'ጓለይ ኣብ ቅድሚ ዓይነይ ብሓርገጽ ተወሲዳ''

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
መዓልታዊ ዝሕተም ጋዜጣ ናሚብያ፡ ምስ ሓንቲ ኣደ ዝተገበረ ዘሕዝን ቃለ መሕተት ሒዙ ወጺኡ።
እታ ኣደ : ሓሙሽተ ዝዕድሚኣ ጓላ፡ ሓርገጽ ናብ ኦኮቫንጎ ዝተባህለ ሩባ ጎቲቱ ሒዝዋ ክኣቱ ብዓይና ከምዝረኣየት ትገልጽ።
ጓል 33 ዓመት ኢቭሊን ሙኩቨ፡ ንውላዳ ካብ መንጋጋ ሓርገጽ ክተናግፍ እኳ እንተተቓለሰት ኣይከኣለትን።
"ጓለይ ወሲዱዋ" ክትብል ንጋዜጣ ዘ ናሚብያን ተዛሪባ።
እታ ኣዶ ማይ ክትቀድሕ ናብቲ ሩባ ምስወረደት ጓላ ተኸቲላታ መጺኣ፤ ሽዑ እታ ህጻን ክትሕምብስ ክዳና ኣውጺኣ ናብቲ ሩባ ኣትያ።
"ከውጸኣ ምስከድኩ ክሳብ ብርካ ናብቲ ማይ ኣትያ ነይራ" ትብል።
ሽዑ እዩ እቲ ሓርገጽ መጥቃዕቲ ፈጺሙላ።
"ኡይ ክብል ኢለ ነይረ ግን ኣይከኣልኩን። ካብኡ ምስቲ ሓርገጽ ክገጥም ናብቲ ማይ ዘሊለ ኣትየ" ብምባል ነቲ ዘጋጠማ ዘሕዝን ፍጻሜ ትዝክር ምኩቨ።
"ብጭርኡ ሒዘዮ፤ ግን በቲ ሓርፋፍ ጭርኡ ጫሕጊጉኒ ንጓለይ ሒዙ ተሸሪቡ።"
ውላዳ፡ ኣብ ኣፍ ሓርገጽ ኣትያ ምርኣያን ክትቀብራ ዘይትኽእል ምዃናን ከቢድ ሓዘን ፈጢሩላ ከምዘሎ እቲ ጋዜጣ ጸብጺቡ።






![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







