ፕረዝደንት ዘለንስኪ ኣብ ዓውደ ግምባራት ምብፃሕ ኣካይዱ

ፕረዝደንት ዩክረይን ቮሎድሚር ዘለንስኪ

ምንጪ ስእሊ, UKRAINIAN PRESIDENTIAL PRESS SERVICE

ፕረዝደንት ዩክረይን ቮሎድሚር ዘለንስኪ ንፈለማ እዋን ናብተን ብኵናት ዝተሃሰያ ደቡባዊ ከተማታት ዩክረይን ምብፃሕ ኣካይዱ።

ሓይልታቱ ናብቲ ዞባ ዝንጉዕ ግስጋሰ ይገብርሉ ኣብ ዘለውሉ ግዘ እዩ፡ ዘለንስኪ ናብተን ማእኸል ዓውደ ግምባር ዝኾና ከተማታት ምብፃሕ ኣካይዱ ዘሎ።

ኣብ ከተማ ማይክሎይቭ ምብፃሕ ዘካየደ ዘለንስኪ በቲ ኵናት ዝዓነዉ ህንፃታት ብምርኣይ፡ ምስ ወተሃደራት፣ ሰብመዝን ሰራሕተኛታት ጥዕናን ተራኺቡ።

እቲ ፕረዝደንት፡ ነታ ኣብ ምጅማር እቲ ኵናት ብከቢድ ደብዳብ ሩስያ ዝዓነወት ምዕራባዊት ከተማ ኦዴሳ እውን ሪኡ።

ሩስያ ገማግም ፀሊም ባሕሪ ንምቁፅፃር ኣብ ትገብሮቶ ፃዕሪ ከተማታት ማይክሎይቭን ኦዴሳን ዒላማታት ከምዝገበረት ይፍለጥ።

ሩስያ ካብ ርእሰከተማ ዩክረይን ኪቭ ሓይልታታ ካብ ትስሕብ ንነዘ፡ ቮሎድሚር ዘለንስኪ ምስ ዝተፈላለዩ መራሕቲ ዓለም ኣብ ከተማ ኪቭ ብወግዒ ዝተራኸበ እንትኾን፡ ምብራቓዊ ዞባ ዶንባስ ንምቁፅፃር ድማ ኣብ ውሳነ ተበፂሑ’ዩ።

 ቮሎድሚር ዘለንስኪ፡ ሓያል ውግኣት ይካየደሎም ናብ ዘለዉ ከባብታት ብምኻድ እውን፡ ንወተሃደራት ሩስያ በዲሁ።

ዘለንስኪ፡ ኣብዚ ቀረባ ሰሙናት ናብ ምብራቓዊት ከተማ ካርኪቭ ሓዊሱ፡ ማእኸል ዓውደ ግምባር ናብ ዝኾና ከባብታት ምብፃሕ ኣካይዱ’ዩ።

እቲ ፕረዝደንት ኣብ ኦዴሳ ንዝርከቡ ወተሃደራት ዩክረይን ረኺቡ ኣብ ዘዘራረበሉ፡ “ብሂወት ምህላውኩም ወሳኒ’ዩ። ንስኹም ምህላውኩም ዩክረይን ጥንኩር ምክልኻል ክህልዋ ዝገብር’ዩ። ንትሰርሕዎ ዘለኹም ዓብይን ፍፁምን ስራሕ ብስም ህዝብን መንግስትን ዩክረይን አመስግነኩም” ኢሉ።

ዘለንስኪ፡ ኣብ ማይክሎይቭ ንወተሃደራት መዳልያ ዝሸለመ እንትኾን፡ “ነታ ብሕታዊት ዘለትና ንስለ ዩክረይን ተገደሱ፡ ንባዕልኹም ድማ ጥንቃቐ ግበሩ” ኢሉ።

ንነዊሕ እዋን ቀንዲ ዒላማ ሓይልታት ሩስያ ኮይና ዝፀንሐት ከተማ ማይክሎይቭ ብሮኬታትን ከቢድ ብረትን ሩስያ ተደብዲባ እያ።

ኣብ መፈለምታ እዚ ሰሙን፡ ኣማሓዳሪ ማይክሎይቭ ቪታሊ ኪም፡ ወተሃደራት ሩስያ ካብ ኪቭ ይበፅሖም ንዘሎ መጥቃዕቲ ንምዝንጋዕ ኣብ ጥቓ ከተማ ኬርሶን ንዝርከብ ድልድል ከምዘፍረስዎ ገሊፁ ነይሩ።

ሕቡራት ሃገራት ብሰንኪ እዚ ዘስካሕክሕ ኵናት፡ 4500 ሰባት ከምዝተቐትሉን ኣስታት 5 ሽሕን 600 ሰባት ከምዝተጎድኡን ይገልፅ። ካብ ክልቲኦም ተዋጋእቲ ሓይልታት ድማ ብኣሽሓት ዝቑፀሩ ወተሃደራት ተቐቲሎም።

ብሰንኪ እዚ ኵናት ልዕሊ 13 ሚልየን ሰባት ካብ መረበቶም ከምዝተሰደቱ፡ ሓበሬታ ሕቡራት ሃገራት የረድእ።

ሃገራት ምዕራብ፡ ነቲ ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ዝፈፀመቶ ወራር ኣብ ልዕሊ ሞስኮ ሓያል ማዕቐብ ብምንባርን ንዩክረይን ኣፅዋር ብምድጋፍን ግበረመልሲ ሂበናሉ እየን።