ኣብ በረኻ ንበይኑ መግቢ እናብሰለ ዝተስኣለ ኢትዮጵያዊ ህጻን ሓገዛት ተበርኪቱሉ

ኣብ በረኻ ንበይኑ መግቢ እናብሰለ ዝተስኣለ ኢትዮጵያዊ ህጻን

ምንጪ ስእሊ, Boru Konso

ሓደ ኢትዮጵያዊ ህጻን ኣብ ጸምጸም በረኻ ንበይኑ መግቢ እናብሰለ እንከሎ ዝተስኣሎ ስእሊ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ድሕሪ ምዝርግሑ ኣቓልቦ ብዙሓት ድሕሪ ምስሓቡ ገንዘባውን ንብረታውን ሓገዛት ተበርኪቱሉ።

ነቲ ስእሊ ኣብ ካሜርኡ ዝሰነደ ኢትዮጵያዊ ጋዜጠኛ ቦሩ ኮንሶ ንቢቢሲ ከም ዝገለጾ፡ ኣብቲ ከባቢ ሓደ ጸብጻብ ንምስራሕ ብሞተር ብሽክለታ ኣብ ዝተንቀሳቐሰሉ እዋን'ዩ ነቲ ህጻን ንበይኑ ኣብ ሰዓታት ምሸት ረኺብዎ።

"እቲ 10 ዓመት ዘይመልኦ ህጻን፡ ሓዊ ኣናኺሱ መግቢ የብስል ነይሩ። ንበይኑ ኣብቲ በረኻ መግቢ እናብሰለ ምስ ረኣኽዎ ኣዝየ'የ ሰንቢደ። ኣብቲ ከባቢ ክሳዕ 10 ኪሜ ዝኸውን ገዛ ዝበሃል ኣይትረክብን ኢኻ። ሽዑ ሞተር ብሽክለታይ ኣጸጊዐ ክስእሎ ወሲነ" ኢሉ።

እቲ ህጻን ንጋዜጠኛ ቦሩ ከም ዝነገሮ፡ ስድራቤቱ ኣብ ካልእ ወረዳ ዝነብሩ ክኾኑ እንከለው፤ ንሱ ማይን ሳዕርን ንምርካብ ነቶም ማል ሒዙ ካብ ቦታ ናብ ቦታ ይሳግም።

ኣብዚ እዋን ኣብ ኢትዮጵያ ተኸሲቱ ዘሎ ድርቂ ኣብ ልዕሊ ብጉስነት ዝናበሩ ስድራቤታት ከቢድ ጸቕጢ ፈጢሩ ይርከብ።

እቲ ስእሊ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ኣዘራራቢ ድሕሪ ምዃኑ ሓንቲ ካብቶም ነቲ ህጻን ክርእይዎ ናብቲ ከባቢ ዝተንቀሳቐሱ ኢትዮጵያዊት ብዓልቲ ዋኒን ሙና ባካረ እያ።

ንሳ ነቲ ህጻን፡ ንስድርኡን ንጎረባብቱን መግብን ካልእን ሓገዛት ኣበርኪታ።

"ስእሊ እቲ ህጻን ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ምስረኣኹ ልበይ ተንኪፉኒ። ክድቅስ ኣይከኣልኩን። ወደይ ከምኡ ከም ዘጋጠሞ እዩ ተሰሚዑኒ። ስለዚ ክእልሾ ጀመረ" ትብል ሙና።

ሙና፡ እቲ ህጻን ክሳዕ ኮሌጅ ዝውድእ ናይ ትምህርቱ ወጻኢታት ንምሽፋን ቃል ኣትያ።