ኢኳዶር፡ 2.8 ቶን ዝምዘን ዕጸ ፋርስ ዝሰረቑ ሰባት ተታሒዞም

ምንጪ ስእሊ, Ecuadorean Police
ፖሊስ ኢኳዶር ካብ ሓደ ብመንግስቲ ዝውነን መኻዚኖ 2.8 ቶን ዝምዘን ዕጸ-ፋርስ ሰሪቆም ዝሃደሙ ሰባት ከምዝሓዘ ኣፍሊጡ።
እቲ ክስተት ኣብ ተና ዝተብሃለት ከተማ ዘጋጠመ ኮይኑ፤ ኣርባዕተ ካብቶም ሰረቕቲ ነቲ በይኑ ኣብ ሓለዋ ዝነበረ ፖሊስ መጥቃዕቲ ብምፍጻም ነቲ ዕጸፋርስ ሰሪቖም ከምዝሃደሙ ወግዓዊ መግልጺ መንግስቲ እታ ሃገር ይሕብር።
ሽዱሽተ ጥርጡራትን እታ ብዕጸ ፋርስ ቅጽጽ ዝበለት መኪናን ኣብ ትሕቲ ፖሊስ ከምዘለዉ'ውን ተገሊጹ ኣሎ።
መንግስቲ እቲ ዝተተሓዘ ዕጸ ፋርስ እንታይ ዓይነት ምዃኑ'ኳ እንተዘይገለጸ፡ ብምልኡ ብሓዊ ክቃጸል ምዃኑ ሓቢሩ ኣሎ።
እቲ ዕጸ ፋርስ ቅድሚ ሕጂ ካብ ኣሰጋገርቲ ዕጸ ፋርስ ዝተተሓዘን ከም መርትዖ ተዓቂቡ ዝነበረን ምኻኑ ግን ተሓቢሩ ኣሎ።
ሃገረ ኢኳዶር ኣብ መንጎ እተን ካብ ዓለም ብምፍራይን ብምስግጋርን ዕጸ ፋርስ ቀዳሞት ዝኾና ሃገራት ፔሩን ኮሎምብያን እያ ትርከብ።
ኣብ ዓመተ 2021 ፖሊስ ኢኳዶር 210 ቶን ዕጸ ፋርስ ካብ ዘይሕጋውያን ኣሰጋገርቲ ከምዝሓዘ ይዝከር፡ እዚ ኸኣ ኣብ ሓደ ዓመት ዝተታሓዘ ዝብዝሐ ኮይኑ ተመዝጊቡ ኣሎ።
ዝበዝሐ ካብቲ ዝተተሓዘ ናብ ወደባዊት ከተማ ጉያኵል እናኸደን ብመንገዲ እታ ወደባዊት ከተማ ናብ ኣውሮጳን ናብ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካን ክሰጋገር ዝተሓሰበን እዩ።
ዝሓለፈ ዓርቢ ፖሊስ ኢኳዶር ብጨና ዕጸ ፋርስ ናይ ምልላይ ክእለት ብዘለዎም ኣኻልብ ገይሮም ኣብ ውሽጢ ሳንዱቕ ናይ ባናና ዝተሓበአ ሰለስተ ቶን ዕጸ ፋርስ ምርካቦም ተገሊጹ ነይሩ።
ፕረዚደንት ኢኳዶር ጉይለርሞ ላሶ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሕዳር ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕተት፡ ሃገሩ ምስግጋር ዕጸ ፋርስ ንምግታእ ዓለምለኻዊ፡ ናይ ኮሎምብያ፡ ኣሜሪካን ሕብረት ኣውሮጳን ሓገዛት ከምዘድልያ ገሊጹ ነይሩ።






![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







