ድርቂ ሶማልያ፡ 350 ሽሕ ህጻናት ከይሞቱ ተሰጊኡ

ሰብ ሞያ ንዝሓለፉ ዓሰርተ ዓመታት ኣብ ሶማልያ ካብዝተርኣዩ እቲ ዝኸፍአ ዝበልዎ ድርቂ እንተጋጥም ኣደታት ደቀን ክምግባ ዓቐብ ኮይንወን፥ ህፃውንቲ ድማ ማህሰይቲ ይበዝሖም ኣሎ።
ኒምኮ ኣብዲ ትበሃል። ጓል ሽዱሽተ ወርሒ ዕሸል ሓዚላ እያ ካብ ሞቃዲሹ 500 ኪሜ ርሒቑ ናብ ዝርከብ ሉቅ ማእከል ምርግጋእ ሕፅረት መግቢ መፂያ። ናብኡ ምስመፀት ከምኣ ምስዝበለት ካልእ ኣደ ንክልተ ኣብ ሓንቲ ዓራት ክዓርፋ ተገይረን።
ኒምኮ ጓላ ኣዝያ ቀጣን፣ ኣዒንታ ዝጠሓሉ፣ ካብ ምቕጣና ዝተልዓለ ኣዕፅምታ ንደገ ዝወፁ፣ ቈርበታ ድማ ዝፀምለወን ዝተጨማደደን እዩ።
‘ጡብ የጥቡባ ነይረ። ዳሓር ግን ብሰንኪ ሕፅረት ምግቢ ሓሚመ። እሳ’ውን ኣዝያ ምስ ቀጠነት ሒዘያ መፅየ። ኣብዚ እንተንኣሰ ፀባን መድሓኒትን ኣይትስእንን።’ ትብል ኒምኮ።
ኒምኮ ጓላ ክተምዝና ከላ 4 ኪሎ ጥራሕ እያ ኾይና። እዚ ማለት ካብቲ ክትምዝኖ ዝግብእ ዳርጋ ብፍርቂ ይትሕት።
ታሪኽ ኒምኮን ዕሸላን ናይ ብዙሓት ኣደታት ታሪኽ እዩ። ብሰንኪ ሕፅረት መግቢ እዚአን ብርክት ዝበላ ኣደታትን ምስ ደቀን ንሞት ተቓሊዐን ይርከባ።
‘ዝኾነ ነገር እንተተዘይገሩ ክረምቲ ክመፅእ ከሎ ንዝኸፍአ ሕፅረት ምግቢ ካብዝተቓልዑ 1.4 ሚልየን ህፃውንቲ እቶም 350,000 ክሞቱ ከምዝኽእሉ ይግመት።’ ክብል ኣብ ትካል ሰብኣዊ ረድኤት ሕቡራት ሃገራት [ኦቻ] ዝሰርሕ ኣዳም ኣብደልሙላ የጠንቅቕ።
‘ኣብዚ ሃገር 70 ሚእታዊ ህፃውንቲ ትምህርቶም ኣቋሪፆም እዮም። ንኣብነት ኣብ ክልል ጁባ ላንድ 40 ቤት ትምርቲታት ብሰንኪ ድርቂ ተዓፅየን እየን። ካልኦት ክልላት እውን ተመሳሳሊ ዕጫ እዩ ዝፅበየን።’ ክብል ዝገልፅ ኣዳም ኣዋላድ ወለደን ክቕልብወን ስለዘይከኣሉ ጥራሕ ሓዳር ክምስርታ ይግበራ ከምዘለዋ ይሕብር።
ዝባደማ ቁሸታት
ሉቅ ማእከል ምርግጋእ ሕፅረት መግቢ ናይ ምትእንጋድ ዓቕሙ 18 ሰብ እንተኾነ’ውን ልዕሊ 50 ህፃውንቲ ምስ ኣዴታቶም እናተኣናገደ ከምዘሎ ኣብቲ ማእከል ትሰርሕ ነርስ ፋጡማ መሓመድ ትገልፅ።
