ሩስያ ንዩክረይን ኣብ ኣፍሪቃ ብኸመይ ኣኳሊማታ?

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብ ዝሓለፈ ውሑዳት ኣዋርሕ፡ ፕረዚደንት ዩክረይን ቮሎድሚር ዘለንስኪ ኣብ ሓያለ ባይቶታት ሃገራት ብማንዛ ኣኼባ ብምስታፍ፡ ዲፕሎማስያዊ ደገፍ ንምርካብ ህርድግ ክብል ኣሕሊፍዎ።
ብሰኑይ ንኣባላት ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪቃ መደረ ኣብ ዘስምዓሉ ኣጋጣሚ ግን፡ ኣርባዕተ መራሕቲ ሃገራት ጥራይ’ዮም ስሚዖምዎ፤ እቶም ዝተረፉ ወከልቶም እዮም ኣሳቲፎም።
እዚ ኸኣ እታ ኣብ ኣፍሪቃ 10 ኤምባሲታት ጥራይ ዘለዋ ዩክረይን፡ ማዕረ’ታ 40 ኤምባሲታት ዘለዋ ሩስያ፡ ኣብ ልቢ መራሕቲ ሃገራት ኣፍሪቃ ቦታ ከምዘይብላ ዘርኢ እዩ።
ካብዚ ብምብጋስ’ዩ ዘለንስኪ ነቲ ሱር ዝሰደደ ርክብ ሩስያን ኣፍሪቃን ንንምንቕናቕ እንተ ተኻኢሉ'ውን ንምብንቋስ ላዕልን ታሕትን ዝብል ዘሎ።
እቲ መገዲ ግን ቀሊል ኣይኮነን። ብቐዳምነት፡ ዩክረይን ንናይ ሩስያ ዝመዓራረ ዓለምለኻዊ ወተሃደራዊ ሓይሊ ዘለዋ ሃገር ኣይኮነትን፣ እቲ ካልኣይን ቀንድን ከኣ፡ ሩስያ ዘይከም ዩክረይን ኣብ ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ቀዋሚ ኣባልነት ዘለዋ ሃገር እያ።
ካብዚ ብምብጋስ፡ መብዛሕትኦም መራሕቲ ኣፍሪቃ፡ ምስ ሩስያ ምትፍናን ዘስዕብ ፖሎቲካዊ መርገጺ ክወስዱ ኣይደልዩን’ዮም።

