ሩስያ መስመር ባቡር ንዝዓጸወትላ ሉትዌንያ ኣጠንቂቓ

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ሉትዌንያ ብግዝኣታ ኣቢሉ ግዝኣት ሩስያ ናብ ዝዀነት ካሊኒንግራድ፡ ብባቡር ዝግበር ምትሕልላፍ ንግዳዊ ኣቝሑ ድሕሪ ምእጋዳ፡ ‘‘ከቢድ ሳዕቤን" ከም ዝወርዳ ሩስያ ኣጠንቂቓ፡፡
ላዕለዋይ በዓል መዚ ጸጥታ ኒኮላይ ፓትሩሸቭ፡ ‘‘ብርግጽ ንኸምዚ ዝበለ ተጻባኢ ተግባር ግብረ መልሲ ክንህብ ኢና’’ ኢሉ፡፡
ሉትዌንያ ግን፡ ነቲ ሩስያ ንዩክረይን ድሕሪ ምውራራ ብሕብረት ኣውሮጳ ዝተነበረ እገዳታት ተፈጽም ከም ዘላ እያ እትገልጽ፡፡
ግዝኣት ካሊኒንግራድ፡ ማእከል ንግዲ ሩስያን ሃገራት ባልቲክን ኰይና፡ ብቐጥታ ግን ምስ ሩስያ ኣይትዋሰንን፡፡
እታ ምዕራባዊ ግዝኣት ኣብ ካልኣይ ኲናት ዓለም 1945፡ ሩስያ ካብ ጀርመን ብሓይሊ ዝወሰደታ ኰይና፡ ምስ ሕብረት ኣውሮጳን ኣባላት ኔቶ ዝዀና ሃገራት ሉትዌንያን ፖላንድን ትዋሰን፡፡
ኣስታት ሓደ ሚልዮን ህዝቢ ከም ዝነብራ ዝንገረላ እታ ግዝኣት፡ ቁጠባኣ ካብ ሩስያን ሕብረት ኣውሮጳን እተእትዎም ጥረ ኣቑሑን መለዋወጥን ዝተመርኰሰ እዩ፡፡
እቲ ሉትዌንያ ዘንበረቶ ክልከላ፡ ን50 ሚእታዊት ኣታዊ ንግዲ ካሊኒንግራድ ከም ዝሽፍን ኣመሓዳሪ ኣንቶን ኣሊካኖቭ ይገልጽ፡፡
ኣብታ ግዝኣት ምብጻሕ ዘካየደ ፓትሩሸፍ እቲ ክልከላ ምዕራባውያን ዘበገሳኦ፡ ‘‘ዓለምለኻዊ ሕጊ ዝጠሓሰ’’ ክብል ዝገለጾ ኰይኑ፡ ሃገሩ ኣብ ቀረባ ‘‘ግቡእ ስጕምቲ ክትወሰድ እያ’’ ኢሉ፡፡
ሩስያ ብሰሉስ ንግሆ ንኣምባሳደር ሕብረት ኣውሮጳ ጸዊዓ ብዛዕባ እቲ ክልከላ ኣዘራሪባቶ እያ፡፡
መራሕቲ ሉትዌንያ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ብመሰረት ሕብረት ኣውሮጳ ኣብ ልዕሊ ሩስያ ዘንበሮ እገዳ፡ ብግዝኣታ ኣቢሎም ናብ ግዝኣት ካሊኒንግራድ ዝሓልፉ ኣቝሑ ከም እትኽልክል ገሊጾም ነይሮም፡፡
ሕብረት ኣውሮጳ'ውን ነቲ እታ ሃገር ዝወሰደቶ ስጉምቲ ንኢዱ ኣሎ፡፡
እቲ ኽልከላ ከም ከሰል፡ ሓጺን፡ መሳርሒታ ህንጻን ምዕቡላት ቴክኖሎጂታትን ዘጠቓልል እዩ፡፡
ኣመሪካ ብተመሳሳሊ ኣብ ጐድኒ ሉትዌንያ ደው ከም እትብል ገሊጻ ኣላ፡፡
ሩስያ ኣብ ልዕሊ ጐረቤታ ዩክረይን ዝጀመረቶ ወራር ስዒቡ፡ ዝተነበሩላ ማዕቀባት ኣብ ልዕሊ ቁጠባኣ ከቢድ ሃስያ የውርዱ ከም ዘለው ጸብጻባት ይሕብሩ፡፡
ብኻልእ ወገን፡ ሓይልታት ሩስያ ንምብራቓዊት ከተማ ሰቨሮዶንስክ ብከቢድ ይድብድብዋ ከም ዘለዉ ኣመሓዳሪ እታ ግዝኣት ገሊጹ፡፡
ልክዕ ከምቲ ኣብ ማርዩፖል ኣብ ዝርከብ ፋብሪካ ሓጺን ኣዞቭስታል ዝገበርዎ፡ ሕጂ'ውን ወተሃደራት ዩክረይን ኣብታ ምብራቓዊት ከተማ ብኣማኢት ሰላማውያን ሰባት ኣብ ዝርከቡሉ ፋብሪካ ዓስኪሮም ከም ዘለዉ ተገሊጹ፡፡
ሩስያ ብወገና ሓይልታት ዩክረይን ነታ ኣብ ጸሊም ባሕሪ እትርከብ ኣብ ፈለማ እቲ ኲናት ዝተቘጻጸረቶ፡ 'ስኔክ ኣይላንድ' ንምሓዝ ዘገበርዎ ፈተነ ከም ዘፍሸለት ሓቢራ፡፡




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







