ጽሙማን (ምስማዕዝተስኣኖም) ክስዕስዑ ይኸእሉ።

ፅሙማት ሳዕሳዕቲ
መግለጺ ስእሊ, እዞም ፅሙማት ሳዕሳዕቲ ብዘይሙዚቃ እውን ምልሃይ ይኽእሉ።

ንሙዚቃን ትልሂትን ነፃፂልካ ምሕሳብ ከቢድ ክኸውን ይኽእል፤ ምኽንያቱ መብዛሕትና ንሳዕስዒት ዝውስኖ ሙዚቃ/ደርፊ እዩ ብዝብል ስለንድምድም።

ምናልባት እናተልሃኹም ሃንደበት ሙዚቃ እንተዘቋርጽ ትልሂትኩም ምቐፀልኩም'ዶ?

ንመብዛሕትና ምንቅስቓስ ትልሂትና ብሙዚቃ ስለዝውሰን፡ ንሙዚቃን ሳዕስዒትን ፈላሊኻ ምርኣይ ክኸብደና ይኽእል'ዩ።

ንፅሙማን ግን ሙዚቃ ንዓርሱ ትርጉም ኣልቦ እዩ። ስለዘይሰምዕዎ ስምዒት ኣይፈጥረሎምን። ንትልሂታዊ ምንቅስቓሶም ዝውስኖ ድማ ህርመት ሙዚቃ ይኸውን።

መግለጺ ቪድዮ, ኣብ ኣዲስ ኣበባ ሓንቲ ጉጅለ ትልሂት ጽሙማን ዝተፈላለዩ ዓይነታት ትልሂት ትልሀ።

ንህርመት ሙዚቃ ከመይ ይግንዘብዎ?

ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ከባቢ ሽሮ-ሜዳ ዝርከብ ሓደ ጉጅለ ሳዕስዒትን ትያትርን ኣሎ። ኣባላት እቲ ጉጅለ ድማ ፅሙማን እዮም። ንህርመት ሙዚቃ ዝግንዘቡሎም ክልተ መንገድታት ከምዘለው ይገልፁ።

ትልሂት ንምልማድ ፈላማይ መንገዲ ዝገብርዎ ምንቅስቓስ መንኩቦም ምቑፃር እዩ። ኣብዚ ከይዲ መንኩቦም ብምንቅስቓስ እናንቀሳቐሱ ሓደ፥ ክልተ፥ ሰለስተ... ብምባል ንህርመት መንኩቦም ይቖፅሩ።

ብርግፅ እዚ ከይዲ፡ ምስማዕ ዝኽእሉ ሰባት እውን ይጠቀሙሉ እዮም። ንሳቶም ግን ከም መበገሲ ሳዕስዒት እዮም ዝጥቀሙሉ። በዓል ቅዱስ (ምስማዕ ዝተስኣኖ) ግን ኣብ መድረኽ እውን ነዚ ስልቲ እዮም ዝጥቀሙ።

ፅሙም ሳዕሳዒ ቅዱስ
መግለጺ ስእሊ, ናብቲ ጉጅለ ዝተፀምበረ ቅዱስ ምስዕሳዕ ከምዝኽእል ንዓርሱ ከእምን ግዜ ወሲዱሉ እዩ።

ሓደ ህርመት፥ ክልተ ህርመት፥ ሰለስተ ህርመት ወይ ድማ ልዕሊኡ ዘድልዮም ሙዚቃታት ፈልዮም፡ ብመሰረት እቲ ቁጽሪ መንኩቦም እናንቀሳቐሱ ይስዕስዑ።

"ፈለማ ብቴሌቭዥን እናርኣኹ ቅንኢ ይሓድረኒ ነይሩ። ኣነ ነዚ ክገብር ኣይክእልን እናበልኩ ይሓዝን ነይረ። ደሓር ድማ ዋላ ፈቲነ ዘይገድፎ ኢለ ንሰባት እንተማኽር 'ሳዕስዒት፡

ክሰምዕ ንዘይክእል ሰብ ዘይሕሰብ ነገር እዩ' ኢሎምኒ" ይብል ኣብ ቴሌቭዥን ብዝረኣዮ ሳዕስዒት ናብቲ ምንቅስቓስ ዝተሳሐበ ቅዱስ።

"ኣብ ብዙሕ ቦታታት እንትፍትን ተመሳሳሊ ሓሳብ እዩ ነይርዎም። ኮይኑ ግን ክሳብ መወዳእታ ተስፋ ከይቆረፅኩ እንትሓትት፡ ነዚ ጉጅለ ዝፈልጥ ሰብ ረኺበ ሒዙኒ መፂኡ"

ናብቲ ጉጅለ ዝተፀምበረ ቅዱስ ምስዕሳዕ ከምዝኽእል ንዓርሱ ከእምን ግዜ ወሲዱሉ እዩ። ከይዱን ስልትታቱን ኣፀቢቑ ክሳብ ዝግንዘብ ድማ ኣብ መለማመዲ ቦታ ይኹን ኣብ ገዝኡ ብዙሕ ፅዒሩ።

"ስምዒት ሙዚቃ ንምርዳእ ነቲ መፃወቲ (ቴፕ፥ ሲዲን ዝኣመሳሰሉን) ኣብ መሬት ኮፍ እንትነብሎ፡ ኣብ እግርና ተዘዝታ ይስምዓና። ካብ ታሕቲ ተበጊሱ ኣብ መላእ ኣካላተይ ንክስምዓኒ ከኣ ድምፂ ሙዚቃ ኣዚዩ ዓው ክብል ኣለዎ።

