"ዋጦት: ሳይንቲስት ሙዚቃ እዮም"

ሙላቱ ኣስታጥቄ

ቅድሚ 52 ዓመታት ኣብ ከተማ ኒውዮርክ ኣብ ትርከብ ንእሽተይ ስቱድዮ ዝተፈጠረ ኢትዮ-ጃዝ፡ ካብ መላለይ ኣይፎን 8 ክሳብ ስያመ ኣብ ጀርመን ትርከብ ዓዲ ክበፅሕ ክኢሉ እዩ።

ኢትዮ ጃዝ መላለይ ኣይፎን 8 ምስ ምዃኑ ተተሓሒዙ ዝተሓላለኹ ጉዳያት ዘለዉ እንትኾኑ ካብ ፍቓዶም ወፃኢ፡ እቲ ሙዚቃ ክወሃብ ከምዝኸኣለ ዝዛረቡ ኣይተ ሙላቱ፡ ምስ ወኪላቶም ኣብ ድርድር ከምዘለዉ ተዛሪቦም።

ፍረ ጥበቦም ንመላለይ ኣይፎን 8 ምብቅዑ፡ ኢትዮ ጃዝ ዝፈጠሮ ፅዕንቶ እዩ ዝብሉ ኣይተ ሙላቱ፡ " ንሙላቱ ወይ ድማ ንኢትዮ-ጃዝ ጥራሕ ዘይኮነስ፡ ንሙዚቃ ኢትዯጵያ ኣብዚ ብርኪ ምብፅሑ ዓብይ ነገር እዩ" ይብሉ።

ኣብ መላእ ዓለም ተደማፅነት ክረክብ ዝኸኣለ ኢትዮ-ጃዝ፡ ኣብዚ ብርኪ እዚ ንኽበፅሕ ዝተኸፈለ መስዋእቲ ቀሊል ኣይኮነን ይብሉ።

ኣብ ዝተፈላለዩ መድረኻት ዓለም፡ ዝረኣየሉ ዕድል እውን ተፈጢሩ እዩ። ካብ ሞንጎ እዚኦም ውፅኢት ኢትዮ-ጃዝ ዝኾነን ንሽልማት ኦስካር ዝተመረፀን ሙዚቃ፡ "ብሮክን ፍላወርስ" ንዝተብሃለ ፊልሚ መዐጀቢ ኮይኑ እዩ።

ካብዚ ብተወሳኺ ኣብ ቅዲ ሙዚቃ ሂፕ ሆፕ፡ ዓብይ ግደ ዘለዎም ኣሜሪካዊ ናስን ተፃዋቲ ቅዲ ሙዚቃ ሪጌ ዴሚን ማርሌይን፡ "የግሌን ትዝታ" ዝተብሃለ ደርፊ፡ "ዲስታንት ሪላቲቭስ" ኣብ ዝብል ኣልበሞም ኣካቲተሞ።

ሙላቱ ኣስታጥቄ፡ ብትምህርቲ ሙዚቃ ዓብይ ኣብ ዝበሃል ካብ ዩኒቨርሲቲ በርክሌይ፡ ናይ ክብሪ ዶክትሬት ዝረኸቡ ፈላማይ ፀሊም ኣፍሪቃዊ እዮም።

"ዩኒቨርሲቲ በርክሌይ ዓቢ ናይ ሙዚቃ ጃዝ ቤት ትምህርቲ እዩ። ኣብ ከምዚ ዝበለ ዩኒቨርሲቲ ተቐባልነትን ኣፍልጦን ምርካብ ክብሪ እዩ። ቅድሚ ሕዚ ኣብ ጃዝ ዓብይ ሽም ዘለዎም እኒ ዱክ ኤሊንግተን፣ ኩዊንሲ ጆንስ፣ ኣሪታ ፍራንክሊን ኣብ ዝተሸለምሉ፡ ሓደ ኣፍሪቃዊ ምርካብ ዓብይ ኣፍልጦ እዩ" ይብሉ።

ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ጃፓን ልዕሊ 120 ሽሕ ሰባት ኣብ ዝተረኸብሉ ዝተኻየደ ኮንሰርት ፉጂስ፡ ስርሖም ዘቕረቡ ሙላቱ፡ ልዕሊ 140 ሽሕ ሰባት ኣብ ዝተዓደምሉ ዓብይ ፌስቲቫል ስኮትላንድ እውን ተሳቲፎም እዮም።

እዚ ጥራሕ ኣይኮንን ኣብ ሃገረ ጀርመን እትርከብ ፖፕ ሲቲ ዝተባህለት ዓዲ ብኢትዮ-ጃዝን ሙላቱ ኣስታጥቄን ስም ተሰይማ። ካብኦም ብተወሳኺ ኣብ ዕብየት ሙዚቃ ዕዙዝ ግደ ዝነበሮም በዓል ኤልቪስ ፕሪስሊ፣ ማይክል ጃክሰንን ማሪያ ማኬባን እውን ተመሳሳሊ ዕድል ዝበፅሖም ሙዚቀኛታት እዮም።

