ኣድነቕቲ ስሙይ ኮትዲቫርያዊ ሙዚቀኛ: ኣብ ስነ ስርዓት ቀብሩ ብሓይሊ ሳንዱቕ ሬሳ ከፊቶም

ንዲጄ ዓረፋት ንምዝካር ዝተኣከቡ ኣድነቕቱ ዕግርግር ኣልዒሎም

ምንጪ ስእሊ, AFP

መግለጺ ስእሊ, ንዲጄ ዓረፋት ንምዝካር ዝተኣከቡ ኣድነቕቱ ዕግርግር ኣልዒሎም

ገለ ኣድነቕቲ ፍሉጥ ኮትዲቫርያዊ ሙዚቀኛ፡ ዲጄ ዓረፋት ስነ ስርዓት ቀብሩ ኣብዝተፈጸመሉ ከተማ ኣቢጃን ሳንዱቕ ሬስኡ ከፊቶም ፈቲሾሞ።

ኣብ መበል 33 ዓመቱ፡ ዝሓለፈ ወርሒ ብሰንኪ ሓደጋ ሞተር ብሽክለታ ህይወቱ ዝሰኣነ ዲጄ ዓረፋት፡ ሓቃዊ ስሙ ኣንገ ዲድየር ሁን እዩ።

እቶም ኣድነቕቱ ንሳንዱቕ ሬሳ ዲጄ ዓረፋት ከፊቶም ጨርቁ ብምቕላዕ፡ ውቓጦኡ ርእዮም ንሱ ምዃኑ ከምዘጣለሉ ኣብ ማሕበራዊ መራኸብታት ኣብ ዝተዘርገሐ ቪድዮ ይረኣይ።

ንዕኡ ንምዝካር፡ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት ምስተኣከቡ ድማ ዕግርግር ተላዒሉ።

ስነ ስርዓት ቀብሩ ቅድሚ ምፍጻሙ፡ ምእንተ ክብሩ ተባሂሉ ኣብ ስታድየም እታ ከተማ ምሉእ ለይቲ ዝጸንሐ ምርኢት ሙዚቃ ተኻይዱ።

ፖሊስ፡ ኣብ መንበሪ ገዛ ስድራ ዲጄ ዓረፋት ክተኣኻኸቡ ንዝፈተኑ ኣድነቕቱ መንብዒ ጋዝ ተጠቒሙ በቲንዎም።

ፖሊስ ኣድነቕቱ ንምብታን መንብዒ ጋዝ ተጠቒሞም

ምንጪ ስእሊ, AFP

መግለጺ ስእሊ, ፖሊስ ኣድነቕቱ ንምብታን መንብዒ ጋዝ ተጠቒሞም

"ሰብነት መርኣያና ናይ ዝኾነ ሙዚቀኛ ቅድሚ ሓመድ ድበ ምእታዉ ክንርእዮ ኢና ደሊና" ክብል ስሙ ክጠቅስ ዘይደለየ ኣድናቒኡ ንኣጃንስ ፍራንስ ፕረስ ሓቢሩ።

ዲጄ ዓረፋት ብማሕበረሰብ ተዛረብቲ ቋንቋ ፈረንሳይ ልዑል ተቐባልነት ዘጥረየን ብናይ ኮትዲቫር ትልሂት ንጉስ ዘስመየን ሙዚቀኛ እዩ ነይሩ።

ንሱ ካብ ናይ መድረኽ ስርሓቱ ወጻኢ፡ ኣብ ውሽጢ ሃገሩ ብዝቐርብሉ ክስታት መዘራረቢ ሰብ እዩ።

ዲጄ ዓረፋት

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ዲጄ ዓረፋት ንፉዕ ሙዚቀኛ 2016 ተባሂሉ ነይሩ