ሃገራዊ ባይቶ ንዴሞክራሲያዊ ለውጢ፡ "ብሓዲሽ መንፈስ ክንቃለስ ኢና"

ምንጪ ስእሊ, HB
ሓይልታት ተቓውሞ ህዝቢ ኤርትራ፡ ንነዊሕ ዓመታት በብዝመስሎን በብዝጥዖምን ኣገባብ ብተናጸልን ድሩት ሕብረትን ክሰርሕ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ተነጻጺልካ ምስራሕ ትርጉም ስለዘይረኸበሉ፡ ዓቕምታቱ ንምውህሃድ ኣብ 2010 ኣብ ኣቃቂ ኢትዮጵያ ንኹሎም ተቓለስቲ ሓይልታት ተወኪሳን ጎስጒሳን ሰፊሕ ዋዕላ እተሰናድእ ኮሚሽን ኣቚሙ።
ኣብ ሕዳር 2011 ከኣ እቲ ኮሚሽን ዕድመኡ ምስ ዝተቐበሉ ፖለቲካዊ ውድባት፡ ሲቪክ ማሕበራትን ደለይቲ ፍትሒ ውልቀ ሰባት ኣብ ኣዋሳ ኢትዮጵያ ፈላሚ ጉባኤ ኣካይዱ፡ ዘትዩን መኺሩን ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራሲያዊ ለውጢ ዝስመ ጽላል ደምበ ተቓውሞ ቆይሙ።
እቲ ዝበዝሑ ሓይልታት ተቓውሞ ኤርትራ ዝጥርንፍ ባይቶ፡ ልዕሊ 100 ዝቑጽሮም ኣባላት ማእከላይ ሽማግለ ሒዙ ንጥፈታቱ ጀሚሩ። እንተኾነ እቲ ገና ኣብ ጽላሉ ንዘይተጠርነፉ ሓይልታት ጠርኒፉ ክሰርሕ ትጽቢት ዝተገብረሉ ባይቶ ኣብ ውሽጡ ብዝተፈጥረ ናይ ስልጣን ቁርቁስን ህልኽን ተባሊዑ።
እቲ ባይቶ ገና ኣብ ጉባኤ እንከሎ፡ ኣብ ኪዳን ዝነበሩ ሓይልታትን (ንገለ ክፋል ተቓወምቲ ሓይልታት ዝጥርንፍ ጽላል) ካብ ኪዳን ወጻኢ ዝነበሩ ሓይልታትን ብውድድር መናብር ኣብ ሰሓቦ ጉተቶ ስለዝኣተዉ ካብ ፈለምኡ ብሓጎጽጎጽ'ዩ ጀሚሩ።
ኣብ መስርሕ ብስራሕ እናተመዛዘነ ክጸርን ክወሃሃድን ትጽቢት እናተገብረሉ፡ በንጻሩ፡ ምንም ኣድማዒ ስራሕ ከይሰርሐ ብውድድር ስልጣንን ህልኽን ውሽጣዊ ግርጭትን ተዶቒሱ።
ብተደጋጋሚ ምሕጽንታን መጸዋዕታን ኣባላቱን ደለይቲ ፍትሒ ህዝብን ዝተፈላለየ ኣኼባታት ወዲቡ ፍልልያቱ ኣጽቢቡ ክንቀሳቐስ እኳ እንተፈተነ ግን፡ እቲ ግርጭት ህልኽን ልዕሊ ዓቕሙን ብቕዓቱን ስለዝነበረ፡ ኣብ መወዳእታ ክሰርሓሉ ኣብ ዘይክእል ደረጃ በጺሑ ንስለስተ ኣርባዕተ ዓመታት ኣብ ደውታ ጸኒሑ።
ንኣስታት ንሰለስተ ዓመታት ዝኣክል ኣብ ፍጹም ደውታ ድሕሪ ምጽናሕ ግን፡ "ፍልልያትና ኣጽቢብና ብዝተሓተ መሰማምዒ ነጥቢ እውን ክንሰርሕ ኣሎና" ብዝበሉ ግዱሳት ኣባላቱ፡ ዓሚ ሚያዝያ ጉባኤ ዓዲሙ፡ ድኽመታቱ ኣመሓይሹ ምእንቲ ድሕነት ህዝብን ሃገርን ንኽሰርሕ ቃል ኣትዩ ብሓድሽ መንፈስ ከምዝተበገሰ ኣብ ዘተስፉ ሃዋሁው ከምዘሎ ኣቦ መንበር እቲ ባይቶ ተጋዳላይ ነጋሽ ዑስማን ንቢቢሲ ሓቢሩ።
ኣብ መፋርቕ ወርሒ ነሓሰ እውን ኣብ ጀርመን ፍራንክፈርት ፉስቲቫል ብውዳብ ጉዕዞ ሚእቲ መዓልታት ስርሑ ገምጊሙ፡ ውጥን ስራሕን ቀደምትነታት ዕማማትን ስኢሉ፡ ኣብያተ ጽሕፈት ኣቚሙ ንስራሕ ተበጊሱ ምህላዉ፡ ኣብቲ ኣኼባ ዝተሳተፈን፡ ንጉዕዞ ቓልሲ ትማልን ሎምን ንዝድህስስ ሓባራዊ ዘተ ዝመርሐ ብርሃነ ወልደገብሪኤል (ሱዳናዊ) ኣረዲኡ።
"ሎሚ ካብ ሕሉፍ ድኽመታትና ተማሂርና ብዝከኣለና ዓቕሚ ፍልልያትና ኣጽቢብና ንድሕነት ሃገርን ህዝብን እንሰርሓሉ እዋን'ዩ" ዝበለ ተጋዳላይ ነጋሽ ዑስማን ምስ ኩሎም ካብ ባይቶ ወጻኢ ዘለው መቓልስትን መሻርኽትን ተቓለስቲ ሓይልታት ኮይኖም ዓቕሞም ንምብርካት ተበጊሶም ምህላዎም ገሊጹ።
ሃገራዊ ባይቶ ብምኽንያት ምጅማር ብረታዊ ተጋድሎ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ባሕቲ መስከረም ኣብ ሽወደን ቤት ጽሕፈቱ ከምዝኸፍት ኣቦ መንበር እቲ ባይቶ ተዛሪቡ። እቲ ዝኽፈት ቤት ጽሕፈት ከኣ ናይ ባይቶ ጥራሕ ዘይኮነ ኩሉ መሻርኽቲ ተቓላሲ ሓይሊ ዝራኸበሉን ሐሳብ ንሓሳብ ዝለዋወጠሉ ናይ ሓባር ቤት ጽሕፈት ንምግባሩ እውን ክሰርሕ ምዃኑ ኣረዲኡ።
ብተወሳኺ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ፡ ድምጺ ህዝቢ እተቃልሕን ንመንፈስ ተቓውሞ እተበራብርን መደባታ ናብ ኤርትራ እተብጽሕ ቴሌቪዠን ንከቕውም ይሰርሕ ከምዘሎ ሓቢሩ ኣሎ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







