ህዳሰ ግድብ ኢትዮጵያ ድርቅን ጥሜትን ንምውጋድ ክውዕል ክኢላታት ኣተሓሳሲቦም

ህዳሰ ግድብ ኢትዮጵያ
መግለጺ ስእሊ, ህዳሰ ግድብ ኢትዯጵያ

ኣብ ፈለግ ናይል ዝህነጽ ዘሎ ህዳሰ ግድብ ኢትዮጵያ ድርቂ ንምምካት ክውዕል መጸዋዕታ ክኢላታት ቀሪቡ።

እቲ ግድብ ንዝመጽእ ሓያሎ ዓመታት ንግብጺ ኣብ ዝኸይድ ዋሕዚ ማይ ዓቢ ጽልዋ ክህልዎ እኳ እንተኾነ፡ እተን ሃገራት እንተሓባቢረን ግን ድርቅን ጥሜትን ንምውጋድ ክሰርሓሉ ከምዝኽእላ ኪኢላታት ስነ-ማይ ኣተሓሳሲቦም።

ህንጸት ህዳሰ ግድብ ኢትዮጵያ ኣብ መንጎ ግብጽን ኢትዮጵያን ሓያል ምስሕሓብ ፈጢሩ ይርከብ። ሕብረት ኣፍሪቃ ከኣ ነቲ ኣብ ክልቲአን ሃገራት ዘሎ ዘይምርድዳእ ክሽምግል ይፍትን ኣሎ።

ኪኢላታት ማይ ሃይድሮሎጂስት ዩኒቨርሲታት ዓባይ ብሪጣንያን ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ኣብ ግድብ ህዳሰ መጽናዕቲ የካይዱ ኣለው። ንሳቶም ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ዝነበረ መጠን ዝናብ ብምልካዕ ኣብ ግብጺ መጠን ማይ ክበዝሕ እንከሎ ኣስዋን ዳም ከምዝንኪ ሓቢሮም። እዚ ማለት ከኣ ህንጸት ህዳሰ ግድብ ኣብ ዋሕዚ ፈለግ ኣባይን ኒልን ብዙሕ ሻቕሎት ክፈጥር ከምዘይብሉ ኣብ መጽናዕቶም ሓቢሮም።

እቶም ክኢላታት፡ ክልቲአን ሃገራት ነቲ ዝፍጠር ጎዳኢ ሳዕቤናት ብምንካይ፡ ነቲ ኣብቲ ዞባ ንነዊሕ ዓመታት ሰሪቱ ዘሎ ድርቂ ንምምካት ከምዝከኣል ኣዘኻኺሮም።

ኢትዮጵያ እትሃንጾ ዘላ 4.8 ቢልዮን ዶላር ዝውድእ ግድብ ንቁጠባኣ ኣዝዩ ጠቓሚ ከምዝኾነ ትገልጽ፡፡

እንተኾነ፡ ኣብ ታሕታይ ተፋሰስ ዝርከባ ሃገራት ሱዳንን ግብጽን ግና እቲ ግድብ ንትሕዝቶ ማይና ይጎድእ እዩ ብዝብል ዘይምስምማዕ ገጢምዋ ኣሎ፡፡

ዛጊት እቲ ግድብ 4.9 ቢልዮን ክዩቢክ ሜትር ማይ ከምዝዓቖረ እዩ ዝግለጽ፡፡

ህንጸት እቲ ግድብ ምስ ተዛዘመ ኣብ ኣፍሪቃ እቲ ዝዓበየ ግድብ ከምዝኸውንን ንኣስታት 65 ሚልዮን ኢትዮጵየውያን ናይ ኤሌክትሪክ ጠለብ ከምዘማልእን መንግስቲ ኢትዮጵያ ይገልጽ።

ሙሉእ ብሙሉእ ኣብ ማይ ፈለግ ኒል ዝተመርኮሰት ግብጺ ግና እቲ ግድብ ንህላወኣ ዘስግእ ከምዝኾነ ብተደጋጋሚ ትሕብር፡፡