ዩክረይን ምስ ኣውሮጳ ክትሓብር ትኽእል'ዶ? ግብረመልሲ ሩስያ ኸ እንታይ ይኸውን?

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ዩክረይን ናብቲ 27 ኣባላት ዘለዎ ሕብረት ኣውሮጳ ንምእታው ዘድልያ ናይ መጀመርታ ስጕምቲ ሰጊራ፡ ብወግዓዊ ሕጽይቲ ኣባል 'ቲ ሕብረት ኰይና'ላ።
መራሕቲ ሕብረት ኣውሮጳ ኣብቲ ሎሚን ጽባሕን ዝካየድ ዋዕላ፡ ነዚ ስጕምቲ'ዚ ክድግፍዎ ትጽቢት ይግበር።
ፕረዚደንት ዩክረይን፡ ሩስያ ሕነ ንኽትፈዲ ወተሃደራዊ መጥቃዕቲ ከተሐይል ከም እትኽእል ከኣ የጠንቅቕ።
ሕብረት ኣውሮጳ እንታይ እዩ ?
ድሕሪ ካልኣይ ውግእ ዓለም ዝመስረተ፡ ቍጠባውን ፖለቲካውን ሕብረት 27 ሃገራት ኣውሮጳ እዩ።
ኣብ መንጐ እዘን ኣባል ሃገራት ኣቕሑን ገንዘብን ብናጻ ይንቀሳቐስ፣ ዜጋታተን ከኣ ኣብ ውሽጢ እተን ሃገራት ክነብሩን ክሰርሑን ይኽእሉ።
ካብተን 27 ሃገራት እተን 19 ዝጥቀማሉ ገንዘብ ዩሮ እዩ። ልዕሊ 340 ሚልዮን ዝዀኑ ሰባት ዕዳጋኦም ብዩሮ ይፍፅሙ ማለት እዩ።
እተን ኣባል ሃገራት ኣብ ከም ውሕስነት ምግብን ሕርሻን ዝኣመሰሉ መዳያት ሓባራዊ መዐቀኒታት ይጥቀማ።
ብዘይካ'ዚ፡ ሕብረት ኣውሮጳ ቁጠባ እተን ዝደኸያ ሃገራት ንምድልዳል ሓገዝ ይገብር።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ዩክረይን ስለምንታይ'ያ ኣባል ሕብረት ኣውሮጳ ክትከውን ትደሊ?
ፕረዚደንት ቮሎድሚር ዘለንስኪ፡ ሩስያ ንዩክረይን ምስ ወረረት ድሕሪ ሓሙሽተ መዓልቲ'ዩ፡ ሃገሩ ኣባል ሕብረት ኣውሮጳ ንምዃን ኣመልኪቱ።
ንሱ፡ ብኡንብኡ ክሓብር'ኳ እንተሓተተ፡ እቲ መስርሕ ግን ዓመታት ክወስድ ይኽእል'ዩ።
ኣባል ሕብረት ኣውሮጳ ምዃን ቍጠባዊ ረብሓታት ኣለዎ። እንተዀነ ቀንዲ ድርኺት ዩክረይን ቍጠባዊ ኣይኰነን።
"ኣባል ሕብረት ኣውሮጳ ምዃን ማለት፡ [ዩክረይን] ከም ኣካል ሩስያ ዘይኮነትስ ከም ናጻን ልኡላዊትን ሃገር ክትርአ ዝገብራ እዩ" ይብል ዶ/ር ዛክ ፐይኪን።
ሃገራት ብኸመይ ኣባልነት ይረኽባ?
ፈለማ፡ ኮሚሽን ኣውሮጳ ሓንቲ ሃገር ብቕዕቲ ሕጽይቲ ምዃና ይግምግም።
ጽኑዕን ደሞክራሲያውን መንግስቲ እንተሃልይዋ፡ ንሰብኣዊ መሰላት እተኽብር እንተዀይና ከምኡ'ውን ናጻ ዕዳጋ እንተሃልይዋ ይምርምር።
ሓንቲ ሓዳስ ሃገር፡ ሕፅይቲ ቅድሚ ምዃና ኵለን ኣባላት ሕብረት ኣውሮጳ ክሰማምዓ ኣለወን።
እታ ሃገር ዕውትቲ እንተዀይና ንዅሉ ሕግታትን ስርዓታትን ሕብረት ኣውሮጳ ክትቅበል የድልይ። እዚ ድማ መብዛሕትኡ ግዜ ዓመታት እዩ ዝወስድ ከይዲ እዩ።
ኣብ መወዳእታ እታ ሃገር ነቲ ዅለን ኣባላት ዘፅድቓኦ ውዕል ትፍርም።
ምሉእ ኣባልነት ክንደይ ግዜ ይወስድ?
