ሓይልታት ዩክረይን ካብ ኣገዳሲት ከተማ ከንሳሕቡ ተኣዚዞም

ወተሃደር ዩክረይን

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ሓይልታት ዩክረይን ካብታ ኣብ ምብራቓዊ ዞባ ዶንባስ እትርከብ ዓባይ ከተማ ሰቨሮዶነትስክ ክወጹ ከምዝተኣዘዙ ሓደ ብዓልስልጣን ናይቲ ከባቢ ሓቢሩ። 

ነቲ ዞባ ንምቁጽጻር ሓያል መጥቃዕቲ ከካይዱ ዝጸንሑ ሓይልታት ሩስያ፡ ኣብ ዝሓለፉ ሳምንታት ኣብ ልዕሊ’ታ ከተማ ጽዑቕ ደብዳብ ከካይዱ ምጽንሖም ይፍለጥ። 

ሓይልታት ዩክረይን ካብታ ከተማ ምስሓቦም፡ ብዘይካ ከተማ ሊሲካንስክ ሰራዊት ሩስያ ንዞባ ሉሃንስክ ምሉእ ብምሉ ተቖጻጺሩዎ ማለት’ዩ። 

እታ ብብዝሒ ቋንቋ ሩስያ ዝዝረበላ ሉሃንስክ ምቁጽጻር ፕረዚደንት ቭላድሚር ፑቲን ብቐዳምነት ዝሰርዖ’ዩ። 

እተን ሩስያ ርእሰን ዝኸኣላ 'ሪፓብሊካት' ክኾና ኣለወን እትብለን ዞባታት ዶነትስክን ሉሃንስክን ዩክረይን 'ዶንባስ' ኢላ ንትጽውዖ ሰፊሕ ዞባ ዘቑማ እየን።

ቭላድሚር ፑቲን፡ ካብ ሓቂ ወጻኢ፡ ተዛረብቲ ቋንቋ ሩስያ ዝኾኑ ነበርቲ እቲ ዞባ ግዳይ ምጽናት ዓሌት ይኾኑ ኣለዉ ብዝብል፡ ንምድሓኖም ንዩክረይን ከምዝወረረ ይምጉት።

ዩክረይን ብወገና፡ ሞስኮ ኣልማማ ደብዳብ ብምክያድ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዩክረይን ምጽናት ዓሌት ትፍጽም ኣላ ክትብል ትኸስስ።

ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ሓይልታት ሩስያ ንከተማ ሰቨሮዶነትስክ ዳርጋ ምሉእ ብምሉእ ኣብ ከበባ ብምእታው፡ ንከተማ ሊሲካንስክ'ውን ዒላማ ከምዝገበሩዋ ጸብጻባት ይሕብሩ።

"ንኣዋርሕ ዒላማ ደብዳብ ዘየቋርጽ ደብዳባት ኣብ ዝኾኑ ቦታታት ምጽናሕ ትርጉም የብሉን" ክብል ኣመሓዳሪ ዞባ ሉሃንስክ ሰርሂ ሃይዳይ ንተለቪዢን እታ ሃገር ተዛሪቡ።

"[ሓይልታት ዩክረይን] ናብቲ ስርሒታቶም ክቕጽልሉ ዘኽእሎም ሓድሽ ቦታታት ከንሳሕቡ ትእዛዝ ተቐቢሎም ኣለዉ" ኢሉ።

ኣባይቲን ህንጻታትን ዝርከቦ ትሕተ ቅርጺ ከተማ ሰቨሮዶነትስክ ዳርጋ ምሉእ ብምሉእ ከምዝዓነወ ሰብመዚ ይዛረቡ።

ብኣማኢት ዝቑጸሩ ነበርቲ ኣብታ ቅድሚ'ቲ ኲናት ምውልዑ 100 ሽሕ ህዝቢ ዝነበራ ከተማ ከምዘለዉ ይንገር።

ሓይልታት ሩስያ፡ ብሓሙስ ንደቡባዊ ኣንፈት ብዝገበርዎ ገስጋስ፡ ንሓይልታት ዩክረይን ኣብ ምሉእ ከበባ ከየእትውዎም ስግኣት ፈጢሩ ነይሩ።

ህዝቢ ካብታ ሓያል መከላኸሊ ዘለዋ ኣብ በሪኽ ቦታ ዝተደኮነት ከተማ ሊሲካንስክ ይወጽእ ከምዘሎ ኣመሓዳሪ ዞባ ሉሃንስክ ሰርሂ ሃይዳይ ሓቢሩ'ሎ።

እዚ ከምዚ'ሉ እንከሎ፡ ሓደ ብሩስያ ዝተመዘዘ ብዓልስልጣን ከተማ ከርሰን ኣብ መኪና ብዝተጻወደ ቦምባ ከምዝተቐተለ ማዕከናት ዜና ጸብጺበን።