ብምሒር ጭንቀት ስማን ኣድራሻኣን ኣብ ሑቐ ጓላ ዝጸሓፈት ኣዶ

ምንጪ ስእሊ, Sasha Makoviy
ሳሻ ማኮቪ ኣብ ሑቐ ንኡሽቶ ጓላ ሽማ (ቬራ)፣ ዕድሚኣን ዝተወሰኑ ቁጽሪ ስልኪታትን ጽሒፋትላ፤ ምኽንያታ ድማ ካብ ኪቭ ኣብ ዝሃድሙሉ እንተተጣፊኦም ወይ እንተሞይቶም መን ምዃና ክትፍለጥ ብዝብል እዩ፡፡
ንሳ ‘‘ንሕና እንተሞይትና ሰባት ክረኽቡዋን መን ምዃና ክፈልጡዋን ይኽእሉ እዮም’’ ክትብል ነቲ ኣብ ሓያል ተስፋ ምቑራጽ ኮይና ካብ ኲናት ዩክረይን እንትትሃድም ዝገበረቶ ንቢቢሲ ተዛሪባ፡፡
እዞም ስድራ ኣብዚ እዋን ‘‘ብፍቕርን ክንክንን ከምዝተኸበቡ’’ ኣብ ዝስምዖም ፈረንሳ እዮም ዝርከቡ፡፡
ናብታ ሃገር ምስኣተዉ፡ ወ/ሮ ሳሻ ነቲ ኣብ ሑቐ ጓላ ዝጸሓፈቶ ጽሑፍ ስኢላ ኣብ ኢንስታግራም ለጢፋቶ፤ ብዙሕ ሰብ ድማ ተኻፊሉዎ፡፡
‘‘ኣብ መጀመርታ መዓልቲ እቲ ኲናት እዩ ነይሩ፤ ካብ ኪቭ ንምህዳም ኩሉ ነገር ነዳሉ ኔርና፤ ውሑስ ምዃኑ ግን ርግጸኛታት ኣይነበርናን’’ ብምባል ትዝክር፡፡
ኣቑሑቶም እናጠርነፉ ከበድቲ ብረታት ይትኮሱ ነይሮም፤ እንታይ ይፍጠር ከምዘሎ እውን እኹል ሓበሬታ ኣይነበረን፡፡
‘‘ናተይ ከቢድ ሻቕሎት ዝነበረ ቬራ ከይትጠፍእ ወይ እንተሞይትና መን ምዃናን ስድራቤታ በዓል መን ምዃኖምን ከይፈለጠት ከይትተርፍ እዩ ነይሩ’’ ትብል ወ/ሮ ሳሻ፡፡

ምንጪ ስእሊ, Sasha Makoviy
ጓላ ብዘይ ቤተሰብ ከይትተርፍ ዝፈረሐት እታ ኣዶ፡ ሓደ መዓልቲ ናይ ኣዲኣ ሶሻል ሚድያ ኣካውንት ክትረክብ ከምእትኽእል ግን ተስፋ ትገብር ነይራ፡፡
‘‘ካብ ኢንተርነት ገለ ሓበሬታ ክትረክብ ትኽእል እያ ኢለ ሓሲበ፤ ምናልባት ናይ ኢንታግራም ኣካውነተይ ክትረኽቦ ትኽእል፡፡ ስድራ ቤታ እውን ክትርእይ ትኽእል’’ ኢላ፡፡
ንሃገራት ሞልዶቫ፣ ሮማንያን ቤልጂየም ኣቆራሪጻ ፈረንሳ ዝበጸሐት ወ/ሮ ሳሻ ኣእምሮኣ ግን ከምዝተጎደአ ትሕብር፡፡
እቲ ኲናት ኣዝዩ ሕልና ዝርብሽ ከምዝነበረን ናብ ደገ እንተወጺኻ ዝወደቐ እምኒ ፈንጂ መሲሉካ ክትስምብድ ከምእትኽእልን ተዘንቱ፡፡
‘‘ቬራ ጽቤቕ ኣላ፡፡ ነቲ ዘሎ ኩነታት ንምርዳእ ኣዝያ ንኡሽቶ እያ፡፡ ብዛዕባይ ዝኾነ ስምዒት ክህልዋ ይኽእል ግን ነዚታት ንምርዳእ ንእሽቶ እያ፤ ኣብዚ ዕድመ እዚ ምዃና እውን ሕጉስቲ እየ’’ ኢላ።





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