ኣብ ቀረባ ግዜ ኣባል ዝዀና ከም እኒ ቡልጋርያ፡ ሩማንያን ክሮኤሽያን እቲ መስርሕ ካብ 10 ክሳዕ 12 ዓመት ወሲዱለን እዩ።
ኣልባንያ፡ ሰሜን መቄዶንያ፡ ሞንተኔግሮን ሰርብያን ወግዓዊ ሕጹያት ካብ ዝዀና ዓመታት እንተሓለፈ’ውን ክሳብ ሎሚ ኣባላት ኣይኮናን።
ቱርኪ፡ ብ1999 እያ ተሓጽያ። ይዅን እምበር ጻብጻብ ሰብኣዊ መሰላት ቱርኪ ስለዘተሓሳስብ፡ እቲ መስርሕ ደው ኢሉ ኣሎ።
ጐረቤት ዩክረይን ዝዀነት ሞልዶቫን ዩክረይንን ኣብ ሓደ መዓልቲ እየን ሕጹያት ኮይነን። ጆርጅያ እውን ክትሕፀ ኣመልኪታ ነይራ። እንተዀነ ተወሳኺ ምምሕያሻት ክትገብር ከም ዘለዋ ተነጊርዋ።
ዩክረይን ምስ ሕብረት ኣውሮጳ ብኸመይ ትተኣሳሰር?
- ካብተን ኣባላት ሕብረት ኣውሮጳ እታ ዝዓበት እያ፤ 603,550 ትርብዒት ኪሎ ሜተር
- ብበዝሒ ህዝቢ ሓሙሸይቲ እያ፤ 44.13 ሚልዮን
- ዓመታዊ ዕብየት 3,724 ዶላር እዩ
- ሕብረት ኣውሮጳ ካብ ዝዕድጐ እኽሊ፡ 30 ሚእታዊ እተቕርብ ዩክረይን እያ።
ዩክረይን፡ ምስ ሕብረት ኣውሮጳ ዘለዋ እዋናዊ ምትእስሳር ከ?
ዩክረይን ካብ 2017 ኣትሒዛ ታሪፍ ከይከፈለት ምስ ኣባላት ሕብረት ኣውሮጳ ክትነግድ ክኢላ እያ።
ዩክረይን ኣባልነት ንምርካብ ካብ ተመልክት ጀሚሩ ንመብዛሕትኡ ሕግታታን ስርዓታታን ብመሰረት ስርዓታት ሕብረት ኣውሮጳ ክተመሓይሽ ፀኒሓ እያ።
ተወሳኺ እንታይ የድልያ?
ዩክረይን ጽቡቕ ስራሕ ከም ዝሰርሐት ዝገለጸ ፕረዚደንት ኮሚሽን ኣውሮጳ ኡርሱላ ቮን ደር፡ ተወሳኺ "ኣገዳሲ ምምሕያሻት" ክትገብር ከምዘለዋ ይገልጽ።
ንኣብነት ሕጊ ክተደላድል፡ ሰብኣዊ መሰላት ክተመሓይሽ፡ ስልጣን ልዑላንን ሃብታማትንን ክትንኪ ከምኡውን ንብልሽውና ክትቃለስ የድልያ።
"ዩክረይን ምሉእ ብምሉእ ናይ ዕዳጋ ቝጠባ ክትፈጥር'ውን የድልያ፤ እዚ ግን ንሓንቲ ሃገር 'ድሕረ-ሶቭየት ሪፓብሊክ' ዘጸግም እዩ፡" ይብል ዶ/ር ዛክ ፐይኪን።
ካልእ ብድሆ ኸኣ ነቲ ብሰፊሑ ዝተነቕፈ ስርዓተ ቤት ፍርዲ ዩክረይን ምጽራይ እዩ።
ድሒረን ዝተጸንበራ ሃገራት እንታይ ረቢሐን?