‘ካብ ዓቕምናን ካብቲ ዓቕሚ ማእከልን ብላዕሊ እናተኣናገድና ኢና ዘለና። መሳርሕታት ሕክምና’ውን እናወዳእና ኢና። ስለዝኾነ ድማ ኣብ ዝኸፍአ ጭንቀት ንርከብ።’ ትብል ፋጡማ።
‘እተን ኣደታት ዘምፅእዎም ህፃውንቲ ብዝኸፍአ ሕፅረት መግቢ ዝተሃሰዩ እዮም። መብዛሕትኦም ድማ ብርቱዕ ውፅኣትን ተምላስን ከምኡ’ውን ንፍዮ ዝሓመሙ እዮም።’
ገለ ካብቶም ዕሸላት ኣዝዮም ዝደኸሙ ስለዝኾኑ ኣብ መገዲ ዝሞቱ እውን ኣለዉ።
እዚ ማእከል እዚ ኣብ ሶማልያ ብዛዕባ ዘሎ ኩነታት ብዝተወሰነ ደረጃ ጥራሕ ዘርእይ እዩ። እቲ ድርቂ 4.5 ሚልየን ሰባት ፀልይዎም እዩ ዘሎ።
ኣብ ሶማልያ እቲ ዝዓበየ ፈለግ ጁባ ዋላ ሓንቲ ጥር ትብል ማይ የብሉን።

700,000 ዝኾኑ ሰባት ንዓታቶምን ንእንስሳታቶምን ዝኾን ማይ ክደልዩ ቁሸቶም ሓዲጎም ክመዛበሉ ግድን ከምዝኾኖምን እዚ ቁፅሪ ድማ እናወሰኸ ይኸድ ከምዘሎን ሓበሬታ ሕቡራት ሃገራት የመላኽት።
ኣብ ሶማልያ ኣርባዕተ ወቕቲ ዝናብ ስለዘይዘነበ 90 ሚእታዊት እታ ሃገር ነቒፁ እዩ። ሓያል ዋዒ እውን ኣሎ። ኣብ ገጠራት ኣብ ዝርከቡ መገዲታት ሬሳታት እንስሳ፥ ዝሞታ ኣጣል፣ ኣእዱግን ኣግማልን፥ ብኣብዝሓ ይርኣዩ እዮም። እዚ ድማ ንቶም እንስሳት ብምዕባይን ብምሻጥን ድራር ዕለቶም ንዝረኽቡ ሶማልያውያን ኣዝዩ ሓደጋ ኣለዎ።
ዋጋ መግቢን ማይን እናንሃረ ይርከብ። ሰባት ረድኤት ክደልዩ ናብ ከተማታት ክመፁ ከለዉ እተን ቁሸታቶም ይባድማ ኣለዋ። ዝቐረዩ እንተሃልዮም ዝናብ ክሳብ ዝዘንብ ወይ ደቆም ማይ ክሳብ ዘምጽኡሎም ዝፅበዩ ኣረጋውያን ጥራሕ እዮም።
ቁፅሪ እቶም ካብ መረበቶም ዝመዛበሉ ሰባት እውን ብሓያሎ እናወሰኸ እዩ ዝርከብ።
እዚ ዝኾን ዘሎ ድማ ገሊኦም ሰባት ካብቲ ኣብ 2017 ዘጋጠመ ድርቂ ገና ኣፀቢቖም ከይሓወዩ እንተለዉ ምዃኑ እዩ።
እቲ ድርቂ ኣብ ሶማልያ ጥራሕ ዘይኮነስ ኣብ ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃን ኣብ ክፋላት ዓለምን ከይቀረየ ፅልዋ ዘሕድር እዩ።
እቶም ርብዒ ዝኾኑ ኣፍሪቃውያን ንቅልውላው ውሕስነት ምግቢ ተቓሊዖም ከምዝርከቡ ዓለም ለኸ ኮሚተ ቐይሕ መስቀል ይሕብር።
