ኣብ ቻይና ዝተቐየደ ኣውስትራልያዊ ጸሓፊ ነቲ ዝቐረበሉ ክሲ ‘ክሳብ መወዳእታ ከም ዝቃለሶ’ ገሊጹ

ያንግ ሀንጁን

ምንጪ ስእሊ, YANG HENGJUN/TWITTER

መግለጺ ስእሊ, ዶክተር ያንግ፡ ዲፕሎማት ቻይና ነበር ኮይኑ ኣብዚ እዋን ምርምራት ኣብ ምግባርን ልብወለድ ጽሑፋት ኣብ ምድላውን ይነጥፍ

ን19 ኣዋርሕ ኣብ ቻይና ተቐይዱ ዘሎ ኣውስትራልያዊ ጸሓፊ፡ ነቲ ዝቐረበሉ ክስታት ስለያ ብዝምልከት “ፈጺሙ” ከም ዘይእመን ገሊጹ።

ያንግ ሀንጁን ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ወርሒ ጥሪ እዩ ኣብ መዕርፎ ነፈርቲ ጉዋንዞ ተታሒዙ ብስለያ ተኸሲሱ። ያንግ ኮነ ሃገሩ ኣውስትራልያ ነቲ ክሲ ነጺጎምዎ እዮም።

ዶክተር ያንግ መዓልታዊ መርመራ ይግበረሉ ከም ዘሎ ናብ ቤት ፍርዲ ግና ከም ዘይቀረብ ሰብ መዚ ኣውስትራልያ ኣቐዲሞም ገሊጾም ነይሮም።

ንሱ፡ ነቲ ዝቐረበሉ ክሲ ከም ዝተኣመነ ዝገልጽ ብመራኸቢ ብዙሓን ቻይና ዝተዘርግሐ ሓበሬታ፡ ሓሶት ምዃኑ ከም ዝተዛረበ መራኸቢ ብዙሓን ኣውስትራልያ ጸብጺበን።

ብኣባላት ስድራቤቱ ዝተዘርግሐ መልእኽቲ “ኣነ ንጹህ እየ፡ ክሳብ መወዳእታ ድማ ክቃለስ እየ፤ ዘይወዓልክዎ ነገር ፈጺመ ኣይክእመንን እየ” ከምዝበለ ይገልጽ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ቀዳማይ ሚኒስተር ኣውስትራልያ ስኮት ሞሪሰን፡ እቲ ክሲ “ፈጺሙ ሓቅነት ዘይብሉ” ምዃኑ ብምግላጽ ቻይና ክትፈትሖ፡ ጸቕጢ ከም ዝተገበረ ተዛሪቡ ነይሩ።

ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ቻይና ግና ኣውስትራልያ ኣብቲ ጉዳይ ጣልቃ ካብ ምእታው ክትቁጠብን “ንሕጋዊ ሉኡላውነት ቻይና” ከተኽብርን ኣዘኻኺሩ።

ኣብ 2002 ናይ ኣውስትራልያ ዜግነት ዝተወሃቦ ዶክተር ያንግ፡ ዲፕሎማት ቻይና ነበር ኮይኑ ኣብዚ እዋን ምርምራት ኣብ ምግባርን ልብወለድ ጽሑፋት ኣብ ምድላውን ይነጥፍ።

‘ዘ ዴሞክራሲ ፔድለር’ ማለት ‘ሸቃጢ ዴሞክራሲ’ ብዝብል ቅጽል ስም ዝፍለጥ ዶክተር ያንግ ብዛዕባ ህልው ኩነታትን ውሽጣዊ ጉዳያትን ቻይና ይጽሕፍ እኳ እንተኾነ ኣብ ዝሓለፉ ቀረባ ዓመታት ንሰበስልጣን ቻይና ብቐጥታ ከም ዘይነቐፈ ይግለጽ።

ንሱ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ምስ በዓልቲቤቱን ወዳን እዩ ናብ ቻይና ገይሹ።

በይጂን፡ “ንሃገራዊ ድሕነት ቻይና ኣብ ሓደጋ ኣብ ዘእቱ ገበን” ከም ዝተሳተፈ እያ ትኸስስ። ኣውስትራልያ ብዛዕባ እቲ ክሲ መብርሂ ሓቲታ ኣላ።

ዶክተር ያንግ ንመጀመርታ ግዜ፡ ኣብ ፈለማ ናይዚ ሰሙን ምስ ጠበቕኡ ክራኸብ ከም ዝተፈቐደሉ፡ መራኸቢ ብዙሓን ኣውስትራልያ ጸብጺበን።

በዓልቲ ቤቱ ንስፔሻል ብሮድካስቲን ሰርቪስ ኣብ ዝሃበቶ ሓበሬታ፡ ንነዊሕ እዋን ደሃዩ ከም ዘየነበራ ተዛሪባ።

“እቶም ጠበቓታቱ ከም ዝረኸብዎ ምስነገሩኒ ቅሩብ እፎይታ ተሰሚዑኒ፤ እቲ ኩነታት ግና ደሓን ኣይኮነን። እቶም ጠበቓታት ክነግሩኒ ዘይፍቀደሎም ብዙሕ ነገራት ኣሎ” ኢላ።

ደገፍቲ ዶክተር ያንግ፡ ኩነታት ጥዕንኡ ከም ዘሻቐሎም ይገልጹ።