ብምሒር ጭንቀት ስማን ኣድራሻኣን ኣብ ሑቐ ጓላ ዝጸሓፈት ኣዶ

ኣብ ዝባን ቪራ ዝተጽሓፈ ጽሑፍ ዘርእይ ስእሊ

ምንጪ ስእሊ, Sasha Makoviy

ሳሻ ማኮቪ ኣብ ሑቐ ንኡሽቶ ጓላ ሽማ (ቬራ)፣ ዕድሚኣን ዝተወሰኑ ቁጽሪ ስልኪታትን ጽሒፋትላ፤ ምኽንያታ ድማ ካብ ኪቭ ኣብ ዝሃድሙሉ እንተተጣፊኦም ወይ እንተሞይቶም መን ምዃና ክትፍለጥ ብዝብል እዩ፡፡

ንሳ ‘‘ንሕና እንተሞይትና ሰባት ክረኽቡዋን መን ምዃና ክፈልጡዋን ይኽእሉ እዮም’’ ክትብል ነቲ ኣብ ሓያል ተስፋ ምቑራጽ ኮይና ካብ ኲናት ዩክረይን እንትትሃድም ዝገበረቶ ንቢቢሲ ተዛሪባ፡፡

እዞም ስድራ ኣብዚ እዋን ‘‘ብፍቕርን ክንክንን ከምዝተኸበቡ’’ ኣብ ዝስምዖም ፈረንሳ እዮም ዝርከቡ፡፡

ናብታ ሃገር ምስኣተዉ፡ ወ/ሮ ሳሻ ነቲ ኣብ ሑቐ ጓላ ዝጸሓፈቶ ጽሑፍ ስኢላ ኣብ ኢንስታግራም ለጢፋቶ፤ ብዙሕ ሰብ ድማ ተኻፊሉዎ፡፡

‘‘ኣብ መጀመርታ መዓልቲ እቲ ኲናት እዩ ነይሩ፤ ካብ ኪቭ ንምህዳም ኩሉ ነገር ነዳሉ ኔርና፤ ውሑስ ምዃኑ ግን ርግጸኛታት ኣይነበርናን’’ ብምባል ትዝክር፡፡

ኣቑሑቶም እናጠርነፉ ከበድቲ ብረታት ይትኮሱ ነይሮም፤ እንታይ ይፍጠር ከምዘሎ እውን እኹል ሓበሬታ ኣይነበረን፡፡

‘‘ናተይ ከቢድ ሻቕሎት ዝነበረ ቬራ ከይትጠፍእ ወይ እንተሞይትና መን ምዃናን ስድራቤታ በዓል መን ምዃኖምን ከይፈለጠት ከይትተርፍ እዩ ነይሩ’’ ትብል ወ/ሮ ሳሻ፡፡

ሳሻ ማኮቪ ምስ ጓል ክልተ ዓመት ጓላ ቪራ ኣብ ኪቭ (ዝሓለፈ በዓል ልደት)

ምንጪ ስእሊ, Sasha Makoviy

መግለጺ ስእሊ, ሳሻ ማኮቪ ምስ ጓል ክልተ ዓመት ጓላ ቪራ ኣብ ኪቭ (ዝሓለፈ በዓል ልደት)

ጓላ ብዘይ ቤተሰብ ከይትተርፍ ዝፈረሐት እታ ኣዶ፡ ሓደ መዓልቲ ናይ ኣዲኣ ሶሻል ሚድያ ኣካውንት ክትረክብ ከምእትኽእል ግን ተስፋ ትገብር ነይራ፡፡

‘‘ካብ ኢንተርነት ገለ ሓበሬታ ክትረክብ ትኽእል እያ ኢለ ሓሲበ፤ ምናልባት ናይ ኢንታግራም ኣካውነተይ ክትረኽቦ ትኽእል፡፡ ስድራ ቤታ እውን ክትርእይ ትኽእል’’ ኢላ፡፡

ንሃገራት ሞልዶቫ፣ ሮማንያን ቤልጂየም ኣቆራሪጻ ፈረንሳ ዝበጸሐት ወ/ሮ ሳሻ ኣእምሮኣ ግን ከምዝተጎደአ ትሕብር፡፡

እቲ ኲናት ኣዝዩ ሕልና ዝርብሽ ከምዝነበረን ናብ ደገ እንተወጺኻ ዝወደቐ እምኒ ፈንጂ መሲሉካ ክትስምብድ ከምእትኽእልን ተዘንቱ፡፡

‘‘ቬራ ጽቤቕ ኣላ፡፡ ነቲ ዘሎ ኩነታት ንምርዳእ ኣዝያ ንኡሽቶ እያ፡፡ ብዛዕባይ ዝኾነ ስምዒት ክህልዋ ይኽእል ግን ነዚታት ንምርዳእ ንእሽቶ እያ፤ ኣብዚ ዕድመ እዚ ምዃና እውን ሕጉስቲ እየ’’ ኢላ።