እዚ ቅልውላው ጥሜት ግና ብሰንኪ ኵናት ሩስያን ዩክረይንን ተዓብሊሉ እኹል ትኹረት፣ ግቡእ ረድኤትን ሓገዝን ክረክብ ኣይክኣለን።
እቲ ዝኸፍአ ነገር ገና እዩ
ካብ ሉቅ ንሰሜን ገፅ ብኣማኢት ኪሎ ሜትሮ ርሒቑ ጋልካዮ ዝበሃል መዓስከር ኣሎ። ናይ ሸውዓተ ወርሒ ነፍሰፁር ዝኾነት ሃዋ ፋርጎድ ምስ ክልተ ኣንኣሽቱ ደቃ ብዕንጨይቲ ተሰሪሓ ብዝኣረጉ ክዳውንቲ ኣብ ዝተሸፈነት ኣጉዶ እያ ትነብር። ሃዋ ሓዊ ካብ ትእጉድ ግና ዘመናት ሓሊፎም።
ከምኣ ካብ ዝመስሉ ጎረባብታ ሓንቲ ሃዋ ሻሪፍ ሓሙሽተ ደቃ ሒዛ ኣብ ዓረብያ ኣድጊ ተሰቒላ ናብቲ መዓስከር ዝገበረቶ ጉዕዞ ክትገልፅ ከላ ኣብቲ መዓስከር ምስ በፅሑ እታ ኣድጊ ሽዑ ንሽዑ ከምዝሞተት ትዛረብ።
"ካብ ሞት ዝተረፈት ናይ መወዳእታ እንስሳና እታ ኣድጊ እያ ነይራ። እቶም ካልኦት ኩሎም ሞይቶም እዮም" ትብል።
እዚ ድርቂ ስድራቤታት ንክፈላለዩ ኣገዲዱ እዩ። ሰብኡት ስራሕ ክደልዩ ናብ ከተማታት እንትኸዱ ኣንስቲ ምስ ደቀን ረድኤት ናብ ዝርከበሉ ቦታታት ክጓዓዛ ግድን ኮይንወን።
ኣብ ሶማልያ ዝኸፍአ ቅልውላው ሓገዝ ኣሎ ዝብሉ ናይ ግብረ ሰናይ ትካላት ኣብታ ሃገር ካብ ዘድልይ ሓገዝ 3 ሚእታዊ ጥራሕ ከምዘለዎም ይገልፁ።
ማይ ዝፀዓና መኻይን፣ ቀረብ መግቢን ረድኤት ሕክምናን ክልእኹ ይፅዕሩ ኣለዉ። ይኹን እምበር እዚ ንኹሉ ሰብ ክባፃሕ ዝኽእል ኣይኮነን። ተወሳኺ ሓገዝን ወፈየን እንተዘይተረኺቡ ኣብ ዝቕፅሉ ሰሙናት እውን ምብፃሕ ዝከኣል ኣይኮነን።
ኣብ ወርሒ ሚያዝያ ትፅቢት ዝግበረሉ ዝናብ ገማግም ዝለዝኾነ እቲ ዝኸፍአ ነገር ገና ከይመፅእ ዓብዪ ስግኣት ኣሎ።
350,000 ህፃውንቲ ክድሕኑ እንተኾይኖም ስጉምቲ ክውሰድ ዘለዎ ሕዚ እዩ።
ሃዋ ፋርጎ እዚ መፃኹ ዝብል ዘሎ ናይ ጥፍኣት ስምዒት ኣፀቢቓ ትፈልጦ ነገር እዩ። ዝሓመሙ ቆልዑ ሒዛ፥ ንሳ ባዕላ’ውን ምስ ሕማም ኵሊት እንትቃለስ ከላ ብዛዕባ መፃኢ ኩነታት ተስፋ ኣይትገብርን እያ።
‘ፍርሐይ ብዛዕባ ደቀይ እዩ’ ድማ ትብል።







![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







