዓለም ሓቲታ እያ። እዚ ድማ ኣብ ልዕሊ እቲ ማእከል ክፍጸም ዝኽእል ቀጥታዊ መጥቃዕቲ ዝከላኸል ጸረ ነፈርቲ ክቐርበላ ዝሓትት እዩ።

እንተዀነ፡ እተን ዝድግፋኣ ዘለዋ ሃገራት፡ ሩስያ ብቐጥታ ኣብቲ ኲናት ከም ምስታፍ ከይትቘጽሮ ስለዝሰግኣ ዝሰምር ኣይመስልን።