ኣድነቕቲ ስሙይ ኮትዲቫርያዊ ሙዚቀኛ: ኣብ ስነ ስርዓት ቀብሩ ብሓይሊ ሳንዱቕ ሬሳ ከፊቶም

ምንጪ ስእሊ, AFP
ገለ ኣድነቕቲ ፍሉጥ ኮትዲቫርያዊ ሙዚቀኛ፡ ዲጄ ዓረፋት ስነ ስርዓት ቀብሩ ኣብዝተፈጸመሉ ከተማ ኣቢጃን ሳንዱቕ ሬስኡ ከፊቶም ፈቲሾሞ።
ኣብ መበል 33 ዓመቱ፡ ዝሓለፈ ወርሒ ብሰንኪ ሓደጋ ሞተር ብሽክለታ ህይወቱ ዝሰኣነ ዲጄ ዓረፋት፡ ሓቃዊ ስሙ ኣንገ ዲድየር ሁን እዩ።
እቶም ኣድነቕቱ ንሳንዱቕ ሬሳ ዲጄ ዓረፋት ከፊቶም ጨርቁ ብምቕላዕ፡ ውቓጦኡ ርእዮም ንሱ ምዃኑ ከምዘጣለሉ ኣብ ማሕበራዊ መራኸብታት ኣብ ዝተዘርገሐ ቪድዮ ይረኣይ።
ንዕኡ ንምዝካር፡ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት ምስተኣከቡ ድማ ዕግርግር ተላዒሉ።
ስነ ስርዓት ቀብሩ ቅድሚ ምፍጻሙ፡ ምእንተ ክብሩ ተባሂሉ ኣብ ስታድየም እታ ከተማ ምሉእ ለይቲ ዝጸንሐ ምርኢት ሙዚቃ ተኻይዱ።
ፖሊስ፡ ኣብ መንበሪ ገዛ ስድራ ዲጄ ዓረፋት ክተኣኻኸቡ ንዝፈተኑ ኣድነቕቱ መንብዒ ጋዝ ተጠቒሙ በቲንዎም።

ምንጪ ስእሊ, AFP
"ሰብነት መርኣያና ናይ ዝኾነ ሙዚቀኛ ቅድሚ ሓመድ ድበ ምእታዉ ክንርእዮ ኢና ደሊና" ክብል ስሙ ክጠቅስ ዘይደለየ ኣድናቒኡ ንኣጃንስ ፍራንስ ፕረስ ሓቢሩ።
ዲጄ ዓረፋት ብማሕበረሰብ ተዛረብቲ ቋንቋ ፈረንሳይ ልዑል ተቐባልነት ዘጥረየን ብናይ ኮትዲቫር ትልሂት ንጉስ ዘስመየን ሙዚቀኛ እዩ ነይሩ።
ንሱ ካብ ናይ መድረኽ ስርሓቱ ወጻኢ፡ ኣብ ውሽጢ ሃገሩ ብዝቐርብሉ ክስታት መዘራረቢ ሰብ እዩ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