እዚኦም ኩሎም ፍረ ኢትዮ ጃዝ እዮም ዝብሉ ሙላቱ ኣስታጥቄ፡ ካብዚ ብተወሳኺ ብስም መሃዚ ጃዝ ዝኾነ ቻርሊ ፓርከር ኣብ ዝተሰየመን፡ በብዓመቱ ኣብ ከተማ ኒውዮርክ ኣብ ዝካየድ ፌስቲቫል ክፃወቱ ምኽኣሎም፡ ኢትዮ-ጃዝ ዝረኸቦ ዓብይ ክብሪ ዘርኢ ከምዝኾነ ይዛረቡ።

"እዚ ኩሉ ንኢትዮ ጃዝ-ዓብይ ኣፍልጦ እዩ፤ ኩሉ ግዜ ኣብ ዝምነዮን ዝደልዮን ብርኪ እናበፅሐ እዩ። ናብ ዝኾነ ይኹን ቦታ ዋላ እንተኸድኩ፡ ዘሎ ናይ ህዝቢ ድሌትን ፍቕርን ዓብይ እዩ።"

ኩሉ ግዘ ሓደሽቲ ስራሕቲ ካብ ምፍጣር ንድሕሪት ኣይብልን ዝብሉ ዶክተር ሙላቱ፡ ኣብዚ ሕዚ እዋን ድማ ካብ ስራሕቲ ኢትዮጵያዊ ፈላስፋ ዜማ ቅዱስ ያሬድ ብቅዲ ኦፔራ እናዳለዉ እዮም።

እዚ ስራሕ እዚ ኢትዮጵያ ብዘፈር ባህሊ ንዓለም ዘበርከተቶ ግደ ዝዝክር እዩ። ኣብዚ መፅናዕቲ እዚ፡ ቤተክርስትያን ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ኣብ ትጥቀሞ መቋሚያ እውን ተመራሚሮም እዮም።

እዚ መፅናዕቶም ድማ ኣብ ትሕቲ ዩኒቨርሲቲ ሃርቫርድ፡ ኢንስቲትዩት ቴክኖሎጂ ኦፍ ማሳቹሴትስ ብምዃን እዮም ዘካይድዎ ዘለዉ።

"ምምራሕ ሙዚቃ፡ ኢትዮጵያ ንዓለም ካብ ዘበርከተቶም ተራ እዩ" (ኮንዳክቲንግ ኢዝ ኢትዮፕያን ኮንትሪቦዩሽን ቱ ዘ ወርልድ) ብዝብል ኣርእስቲ፡ መፅናዕታዊ ፅሑፍ ዘቕረቡ እንትኾኑ፡ በዚ ድማ ኢትዮጵያ ንካልኦት ብምቕዳም መቋሚያ ብምጥቃም ምምራሕ ሙዚቃ ከምዘምሃረት ይትንትኑ።

መቋሚያ ጥራሕ ዘይኮነስ፡ ፀናፅልን ከበሮን ብሓፈሻ ንዋየ-ማህሌት እናተብሃለ ዝፅዋዕ ስርዓት ከምዘፅንዑ ይዛረቡ። " እዚ ክላሲካል ሙዚቃ እናተብሃለ ንዝፅዋዕ ሳይንስ ሙዚቃ መሰረት እዩ፤ እዚ ድማ ኢትዮጵያ ንዓለም ዘበርከተቶ ኣስተዋፅኦ የርኢ" ይብሉ።

ሙላቱ ኣስታጥቄ

ኢትዮ-ጃዝ ብኸመይ ተፈጢሩ?

ሙዚቃ ኣብ በርክሌይ ዘፅንዑ ሙላቱ፡ "ናብ ባዕልኻ ምምልካት ወይ ምርኣይ" ንዝብል ሓሳቦም መበገሲ ዝኾኖም ናይቲ ቤት ትምህርቲ መምህሮም ከምዝነበረ ይዛረቡ።

እዚ መምህር፡ "ንባዕልኩም ኩኑ" ዝብል ማዕዳ ብተደጋጋሚ ይምዕዶም ከምዝነበረ ብምዝካር፡ ካብ ቤት ትምህርቲ ወፅዮም ኣብ ከተማ ኒውዮርክ ኣብ ዝነብርሉ እዋን እውን ብዛዕባ ኢትዮጵያ ምምርማሮም ቀፂሎም።

"ኣብዞም ቅኒታት ተደሪኸ፡ ሕብሮምን መልክዖምን እንከይቀየርኩ፡ ብኸመይ ምስ ናይ ኣውሮጳውያን 12 ድምፅታት ኣወሃሂደ ሓድሽ ድምፂ ክፈጥር ከምዝኽእል ይመራመር ነይረ" ይብሉ ኣይተ ሙላቱ።

ድሕሪ እዚ መፅናዕትን ምርምርን ድማ፡ ናይ ክልቲኡ ጥምረት ኢትዮ-ጃዝ ክፈጥር ክኢሉ። ነዚ ጥምረት ድማ፡ "ምፍንዳእ ቅኒታት" (ኢምፕሮቫይዜሽን) ኢሎም ይፅውዕዎ።