ቅድሚ 15 ዓመት ኣባል ዝኾነት ሩማንያ ሃገራዊ ኣታዊኣ ብሰለስተ ዕጽፊ፣ ናይ ቡልጋርያ ድማ ብዕፅፊ ወሲኹ።
ሕብረት ኣውሮጳ ሓገዝ መዋቕርን ወፍሪን ኣውሮጳ ብዝብል መደብ ንኽልቲአን ሃገራት ብዓሰርተታት ቢልዮናት ዩሮ ሂቡ እዩ። እዚ ንኣብነት ሓደስቲ መገድታትን ወደባትን ብምስራሕ ንቝጠባዊ ምዕባለ ይድግፍ እዩ።
ካብ 2014 ክሳዕ 2020 ቡልጋርያ 11.2 ቢልዮን ዩሮ፣ ሩማንያ ኸኣ 35 ቢልዮን ዩሮ ተቐቢለን እየን።
ይዅን እምበር ትራንስፓረንሲ ኢንተርናሽናል መብዛሕትኡ እዚ ገንዘብ'ዚ ብሰንኪ ብልሽውና ከም ዝጠፍአ ይማጐት።
ደሞዝ፡ ጥዕናን ትምህርትን እተን ኣባል ሃገራት ክርአ እንከሎ ቡልጋርያ ዝተሓተት እያ። ብመንጽር ድኽነት ሩማንያ ካብ ካልኣቲ ናብ ሻድሸይቲ ኣመሓይሻ ኣላ።
ብመሰረት ጸብጻብ ባንክ ዓለም፡ ኣስታት 1.5 ሚልዮን ቡልጋርያውያንን 4 ሚልዮን፡ ሩማንያውያንን ነቲ ሕብረት ኣውሮጳ ዘውጽኦ "ናጽነት ምንቅስቓስ " ዝብል ፖሊሲ፡ ናብ ካልኦት ሃገራት ንምኻድ ተጠቒሞምሉ እዮም። ነቐፍቲ እዚ "ብረይን ድረይን" [ንጽፈተ ኣእምሮ] እዚ ንመጻኢ ናይ ክልቲአን ሃገራት ተስፋ ከበላሹ ይኽእል እዩ ዝብል ፍርሂ ኣለዎም።
ሩስያ፡ 'ኣባል ሕብረት ኣውሮጳ ምዃን' ንተስፋ ዩክረይን እንታይ ግብረመልሲ ሂባትሉ?
ፕረዚደንት ቭላድሚር ፑቲን ነቲ ዩክረይን ኣባል ወተሃደራዊ ኪዳን ኔቶ ንምዃን ንነዊሕ እዋን ዘለዋ ባህጊ'ኳ እንተ ነቐፎ፡ ዩክረይን ኣባል ሕብረት ኣውሮጳ ክትከውን ብዙሕ ጸገም ከምዘይብሉ ተዛረቡ እዩ።
ይዅን እምበር ኣፈኛኡ ዲሚትሪ ፐስኮፍ፡ ሕብረት ሶቭየት ናይ ገዛእ ርእሳ ሓይሊ ምክልኻል ክትምስርት ትሓስብ ስለ ዘላ ክረምሊን ነቲ ጉዳይ "ዝያዳ ኣቓልቦ" ከም ዝገብረሉ ገሊጹ።
"ወተሃደራዊ ምክልኻልን ጸጥታን ተዋጽኦታት ንመያየጠሎም ኣለና። ንዅሉ ብዕቱብ ንዕዘብ ኣለና።"
ፕረዚደንት ዩክረይን ዘለንስኪ፡ ሩስያ ነቲ ስጕምቲ ሕነ ክትፈዲ ከም እትኽእል ኣጠንቂቑ ኣሎ።
"ካብ ሩስያ ዝዓበየ ተግባራት ቅርሕንቲት ክንፅበ ከም ዘለና ብሩህ እዩ" ይብል። “ኣንጻር ዩክረይን ጥራይ ዘይኰነስ ኣንጻር ካልኦት ሃገራት ኣውሮጳ'ውን እዩ።"




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