እታ ሓንቲ ዩክረይን ካብ መራሕቲ ኣፍሪቃ ደገፍ ንምርካብ ትጥቀመላ ዘላ ነጥቢ፡ ሩስያ ንሰደድ ተዳልዩ ዝነበረ ኣእካል ከርዲናቶ ስለዘላ፡ ብሰንኪ ሩስያ ኣደዳ ጥምየት ትኾኑ ኣለኹም ብምባል፡ ‘ሩስያ ንኣፍሪቃ ጅሆ ትሕዛ ኣላ’ ትብል እያ።
ኣብ መጀመርታ'ዚ ወርሒ’ውን ፕረዚደንት ሰኔጋልን እዋናዊ ላዕለዋይ ሓላፊ ሕብረት ኣፍሪቃን ማኪ ሳል ናብ ሩስያ ብምብጻሕ፡ ምስ ፕረዚደንት ሩስያ ቭላዳሚር ፑቲን ብምርኻብ፡ እቲ ኣብ ወደባት ጸሊም ባሕሪ ንሰደድ ተዳልዩ ዘሎ ኣእካል ክሰዶ ተማሕጺንዎ ነይሩ።
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን’ውን ብተመሳሳሊ፡ ፕረዚደንት ደቡብ ኣፍሪቃ ስሪል ራማፎዛ ናብ ፑቲን ብምድዋል፡ ሩስያ ናብ ኣፍሪቃ ዱኽዕን ምህርቲ ሕርሻን ክትሰድድ ሓቲትዎ’ዩ።
ኣብ ማሊ ዝርከቡ ወተሃደራት ሩስያ'ውን፡ ኣብዚ እዋን ናብ ሃገሮም ከምዘይምለሱ ተረጋጊጹ ኣሎ።
ሓድሽን ቅልጡፍን ዓለማዊ ክውንነት
ሩስያ ጐድኒ ጐድኒ እቲ ምስ ዩክረይ ተካይዶ ዘላ ኵናት፡ ኣብ ኣፍሪቃ ሓድሽ ወተሃደራውን ጸጥታውን ውዕላት ካብ ምፍርራም ዓዲ ኣይውዓለትን።
ምስ ካሜሮን ዝተፈራረምቶ ሓዲሽ ውዕል ናይዚ ኣብነት’ዩ።
ሚኒስተር ምክልኻል ካሜሮን ጆሴፍ በቲ ኣሶሞ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ናብ ሩስያ ብምብጻሕ፡ ምስ መዘናኡ ሰርጌይ ሸውጊ ተራኺቡ ኣብ መንጐ ክልቲኤን ሃገራት ንሓሙሽተ ዓመታት ዝጸንሕ ወተሃደራዊ ምትሕብባር ክህሉ ዘኽእል ውዕል ፈሪሙ።
እቲ ስምምዕ ኣብታ ሃገር ዘሎ ምንቅስቃስ ግብረሽበራውያን ንምምካን ስለያውን ወተሃደራውን ልምምድ፡ ምልውዋጥ ተመኵሮን ሓባራዊ ታዕሊምን ክግበር ዝብል እዩ።
ኣብ 2015’ውን ሩስያ ንካሜሮን ሓገዛት ወተሃደራዊ ኣጽዋር ገይራትላ ነይራ’ያ።
ነዚ ስዒቡ እታ ንዩክረይን ብግሁድ ደገፋ ተስምዕ ዘላ ፈረንሳ፡ ኣብ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ፡ ዳይሬክተር ጉዳያት ኣፍሪቃ ናብ ካሜሮን ብምልኣኽ፡ ምስ ቀዳማይ ሚኒሰተር ካሜሮን ጆሴፍ ድዮ ንጉተ ከምዝራኸብ ገይራ።
እቲ ልኡኽ ፈረንሳ፡ ሃገሩ ንካሜሮን ቁጠባውን ባህላውን ሓገዛት ከምኡ’ውን ኣብቲ ካሜሮን ኣንጻር ግብረሽበራውያን ትገብሮ ቃልሲ ምሉእ ደገፍ ከምእትገብረላ መብጽዓ ኣትዩ።
መራሕቲ ሃገራት ምዕራብ፡ ሩስያ ቀንዲ ስግኣቶም ምዃና ብምእማን፡ ኣብ ዝረገጸቶ እናኣተዉ፡ እንተዀነ ልዕሊኣ እንተዘይኰይኑ ኸኣ ማዕረኣ ዲፕሎማስያዊ ተቐባልነት ንኽረኽቡ ይሰርሑ ኣለው።
እዚ ምስ ካሜሮን ዝተኣትወ ውዕል፡ ኣንጻር'ቲ ድሕሪ ወራር ዩክረይን ዝሰዓበ ሓድሽን ቅልጡፍን ዓለማዊ ክውንነት ዝተገብረ እዩ።

ምንጪ ስእሊ, AFP
ኣንጻር ምዕራባውን ሃገራት ዝግንፍል ዘሎ ስምዒት

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ገለ ንነዊሕ ዓመታት መሻርክቲ ምዕራባውያን ሃገራት ዝዀና ሃገራት ኣፍሪቃ ከይተረፋ፡ ኣብቲ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ብ2 መጋቢት፡ ሩስያ ወተሃደራዊ ሓይሊ ምጥቃም ደው ንኸተብል ንምጽዋዕ ዘካየዶ ኣኼባ፡ ንፑትን ክነቕፋ ድልዋት ኣይነበራን።
ሓንቲ ካብአን ሰኔጋል ኮይና፡ እታ ሃገር ንፑቲን ካብ ምንቃፍ ድምጻ ክትዕቅብ’ያ መሪጻ።
ካሜሮን’ውን ብተመሳሳሊ፡ ኣብ ሕቡራት ሃገራት ንዝርከብ ኣምባሳደራ፡ ድምጺ ቅድሚ ምሃቡ ናብ ሃገሩ ከም ዝመጽእ ብምግባር ካብቲ ወሳኒ ምሃብ ድምጺ ክትበኩር ክኢላ እያ።
ፈረንሳ፡ ምስ ኣሜሪካን ዓባይ ብሪጣንያ ብምዃን ከም ቀደምን ኣብ ኣፍሪቃ ብዘይ ተቓጻጺ ደገፋት ከም ዘይረኸባ፡ መርገጺ ካሜሮንን [ሩስያ እናተኾነነት ምስ ሩስያ ሓዲሽ ወተሃደራዊ ውዕል ምፍራማ] ሰኔጋልንን ኣብነት ኰይኑ፡ ብዙሓት ሃገራት ኣፍሪቃ ተመሳሳሊ ስምዒታት ዘጥርያ ዘለዋ ይመስላ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