ናብ ኢትዯጵያ ኣብ ዝምለሰሉ እውን ኩሉ ነገር ቀሊል ከምዘይነበረ ዝዛረቡ ሙላቱ ኣስታጥቄ፡ ካብ ሞንጎ ተዘክሮታቶም፡ ድርሰት ፀጋየ ገብረመድህን ንዝኾነ ተዋስኦ "ጴጥሮስ ያቺን ሰዓት" በገና፣ ፒያኖን ጊታርን ካልኦት መሳርሕታት ሙዚቃን ብምጥቃም ቅንብር ሰሪሖም።

ኣብቲ እዋን ሙዚቃ ጥላሁን ገሰሰ" ኩሉን ማን ኳለሽ" ብጣዕሚ ህቡብ ሙዚቃ ዝነበረ እንትኸውን፡ ብዙሓት እዚ ሙዚቃ እዚ ንክጥቀሙ ዋላ እኳ ድልየቶም እንተነበረ፡ ናይ ባዕለይ ምውህሃድ እየ ዝፃወት ብምባል ሙላቱ ኣብ ሐሳቦም ፀኒዖም።

ኣብ ኣምባሳደር ቲያትር ምድላዎም ኣቕሪቦም። "ኣብ ዝኾነ እዋን ኣይርስዖን፤ እቲ ዓይነት ሙዚቃ ናብ በገና እንትትቕየር እውን ብዙሓት ውረድ ኢሎምኒ። ውረድ፣ ውረድ ዝብል ድምፂ ዋላ እኳ እንተበርትዐ እንከይወዳእኹ ኣይወረድኩን" ዝብሉ ሙላቱ፡

"ኩሉ ግዘ ከም ዝዛረቦ፡ ኣብቲ ግዘ ተስፋ ቆሪፀ ሙዚቃ ምቁራፅ ምኸኣልኩ ነይረ፤ ምቅላስ ዝመስልዎ ነገር ግን የለን። እኳ ድኣስ እቲ ኣጋጣሚ ዝበለፀ ብርተዐን ህልኽን ኣስኒቑኒ። 'ተስፋ ኣይትቑረፁ፡ ኩሉ ግዘ ተቓለሱ፤ ሓድሽ ነገር ፍጠሩ' እናበልኩ እየ ንካልኦት ዝምዕድ" ይብሉ።

ድሕሪ ዓመታት ኢትዮ-ጃዝ ኣብ ኢትዮጵያ ኣፍልጦን ሰዓብትን እናረኸበ እኳ እንተመፅአ፡ ሕዚ እውን እንተኾነ ልዕሊ ውሽጢ ዓዲ፡ ኣብ ኣውሮጳን ካልኦት ሃገራትን ከምዝኾነ ይገልፁ፡ ሙላቱ ኣስታጥቄ።

ኢትዮ-ጃዝ ኣብ ጎደና ለውጢ ከምዝኾነ ዝዛረቡ ሙላቱ፡ ኣብ ውሽጢ ዓመታት ብዙሓት ስራሕቲ ምርምር ከምዝተወሰኾ ይሕብሩ።

"ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ፈጠርቲ ሙዚቃን ተመራመርትን ተደሪኽና፡ መልክዕን ዲዛይንን ዘለውና መሳርሕታት ሙዚቃ እንከይለወጠ፡ ብኸመይ ሙዚቃ ዓለም ምፅዋት ይከኣል ዝብል እዩ" ብምባል ቀንዲ ዕላማ ኢትዮ-ጃዝ ገሊፆምልና።

"ዋጦት፡ ሳይንቲስታት ሙዚቃ እዮም" ዝብሉ ሙላቱ ኣስታጥቄ፡ ዘለዉ መሳርሕታት ሙዚቃ ፈጢሮም ናብዚ እንተብፂሖም፡ ቀፃሊ ወለዶ ድማ ከመሓይሾ ከምዝግባእ የገንዝቡ።

'ዋጦት 'ናብ መበል 21 ክፍለ ዘመን ዝብል ካብ ዝሰርሕዎም ስራሕ ይፅርሑ። "እዞም ስራሕቲ እዚኦም ቀልልቲ ኣይኮኑን። ምስማዕን ምፍታውን ዝደልዩ ሰባት ይሓትት። ብውልቀ ሰብ ጥራሕ ዝስራሕ ኣይኮኑን" ይብሉ ሙላቱ።

ካብ ምርምርን ስራሕቲ ሙዚቃን ብተወሳኺ፡ 'አፍሪካን ጃዝ ቪለጅ' ዝበሃል ቤት ትምህርቲ ሙዚቃ፣ መደብ ሬድዮ ዝነበሮም እንትኾኑ፡ ንመፅናዕቲ ናብ ሃርቫርድ ኣብ ዝኸድሉ እዋን ተቋሪፁ እኳ እንተነበረ፡ ኣብዚ ሕዚ እዋን፡ እዚ መደብ ሬድዮ ናብ ኣየር ተመሊሱ ኣሎ።