መገሻ ኣቡነ ፍራንሲስ ናብ ሞዛምቢክ፡ የካትዕ ኣሎ

ምንጪ ስእሊ, TIZIANA FABI
መንግስቲ ሞዛምቢክ፡ ቀጻሊ ሰሙን ኣቡን ፍራንሲስ ናብታ ሃገር ቅድሚ ምምጸኦም ንዝግበር ምድላዋት ዝውዕል፡ 325 ሽሕ ዶላር ከምዝመደበ ብሬድዮ ምስተቓልሐ፡ ገለ ዜጋታት ሞዛምቢክ ቁጠዐኦም ይገልጽ ኣለዉ።
ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ እታ ሃገር "ንኸምዚ ዓይነት ኩነታት ዝውዕል በጀት ኣለና" ይብል።
ነበርቲ ከተማ ማፑቶ ግን፡ 'ዓብዪ ሰብ ይምጻእ ኣይምጻእ ብዘየገድስ' እቲ ገንዘብ ንልምዓት ርእሰ ከተማ እታ ሃገር ክውዕል እዩ ዝግባእ በሃልቲ እዮም።
"እዚ ዕሽነት እዩ! ከተማና ንምጽባቕ ግድን ድዩ እቶም ኣቡን ክሳብ ዝመጹ ክንጽበ? ማፑቶ ኩልሻብ እያ ከምዚ ክትውቅብ ዘለዋ" ክትብል ቤርኒሺያ ኮቴላ እትበሃል ነባሪት ናይታ ከተማ ገሊጻ።
"እዚ ነብስኻ ከይተሓጸብካ፡ መጋየጺ ከም ምግባር እዩ ዝቑጸር። ዘየሎ ምስሊ ንምፍጣር ንምንታይ ኣድለየ? ነቲ ሓቂ ንምሕባእ ዝተገበረ እዩ" ክትብል፡ ነቲ ንኣቀባብላ ኣቡነ ፍራንሲስ ክበሃል ዝተገብረ ምድላዋት ነቒፋ።
ኣፎንሶ ሲልቬይራ ዝተብሃለ ካልእ ነባሪ፡ ብዓይኒ ምሕላው ውሕስነት ናይቶም ኣቡን ክረኣይ እንከሎ፡ እቲ ዝወጸ ገንዘብ ግቡእ እዩ በሃሊ እዩ።
እቲ መገድታት፣ ቤተክርስትያንን ስታድየምን ውሕስ ክከውን ምግባር ኣድላዪ እዩ ኢሉ ይኣምን።
"ግን ከኣ፡ ጽርየት፣ ውሑስነትን ልምዓትን ከተማና፡ ናይ መንግስትን ካልእ ሕብረተሰብን ቀዳማይ ዕማም ክኸውን ኣለዎ ኣብ ዝበል ሓሳብ ግን ኣነ'ውን እሰማማዕ እየ" ድማ ይብል።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







