ሩስያ ነታ መላፍነታ ዝኾነት ቤላሩስ ኑዩክለራዊ ሚሳየል ክትህባ ምዃና ገሊጻ

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ሩስያ ነታ መላፍንታ ዝኾነት ቤላሩስ ናይ ሓጺር ርሕቀት ኒክለራዊ ሚሳይል ኣብ ዝመጽእ ኣዋርሕ ክትህባ ምዃና ፕረዚደንት ቭላድሚር ፑቲን ገሊጹ።
ፑቱን እቲ ንቤላሩስ ክህባ ምዃኑ ዝሓበሮ ሚሳየል “ክሩዝን ባላስቲክን ክውንጭፍ ዝኽእል ኮይኑ ንኣብ ስምምዕ ዘለዉን ንዓይነታት ኑዩክለርን ዘጠቃልል’ዩ” ኢሉ።
እቲ ሚሳኤል ክሳብ 500 ኪሎሜተር [310 ማይልስ] ክውንጨፍ ከምዝኽእል’ውን ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።
ሩስያ ብ24 ለካቲት ንዩክረይን ካብ ትወራ ኣትሒዙ ኣብ ሞንጎ ምዕራባውያን ሃገራትን ሩስያን ዝነበረ ወጥሪ ዝያዳ እናኸረረ’ዩ ዝምጽእ ዘሎ።
ፑቱን ምዕራብውያን ሃገራት ኣብ ጉዳይ ዩክረይንን ሃገሩን ጣልቃ ከይኣትዋ ብተደጋጋሚ ንኒክለራዊ ኣጽዋር እናኣልዓለ ከጠንቀቕን ከፈራርሕን ጸኒሑ እዩ።
እቲ ፕረዚደንት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ እቲ ቅድሚ ሕጂ ንቤላሩስ ዝሃባ ኤስዩ-25 ዝዓይነተን ነፈርቲ ውግእ’ውን ብመሰረት ካብ ፕረዚደንት ቤላሩስ ኣሌክሳነደር ዘሉካሸንኮ ዝቐረበሉ ሕቶ ኑክለር ክሽከማ ከምዝኽእላ ክግበራ ምዃኑን ኣብሪሁ።
ኣብ ተመሳሳሊ ዜና፡ ብቀዳም ሰራዊት ሩስያ ኣብ ምብራቕ ዩክረይን ትርከብ ከተማ ሰበርዶነስክ ከምዝተቆጻጸርዋ መንግስቲ ዩክረይን ገሊጹ።
እታ ከተማ ብሰራዊት ሩስያ ምትሓዛ፡ ሩስያ ንብምልኡ ዞባ ኩሁንስክን ዝበዝሐ ክፋል ዞባ ዶንስክለን ንኽቆጻጸሩ ኣኽኢልዎም ኣሎ።
እዘን ክልተ ዞባታት ነቲ ዝዓበየ ኣብ ዶባስ ዝርከብ ማእከል ኢንዱስትሪ ዘሓቑፋ እየን።
ፕረዚደንት ዩክረይን ቮሎድሚር ዘለንስኪ ብቀዳም ብቪድዩ ንህዝቡ ኣብ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ፡ “ንኹለን ብሩስያ ተጎቢጠን ዘለዋ ከተማታት ዩክረይን” ከምልስወን ምዃኖም ተመባጺዑ።
እንተኾነ እቲ ምስ ሩስያ ዝገብርዎ ዘለዉ ኵናት ኣብ ዝኸፈአ መድረኽ ከምዝብጽሐ ብምግላጽ፡ ከንደይ ዝኣክል ክሳራን ህይወትን ከምዝጠልብ ክግምት ምሽጋሩ ሓቢሩ።
ሩስያ፡ ብዓርቢ ኣብ ሰሜንን ምዕራብን ዩክረይን ዕላማታት ብምፍላይ ደብዳብ ናይ ሚሳየል ብምክያዳ ብውሕዱ ሰለስተ ሰባት ከምዝሞቱ ክረጋገጽ እንከሎ፡ በቲ ደብዳብ ዝተደብዩ ሰባት ክህልዉ ከምዝኽእሉ ሰብ መዚ ዩክረይን ገሊጾም።
ገለ ካብቲ ብዓርቢ ናብ ዩክረይን ዝተወንጨፈ ሚሳየላት ካብ ቤላሩስ’ዩ ዝብገስ ነይሩ።
ቤላሩስ ንሩስያ ሎጂሰቲካዊ ሓገዛት ትገብረላ ከምዘላ’ኳ እንተተኣመነት፡ ሰራዊታ ግን ዛጊት ኣብቲ ኵናት ብቀጥታ ኢዱ ኣይሓወሰን ዘሎ።
ሰብ መዚ ዩክረይን ግን ሩስያ ንቤላሩስ ናብቲ ኵናት ኢዳ ንኽትሕውስ ትጉስጉሳ ምህላዋ’ዩ ዝገልጹ።
ሎሚ ወጋሕታ’ውን ኣብ ርእሰ ከተማ ዩክረይን፡ ከይቭ ተደጋጋሚ ደብዳብ ከምዝተኻየደ ከንቲባ እታ ከተማ ገሊጹ።
ሩስያ፡ ንከተማ ሰበርዶነስክ፡ ኣብ ድሮ እቲ ፕረዚደንት ጆ ባይደን ዝርከቦም መራሕቲ ሃገራት ጉጅለ ሸውዓት (G7) ኣብ ጀርመን ዝግበርዎ ኣኼባ’ያ ትቆጻጸራ ዘላ።
ኣብ ዝሓለፈ ቀረባ ኣዋርሕ መላፍንቲ ዩክረይን ዝኾና ሃገራት ምዕራብ ረሸሽታ ክርእያ ጸኒሐን’የን፡ ኣብ ዝሓለፈ ቀዳም ግን ቀዳማይ ሚኒስተር ቦሪስ ጆንሶን፡ ዩክረይን ነቲ ኣንጻር ሩስያ ትገብሮ ዘላ ኵናት ብዓወት ከምእትዛዝሞ ተዛሪቡ።
እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር “ሕጂ ብዩክረይን ተስፋ ንቆርጸሉ እዋን ኣይኮነን” ኢሉ።
ምስ ጉጅል ሸውዓተ ኣኼባ ክሳተፍ ናብ ጀርመን ኣቕኒዑ ዘሎ ፕረዚደንት ኢንዶንሽያ ጆኮ ዊዶዶ ብሰንበት ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ ንመራሕቲ ዩከረይንን ሩስያን ጸገማቶም ብዘተ ክፈትሑ ክምሕጸኖም ምዃኑ ሓቢሩ።
ፕረዚደንት ጆኮ ዊዶዶ “ኵናት ደው ክብል ኣለዎ፡ ዳርጋ ደው ኢሉ ዘሎ ዓለምለካዊ ሰንሰለት ቀረባት መግቢ’ውን ዳግማይ ክበራበር ኣለዎ” ኢሉ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







