ኣብ ኢንዶንዥያ ከባቢ 300 ሓራግጽ ተቐቲሎም

ተቐማጦ እታ ዓድን እቶም ዝተቐተሉ ሓራግጽን

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መግለጺ ስእሊ, እዞም ዝተቐተሉ ሓራግጽ እኹላትን ንኣሽቱ ውላዳት ሓራግጽን ዘጠቓለሉ'ዮም

ኣብ ኢንዶንዥያ ኣውራጃ ምዕራብ ፓፓው፡ ዝተቆጥዑ ህዝቢ ናብቲ ሓራግጽ ዝዕቀብሉ ቦታ ብምኻድ ልዕሊ 300 ሓራግጽ ቀቲሎም።

እዞም ተቀማጦ ሓንቲ ዓዲ ዝኾኑ ህዝቢ፡ ሓደ ተቀማጢ እታ ዓዲ ብሓርገጽ ስለዝተበለዐ ሕነ ንምፍዳይ'ዩ ነዚ ስጉምቲ'ዚ ዝወሰዱ።

ሰብ መዝን ፖሊስን ኣውራጃ ምዕራብ ፓፓው፡ ነዚ ተግባር ደው ከብልዎ ዘይምኽኣሎም ክቕጽዑ ከምዝኸእሉ'ዮም ዝሕብሩ።

ኣብ ኢንዶንዥያ ከምዚ ዓይነት ተግባር ምስ ገበን ዝጽብጸብ ኮይኑ፡ ክሳብ ብገንዘብን ብማእሰርትን ከቅጽዕ ይኽእል።

እቲ ብሓርገጽ ዝተበለዐ፡ ዓርቢ ናይ ንግሆ ኣብቲ እቶም ሓራግጽ ዝተዓቀብሉ ቦታ ኣሕምልትን ሳዕርን እናኣከበ እንከሎ'ዩ መጥቃዕቲ ወሪድዎ።

"ሓደ ሰራሕተኛ ናይ ርዱኒ ኣውያት ምስ ሰምዐ፡ ብቅልጡፍ ክረድእ ኣብ ዝኸደሉ እዞም ሓራግጽ ንሓደ ሰብ ከጥቀዕዎ ተዓዚቡ" ክብል ላዕለዋይ ሓላፊ ባህርያዊ ጸጋን ዕቃበን ምዕራብ ፓፓው ተዛሪቡ።

ድሕሪ እቲ ብቀዳም ዝተኻየደ ስነ ስርዓት ቀብሪ ብኣማኢት ዝቁጸሩ ተቀማጦ እታ ዓዲ ካራ፡ ሻፎ፡ ፋስ ማርቴሎን ባዴላን ብምሓዝ ናብቲ እቶም ሓራግጽ ዝተዓቀብሉ ቦታ ከይዶም።

ማዕከናት ዜና እታ ሃገር ከምዝሓበረኦ እዞም ቁጡኣት ህዝቢ መጀመርያ ነቲ ቤት ጽሕፈት ሕርሻ ሓራግጽ ድሕሪ ምውራር ነቶም ኣብቲ መዐቀቢ እንስሳ ዝነበሩ 292 ሓሪዶሞም ይብላ።