ሽዑ እቲ ተዘዝታ ናብ ካልእ ዓለም ይወስደኒ። ክስዕስዕ ከምዝኽእል ኣብ ዝፈለጥኩሉ ግዜ ብጻዕረይ ተሓቢነ። ሕዚ'ውን ከየቋረፅኩ ክቕፅል እየ" ይብል ቅዱስ።

ናብቲ ጉጅለ ዝፅምበሩ ሓደሽቲ፡ ኣብቲ ፈለማ ነቲ ከይዲ ንምግንዛብ ይፅገሙ እዮም። ጓል 19 ዓመት ስምረት እውን ንሳዕስዒት ልዑል ፍቕሪ እንተሃለዋ'ኳ ንስልትታት ክትግንዘብ ተፀጊማ ነይራ።

"ኣብቲ ፈለማ ብጣዕሚ ይኸብደኒ ነይሩ። ደጋጊመ ነቲ ድምፂ ዓው የብሎ ነይረ። ብፍላይ ህርመት ኣምሓርኛ ሙዚቃ ክርዳእ ስለዘይከኣልኩ 'ድገሙለይ' ይብል ነይረ።

ፅሙማን ተልሃይቲ
መግለጺ ስእሊ, ዝረኽብዎ ደገፋት ንምንቀስቓሳቶም ክንድቲ ዝድለ ንቕድሚት ከሰጉም አይከኣለን

መብዛሕቶም ፅሙማት ሳዕሳዕቲ፡ ደርፊታት ትግርኛ ይመርፁ። ምኽንያቱ ኣወዳድቓ ዜምኡን ድምፂ ከበርኡን ዝፈጥርዎ ተዘዝታ ኣዝዩ ልዑልን ፅሩይን እዩ።

ዝተወደበ ምንቅስቓስ ንምግባር ኣብ መድረኽ ከመይ ይናበቡ?

ምስማዕ ዝኽእሉ ሰባት፡ ኣብ እዋን ሳዕስዒት ካብ ቦታ ናብ ቦታ ንምንቅስቓስ ኮነ ቦታ ንምቕያር፡ ንለውጢ ዜማ ከም ምልክት ይጥቀምሉ። ነዚ ድማ ኣቐዲሞም እዮም ዝረዳድኡሉ።

"ንሕና ብምርእኣይ ኢና ምርድዳእ ንፈጥር" ዝብል ቅዱስ "ኣብ ቅድሚት ዘሎ ተላሃዪ ኣብ ድሕሪት ንዘለው ናይ ምምራሕ ሓላፍነት ኣለዎ። ምኽንያቱ ቀዲሙ ዝቕይር ንሱ እዩ፤ ካልኦት ድማ ይስዕብዎ።

ስለዝኾነ ካብ ካልኦት ትፅቢት ዝግበር፡ ነቶም ኣብ ምንቅስቓስን ቦታን ዘለው ለውጢታት ብቕደም ሰዓብ ምሓዝ ጥራሕ እዩ። ገለ እዋናት ድማ ህርመት ሙዚቃ ብዙሕ ኣብዘይተሓላለኸሉ ድሕሪ ክንደይ ህርመት ክንንቀሳቐስ ከምዘለና ተዘራሪብና ሓበራዊ ምንቅስቓስ ንገብር"

ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ፡ ክፍለ ከተማ ጉለሌ፡ ከባቢ ሽሮ ሜዳ ኣብ ዝርከብ ማእከል መናእሰይ ወረዳ-3፡ ልምምድ ዘካይድ እዚ ጉጅለ ኣብ ወርሒ ሚያዝያ 2008'ዩ ተጣይሹ። ብ 14 ኣባላቱ ድማ ዝተፈላለዩ ትያትራትን ሳዕስዒታትን ንምርኢት የቕርብ።

ሲሳይ ተሰማ ናይዚ ጉጅለ ዋና ኣካያዲ ስራሕን ኣሰልጣንን እዩ። ኣብ ሰሙን ንሰለስተ መዓልታት ካብ ድሕሪ ቀትሪ ሰዓት 8 (2) ክሳብ ኣጋ ምሸት 11፡30 (5፡30 ብፈረንጂ) ኣብ ዘሎ ግዜ ከኣ የሰልጥኖም።

እቲ ማሕበር፡ ካብ ሚንስቴር ሰራሕተኛን ማሕበራዊ ጉዳይን፥ ብሄራዊ ማሕበር ምስማዕ ዝተስኣኖም፥ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ ክፍሊ ደለይቲ ፍሉይ ሓገዝ ትምህርቲን ፌደሬሽን ፅሙማትን ሓገዝ ይረክብ እዩ" ይብል ሲሳይ።

ኮይኑ ግን ብዙሓት ትልሚታቱ ብሰንኪ ሕፅረት ገንዘብ ክዕወቱ ኣይከኣሉን።

"ብዙሕ እናሓሰብና ትልሚ እንተውፃእና'ኳ ንበዓል-ሞያ ንኸፍሎ ገንዘብ የብልናን። ሕዚ'ውን ግን ተስፋ ኣይቆረፅናን፡ ንጽሙማን ዝኸውን ቤት ትያትር ምኽፋት ከምኡ'ውን ኣብ ቴሌቭዥን ዝቀርብ ውድድር ናይ ምድላው ሕልሚ ኣለኒ" ይብል ሲሳይ ኣሰማ።