ኣውስትራልያ፡ ካብ ቆርበት ሓርገጽ ዝተሰርሐ 19 ሽሕ ዶላር ዋግኡ ናይ ኢድ ቦርሳ ብፖሊስ ተቃጺሉ

ካብ ቆርበት ሓርገጽ ዝተሰርሐ ናይ ኢድ ቦርሳ

ምንጪ ስእሊ, Australian government

19,000 ዶላር ዝዋግኡ ካብ ቆርበት ሓርገጽ ዝተሰርሐ ናይ ኢድ ቦርሳ ሒዛ ናብ ኣውስትራልያ ክትኣቱ ዝተረኸበት ጓል ኣንስተይቲ ብዘይ ፍቃድ ኢኺ ከተእትውዮ ፈቲንኪ ተባሂላ ነቲ ቦርሳ ኣሕዲጎም ከምዘቃጸልዎ ሰብ መዚ ኣውስትራልያ ገሊጾም።

እዚ ምስ መጋየጺ ዝኾኑ ንብረታት ዝስራዕ ናይ ኢድ ቦርሳ ኣብ ፈረንሳ ካብ ሰይንት ላውረንት ዝተብሃለ ክቡር ንብረታት ዝሽየጠሉ ዓቢ ድኳን ከምዝተዓደገን ብሓለዋ ዶብ ከተማ ፐርዝ ኣውስትራልያ ከምዝተተሓዘን እዩ ተገሊጹ ዘሎ።

ካብ ቆርበት ሓርገጽ ዝተሰርሑ ፍርያት ናብ ኣውስትራልያ ክኣትዉ ፍቁድ እኳ እንተኾነ፡ እቶም ካብ ቆርበት ሓርገጽ ዝተሰርሐ ንብረት ናብ ኣውስትራልያ ከእትዉ ዝሓስቡ ሰባት ኣቐዲሞም 70 ናይ ኣውስትራልያ ዶላር ከፊሎም ፍቃድ ክውሃቦም ክሓቱ ከምዝለዎም ዘገድድ ሕጊ ኣሎ።

ሚኒስተር ኣከባቢ ኣውስትራልያ ነቲ ምህጋርን ምቅጻልን ናይቲ ቦርሳ፡ “እቲ ኣቐዲሙ ዝጸደቐ ሕጊ ተግባራውነቱ ንምርግጋጽ ይስራሕ ከምዘሎ ዘርኢ’ዩ”ኢላ።

ኣብ ኣውስትራልያ እንስሳ ዘገዳም ክሸይጥን ክዕድግን ዝተረኸበ ሰብ ክሳብ 10 ዓመት ማእሰርትን ኣስታት ርብዒ ሚልዮን ናይ ኣውስትራልያ ዶላር ከቅጽዕ ዝኽእል ሕጊ ኣለዋ።

ውጽኢት ቆርበት ሓርገጽ ዝኾኑ ፍርያት፡ ናብ ኣውስትራልያ ክኣትዉ ፍቁድ እኳ እንተኾነ ብመሰረት ዓለምለኻዊ ውዕል ኣብ ሓደጋ ዝርከቡ ዓሌታት እንስሳን ኣታኽልትን ጥቡቕ ዝኾነ መቆጻጸሪ መስርሓት ከምዘለዎም እዩ ዝግልጽ።

ሚኒሰትር ኣከባቢ ሱዛን ለይ “ ብኦንላይን እንታይ ኢና ንዕድግ ዘለና እኹል ግንዛበ ክህልወና ኣለዎ፡ ብፍላይ ውጽኢት ቆርበት ዝኾኑ ነገራት ኣብ እንዕድገሉ ሕጊ ናይዛ ሃገር ምርዳእ ከድልየና እዩ” ኢላ።

ንሳ ብምስዓብ “ መንግስቲ ናብ ኣወስትራልያ እንታይ ይወጽእን እንታይ ይኣቱን ብምክትታል ዘይሕጋዊ ዝኾነ ደው ከብል ግዴታ ኣለዎ” ኢላ።

እታ ነቲ ቦርሳ ዝዓደገት ውልቀ ሰብ እቲ ቦርሳ ካብ ፈረንሳ ክወጽእ እኳ ፍቃድ እንተኣውጸአትሉ ናብ ኣውስትራልያ ዘእቱ ወረቐት ግን ከምዘይነበራ እዩ ተገሊጹ።

መንግስታት ዓለም ቆርበት ናይቶም ኣብ ሓደጋ ምጽናት ዘለዉ እንስሳታት በቶም መጋየጺ ዝኾነ ንብረት ዝሸጡ ዓበይቲ ትካላት ዓቢ ተጠላብነት ከምዘለዎ ስለዝተገንዘቡ ንምቁጽጻር ዝሕግዝ ውዕላት ይፈራረሙ እዮም።